ናብ ሃገርካ ተመሊስካ ምግዓዝ
Återvandring – tigrinska
ንስኻ ናብ ሃገርካ ተመሊስካ ንኽትግዕዝ ወሲንካ ዘሎኻ ሰብ፥ ኣብ ገለ ፍሉይ ኩነታት፡ ንዓኻን ንስድራቤትካን ናብ ሃገርካ ንመጐዓዚ ዚኸውን ሓገዝ ንምርካብ ምልክታ ክትቕርብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ገለ ፍሉይ ኵነታት ውን፥ ናብ ሃገርካ ዘይኰነስ፡ ናብ ካልእ ሃገር ክትግዕዝ ትደሊ እንተ ደኣ ዄንካ ውን፥ ሓገዝ ንምርካብ ምልክታ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ እንተ ዀይኑ ግን፥ ኣብቲ ትኸዶ ሃገር ክትነብር ከም ትኽእል ዝተዋህበካ ውሳኔ ወይ ካልእ ናይ ምስክር ወረቐት ክተቕርብ ከድልየካ እዩ።
ኣብዚ ገጽ እዚ፡ መን ናብ ሃገሩ ንምጕዓዝ ሓገዝ ገንዘብ ንምርካብ ምልክታ ከቕርብ ከም ዚኽእል፥ ብኸመይ ምልክታ ከም ተቕርብ፥ ክንደይ ዚኣክል ሓገዝ ገንዘብ ክረክብ ከም ትኽእልን፥ እቲ ሓገዝ ገንዘብ ውን ብኸመይ ከም ዚኽፈለካን ሓበሬታታት ክትረክብ ኢኻ።
መን ’ዩ ንናይ መጐዓዚ ሓገዝ ገንዘብ ከመልክት ዚኽእል?
ንስኻ፡ ከም ስደተኛ ወይ ከም ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮ ሰብ ተቖጺርካ ወይ ብፍሉይ ሰብኣዊ ርህራሄ ምኽንያት ጊዚያዊ ወይ ቀዋሚ ዝዀነ መንበሪ ፍቓድ ተዋሂቡካ ኣብ ሽወደን ትነብር ዘሎኻ ወይ ውን ብመቝነን-ስደተኛታት ፍቓድ ረኺብካ ናብ ሽወደን ዝመጻእካ ሰብ፥ ሓገዝ ገንዘብ ንምርካብ ክተመልክት ትኽእል ኢኻ። ናይ ሽወደን ዜግነት ተቐቢልካ እንተ ዄንካ ወይ ውን ናይ ኡክራይና ዜጋ እንተ ዄንካ ግን፥ ሓገዝ ገንዘብ ክትቅበል ኣይትኽእል ኢኻ። ቁጠባዊ እቶት ዘሎካ ወይ ውን ንመጐዓዚኻ ባዕልኻ ክተፍለሉ ትኽእል ካልእ ንብረት ዘሎካ ሰብ ምስ ትኸውን ግን፥ ሓገዝ ገንዘብ ኣይኪወሃበካን እዩ።
ኣብ ርእሲኡ ክተርእዮ ዘሎካ ውን፥ ንስኻ/ኺ፡-
- ዘገልግል ናይ ሃገርካ ፓስፖርት ከም ዘሎካ እዩ። ብሽወደን ዝተዋህበካ መጋየሺ-ፓስፖርት ”resedokument” ወይ ፓስፖርት ወጻእተኛታት ”främlingspass” ኣየገልግልን እዩ።
- ናብ ካልእ ሃገር፡ ማለት ሃገርካ ናብ ዘይኮነት ሃገር ንምቕማጥ መደብ ጌርካ፥ ኣብታ ካልእ ሃገር እቲኣ ንምቕማጥ መንበሪ ፍቓድ ከም ዝረኸብካ ክተርኢ።
- ናይተን ናብ ሃገርካ ንኽትምለስ ትሓልፈን ሃገራት፥ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ቪዛ ናታተን ከም ዝረኸብካ ክተርኢ።
- ኣብ ሽወደን ናይ ”ቤትስልጣን መኽፈል ዕዳ” (kronofogden) ወይ ካብ ”ሲ. ኤስ. ኤን” (CSN) ዕዳ ከም ዘይብልካ ክተርኢ እዩ።
ኣባላት ስድራቤት
ኣብቲ ሓገዝ ገንዘብ ንምርካብ ምልክታ ተቕርበሉ ጊዜ፥ ንናይ ምሉእ ስድራቤትካ ምልክታ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ። እቶም ሓገዝ ንምርካብ ምልክታ ክተቕርበሎም ትኽእል ኣባላት ስድራቤት፥ ሰብኣይካ/ሰበይትኻ ከምኡ ውን ትሕቲ 18 ዓመት ንዝዀኑ ደቅኻን እዩ። ንናይ ካልኦት ሰባት ሓገዝ ገንዘብ ንምርካብ ምልክታ ክተቕርብ ውን ትኽእል ኢኻ። ንሳቶም ኣብቲ ናትካ ምልክታ ንኺካተቱ ኪክኣል ግን፥ በቲ ምሳኻ ዘሎዎም ዝምድና - ብስድራቤታዊ ምትእኽኻብ ምኽንያት ፍቓድ ተዋሂቡዎም ናብ ሽወደን ዝመጹ ሰባት ምስ ዚዀኑ እዩ። ንኣብነት እቲ ሰብቲ፡ ኣብዚ እዋን ’ዚ ዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሐ - ግን ድማ ምሳኻ ሓቢሩ ዚቕመጥ ምስ ዚኸውን እዩ። ንናትካ/ኪ መጻምድቲ (sambo) ዚኸውን ሓገዝ ገንዘብ ንኽተመልክት፥ ሓደ ፍሉይ ምኽንያት ኪህልወካ የድሊ።
መጐዓዚ ሓገዝ ገንዘብ ምስ ትረክብ
ናብ ካልእ ሃገር ንኽትግዕዝ መጐዓዚ ሓገዝ ገንዘብ ተቐቢልካ ካብ ሃገር ሽወደን ምስ ወጻእካ፥ እቲ ናትካ ዝነበረ መንበሪ ፍቓድ ይኹን እቲ ተዋሂቡካ ዝነበረ ”ናይ ከለላ መግለጺ” (skyddsstatusförklaring) ኪስሓብ እዩ።
ናይ መጐዓዚ ሓገዝ ገንዘብ ብኸምዚ ኣገባብ ተመልክት
ንናይ መጐዓዚ ሓገዝ ገንዘብ ንምርካብ፥ ነቲ ”ምልክታ ንሓገዝ ገንዘብ - ካብ ሽወደን ወጺእካ ኣብ ካልእ ሃገር ንምንባር” (Ansökan om bidrag för resa från Sverige för bosättning i annat land) ዚብል ኦርኒክ ክትመልኦ የድሊ።
እቲ ምልክታ ናብዚ ዚስዕብ ኣድራሻ ይልኣኽ፡-
Migrationsverket
Box 3100
903 03 Umeå
ነዚ ዚስዕብ ምስኡ ኣተሓሒዝካ ክትልእኮ ይግባእ
ኣብቲ ናይ ምልክታ ኦርኒክ ትልእከሉ ጊዜ፥ ነዞም ዚስዕቡ ሰነዳት ውን ምስኡ ኣተሓሒዝካ ክትልእኮም ይግባእ፡-
- ቅዳሕ ናይቲ ፓስፖርትኻ ዘገልግለሉ ዕለትን - ናትካ ግላዊ ሓበሬታን ዘሎዎ ናይ ፓስፖርትኻ ገጻት። ስድራቤትካ ምሳኻ ዚግዕዙ ምስ ዚዀኑ፥ ነቲ ናታቶም ናይ ፓስፖርት ቅዳሕ ገጻት ውን ክትልእኽ ይግባእ።
- ቅዳሕ ናይታ ኣብ መወዳእታ ጊዜ ካብ ”ስካተቨርከት” ዝተቐበልክያ ”ደምዳሚ ጸብጻብ-ግብሪ” (slutskattebeskedet) ዚብል ሰነድ፥ ከምኡ ውን ናይ ኩሎም እቶም ልዕሊ 18 ዓመት ዝዀኑ ኣባላት ስድራቤትካ።
- ናይ ምስምማዕካ መግለጺ ሰነድ (skriftligt samtycke)። ሓባራዊ ናይ ቆልዓ ምዕባይ ሓላፍነት ምስ ዚህልወኩም፥ እሞ እቲ ቆልዓ ምስ ሓደ ካብቶም ወለዲ ካብ ሃገር ሽወደን ዚግዕዝ እንተ ዀይኑ፥ ካብቲ ኣብ ሽወደን ዝተርፍ ወላዲ/ት ዝሃቦ ናይ ምስምምዑ መግለጺ ጽሑፍ ከቕርብ ይግባእ።
- ዕዳ ምስ ዚህልወካ (ዚህልወኩም)፡ ቅዳሕ ናይ ስምምዕ ወይ ብኸመይ ከም ትኸፍሎ ዘውጻእኩሞ ናይ ኣከፋፍላ-መደብ።
- ቅዳሕ ናይ ውሳኔ ወይ ካልእ ንዕኡ ዚመስል ጽሑፍ፥ ኣብታ ትግዕዘላ ሃገር ንኽትቅመጥ መሰል ከም ዘሎካ ዘርኢ ሰነድ (ናብ ሃገርካ ዘይኮነስ ናብ ካልእ ሃገር ትግዕዝ ምስ ትህሉ)።
ክንድ ’ዚ ዚኣክል ሓገዝ ገንዘብ ክትቅበል ትኽእል
ብዘይካ’ቲ ንመጐዓዚ ትኸፍሎ ሓገዝ ገንዘብ፥ ካልእ ተወሳኺ ሓገዝ ገንዝብ ውን ኣብቲ ናትካ ሕሳብ ኪኣቱ እዩ። ንነፍሲ ወከፍ ዓቕሚ-ኣዳም ዝበጽሐ ሰብ፡ እንተ በዝሐ 10 000 ክሮኖር፥ ከምኡ ውን ንነፍሲ ወከፍ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዀነ ቆልዓ፥ እንተ በዝሐ 5 000 ክሮኖር እዩ። ሓደ ስድራቤት፡ እንተ በዝሐ ብጠቕላላ 40 000 ክሮኖር ኪቕበል ይኽእል እዩ።
ንዅሉ ዓይነት መጐዓዚታት፡ ንናይ ነፋሪት፡ ባቡር ወይ ብናይ ርእስኻ ማኪና ንትገብሮ ምግዓዝ ሓገዝ ገንዘብ ክትቅበል ትኽእል ኢኻ። ንምብጻሕ ኢልካ ናብ ሃገርካ ትኸዶ መገሻ ወይ ውን ንናይ ኣቝሑ ገዛ መጐዓዚ ሓገዝ ገንዘብ ክትቅበል ግን ኣይትኽእል ኢኻ።
ኣከፋፍላ ናይቲ ሓገዝ ገንዘብ
እቲ ዚኽፈለካ ሓገዝ ገንዘብ፡ ምስቲ ምውጻእካ ጊዜ ተተሓሒዙ፥ ኣብ ናትካ ናይ ባንክ ሕሳብ ኪኣቱ እዩ።
ካብ ሃገር ሽወደን ምግዓዝ
ሚግራሾንስቨርከት ብዛዕባ’ቲ ጉዳይካ ውሳኔ ምስ ኣሕለፈ፥ ብቤት ቡስጣ ኣቢሉ መልእኽቲ ኪልእከልካ እዩ። ሽዑ ድማ፡ ናብቲ ኣብ ቀረባኻ ዘሎ ”ስካተቨርከት” ኬድካ፥ ንሓዋሩ ትግዕዝ ከም ዘሎኻ ምልክታ ክተቕርብ ኢኻ። ብድሕሪኡ ድማ፡ ቅዳሕ ናይቲ ንሓዋሩ ንምግዓዝ ናብ ”ስካተቨርከት” ዘቕረብካዮ ምልክታ፥ ናብ ሚግራሾንስቨርከት ክትልእከልና ኢኻ። ነቲ ናትካ ናይ መገሻ ቲከት ሚግርሾንስቨርከት’ዩ ዚእዝዞ፥ ገዚኡ ድማ ነቲ ቲከት ናባኻ ኪልእኮ እዩ። ሽዑ ድማ ነቲ ሓገዝ ገንዘብ ናብቲ ናትካ ናይ ባንክ ሕሳብ ከእትዎ እዩ።
መታን ኣብቲ ትደልዮ ዕለት ነቲ መገሻኻ ክነዳልወልካ፥ መዓስ ክትገይሽ ከም ትደሊ ኣቐዲምካ ንገረና። ነቲ ክትግዕዘሉ ትደልዮ ዕለት፥ ኣብቲ ናባና ተቕርቦ ምልክታ፡ ኣብኡ ክትጽሕፎ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ጕዳይካ ኣብ ንምርምረሉ ጊዜ ድማ፡ ብዛዕባ’ቲ ክትግዕዘሉ ትድልዮ ዕለት ክንሓተካ ኢና።
ምልክታ ኦርኒክ
ሕጊን ሕጋጋትን
ንዓኻ ካብ ሃገር ሽወደን ክትግዕዝ መዲብካ ዘሎኻ፥ ካልኦት ተወሰኽቲ ናይ ኢንተርነት መራኸብቲ ቀለቤታት
ልሙዳት ሕቶታትን መልሲታትን ብዛዕባ ናብ ሃገርካ ምምላስን ናይ መገሻ ሓገዝ ገንዘብን
ኣይፋልን፡ እቲ ዚወሃበካ ሓገዝ ገንዘብ፥ ኣብቲ ካብ ሃገር ሽወደን ትግዕዘሉ እዋን ’ዩ። እንተ ደኣ ሓደ ካብቶም ኣባላት ስድራቤት ክጸንሕ ደልዩ፥ እቲ ነቲ ሰብ ’ቲ ዚወሃብ ሓገዝ ገንዘብ፥ ኣብቲ ካብ ሃገር ሽወደን ባዕሉ ዚግዕዘሉ ጊዜ ኪወሃቦ እዩ።
ንስኻ/ኺ ካብ ሃገር ሽወደን ወጺእካ ኣብ ካልእ ሃገር ንኽትቅመጥ ዝግዓዝካ ሰብ፥ ሚግራሾንስቨርከት ነቲ ተዋሂቡካ ዝነበረ መንበሪ ፍቓድ ኪስሕቦ እዩ።
እንተ ደኣ ከም ሓደ ስደተኛ ተቖጺርካ ወይ ከም ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮ ሰብ ተቖጺርካ ”ናይ ከለላ መግለጺ” (skyddsstatusförklaring) ውሳነ ተዋሂቡካ ኔሩ፥ ንሱ ውን ኪስሓብ እዩ፥ እንተ ደኣ ናብ ሃገርካ ንኽትምለስ ናይ ሓገዝ ገንዘብ ምልክታ ኣቕሪብካ ዄንካ። እቲ ብናይ ገዛእ ፍቓዱ ናብ ሃገሩ ከይዱ ኪቕመጥ ዚምለስ ሰብ፥ ከም ልሙድ፡ ናይ ከለላ ኣድላይነት ኣሎዎ ኢልካ ኪውሰድ ኣይክኣልን እዩ።
ሚግራሾንስቨርከት ነቲ ናትካ ምልክታ ኣብ ዝተቐበለሉ ጊዜ፥ ንስኻ/ኺ ውን ”ናይ ከለላ መግለጺ” ተዋሂቡካ እንተ ደኣ ጸኒሑ ኔሩ፥ ነቲ ”ናይ ከለላ መግለጺ” ንኽስሓብ፡ ሓደ ጉዳይ ተኸፊቱ መጽናዕቲ ምግባር ኪጅመር እዩ። ሽዑ ድማ ሚግራሾንስቨርከት ደብዳበ ልኢኹ፥ እቲ ተወሲኑልካ ዝጸንሐ ”ናይ ከለላ መግለጺ” ንኺስሓብ ተቓውሞ እንተ ኣልዩካ፥ ሓሳብካ ንኽትገልጽ ክሓተካ እዩ። እንተ ደኣ ነቲ ዝቐረበልካ ሕቶ መልሲ ዘይሂብካሉ ግን፥ ብናይ ሚግራሾንስቨርከት ኣተራጉማ፥ እቲ ተወሲኑልካ ዝጸንሐ ”ናይ ከለላ መግለጺ” እንተ ተሳሕበ ውን ተቓውሞ ከም ዘይብልካ ጌሩ ኪወስዶ እዩ።
መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ከም ብሓድሽ ምልክታ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ምልክታኻ፡ ናብቲ ኣብ ቀረባኻ ዚርከብ ቆንስል ሃገር-ሽወደን ወይ ኤምባሲ ክተእትዎ ትኽእል ኢኻ። ግን ድማ፡ ቅድሚ ናብ ሃገር ሽወደን መገሻ ምፍጻምካ፥ እቲ ናይ ፍቓድካ ጉዳይ ውሳኔ ኪረክብ ይግባእ። ካብ ሚግራሾስንቨርከት ናይ ምግዓዝ ሓገዝ ገንዘብ ረኺብካ ምንባርካ፥ ነቲ ናትካ ሓድሽ ጉዳይ መጽናዕቲ ንምግባር ትርጉም ኣይክህልዎን እዩ።