ኣብ ምጽባይ ከሎኻ

Medan du väntar – tigrinska

እዚ ሓበሬታዚ ነቶም ኣብ ሽወደን ዕቝባ ሓቲቶም ከለዉ ግን ጌና መልሲ ዘይመጾም ሰባት ይምልከት

ኣብዚ ብዛዕባ ናይ ዕቝባ ሕቶ ምስ ኣቕረብካ እንታይ ከም ዚካየድን ብዛዕባ ከም ስደተኛ ኣብ ስራሕን ትምህርትን መንበሪ ቤትን ክንክንን ጥዕናን ገንዘባዊ ሓገዝን ዚህልወካ መሰላትን ከተንብብ ትኽእል።

ነቲ ንዑቕባኻ ዚግበረልካ ምርመራ ምጽባይ

ናብቲ ብዛዕባ ዑቕባኻ ዚግበረልካ ምርመራ ክሳዕ ትመጽእ፤ ነዊሕ ጊዜ ክወስድ ይኽእል እዩ። ሽዑ ድማ ስለምንታይ ናብ ሽወደን ዑቕባ ክትሓትት ከም ዝመጻእካ፡ እንታይ ከም ዘጋጠመካ፡ ናብ ሃገርካ እንተ ተመለስካኸ እንታይ ከጋጥመኒ ይኽእል ኢልካ ከም ትኣምን፡ ኣስፊሕካ ክተዘንቱ ኢኻ። እቲ ናይ ምጽባይ ጊዜ፡ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክፈላለ ይኽእል እዩ።

ቅድሚ እቲ ውሳኔ ምቕባልካ፡ ናብ ብዙሕ ርክባት መጸዋዕታ ክልኣኸልካ እዩ። ስለዚ ድማ፡ ናብቲ ምግራሾንስቨርከት ዝገበረልካ ቆጸራታት፡ ናብኡ ከም ትርከብ ግበር ኢኻ። ሓድሽ ቆጸራ ክንገብር፡ ናይ ጊዜ ሕጽረት ስለ ዘሎና፤ ካልኣይ ጊዜ ቆጸራ ክንገብረልካ እንተ ደኣ ተገዲድና፡ ነቲ ናይ ዑቕባኻ ውሳኔ ዝወስዶ ጊዜ፡ ንቕድሚት ክመጦ ይኽእል እዩ።

ኣድራሻኻ ሓብረና

እንተደኣ ግዒዝካ፡ ኣብቲ ናይ ምርመራኻ ጊዜ ምስ በጽሐ ወይ ንኻልእ ቆጸራታት ክንረኽበካ መታን ክንክእል፤ እቲ ሓድሽ ኣድራሻኻ ንሚግራሾንስቨርከት ክትሕብረና ይግባእ። ካብ ሚግራሾንስቨርከት ዝመጸካ ሓበሬታ መታን ከየምልጠካ ድማ፤ ነቲ ኢ-መይልካ ብቐጻሊ ኣንብቦ።

ንኣኻ ከም ሓታቲ ዕቝባ ኪሕግዙኻ ዚኽእሉ ውድባት

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል Amnesty International External link, opens in new window.

ካሪታስ ስቨርየ Caritas Sverige External link, opens in new window.

ናይ ሰደተኛታትን ናይ ዕቝባ ኮሚተን ቤትምኽሪ Flyktinggruppernas och asylkommittéernas riksråd External link, opens in new window.

ናይ ሓተትቲ ዕቝባን ስደተኛታትን ቤትጽሕፈት ወሃብ ምኽሪ Asylrättscentrum External link, opens in new window.

ህጻናት ኣድሕን Rädda barnen External link, opens in new window.

ቀዪሕ መስቀል Röda korset External link, opens in new window.

ናይ ሽወደን ቀዪሕ መስቀል ንጉዱኣት ውግእን ንግፉዓትን ዚከናኸን ማእከል Svenska Röda Korsets behandlingscenter för krigsskadade och torterade External link, opens in new window.

ማሕበራዊ ሚስዮን Sociala missionen External link, opens in new window.

ሽወደናዊት ቤትክርስትያን Svenska kyrkan External link, opens in new window.

RFSL-Newcomers External link, opens in new window.

ሓበሬታ ብዛዕባ ሕብረተሰብ ሃገረ-ሽወደን ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ኣብ መኽፈት ንሓደስቲመጻእተኛታት External link, opens in new window. ክርከብ ይከኣል።

Last updated: