ስድራቤታዊ ዳግመ-ምትእኽኻብ
Familjeåterförening – tigrinska
ስድራቤትካ ናብዚ ንምምጻእ መሰል ኪህልወካ ይኽእል’ዩ፥ እንተ ደኣ ቀዋሚ-መንበሪ-ፍቓድ ተዋሂብካ ወይ ከም ስደተኛ ተቖጺርካ - ብጊዜ ዝተደረተ መንበሪ-ፍቓድ ተዋሂብካ ወይ ከም ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮ ሰብ ተቖጺርካ፥ ወይ ውን ብምኽንያት ናይ ምጥራዝ-መዕገትቲ፥ ወይ ውን ብኣዝዩ ፍሉይ ኣሸጋሪ ናይ ህይወት ኵነታትን - ኣብ ርእሲኡ ውን ንነዊሕ ጊዜ ዚኸውን መንበሪ-ፍቓድ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ ተባሂሉ ዝተገብረ ጭቡጥ ናይ መጻኢ ገምጋም ምስ ዚህሉን እዩ።
ምስኡ ግን፡ ንስድራ ቤትካ ባዕልኻ ክትናቢን፡ ዝበቅዕ ደረጃ ዘሎዎ መንበሪ ቤት ኪህልወካን፥ ዚብል ጠለብ ኣሎ። እዚ ጠለብ’ዚ ኣብ ኵሉ ኩነታት ዘገልግል ኣይኰነን።
መን’ዩ ንዳግመ ስድራቤታዊ ምትእኽኻብ መሰል ዚህልዎ?
ስድራቤትካ ናብ ሽወደን ናባኻ ንምምጻእ፤ ናይ መቐመጢ-ፍቓድ ምልክታ ከቕርቡ ዕድል ዚህልዎም፤ እንተ ደኣ ንስኻ፡-
- ቀዋሚ ዝዀነ መንበሪ-ፍቓድ ዝተቐበልካ ምስ ትኸውን
- ከም ስደተኛ ተቖጺርካ ብጊዜ ዝተደረተ መንበሪ-ፍቓድ ዝተዋህብካ ወይ ከም ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮ ሰብ ተቖጺርካ ወይ ውን ብናይ ምጥራዝ-መዕገትቲ ምኽንያት፥ ወይ ውን ብኣዝዩ ኣሸጋሪ ናይ ህይወት ኵነታትን - ኣብ ርእሲኡ ውን ንነዊሕ ጊዜ ዚኸውን መንበሪ-ፍቓድ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ ተባሂሉ ዝተገብረ ጭቡጥ ናይ መጻኢ ገምጋም ምስ ዚህሉ
- ብጊዜ ዝተደረተ መንበሪ-ፍቓድ ብናይ ምጥራዝ-መዕገትቲ ምኽንያት ዝተዋሃብካ፥ ወይ ውን ብኣዝዩ ኣሸጋሪ ናይ ህይወት ኵነታትን - ኣብ ርእሲኡ ውን ንነዊሕ ጊዜ ዚኸውን መንበሪ-ፍቓድ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ ተባሂሉ ዝተገብረ ጭቡጥ ናይ መጻኢ ገምጋም ምስ ዚህሉ
ስድራቤታዊ ምትእኽኻብ - ንዓኻ ብጊዜ ዝተደረተ መንበሪ-ፍቓድ ተዋሂብካ ዘሎኻ ሰብ
እቲ ናትካ ስድራቤት፡ ንዓኻ ብጊዜ ዝተደረተ መንበሪ-ፍቓድ ሽወደን ተዋሂቡካ ዘሎ ሰብ፥ ናብዚ መጺኦም ምሳኻ ንምቕማጥ ዘሎዎም ዕድል፥ ብብዙሓት ነገራት ዝተጸልወ እዩ። ብቕዳምነት ዘይወደቐ መንበሪ-ፍቓድ ኪህልወካ የድሊ። እዚ ማለት ድማ፡ እቲ መንበሪ-ፍቓድካ እንተ ደኣ ወዲቑ ከይኑ፥ እሞ ፍቓድካ ንምንዋሕ ምልክታ ኣቕሪብካ ዄንካ፥ ሚግራሾንስቨርከት ኣቐዲሙ ኪውስኖ ዚግባእ፡ ንስኻ መንበሪ-ፍቓድ ክትረክብ መሰል ዘሎካ ምዃንካ’ዩ። ናይ ስደተኛ ተቐባልነት ምህላውካን፡ ቅድም ውን መንበሪ-ፍቓድ ተዋሂቡካ ምንባሩን ንሱ ኣኻሊ ኣይኰነን።
ሚግራሾንስቨርከት፡ ንስኻ/ኺ ዘገልግል መንበሪ-ፍቓድ ከም ዘሎካ ምስ ኣረጋገጸ፥ ነቲ ብስድራቤትካ ዝቐረበ ናይ መንበሪ-ፍቓድ ምልክታ ውሳኔ ክንግበሉ ኢና። ሚግራሾንስቨርከት ኣብ መጀመርታ ዚርእዮ፥ ነቲ ንስኻ መንበሪ-ፍቓድካ ንኺናውሓልካ ዘሎ ተኽእሎ ክሳብ ክንደይ ዘተኣማምን ምዃኑ እዩ። እቲ ንነዊሕ ጊዜ ዚኸውን መንበሪ-ፍቓድ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ ተባሂሉ ዝተገብረ ጭቡጥ ናይ መጻኢ ገምጋም ምስ ተረጋገጸ፤ ሽዑ’ዩ ሚግራሾንስቨርከት ነቲ ናይ ስድራቤትካ ምልክታ ዚምርምሮ። ብተወሳኺ ውን፡ ነቶም ስድራቤትካ ናብ ሽወደን ንኺመጹ ዘኽእሉ ካልኦት ተሪፎም ዘሎዉ ጠለባት ተማልኦም ምዃንካ ይርእዮም’ዩ።
እቶም ናይ ቀረባ ስድራኻ ጥራይ እዮም ናባኻ ኪመጹ ዚኽእሉ - ብጊዜ ዝተደረተ መንበሪ-ፍቓድ ምስ ዚህልወካ
ከም ናይ ቀረባ ስድራቤት ዚቝጸሩ፥ ሰብኣይካ፡ ሰበይትኻ፡ ምዝጉብ-ብዓል ሓዳርካ ወይ ናይ ሓዳር መጻምድኻን - እቶም 18 ዓመት ዘይመልኡ ውላድካን እዮም። ንስኻ ንባዕልኻ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሜኻ ምስ ትኸውን፥ እቶም ወለድኻ ከም ናይ ቀረባ ስድራቤትካ’ዮም ዚቝጸሩ። ንኻልኦት ኣባላት ስድራቤት፡ ንኣብነት ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ውላድካ መንበሪ-ፍቓድ ክርከብ ዚኽእል፥ ኣብ ኣዝዩ ፍሉይ ኵነታት ጥራይ እዩ። እዚ ዘገልግል ድማ፡ ንዓኻ ከም ስደተኛ ተቖጺርካ ብግዜ ዝተደረተ መንበሪ-ፍቓድ ዝተዋሃበካ ወይ ውን ከም ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮ ሰብ ተቖጺርካ ብጊዜ ዝተደረተ መንበሪ-ፍቓድ ዝተዋህበካ ወይ ውን ብምኽንያት ናይ ምጥራዝ-መዕገትቲ ወይ ብምኽንያት ኣዝዩ ኣሸጋሪ ዝዀነ ናይ ህይወት ኵነታት ብምህላውካ፥ ዝተደረተ መንበሪ-ፍቓድ ተዋሂቡካ ዘሎ ሰብ ምስ ትኸውን እዩ።
እቲ ዋና መምርሒ፡ ንኽልተ ሓደስቲ ተጻመድቲ (ማለት፡ ኣቐዲሞም ምርዑዋት ወይ መጻምድቲ ዘይኰኑ ሰባት)፥ እንተ ደኣ እቲ ኣብ ሽወደን ዚነብር ሰብ ብጊዜ ዝተደረተ መንበሪ-ፍቓድ ኣልይዎ ኰይኑ፥ መንበሪ-ፍቓድ ኪረኽቡ ኣይክእሉን እዮም። ይኹን እምበር፡ ኣብ ገለ ፍሉይ ኵነታት ግን ዋላ ነቶም ኣቐዲሞም ብሓደ ዘይተቐመጡ ሰባት ውን ናይ ስድራቤታዊ ምትእኽኻብ ዕድል ዚረኽቡሉ መገዲ ኣሎ እዩ። እቲ ኣብዚ ኪማላእ ዘሎዎ ጠለብ ግን፥ ንስኻ ኣብ ሽወደን ትነብር ዘሎኻ ሰብ፥ ከም ስደተኛ ውሳኔ ዝረኸብካ ወይ ውን ከም ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮ ሰብ ተቖጺርካ ዘሎኻ ወይ ውን ብናይ ምጥራዝ-መዕገትቲ ምኽንያት መንበሪ-ፍቓድ ዘሎካ ወይ ውን ብምኽንያት ኣዝዩ ኣሸጋሪ ዝዀነ ናይ ህይወት ኵነታት መንበሪ-ፍቓድ ተዋሂቡካ ዘሎ ሰብ ምስ ትኸውን እዩ። ኣብ ርእሲኡ ውን፡ እቲ ዝምድናኹም ገና ኣብ ሃገርኩም ከሎኹም ዝማዕበለ ርጡብ ናይ ፍቕሪ ዝምድና ዝነበረኩምን ኰይኑ፥ ግን ድማ ብሓደ ንኽትነብሩ ዕድል ዘይተፈጥረልኩም ምዃንኩም ምስ ተራእየ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምስ ዚኸውን፥ ንኣብነት ንኽልተ ሰብ ሓደ ጾታ ኣቐዲሞም ብሓደ ክነብሩ ዘይክኣሉ ሰባት፡ ኣብ ሽወደን ከም ብሓድሽ ዳግም-ንኽትኣኻኸቡ ዕድል ዚህብ እዩ።
ስድራቤትካ ንኽልተ ዓመት መንበሪ-ፍቓድ ይወሃቦም ወይ ውን ክሳብ’ቲ ንስኻ ዘሎካ ዘገልግል ናይ መንበሪ-ፍቓድ ጊዜ ይወሃቦም። እዚ ማለት ድማ፡ ንኣብነት እንተ ደኣ ንስኻ ድሕሪ 5 ኣዋርሕ ዚውዳእ መንበሪ-ፍቓድ ኣልዩካ ኰይኑ፥ እቶም ስድራኻ ውን ን5 ኣዋርሕ ዝምንውሑ ጊዜ ዘገልግል መንበሪ-ፍቓድ ይወሃቦም። እቶም ኣባላት ስድራቤትካ መንበሪ-ፍቓድ ረኺቦም ብውሑዱ ንሰለስተ ዓመት ኣብ ሽወደን ብድሕሪ ምቕማጦም፥ ቀዋሚ-መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ከመልክቱ ይኽእሉ እዮም።
ቀዋሚ ዝዀነ መንበሪ-ፍቓድ እንተ ተዋሂቡካ፥ ክትምርዓዋ ዝሓሰብካያ ሓዳስ ናይ ሓዳር ብጻይትኻ (ሓዲሽ ክትምርዓውዮ ዝሓሰብኪ ናይ ሓዳር ብጻይኪ) ውን፥ ናባኻ ናብ ሽወደን ንምግዓዝ መንበሪ-ፍቓድ ንምርካብ ምልክታ ከቕርቡ ይኽእሉ’ዮም።
ኣብዚ፡ ነቶም ክምርዓዉ ወይ ተጻሚዶም ንኽነብሩ ዝድለዩ ሰባት መንበሪ-ፍቓድ ንምርካብ ተዘርዚሩ ዘሎ ጠለባት ኣብዚ ኣንብብ (ብቛንቛ አንግሊዝ)
ነፍስኻ ባዕልኻ ናይ ምኽኣል ጠለብ
ንስድራቤታዊ ምትእኽኻብ መሰል ምስ ዚህልወካ፥ ኣብቲ ነፍስኻ ባዕልኻ ናይ ምንባይ ጠለብ ውን ዝተኻተትካ ኢኻ። እዚ ማለት ድማ፡ ንነፍስኻን ንስድራቤትካን ባዕልኻ ምንባይ ክትክእል ይግብኣካ። ኣብ ርእሲኡ ውን፡ ስድራኻ ናብ ሽወደን ምስ ግዓዙ ሓቢርኩም ትቕመጡሉ፥ እኹል ስፍሓትን ቅቡል-ደረጃን ዘሎዎ ቤት ኪህልወካ ይግባእ።
እቲ ናይ መንበሪ ቤት ጠለብ፡ እንተ ደኣ ንስኻ ከም ”ስደተኛ” ወይ ከም ”ኣማራጺ-ዑቕባ ዘድልዮ ሰብ ውሳኔ ተዋሂቡካ፥ እሞ እቶም ኣባላት ስድራቤትካ ድማ፥ ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ካብቲ ንስኻ መንበሪ-ፍቓድ ዝረኸብካሉ፥ ናይ ስደተኛ ውሳኔ ወይ ውን ከም ”ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮ ሰብ ዝተቖጸርካሉ ጊዜ፥ መንበሪ-ፍቓድ ንምርካብ ምልክታ ምስ ዘቕርቡ እዩ።
ኣብዚ፡ እቲ ብዛዕባ ባዕልኻ ነፍስኻ ንምኽኣል ዘሎዉ ጠለባትን ንመንመን ከም ዘካትቱን ብዝበልጸ ኣንብብ (ብቛንቛ አንግሊዝ)
እቲ ምልክታኻ ኣብ ጊዚኡ ክተቕርብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ’ዩ
ምልክታኻ ብቕልጡፍ ምእታዉ ርግጸኛ መታን ክትከውን፤ እቲ ዝበለጸ ኣገባብ እቲ ናይ ስድራቤትካ እተቕርቦ ምልክታ፤ ብኢንተርነት ብዚኣቱ ምልክታ (webbansökan) ክትጥቀም እዩ። ንስኻ ከም ወኪል ናይ ስድራቤትካ ዄንካ ኣብ ክንድኦም ምልክታ ክተቕርብ እንተ ዄንካ፤ ናይ ምክልና ሰነድ (fullmakt) ክህልወካ ይግባእ። “ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ዘእተኹሞ ምልክታ ምስ መዝገቦ፤ እቶም ስድራቤትካ ምስ ናይ ሽወደን ቤምባሲ ወይ ቆንስል፤ ርክብ ንምግባር ቆጸራ ክሕዙ ክንገሮም እዩ።
ውክልና ስልጣን ምርካብ እንታይ ማለት ’ዩ? (ብቛንቛ አንግሊዝ)
ነቲ ተእትዎ ምልክታ ተኸታተሎ
እቲ ኣባል ስድራቤትካ ምልክትኡ ምስ ኣቕረበ፤ ናይቲ ዘእተዎ ፋይል መለለዪ-ቁጽሪ (ärendenummer) ይወሃቦ እዩ። በዚ መለለዪ-ቁጽሪ ፋይል ጌርካ ድማ፤ እቲ ናብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ዝኣተወ ምልክታ፤ ከም ዝተመዝገበን ወይ ውን ውሳኔ ተዋሂቡዎ እንተ ኰይኑን፤ ክትከታተል ትኽእል ኢኻ።
ንስኻ ከም ስደተኛ ተቖጺርካ መንበሪ-ፍቓድ ዝተቐበልካ፥ ንናይ ቤተሰብካ ናብ ሽወደን ንምምጻእ ሓገዝ-ገንዘብ ንምርካብ ምልክታ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ።
ናይ መጐዓዓዚ ሓገዝ-ገንዘብ ዘገልግል፡ ናይቶም ናብ ሃገር ሽወደን ቅድሚ ምምጻእካ ሓቢርካዮም ዝተቐመጥካ ሰባት ኰይኖም፥ ንሳቶም ድማ፡-
- ሰብኣይካ፡ ሰበይትኻ ወይ መጻምድትኻ
- ደቅኻ (ዘይተመርዓዉ፡ ዕድሚኦም ትሕቲ 20 ዓመት ዝዀነ)
ነዚ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ምልክታ ንምቕራብ፥ ብመሰረት ”ዋዕላ-ጄኔቫ” 1951 ከም ስደተኛ መንበሪ-ፍቓድ ዝረኸብካ ክትከውን ይግባእ። ከምኡ ውን መከፋፈሊ ”klassningskod” AF ወይ A3 ኪህልወካ የድሊ። እንተ ደኣ ”ሃገር-ኣልቦ” ፍልስጥኤማዊ ኴንካ፥ ”መጋየሺ-ሰነድ (resedokument) ዘሎካ ወይ ናይ ስደተኛ መግለጺ ዝተዋህበካ ምስ ትኸውን ውን፥ ምልክታ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ።
ቅድሚ ሓገዝ-ገንዘብ ምሕታትካ፡ እቶም ቤተሰብካ ናይ ሽወደን መቐመጢ ፍቓድ ዝተዋህቦምን፥ ዘገልግል ፓስፖርት ዘሎዎምን ኪኾኑ ይግባእ።
ዜግነት ሽወደን ምስ ዚህልወካ ወይ እቶም ስድራቤትካ ባዕላቶም ናብ ሽወደን መምጽኢ ኪኸፍሉ ዚኽእሉ ኮይኖም፥ ሓገዝ-ገንዘብ ንምርካብ ክተመልክት ኣይትኽእልን ኢኻ።
እቲ ዚወሃብ ሓገዝ-ገንዘብ፡ ከም ግቡእ ንናይ ነፋሪት ቲከት ንነፍሲ-ወከፍ ሰብ፥ ንቤተሰብካ ካብቲ ዘሎዉዎ ቦታ ናብ ሽወደን ንምምጻእ ዚሽፍን ወጻኢ እዩ።
ምልክታ ምቕራብ
ምልክታኻ ናብዚ ዚስዕብ ኣድራሻ ትልእኮ፡-
Migrationsverket
Enheten för samordning av vidarebosättning
601 70 Norrköping
ይግባይ ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ
ንናይ ሚግራሾንስቨርከት ውሳኔ ይግባይ ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ።