መንበሪ ፍቓድ ንምንዋሕ

Förlänga uppehållstillstånd – tigrinska

ብጊዜ ዝተደረተ መቐመጢ ፍቓድ ምስ ዚህልወካ/ኪ፡ እቲ ፍቓድካ ምስ ተወድአ ውን፡ ኣብ ሽወደን ንምጽናሕ ምስ ትደሊ፤ ነቲ ፍቓድካ ንምንዋሕ ምልክታ ክተቕርብ ይግብኣካ/ኪ።

ነቲ መናውሒ ፍቓድካ ከመይ ጌርካ ከም ተናውሖ ኪውስን ዚኽእል፤ እንታይ ዓይነት ፍቓድ ተዋሂቡካ ከም ዝጸንሐ እዩ። ቅድሚ እቲ ብጊዜ ዝተደረተ መቐመጢ ፍቓድካ ምውዳቑ፤ ኣቐዲምካ ሓድሽ መቐመጢ ፍቓድ ክትረክብ፡ ምልክታ ክተቕርብ ይግብኣካ እዩ።

ኣብቲ ንዓኻ ዚምልከተካ ገጻት ኣቲኻ ብዝበለጸ ኣንብብ (ገለ ካብቶም ገጻት፡ ብኹሉ ቋንቋታት ኣይርከቡን እዮም)።

ዑቕባ ንምርካብ ኣመልኪትካ፡ ብጊዜ ዝተደረተ ምቐመጢ ፍቓድ ምስ ዝወሃበካ

እቲ ብጊዜ ዝተደረተ መቐመጢ ፍቓድካ ክውድእ ከሎ፡ ናይ መቐመጢ ፍቓድ መናውሒ ምልክታ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ገና መዕቆቢ ዘድልየካ ሰብ ምስ ትኸውን፤ እቲ መቐመጢ ፍቓድ ክናውሓልካ ይኽእል እዩ። ብገለ ፍሉይ ኩነታት፡ ካልእ ምኽንያት ምስ ዚህልወካ ውን፡ ኣብ ሽወደን ንኽትጸንሕ መቐመጢ ፍቓድ ክወሃበካ ይኽእል እዩ።

ኣብቲ፡ ብዛዕባ ምንዋሕ መቐመጢ ፍቓድ ንዓኻ ዑቕባ ዝሓተትካ፤ ዚብል ኣቲኻ ብዝበለጸ ኣንብብ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

ምስ ሓደ ሰብ ንኽትቅመጥ ተባሂሉ፡ መቐመጢ ፍቓድ ተዋሂቡካ ምስ ዚህሉ

ኣብቲ፡ ብዛዕባ ምስ ሓደ ሰብ ንኽትቅመጥ ምንዋሕ መቐመጢ ፍቓድካ፤ ዚብል ኣቲኻ ብዝበለጸ ኣንብብ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

ስራሕ ንኽትሰርሕ መቐመጢ ፍቓድ ተዋሂቡካ ምስ ዚህሉ

ፍቓድካ ምስ ተወድአ፡ ምስራሕካ ንኽትቅጽል ምስ ትደሊ፡ ነቲ ናይ ስራሕ ፍቓድካ ንምንዋሕ፡ ምልክታ ክተቕርብ ይግብኣካ። ከም ሰራሕተኛ መጠን፡ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ወይ ካብኡ ንዝነውሐ ፍቓድ ተዋሂቡካ ምስ ዝነብር፤ ቅድሚ እቲ ፍቓድካ ምውዳቑ ውን ክናውሓልካ ምልክታ ምስ ተቕርብ፤ ክሳዕ እቲ ውሳኔ ዝወሃበካ ጊዜ፡ ስራሕ ምስራሕ ክትቅጽል ትኽእል ኢኻ።

ኣብቲ፡ ብዛዕባ ናይ ስራሕ ፍቓድካ ምንዋሕ፡ ዚብል ኣቲኻ ብዝበለጸ ኣንብብ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

ከም ወናኒ ኩባንያ መቐመጢ ፍቓድ ተዋሂቡካ ምስ ዚህሉ

ኣብቲ፡ ብዛዕባ ከም ወናኒ ኩባንያ ፍቓድካ ምንዋሕ፡ ዚብል ኣቲኻ ብዝበለጸ ኣንብብ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

ትምህርቲ ንኽትመሃር መቐመጢ ፍቓድ ተዋሂቡካ ምስ ዚህሉ

ኣብቲ፡ ብዛዕባ ኣብ ኮለጅ ወይ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ንምምሃር፡ መቐመጢ ፍቓድካ ምንዋሕ፡ ዚብል ኣቲኻ ብዝበልጸ ኣንብብ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

ናይ ቱሪስት-ቪዛ ወይ ከም በጽሓይ መቐመጢ ፍቓድ ቪዛ ምስ ዚህልወካ

ኣብቲ፡ ብዛዕባ ምንዋሕ ፍቓድካ፡ ዚብል ኣቲኻ ብዝበለጸ ኣንብብ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

Last updated: