ንመጋየሺ-ፓስፖርት ኣመልክት (resedokument)
Ansök om resedokument – tigrinska
ናይ ”መጋየሺ-ፓስፖርት” ንምርካብ፥ ብመሰረት ናይ 1951 ዓ. ም. ውዕል ጀነቫ፥ ከም ስደተኛ ክትፍለጥ ወይ ድማ ሃገር-ኣልቦ ዄንካ፥ ነቲ ናይ ኒውዮርክ ናይ 1954 ዓ. ም. ውዕል ዘማላእካ ክትከውን ይግባእ። ናይ ሽወደን ዚግነት እንተ ተቐቢልካ፡ ንናይ ሽወደን ፓስፖርት ምልክታ ንኽተእቱ፡ ናብ ቤትጽሕፈት ፖሊስ ክትከይድ ይግብኣካ።
መጋየሺ-ፓስፖርት (resedokument) ንኽትረክብ ክማልኡ ዘሎዎም ጠለባት
“መጋየሺ-ፓስፖርት” ምርካብ ንኽትክእል፡-
- ብመሰረት ናይ 1951 ዓ. ም. ውዕል ጀነቫ ከም ስደተኛ ዝተፈለጥካ ክትከውን ወይ ውን ሃገር-ኣልቦ ዄንካ፥ ነቲ ናይ ኒውዮርክ ናይ 1954 ዕ. ም. ውዕል ዘማላእካ ክትከውን ይግባእ።
ናይ ”መጋየሺ ፓስፖርት” (resedokument) ኣይወሃበካን’ዩ፡ እንተ ደኣ፡-
- ናይ ሽወደን ወይ ናይ ”ኤውሮጳ-ሕብረት/ኢኢኤስ” ዜግነት ኣልዩካ።
ፖለቲካዊ-ዑቕበኛ ምስ ዘይትኸውን፥ ብገለ ኵነታት ፓስፖርት-ወጻእተኛ (främlingspass) ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
ኣብዚ፡ ብኸመይ ንፓስፖርት-ወጻእተኛታት ”främlingspass” ከም ተመልክት ብዝበለጸ ኣንብብ።
ነቲ ”ኤ-ኣገልግሎት” (e-tjänsten) ንምጥቃም ክማልኡ ዘሎዎም ጠለባት
ነቲ ”ኤ-ኣገልግሎት” (e-tjänsten) ንኽትጥቀም ክትክእል፥ እዚ ዚስዕብ የድልየካ፡-
- ኣብ ሃገር ሽወደን ምዝጉብን - ተቐማጢን ክትከውን
- ናይ ”ባንክ-መንነት” (e-identification) ክህልወካ
- ቅዳሕ ናይቲ ሽወደናዊ መንነት-ወረቐትካ (svenska id-kort)
- ሓደ ቅዳሕ ናይቲ ቅድም ተዋሂቡካ ዝነበረካ መጋየሺ-ፓስፖርት ”resedokument” (ቅዳሕ ናይቲ ግላዊ ሓበሬታ ዘሎዎ ገጽን፥ ናይ ኵሎም’ቶም ማሕተም ዝተወቕዓሎም ገጻትን) ወይ ውን መጋየሺ-ፓስፖርትኻ ምጥፍኡ ናብ ፖሊስ ዘቕረብካዮ ምልክታን።
ኣብዚ፡ ቅዳሕ ፓስፖርትኻ ብኸመይ ምስቲ ምልክታኻ ኣተሓሒዝካ ከም ትልእኽ ብዝበለጸ ኣንብብ። (ብቛንቛ አንግሊዝ)
ቅድሚ ሕጂ መረጋገጺ መንነትካ ዘየቕረብካ ምስ ትኸውን ውን፥ ቅዳሕ ናይ ሃገርካ ፓስፖርት ወይ (ፓስፖርት ዘይብልካ ምስ ትኸውን ድማ) ካልእ መንነትካ ክተረጋግጸሉ ትኽእል ሰነድ ኣተሓሒዝካ ትልእኽ። ንሱ ድማ፡ ንኣብነት ናይ መንነት-ወረቐት፥ ናይ ልደት ምስክር ወረቐት ወይ ናይ ወተሃደር ምስክር ወረቐት ኪኸውን ይኽእል’ዩ።
ክተስተውዕሎ ዚግባእ፡ እንተ ደኣ ኵሎም’ቶም ዚሕተቱ (ዘድልዩና) ሰነዳት፥ ምስቲ ተቕርቦ ምልክታኻ ተተሓሒዞም ዘይቀሪቦም፥ ውሳኔ ንምርካብ ዝነውሐ ጊዜ ኪወስድ ከም ዚኽእል እዩ።

ብ”ኤሌክትሮኒክ-ኣገልግሎት” (e-tjänsten) ኣቲኻ ቆጸራ ጊዜ ሓዝ
ቅድሚ ብ”ኤሌክትሮኒክ-ኣገልግሎት” (e-tjänsten) ተጠቒምካ ምልክታ ምእታውካ፥ ንኽትስኣልን ናይ ኣጻብዕቲ ዓሸራ ንምግዳፍን ቆጸራ ጊዜ ኢኻ ትሕዝ። እቲ ናይ ጊዜ ቆጸራ ምሓዝ፡ ናይቲ ብ”ኤሌክትሮኒክ-ኣገልግሎት” (e-tjänsten) ሓደ ክፋል እዩ።
ነቲ ኣብ ብ”ኤሌክትሮኒክ-ኣገልግሎት” (e-tjänsten) ዝሓዝካዮ ቆጸራ ብኸመይ ከም ትስርዞ ወይ ብኸመይ ከም ትቕይሮ፥ ሓበሬታ ኣብቲ ዝተላኸልካ መረጋገጺ “ኤ-ፖስት” ክትረኽቦ ኢኻ።
ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ
ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ፥ ባዕላቶም ናይ ”መጋየሺ-ፓስፖርት” ኪሓቱ ኣይከኣልን። እቶም ወለዲ ወይ ሰብ-ሕድሪ (gode man) እዮም ብኣካል ከይዶም፥ ነቲ ቆልዓ ”መጋየሺ-ፓስፖርት” ንምርካብ ምልክታ ከቕርቡሉ ዚክኣል።
ውላድኩም ክልተ ወለዲ ምስ ዚህልውዎ፥ እሞ ድማ ብ”ኤ-ኣገልግሎት” ምልክታ ተቕርቡ ምስ ትኾኑ፥ ሚግራሾንስቨርከት ንትሕቲ 18 ዓመት ቆልዓ ፓስፖርት (ፓስፖርት-ወጻእተኛታት/መጋየሺ-ፓስፖርት) ንኺህብ ናይ ምስምማዕኩም መግለጺ፥ ”Medgivande att Migrationsverket får utfärda pass” ዚብል ኦርኒክ 24611 መሊእኩም፤ ናብቲ ”ኤ-ኣገልግሎት” ኣተሓሒዝኩም ክትልእኩ ይግባእ። ክልቴኹም ወለዲ ድማ ክትሰማምዑሉን፡ መሰኻኽር ኣብ ዘሎዉሉ ድማ ፊርማኹም ክተስፍሩሉን ይግባእ።
ከም ብዓል-ሕድሪ ኴንካ ተመልክት ምስ ትህሉ፥ ቅዳሕ ናይቲ ዝተመዘካሉ ሰነድን፥ ቅዳሕ ናይ መንነት-ወረቐትካን ኣተሓሒዝካ ክትልእኽ ይግባእ።
ኣብ ሽወደን ሓደ ካብቶም ወለዱ ዘይብሉ ቆልዓ፥ ናብቲ ስእሊ ዚስኣለሉን ምልክት-ኣጻብዕ ዚገድፈሉኒ ቦታ ኪመጽእ ከሎ፥ እቲ ናቱ ብዓል-ሕድሪ ምስኡ ሓቢርዎ ክመጽእ ይግባእ።