ጸግዒ ምርካብን ዑቕባን ኣብ ሽወደን

Skydd och asyl i Sverige – tigrinska

ንዓኻ ኣብ ሃገር ሽወደን ዑቕባ ንምርካብ ዝሓተትካ ዚኸውን ሓበሬታ ኣብዚ እንሆ። ኣብዚ ጽሑፍ’ዚ ክተንብቦ እትኽእል፤ ናይ ዑቕባ መሕተቲ ምልክታ ምስ ኣእቶኻን፤ ናይ ጉዳይካ ውሳኔ ምስ ረኸብካን፤ እንታይ ከጋጥም ከም ዚኽእል እዩ። ኣብዚ ጽሑፍ’ዚ፤ ከም ዑቕባ ሓታቲ መጠን ውን፤ ብዛዕባ ስራሕ፤ መቐመጢ ገዛ፤ ሓለዋ-ጥዕናን ክንክን-ሕማምን፤ ብዛዕባ ቁጠባዊ ሓገዛትን ዘሎካ መሰላትን ግዴታን ክተንብብ ኢኻ።

እዋናዊ


  • ሕጂ ናይ ዑቕባኻ ውሳነ ብቤት ቡስጣ ክትቅበል ትኽእል ኢኻ

    ክሳብ ሕጂ ”ሚግራሾንስቨከት” ንናይ ዑቕባ ጉዳይ ዚምልከት ውሳነ፥ ኣብቲ ኣሃዱ መቐበል ስደተኛታት “mottagningsenheten” ኣብ ዚግበር ኣኼባ እዩ ሓበሬታ (delgivit beslut) ዚህብ ኔሩ። ሕጂ ግን እቲ ኣገባብ’ቲ ኪቕየር እዩ። ካብ ዕለት 1 መጋቢት (mars) ጀሚሩ፥ ንስኻ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ንምርካብ ኣመልኪትካ ዘሎኻ፥ እቲ ውሳነ ብቤት ቡስጣ ኣቢሉ ብደብዳበ ኪልኣኸልካ እዩ።