ድሕሪ ናይ ዕቝባ ሕቶኻ ውሳነ

Efter beslut om din ansökan om asyl – tigrinska

ሚግረሽን ነቲ ናትካ ናይ ዕቝባ ሕቶ ውሳነ ምስ ሃበሉ ናብቲ መቐበሊ ኣሃዱ ክትጽዋዕ ኢኻ። ኣብኡ ድማ ብዛዕባቲ ውሳነ ክትንገርን እቲ ውሳነ ንኣኻ እንታይ ማለት ከም ዝኾነን ሓበሬታ ኪወሃበካን እዩ።

ብዛዕባቲ ሕቶኻ ኣወንታዊ መልሲ ምስ እትቕበል፡ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ይወሃበካ ናብ ሽወደን ንኽትነብር ድማ መሰል ይህልወካ።

ብዛዕባ ኣብ ሃገር ሽወደን ክትቅመጥ ከሎኻ እንታይ ከም ዚምልከተካ ብተወሳኺ ኣንብብ

ብዛዕባቲ ሕቶኻ ኣሉታዊ መልሲ ምስ እትቕበል፡ ተነጺግካ ማለት እዩ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ ድማ ሚግረሽን ኣብ ሽወደን ንኽትቅመጥ እኹል ምኽንያት ከም ዘይብልካ ይኣምን ማለት እዩ። ሕቶኻ ምስ ዚንጸግ ክልተ ኣማራጺ ኣሎካ፤ ነቲ ውሳነ ተቐቢልካ ንዓድኻ ምምላስ፡ ወይ ከኣ ይግባይ ምባል።

ብዛዕባ ሕቶኻ ኪንጸግ ከሎ እንታይ ከም ዚምልከተካ ብተወሳኺ ኣንብብ

Last updated: