ክትጸንሕ እንተ ተፈቒዱልካ

Om du får stanna – tigrinska

ንስኻ ዑቕባ ንምርካብ ኣመልኪትካ፡ እሞ መቐመጢ ፍቓድ ዝረኸብካ ሰብ፤ ኣብ ሽወደን ንምቕማጥን ንምስራሕን መሰል ኣሎካ።

ኣብዞም ዚስዕቡ ገጻት፡ ንዓኻ ዑቕባ ንምርካብ ኣመኪትካ፡ ኣብ ሽወደን መቐመጢ ፍቓድ ዝተቐበልካ፤ ዝተዳለወ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ። (ገለ ካብቶም ገጻት ብኹሉ ቋንቋታት ተተርጒሞም ኣይክትረኽቦምን ኢኻ)።

ከም ስደተኛ መጠን መቐመጢ ፍቓድ እንተ ተዋሂቡካ፡ እቲ ፍቓድካ ን3 ዓመት የገልግል።

ብዛዕባ ንስደተኛ ዚወሃብ መቐመጢ ፍቓድ፡ ኣብዚ ኣቲኻ ብዝበለጸ ኣንብብ

ከም ኣማርጺ ዑቝባ ዘድልዮ ሰብ መጠን መቐመጢ ፍቓድ ተዋሂቡካ፡ እቲ ፍቓድካ ን13 ኣዋርሕ የገልግል።

ብዛዕባ ከም ኣማራጺ ዑቝባ ዘድልዮ ሰብ ዚወሃብ መቐመጢ ፍቓድ፡ ኣብዚ ኣቲኻ ብዝበለጸ ኣንብብ

እንተ ደኣ መንበሪ-ፍቓድ ከም ”ስደተኛ” ተቖጺርካ ዝተዋህበካ ወይ ከም ”ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮ ሰብ ተቖጺርካ ወይ ብናይ ምጥራዝ-መዕገቲ ምኽንያት ወይ ብምኽንያት ኣዝዩ ኣሸጋሪ ናይ ህይወት ኵነታት መንበሪ-ፍቓድ ዝረኸብካ ምስ ትኸውን፥ ንናይ ስድራቤታዊ ምትእኽኻብ መሰል ኣሎካ።

ብዛዕባ ምስ ስድራቤትካ ንምትእኽኻብ ዘሎካ ዕድል፡ ኣብዚ ብዝበለጸ ኣንብብ።

ናይ ሃገርካ ፓስፖርት ክትረክብ ዕድል ዘይብልካ ምስ ትኸውን፤ ፓስፖርት ካብ ሚግራሾንስቨርከት ንምርካብ፡ ክተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ ”ፓስፖርት ባዕዳውያን” (främlingspass) ኣብዚ ብዝበለጸ ኣንብብ።

ብዛዕባ ጊዚያዊ ”ፓስፖርት ባዕዳውያን” (provisoriskt främlingspass) ኣብዚ ብዝበለጸ ኣንብብ

ብዛዕባ ”መጋየሺ ሰነድ” (resedokument) ኣብዚ ብዝበለጸ ኣንብብ።

እቲ ብጊዜ ዝተደረተ መቐመጢ ፍቓድካ ምስ ተወድአ፤ ኣብ ሽወደን ንምጽናሕ ድማ ምስ ትደሊ፤ ናይ መናውሒ ምልክታ ክተቕርብ ይግብኣካ።

ብዛዕባ መን መቐመጢ ፍቓዱ ከናውሓሉ ከም ዚኽእል፡ ኣብዚ ብዝበለጸ ኣንብብ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

መንበሪ-ፍቓድካ ንምንዋሕ ምልክታ ኣብ ተቕርበሉ ጊዜ፥ ምስኡ ብምትሕሓዝ ውን ንቐዋሚ

መንበሪ-ፍቓድ ናይ ምርካብ ምልክታ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ።(ብቛንቛ አንግሊዝ)

Last updated: