ብዛዕባ ”ፍሉይ-ናይ ስራሕ ፍቓድን”፤ ከምኡ’ውን መሰል ናይ ምስራሕን

Frågor och svar om AT-UND och rätten att arbeta – tigrinska

እወ፡ ዋላ ብድሕሪ ንክትስጐጕ ውሳኔ ምርካብካ ውን፥ ካብ ሃገር ንምውጻእ ምስ ሚግራሾንስቨርከት ምትሕብባር ክሳብ ዝገበርካ፥ ”ፍሉይ-ናይ ስራሕ ፍቓድ” AT-UND ክወሃበካ ይኽእል እዩ።

እወ፡ እንተደኣ ሚግራሾንስቨርከት ብኻልእ መገዲ መንነትካ ንምርግጋጽ ክትሕግዝ ክኢልካ ኣሎኻ ኢሉ ገምጋም እዩ።

ንበይኖም ዝመጹ ስደተኛታት ቆልዑ፥ ዕድሚኦም ልዕሊ 16 ዓመት ምስ ዚኸውን፥ ኣብ ሽወደን ስራሕ ንምስራሕ ”ፍሉይ-ናይ ስራሕ ፍቓድ” (AT-UND) ክህልዎም ይግባእ እዩ። እቶም ዕድሚኦም ትሕቲ 16 ዓመት ዝዀነ ቆልዑ ግን፤ ንግዝያዊ ስራሕ፡ ንቕልል ዝበለ ዓይነት ስራሓት ወይ ሓሓሊፍካ ንዝስራሕ ስራሕ፤ ”ፍሉይ-ናይ ስራሕ ፍቓድ” (AT-UND) ክህልዎም ኣየድልን እዩ። ይኹንእምበር፡ እቲ ቆልዓ ክሰርሕ እንተ ዀይኑ፥ እቲ መጕዚት ወይ እቲ ብዓል-ሕድሪ (god man)፥ ናይ ምስምምዑ መግለጺ ክህብ የድሊ እዩ። ኣስተውዕል፡ ደሞዝ ወይ ካልእ ካሕሳ ምቕባል ወይ ንኣብነት ናይ ህያብ ካርድ ምቕባል፤ ብመሰረት LMA ነቲ ክትረኽቦ ዘሎካ ናይ ሓገዝ ናይ ምርካብ መሰል፥ ጽልዋ ይገብረሉ እዩ።

እወ፡ ዕድሜኻ 16 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ምስ ዚኸውን ክህልወካ ይግባእ እዩ። ዕድሜኻ ትሕቲ 16 ዓመት ምስ ዚኸውን ግን፤ እቲ መጕዚትካ ወይ እቲ ብዓል-ሕድሪኻ (god man)፥ ናይ ምስምምዑ መግለጺ ክህብ የድሊ እዩ።

 ኣይፋል፡ ኣየድልን እዩ።

Last updated: