ብዛዕባ ስድራቤታዊ ዳግመ-ምትእኽኻብን፤ ነፍስኻ ባዕልኻ ናይ ምንባይን ጠለባት ዚምልከቱ፤ ልሙዳት ዝዀኑ ሕቶታትን መልሲታትን

Frågor och svar om familjeåterförening och försörjningskrav – tigrinska

ስድራቤትካ ናብ ሽወደን መጺኦም ምሳኻ ንምንባር መታን ኪኽእሉ፥ ናይ መንበሪ ፍቓድ ምልክታ ከቕርቡ ዕድል ኣሎዎም፥ እንተ ደኣ፡-

  • ቀዋሚ ዝዀነ መንበሪ ፍቓድ ኣሎካ ዀይኑ
  • ብጊዜ ዝተደረተ መንበሪ ፍቓድ ከም ስደተኛ ተቖጺርካ ወይ ከም ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮ ሰብ ተቖጺርካ ዝተዋህበካ ምስ ትኸውን - ኣብ ርእሲኡ ውን ንነዊሕ ጊዜ ዚኸውን መንበሪ-ፍቓድ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ ተባሂሉ ዝተገብረ ጭቡጥ ናይ መጻኢ ገምጋም ምስ ዚህሉ
  • ብጊዜ ዝተደረተ መንበሪ ፍቓድ - ብናይ ምጥራዝ-መዕገትቲ ምኽንያት ወይ ውን ብኣዝዩ ኣሸጋሪ ናይ ህይወት ኵነታትን ዝተዋሃብካ ምስ ትኸውን- ኣብ ርእሲኡ ውን ንነዊሕ ጊዜ ዚኸውን መንበሪ-ፍቓድ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ ተባሂሉ ዝተገብረ ጭቡጥ ናይ መጻኢ ገምጋም ምስ ዚህሉ እዩ።

ብዛዕባ ስድራቤታዊ ምትእኽኻብ ዘሎዉኻ ዕድላት - ኣብዚ ብዝበለጸ ኣንብብ

ሓደ ኣባል ስድራቤት ናይ ብኮታ ዝመጸ ስደተኛታት - መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ምልክታ ምስ ዘቕርብ፥ እቲ ነፍስኻ ባዕልኻ ናይ ምንባይ ጠለብ ይምልከተካ’ዩ፥ እንተ ደኣ እቲ ዝኣተወ ምልክታ፡ ሰለስተ ወርሒ ብድሕሪ’ቲ ናይ ኮታ ስደተኛ ናብ ሽወደአን ዝኣተወሉ ጊዜ ዝቐረበ ዀይኑ። እቲ ነብስኻ ባዕልኻ ናይ ምንባይ ጠለብ ዘገግለሉ ካልእ ውን፥ እንተ ደኣ እቲ ስድራቤት ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ንኽትኣኻኸብ ዕድል ዘሎው ኰይኑ ወይ ውን ሓድሽ ዝተፈጥረ ዝምድና እንተ ዀይኑ እዩ።

እንተ ደኣ ብጊዜ ዝተደረተ መንበሪ ፍቓድ ዝተወሃብካ ዄንካ፥ እቶም ናይ ቀረባ ስድራኻ ጥራይ’ዮም ምልክታ ኣቕሪቦም ናብ ሽወደን ምሳኻ ንምቕማጥ ኪመጽኡ ዚኽእሉ። እቶም ከም ናይ ቀረባ ስድራቤት ዚቝጸሩ፥ ሰብኣይካ፡ ሰበይትኻ፡ ምዝጉብ-ብዓል ሓዳርካ ወይ ናይ ሓዳር መጻምድኻን - እቶም 18 ዓመት ዘይመልኡ ውላድካን እዮም። ንስኻ ንባዕልኻ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሜኻ ምስ ትኸውን፥ እቶም ወለድኻ ከም ናይ ቀረባ ስድራቤትካ’ዮም ዚቝጸሩ።

ብዛዕባ ስድራቤታዊ ምትእኽኻብ ዘሎዉኻ ዕድላት - ኣብዚ ብዝበለጸ ኣንብብ

እቲ ነፍስኻ ባዕልኻ ምንባይን ቤት ንኽህልወካን ዚብል ጠለብ ማለት፤ እቲ ንዓኻን ንስድራቤትካን ባዕልኻ ክትናቢ ምኽኣልን፤ እኹል ዝዀነ ስፍሓት ዘሎዎ ቤት ክህልወካን ማለት ’ዩ።

ብዛዕባ ስድራቤታዊ ምትእኽኻብ ዘሎዉኻ ዕድላት - ኣብዚ ብዝበለጸ ኣንብብ

ሚግራሾንስቨርከት፡ እቲ ምልክታ ክኣቱ ከሎ፤ ንስኻ፡ ንነብስኻን ነቶም ኣባላት ስድራቤትካን ክትናቢ ከም ትኽእልን፤ ከምኡውን ምስ መጹ ዚቕመጡሉ እኹል ስፍሓትን ቅቡል-ደረጃን ዘሎዎ ቤት ከም ዘሎካን፤ ብዕሉ ክቆጻጸር እዩ። እቲ ቤት ድማ፡ ካብቲ እቶም ስድራቤትካ ዝመጽኡሉ ጊዜ ጀሚርኩም፡ ክጥቀሙሉ ክትክእሉ የድሊ እዩ። ሓደ ሰብ፡ ነዚ ጠለባት ‘ዚ ክማልእ ዘይክኣል ምስ ዚኸውን፤ ናይቲ ስድራቤት መቐመጢ-ፍቓድ ንምርካብ ኣቕሪብዎ ዘሎ ምልክታ፤ ንሱ ክንጸግ እዩ።

Last updated: