ሓለዋ-ጥዕናን ክንክን-ሕማምን ንዑቕባ ሓተትቲ

Hälso- och sjukvård för asylsökande – tigrinska

ንስኻ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ሓቲካ ዘሎኻ፥ ንህጹጽ ሕማም፡ ንቓንዛ-ስኒ፡ ነቲ ጊዜ ዘይህብ ሕማምን፥ ሕክምና ናይ ምርካብ መሰል ኣሎካ እዩ።

ኣብ ሽወደን እቲ ህዝባዊ ሓለዋ-ጥዕናን ክንክን-ሕማምን፥ ብወረዳዊ ባይቶ ወይ ብዞባዊ ምምሕዳራት’ዩ (landsting ወይ regioner) ዚምሕደር። እቲ ናቱ ዝርግሐ ድማ ኣብ ምሉእ ሃገር እዩ።

ምስ ትሓምም ወይ መጕዳእቲ ምስ ዘጋጥመካ፥ ብቕዳምነት ናብ ማእከል-ጥዕና (vårdcentral) ክትኸይድ’ዩ ዘድልየካ። ብዙሕ ጊዜ፡ ቅድሚ ናብቲ ”ማእከል-ጥዕና” (vårdcentral) ምኻድካ፡ ቆጸራ ምሓዝ የድልየካ እዩ። ተርጓማይ ዘድልየካ ምስ ዚኸውን፥ ኣብቲ ቆጸራ ትሕዘሉ ጊዜ ንገሮም። ንህይወትካ ዘስግእ ሕማም ምስ ዘጋጥመካ’ሞ፥ ኣምቡላንስ ንምጽዋዕ ምስ ዘድልየካ፥ ናብቲ ህጹጽ ረድኤት ትረኽበሉ ቁጽሪ ቴሌፎን 112 ደውል።

ኣብ ታሕቲ ኣብ’ዚ ጽሑፍ’ዚ፡ ነቲ ንዓኻ ዘድልየካ ልክዕ ሕክምና ብኸመይ ከም ትረኽቦን፥ ምኽሪን ሓበሬታን ኣበይ ከም ትረክብን ሓበሬታ ተጻሒፉልካ ኣሎ።

መሰል ንክንክን-ሕማም

ኣብ ሽወደን ዑቕባ ንምርካብ ምስ ተመልክት፥ ንሕጹጽ ሕማምን ንቓንዛ-ስኒን ነቲ ጊዜ ዘይህብ ሕማምን፥ ሕክምና ናይ ምርካብ መሰል ኣሎካ። እንታይ ሕክምና ከም ዚግበረልካ፥ እቲ ወረዳዊ-ባይቶ/ዞባዊ-ምምሕዳር (landsting ወይ region) እዩ ዚውስን። ናይ ሕርሲ ክንክን፡ ጥንሲ ናይ ምስዳድ ክንክን፡ ሓበሬታ ንመከላኸል ጥንሲ፡ ክንክን ሓለዋ-ጥዕና ኣዴታት ከምኡ ውን ብመሰረት ሕጊ ምክልኻል ተላገብቲ ሕማማት፥ ሕክምና ናይ ተላባዕቲ ሕማማት ሕክምና ናይ ምርካብ መሰል ኣሎካ/ኪ። (እዚ ሕጊ’ዚ፡ ተላገብቲ ሕማማት ንኸይላብዑ ንምቁጽጻር ዚግበር ተባሂሉ ኪጥቀስ ይክኣል)።

ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ዑቕባ ዝሓተቱ ቆልዑን መንእሰያትን፤ ልክዕ ከምቲ ነቶም ካልኦት ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ቆልዑ ዚግበረሎም ሕክምናታት ናይ ምርካብ መሰል ኣሎዎም። እቲ ንቖልዑ ዚግበር ክንክን፡ እቲ ዝዓበየ ክፋሉ ብነጻ ዚግበረልካ’ዩ። ይኹን እምበር ከከምቲ ትነብረሉ ቦታ ውን ክፈላለ ይኽእል’ዩ። ንቖልዑ ዘድሊ ብሓኪም ዝተኣዘዘ መድሃኒታት፥ ገንዘብ ካብ ምኽፋል ነጻ እዩ።

ምስ ሰራሕተኛታት ሕክምን ኣብ ትራኸበሉ ጊዜ፥ ተርጓማይ ናይ ምርካብ መሰል ኣሎካ። ኣብቲ ቆጸራ ትሕዘሉ ጊዜ፥ ተርጓማይ ከም ዘድልየካ ንገሮም።

ናይ ጥዕና ምርመራ

ኵሎም ዑቕባ ሓተት’ቲ ”ናይ ጥዕና ምርመራ” ንኽገብሩ ይዕደሙ እዮም። ናይ ዑቕባ ምልክታ ምስ ኣቕረብካ፥ ኣብ ዝቐልጠፈ ጊዜ ነጻ ”ናይ ጥዕና ምርመራ” ንኽትገብር፥ መጸዋዕታ ክልኣኸልካ እዩ። እቲ ዚግበረልካ ናይ ጥዕና ምርመራ፡ ነቲ ዑቕባ ምሕታትካ ጽልዋ ኣይገብረሉን እዩ። እዚ ዚግበረልካ ምርመራ፡ ሕክምና ዘድልየካ እንተ ዀይኑ መታን ኣብ ጊዚኡ ንኽትሕገዝ ተባሂሉ እዩ። ኣብቲ ናይ ጥዕና ምርመራ ጊዜ፥ ብዛዕባ ሓለዋ-ጥዕና ምኽሪ ክወሃበካ’ዩ፤ ምርመራት ክትገብር ውን ክትዕደም ኢኻ። ብዛዕባ ኣብ ሽወደን ዘሎ ሓለዋ-ጥዕናን ክንክን-ሕማምን ውን ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ። ሰራሕተኛታት ቤት ሕክምና፡ ”ንሚግራሾንስቨርከት” ዚሰርሑ ኣይኰኑን፥ ምስጢር ናይ ምሓዝ ግዴታ ድማ ኣሎዎም።

መውቃዕቲን ጾታዊ ዓመጽን

ብዙሓት ዑቕባ ሓተትቲ፡ ኣብ ሃገሮም ወይ ኣብቲ ናብ ሽወደን ዝተጓዕዙሉ ጊዜ፥ ኣብ ልዕሊኦም መውቃዕቲ ወይ ጾታዊ ዓመጽ ኣጋጢሙዎም’ዩ። በቲ ዘሕለፍዎ ተሞኩሮ ድማ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊን ኣካላዊን መጕዳእቲ ክስምዖም ይኽእል’ዩ። ኣብ ርእሲ’ቲ ኣካላዊ መጕዳእቲ፥ ንኣብነት ጭንቀት ኣእምሮን፡ ድቃስ ምስኣንን ውን ክጋጥሞም ይኽእል’ዩ። ነቶም ሰራሕተኛታት ሕክምና እንታይ ዓይነት ሽግራት ከም ዘሎካ ሓብሮም’ሞ፥ እቲ ዚድለ ክንክን ክትረክብ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ሽወደን፡ ኵሉ ዓይነታት ናይ መውቃዕቲን ጾታዊ-ዓመጽን ዘይሕጋዊ ነገር’ዩ። ሓላፍነት ዚስከም ድማ፡ እቲ ንዓኻ መጕዳእቲ ዘስዓበልካ ሰብ’ዩ። ስለዚ ንስኻ ብመውቃዕቲ ወይ ብጾታዊ-ዓመጽ ዝተጠቓዕካ፥ ንስኻ/ኺ ብፍጹም ክትብደሉ ኣይግባእን’ዩ። እዚ ነገርዚ ድማ፡ እንታይ ዓይነት ሓድሕዳዊ ዝምድና ከም ዘሎኩም ብዘየገድስ፥ ንኣብነት ጾታዊ-ምዕማጽ ኣብ ልዕሊ ሰበይትኻ ወይ መውቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ውላድካ ውን ዘካትት’ዩ። ከምዚ እንተ ኣጋጢሙካ ምስ ፖሊስ ርክብ ግበር/ሪ።

ግርዘት ጓላንስተይቲ

ኣብ ብዙሕ ክፋላት ናይ ዓለምና፡ ጾታዊ ግርዘት (ምኽንሻብ) ኣብ ልዕሊ ጓል ወይ ሰበይቲ ከም ዘጋጥም ንፈልጥ ኢና። እዚ ድማ፡ ሓደ ሰብ ኣብቲ ጾታዊ ኣካላት ናይ ሓንቲ ጓላ ወይ ሰበይቲ ዚገበሮ ምቝራጽ ናይ ኣካላት’ዩ። ምኽንሻብ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ሽወደን ብፍጹም ክልኩልን፥ ከም ከቢድ ገበን ዚቝጸርን እዩ። እታ ዝተኸንሸበት ጓል-ኣንስተይቲ ብኣካልዊን ስነኣምሮኣዊን ሽግር’ያ ተጠቒዓ ዘላ። ሰብ ንዓኺ ወይ ንጓልኪ እንተደኣ ከንሺቡክን፥ እሞ ብምኽንያቱ ድማ ንስኺ ወይ ጓልኪ ትሽገራ ምስ ትህልዋ፥ ካብ ቤትሕክምና ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። ኣብቲ ጊዜ ናይ ጥዕና ምርመራ ምስቶም ሰራሕተኛታት ወይ ናብ ሓደ ጥዕና-ማእከል (vårdcentral) ኬድኪ ተዘራረቢ።

ብጾታዊ ርክብ ዝተሓላለፉ ሕማማት

ብጾታዊ ርክባት ሕማማት ከይለግቡኻ ብኸመይ ከም ትከላኸልን፥ ንስኻ/ኺ ውን ንኻልኦት ንኸይተልግበሎም ውን ብኸመይ ከም ትጥንቀቕ፥ ፍልጠት ንኽትረክብ መሰል ኣሎካ። ኣብነታት ብጾታዊ ርክባት ዝተሓላለፉ ሕማማት፥ ከም ”ክላሚድያ”፡ “ሕማም-ወይቦ”፡ ”ጅግል” ከምኡ ውን “ኤች.ኣይ.ቪ” እዮም። ከምዞም ሕማት’ዚኦም ከም ዘሎዉኻ እንተ ፈሊጥካ፥ ብመሰረት ሕጊ ሽወደን፡ ንሰራሕተኛታት ቤትሕክምና ክትነግር ይግብኣካ እዩ። በዚ ድማ ሕክምና ንኽትረክብን ንኻልኦት ውን ከም ዘይለግቦምን ክትገብር ኢኻ። ኣብቲ ናይ ጥዕና ምርመራ ዚግበረልካ ጊዜ፥ ምስቶም ሰራሕተኛታት ሕክምና ተዘራረብ። ከይህልወካ ትጥርጥር ምስ ትኸውን፡ እቶም ሰራሕተኛታት ቤት ሕክምና ምርመራ ክገብሩልካ ይኽእሉ እዮም።

መክላኸል-ጥንሲን ክንክን-ኣዴታትን

ኣብ ሽወደን፡ እቲ ናይ ኣዴታት ክንክንን ናይ ሕርሲ-ሕክምናን ነተን ዑቕባ ሓተት’ቲ ኣዴታት ብነጻ’ዩ ዚግበረለን። እቲ ናይ ምስዳድ ጥንሲ ሕክምና ውን ብነጻ’ዩ። ናይ ምውላድ ምርጫ ባዕልኺ ንኽትገብሪ ውን፥ ናይ ጥንሲ መከላኸሊ ምኽሪ ናይ ምርካብ መሰል ኣሎኪ። ኣወዳትን ኣዋልድን፡ ብኸመይ ንዕኦምን ንኻልኦትን ጥንሲ ክከላኸሉ ከም ዚኽእሉ፥ ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ኣሎዎም።

ብዙሕ ናይ ጥንሲ መከላኸሊ ኣገባባት’ዩ ዘሎ። ”ኮንዶም” ካብ ፋርማቻ ወይ ካብ ካልኦት ድኳናት ክዕደግ ይክኣል’ዩ። ካልእ ዓይነት መከላኸሊ ጥንሲ ምስ ትደልዪ ድማ፥ ነቲ ይሰማምዓኪ’ዩ ዝተባህለ መድሃኒት፥ ሓደ ዶክቶር ወይ “ኣዋላዲት-ነርስ”፡ መአዘዚ ወረቐት ክጽሕፉልኪ ይኽእሉ እዮም። እቲ ብሓኪም ዝተኣዘዘ መከላኸል ጥንሲ፥ ንዓኺ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዀንኪ ብነጻ’ዩ ዚወሃበኪ።

ንስኺ ከም ሰበይቲ መጠን እንተደኣ ጥንሲ ሒዝኪ ኣሎኺ፥ ኣብቲ ናይ ጥዕና ምርመራ ትገብርሉ ጊዜ፥ ምስቶም ሰራሕተኛታት ቤት ሕክምና ተዘራረቢ። ወይ ውን ምስቲ ኣብ ቀረባኺ ዘሎ ሆስፒታል ”መቐበል ጥዕና ኣዴታት”፥ እንታይ ዓይነት ክንክን ከም ዘድልየኪ ንምፍላጥ፡ ምስኣቶም ርክብ ግበሪ።

ጥዕና-ኣእምሮ ምስኣን

ብዛዕባ መጻኢ ጊዜኻ እንታይ ኰን የጋጥም ይኸውን፥ ናይቲ ዑቕባ መሕተቲ ዘእተኹዎ ምልክታኸ እንታይ ውሳኔ ኾን ክረክብ’የ ብምባል፥ ዘጨንቕ ሓሳባት ክመጸካ ልሙድ ነገር’ዩ። ብዙሓት ዑቕባ ሓተት’ቲ ውን፡ ነቲ ዝሓለፍዎ እናዘከሩ፡ ብዛዕባ ስድራቤቶም ውን እናሓሰቡ ብምጭናቕ፥ ሕማቕ ዚስምዖም ሰባት ኣሎዉ። ንኣብነት እቲ ሕማቕ ምስማዕ ማለት፥ ጭንቀት ይስምዓካ፡ ድቃስ ይኣብየካ፡ ትቓዝን ከምኡ ውን ዓቕምኻ ረሸሽ ይብለካ።

ኣብቲ ትነብረሉ ቦታ ካብ ዚርከብ ክንክን-ሕማም (ቤትሕክምና)፥ ሓገዝን ደገፍን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ናይ ጥዕና ምርመራ ትገብረሉ ጊዜ፡ ምስ ሰራሕተኛታት ቤትሕክምና ተዘራረብ። ውላድካ ሕማቕ ይስምዖ ስለ ዘሎ ትጭነቕ ምስ ትህሉ፥ ምስቶም ኣብ ”ማእከል-ጥዕና ቆልዑ” (barnavårdscentralen)፥ ወይ ድማ ምስቲ ናይቲ ቆልዓ ቤትትምህርቲ ተዘራረብ።

ስንክልና-ዓቕምታት

ስንክልና እንተ ደኣ ኣልዩካ ወይ ውን ኣሎኒ ኢልካ ምስ ትኣምን፥ ኣብቲ ናይ ጥዕና ምርመራ ትገብረሉ ጊዜ ንኽትነርግ ዕድል ኣሎካ። እዚ ማለትና ድማ፡ ናይ ኣካላዊ ዓቕሚ ወይ ስነኣእምሮኣዊ ወይ ቀልባዊ ጕድለታት ምስ ዚህልወካ እዩ።

ስንክልና ስለ ዘሎካ፡ ኣብቲ ዑቕባ ትሓተሉ ጊዜ ንምርድዳእ ትጻገም እንተ ዄንካ፥ ሓገዝን ደገፍን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ናይ ዓቕምታት ስንክልና ስለ ዘሎካ፡ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ዚዕንቅጸካ ኣይኰነን።

ናይ ዓቕሚ ስንክልና እንተ ኣልዩካ፥ እሞ ናይ ሽወደን መንበሪ ፍቓድ ውን እንተ ረኺብካ፥ ናብቲ ሕብረትሰብ ሽወደን ብዝቐለለ ክትኣትወሉ ትኽእል ሓገዝን ደገፍን ናይ ምርካብ መሰል ኣሎካ።

ክንክን-ስኒ

ንስኻ/ኺ ዓቕሚ ኣዳም ዝበጻሕካ፥ ንህጹጽ ሕማም-ስኒ ሕክምና ናይ ምርካብ መሰል ኣሎካ። እቲ ዘድልየካ ናይ ክንክን-ስኒ ናይ ህጹጽ ሕማም-ስኒ ምዃኑን፥ እንታይ ዓይነት ሕክምና ከም ዘድልየካን ገምጋም ዚገብር፡ እቲ ሓኪም ስኒ እዩ። ቆልዑ ግን፡ ነቲ ህጹጽ ሕማም-ስኒን፡ ነቲ ናይ ሕማም-መከላኸሊ ሕክምናን፥ ካብ ሓኪም-ስኒ ብነጻ ናይ ምርካብ መሰል ኣሎዎም።

ክንክን-ስኒ (ሕክምና-ስኒ) ምስ ዘድልየካ፡ ናብ ”ህዝባዊ ክንክን-ስኒ” (Folktandvården) ክትከይድ ወይ ናብቲ እቲ “ወረዳዊ-ባይቶ/ዞባዊ ምምሕዳር” ዝመደበልካ ሕክምና-ስኒ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ።

መርመራ ዓይንን መነጽርን

መነጽር ከድልየካ ይኽእል እዩ ኢልካ እንተሓሲብካ፥ ምስቲ ናትካ ስደተኛታት ናይ ምቕባል ኣሃዱ ርክብ ብምግባር፥ ንምርመራ ዓይንን መነጽርን ዚኸውን ፍሉይ ሓገዝ ገንዘብ ሕተት። ምርመራ ዓይኒ ክትገብር ዚውስነልካ፡ እቲ ኣብ ሚግራሾንስቨርከት ዘሎ ፈጻሚ ጉዳያት እዩ። እቲ ናይ ዓይኒ ምርመራ ንምግባር ዘእተኻዮ ምልከታ፥ ናይ ፍቓድ ውሳነ እንተ ደኣ ዋሂቡዎ፥ ምስ ሓኪም ዓይኒ ቆጸራ ክትሕዝ ትኽእል ኢኻ። ንሱ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ክትገብሮ ይግብኣካ። እቲ ሓኪም ዓይኒ፡ መነጽር ከም ዘድልየካ እንተ ደኣ ወሲኑ፥ ሚግራሾንስቨርከት ዚኸፍሎ መነጸር ኪእዝዘልካ እዩ።

መድሃኒታት

ካብ ቤት መሸጣ መድሃኒት (apoteket) ኬድካ፥ ነንበይኖም ዓይነታት መድሃኒትን ናይ ሓለዋ-ጥዕና ፍርያትን ክትገዝእ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ሓኪም ብመእዘዚ መድሃኒት ዝጸሓፈልካ መድሃኒታት ውን፥ ኣብኡ ኼድካ ኢኻ ተምጽኦ። ነቲ ብሓኪም ዝተኣዘዘልካ መድሃኒት ክተምጽኦ ከሎኻ፥ ናትካ ናይ መንነት ወረቐት ”LMA-kort” ክተርእዮም ከም ዘሎካ ዘክር። ነቶም ሓኪም የድልዩኻ እዮም ኢሉ ዝኣዘዘልካ መብዛሕትኦም መድሃኒታት፥ ዝሓሰረ ዋጋ ኢኻ ትኸፍል።

ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ሓለዋ-ጥዕናን ክንክን-ሕማምን

  • ኣብ ኣድራሻ ኢንተርነት http://www.1177.se/ External link, opens in new window. ክንክን ሕማም ኣብ ሽወደን ብኸመይ ከም ዚሰርሕን፥ ብዛዕባ ሕማማትን ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ሓበሬታ ተጻሒፉ ኣሎ። ኣብኡ ድማ፡ ቁጽሪ ቴሌፎን ናይቶም ኣብቲ እትነብረሉ ከባቢ ዚርከቡ “ማእከል-ጥዕናታትን” (vårdcentraler) ሓኪም-ስኒን (tandläkare) ክትረኽቦ ኢኻ።
  • ናብቲ ”መምርሒ-ክንክን ሕማማት” (Vårdguiden) ዝበሃል ውን ብቑጽሪ ቴሌፎን 1177 ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ኣብኡ ድማ ምስ ሓንቲ ሕቶታትካ ክትምልስን ብዛዕባ ክንክን-ሕማም ምኽሪ ክትህብካ ትኽእልን ”ኣላይት-ሕሙማት” (sjuksköterska) ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ።እዛ ”ኣላይት-ሕሙማት” እዚኣ፥ ክንክን-ሕማም ዘድልየካ እንተዀይኑ ውን ክትግምግም ስለ ትኽእል፤ ናብቲ ልክዕ ዝዀነ ”መቐበል-ሕሙማን” ክትከይድ ከም ዘሎካ ክትሕብረካ እያ። 
  • ኣብዚ ኣድራሻ ኢንተርነት’ዚ  https://www.rfsu.se/upos External link, opens in new window.፡ ንዓኻትኩም ብዛዕባ ኣካላት፥ ጾታዊነትን ጥዕናን ብዝያዳ ንምፍላጥ ድሌት ዘሎኩም ዝተዳለወ፥ ሓሓጸርቲ ናይ ሓበሬታ ፊልምታት ክትረክቡ ኢኹም። እዚ ፊልምታት’ዚ ብነንብይኑ ቋንቋታት ተዳልዩ ይርከብ። ኣብኡ ድማ፡ ንኣብነት ብዛዕባ መከላኸል-ጥንሲ፡ ብዛዕባ ሕርሲን ጥንሲን ፊልምታት ክትረኽቡ ኢኹም።
  • ኣብ ኣድራሻ ኢንተርነት http://www.youmo.se/ External link, opens in new window. ንመንእሰያት ዚኸውን፥ ብዛዕባ ጥዕና፡ ርክባት፡ ጾታን ካልእ ብዙሕ ነገራትን፥ ብነንበይኑ ቋንቋታት ሓበሬታ ተጻሒፉ ክትረክብ ኢኻ።
  • ንዓኺ ጓል-ኣንስተይቲ፡ ኣብ ናይ ምፍርራሕን - ኣካላዊን ስነኣእምሮኣዊን መጥቃዕቲን እትርከቢ፥ ኣብ ልዕሌኺ ውን ጾታዊ-ዓመጽ ዝተፈጸመኪ ሰብ፥ እዚ ”ክቪኖ-ፍሪድስ-ሊንየን” (Kvinnofridslinjen) ምኽሪን ደገፍን ንኺገብረልኪ ይዕድመኪ። ብቑጽሪ ስልኪ 020‑50 50 50 ደውሊ። ንሳቶም ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ተርጓማይ ከዳልዉልኪ እዮም። ኣብ ኣድራሻ ኢንተርነት kvinnofridslinjen.se ኣቲኺ ውን ብዝበለጸ ክተንብቢ ትኽእሊ ኢኺ። ኣብኡ ብብዙሓት ቋንቋታት ሓበሬታ ተጻሒፉ ይርከብ። 
  • እቶም ኣብቲ ዘሎኻዮ ”መቐበል ስደተኛታት ኣሃዱ” ወይ መንበሪ-ቦታኻ ዘሎዉ ሰራሕተኛታት፥ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብን፥ ኣብቲ ዘሎኻዮ ከባቢ ናበየናይ ቦታ ኬድካ ግቡእ ክንክን ከም ትረክብን ክተሓባበሩኻ እዮም።

መጐዓዚ ሕሙማን

ንስኻ ብምኽንያት ናይ ጥዕናኻ ሃለዋት፥ ናብ ክንክን-ሕማም ባዕልኻ ንምምጻእ ዘይትኽእል ምስ ትኸውን፤ ናይ መጐዓዚ-ሕሙማን (sjukresa) ቆጸራ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ሕክምናዊ ምኽንያት ምስ ዚህልዎ፥ ነቲ ናብ ”ጥዕና-ማእከል” ወይ ናብ ”ሆስፒታል” ንመጐዓዓዚ ዘውጻእካዮ ገንዘብ ድማ ክኽፈለካ እዩ። ንመጐዓዚ-ሕሙማን ከም ዚግብኣካ ኪግምግም ዚኽእል፥ እቲ ክንክን-ሕክምና ዝገብረልካ ቤትሕክምና እዩ። ናብ ”መምርሒ-ክንክን ሕማማት” (Vårdguiden) ቁጽሪ ስልኪ 1177 ደዊልካ፥ ኣብቲ እትነብረሉ ከባቢ ዚርከብ ”ወረዳዊ-ባይቶ”/ዞባዊ ምምሕዳር”፥ እንታይ ኣገባብ ከም ዚኽተል ብዝያዳ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ www.1177.se/sa-fungerar-varden/sjukresor-och-fardtjanst/sjukresor/ (ብቛንቋ ሽወደን ጥራይ) External link, opens in new window.

መንነት-ወረቐትካ (LMA-kort) ተማልኣዮ

ናብ ሓደ ”መቐበሊ ክንክን-ሕማም” ወይ ውን መድሃኒትካ ንምምጻእ ናብ ቤት መሸጣ መድሃኒት ኣብ ትኸደሉ ጊዜ፥ መንነት-ወረቐትካ ” LMA-kort ክተርኢ ከድልየካ እዩ። “መንነት-ወረቐትካ” LMA-kort ገና ዘያውጻእካ ምስ ትኸውን፥ ነቲ ዑቕባ ንምርካብ ዘመልከትካሉ ቅብሊት-ወረቐት ኣርእዮም። ናብ “ክንክን-ሕማም” ንምብጻሕ ኣብ ትኸደሉ ጊዜ፥ ናትካ “መንነት-ወረቐት” LMA-kort ምስ ተርእዮም፥ ኣብ ገለ ኩነታት ዝተሓተ “ናይ ተሓካማይ ክፍሊት” ገንዘብ ክትከፍል ኢኻ። ነቶም ሓኪም የድልዩኻ እዮም ኢሉ ዝኣዘዘልካ መብዛሕትኦም መድሃኒታት ውን፥ መንነት-ወረቐትካ LMA-kort ነቶም ቤት መሸጣ መድሃኒት ምስ ተርእዮም፥ ዝሓስረ ዋጋ ክትከፍል ኢኻ።

ፊልም ብዛዕባ ሓለዋ-ጥዕናን ክንክን-ሕማምን ንሓተትቲ ዑቕባ

Last updated: