ንሓተትቲ ዕቑባ ዝወሃብ ገንዘባዊ ደገፍ

Ekonomiskt stöd för asylsökande – tigrinska

ርእስኻ ምኽኣልካ ኣገዳሲ እዩ። ባዕልኻ እትረኽቦ እቶት ከምኡድማ ካልኦት ናይ እቶት ምንጭታት እንተዘይብልካ፣ ካብ ቦርድ ስደተኛታት ናይ ገንዘብ ደገፍ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። እቲ ገንዘባዊ ደገፍ ካብ ብዙሓት ክፋልት ዝተዳለወ እዩ: ናይ ዕለታዊ ወጻኢታት መውዕሎ፣ ናይ ኣኮመዴሽን መውዕሎን ፍሉይ መውዕሎን።

ዕቑባ ክትሓትት እንከለኻ ነቲ ቦርድ ስደተኛታት ክንደይ ገንዘብ ወይድማ ካልእ ምንጪ ከምዘለካ ክተፍልጥ ኣለካ። ዋላሓንቲ ናይ እቶት ምንጪ እንድሕር ዘይብልካ ዕለታዊ ወጻኢታትካ መሸፈኒ ዝኀውን መውዕሎ ክወሃበካ እዩ። ምርዑዋትን ብጽምዶ ነበርትን፥ ነቲ ስድራቤታዊ ኤኮኖሚ ናይ ሓባር ሓላፍነት’ዩ ዘሎዎም። እዚ ማለት ድማ፡ “ሚግራሾንስቨርከት” ኣብቲ ቁጠባዊ ደገፍ ናይ ምርካብካ ዝገብሮ ኣገማግማ፥ ዋላ ናይታ ብዓልቲ ቤትካ (መጻምድትኻ) እቶት ውን ኣብ ግምት የእትዎ እዩ።

ኣብቲ ቁጠባዊ ኵነታትካ ለውጢ ምስ ዘጋጥም፥ ንኣብነት ንስኻ ወይ እታ በዓልቲ ቤትካ ስራሕ እንተ ረኺኩም፥ እዚ ን”ሚግራሾንስቨርከት” ክትሕብሮም ይግብኣኩም። ንስኻ ወይ እታ ብዓልቲ ቤትካ፡ መዓልታዊ ገንዘብ (dagersättning) እናተቐበልኩም፥ ካልእ እቶም ከም ዘሎኩም ዘይሕባር ገበናዊ ስራሕ እዩ። እንተደኣ ናብ ካልእ ቦታ ግዒዝካ ውን፥ እቲ መዓልታዊ ገንዘብ ናይ ምርካብካ መሰልካ ውን ይጽሎ እዩ። ስለዚ ድማ፡ ሓድሽ ኣድራሻ ምስ ዚህልወካ፡ ኵሉ ጊዜ ን”ሚግራሾንስቨርከት” ክትሕብር ክትሕብሮ ምየድሊ።

ውሳነ ኣብ እትጽበየሉ እዋን ስራሕ እንተረኺብካ እንታይ ክትገብር ከምዘለካ ንምፍላጥ ተወሳኺ ኣንብብ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

መዓልታዊ ሓገዝ-ገንዘብ

እቲ ዚወሃብ “መዓልታዊ ሓገዝ ገንዘብ” ክፈላለ ይኽእል’ዩ፡ እዚ ድማ፡ እንተ ደኣ ኣብ ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” መግቢ ዚቕረበሉ ”መንበሪ-ቦታ” ትቕመጥ ወይ መግቢ ኣብ ዘይቅረበሉ መንበሪ-ቦታ ትቕመጥ ኴንካ እዩ። ምስ ብዓልቲ ቤትካ ወይ መጻምድትኻ ሓቢርኩም ትነብሩ ምስ ትኾኑ፥ እቲ ዚወሃበኩም ብዝሒ ናይቲ መዓልታዊ ገንዘብ ውን ይጽሎ እዩ።

መግቢ ኣብ እትረኽበሉ መንበሪ ትነብር እንተሊኻ እትረኽቦ ናይ ዕለታዊ መውዕሎ

  • በይኖም ንዝነብሩ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሰባት 24 ክሩነር/መዓልቲ
  • 19 ክሩኖር/ንመዓልቲ ንሓደ ሰብ፥ ንሓደ ብሓባር ዚነብሩ ሰብ ሓዳር።
  • 19 ክሩኖር/ንመዓልቲ ንሓደ ሰብ፥ 18-20 ዝዕድሚኦም ምስ ወለዶም ዚነብሩ ደቂ።
  • ዕድሜኦም ክሳዕ 17 ዓመት ንዝገበሩ ህጻናት ድማ 12 ክሩነር/መዓልቲ

መግቢ ኣብ ዘይብሎም መንበሪታት ንዝነብር ሰብ ዝወሃብ ዕለታዊ መውዕሎ ድማ

  • በይኖም ንዝነብሩ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሰባት 71 ክሩነር/መዓልቲ
  • 61 ክሩኖር/ንመዓልቲ ንሓደ ሰብ፥ ንሓደ ብሓባር ዚነብሩ ሰብ ሓዳር።
  • 61 ክሩኖር/ንመዓልቲ ንሓደ ሰብ፥ 18-20 ዝዕድሚኦም ምስ ወለዶም ዚነብሩ ደቂ።
  • ዕድሜኦም 0–3 ንዝኾኑ ህጻናት 37 ክሩነር/መዓልቲ
  • ዕድሜኦም 4–10 ንዝኾኑ ህጻናት 43 ክሩነር/መዓልቲ
  • ዕድሜኦም 11–17 ንዝኾኑ ህጻናት 50 ክሩነር/መዓልቲ

ካብ ክልተ ንላዕሊ ቆልዑት ዘለዉዎም ስድራቤታት ነቶም ክልተ ዝዓበዩ ቆልዑት ሙሉእ ዕለታዊ መውዕሎ ነቶም ዝተረፉ ቆልዑት ድማ ናይ ፍርቂ መዓልቲ መውዕሎ ይረኽቡ።

እቲ ዕለታዊ መውዕሎ ካብ መግቢ ሓሊፉ ናይ ክዳውንቲን ጫማታትን፣ ናይ ክንክን ጥዕናን ኣፋውስን፣ ናይ ስኒ ሕክምና፣ ናይ ሽቓቕ መጥቀሚታት፣ ካልኦት ሃለቕቲ ኣቕሑትን ናይ መዘናግዒ ንጥፈታትን ወጻኢታት ክሽፍን ክኽእል ኣለዎ።

በዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት ዕለታዊ መውዕሎኻ ክንከይ ይኽእል እዩ

  • መንነትካ ንምምስራት ዘይትተሓባበር እንተኾንካ
  • ናይ ዕቑባ ሕቶኻ ከይጻረ መታን ትሕባእ እንተኾንካ
  • ሕቶኻ ብምንጻጉ ወይድማ ክትስጎግ ስለዝተበየነልካ ካብ ስዊድን ንምውጻእ ክትዳለው እንተዘይክኢልካ።

እንተ ደኣ ናብ ”ማሕበረ-ቁጠባዊ” ብድሆታት ኣሎዎ ናብ ዚበሃል ከባቢ ግዒዝካ ውን፤ ነቲ ”መዓልታዊ-ሓገዝ-ገንዘብ” ናይ ምርካብ መሰልካ ክትስእኖ ትኽእል ኢኻ። እንተ ደኣ እቲ ዝተመዝገብካሉ ኣድራሻ ካልእ - እቲ ብሓቂ እትነብረሉ ኣድራሻ ድማ ካብኡ ዝተፈልየ ኰይኑ ውን፥ እቲ ናይ ”መዓልታዊ-ሓገዝ ገንዘብን” - ናይ ”ፍሉይ ገንዘብ ደገፍ” ምርካብካን መሰልካ ከቛርጽ’ዩ። ንኣብነት፡ ከም ናይ ቡስጣ ኣድራሻኻ ጥራይ ትጥቀመሉ ኣድራሻ ሂብካ እዩ።

ኣብዚ፡ ብዛዕባ ኣብ ናይ ርእስኻ ቤት ምንባርን – እቲ እትግዕዘሉ ከባቢ ውን ነቲ ሓገዝ ገንዘብ ናይ ምርካብካ መሰለ ዝጸልዎ ምዃኑን ንምቁጽጻር፥ ብዝበለጸ ኣንብብ።

ኦርኒክ ንናይ መዓልታዊ ሓገዝ-ገንዘብ ምልክታ (Mot23) (ብቛንቛ ሽወደን) Pdf, 1.1 MB, opens in new window.

ኦርኒክ መዓልታዊ ሓገዝ-ገንዘብ ብኸምዚ ኣገባብ ትመልኦ

ቁጠባዊ-ሓገዝ ናይ ምርካብካ መሰል መዓስ የቛርጽ

”መንበሪ-ፍቓድ” ብድሕሪ ምርካብካ፡ እቲ ቁጠባዊ ሓገዝ ናይ ምርካብ መሰልካ ድማ የቛርጽ’ዩ። ኣብ ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” መንበሪ-ቦታ ትቕመጥ እንተ ዄንካ፥ ካብቲ ሓደ ኮሙን ዝተቐበለካ ጊዜ ጀሚሩ፥ ከም ግቡእ እቲ ገንዘብ ናይ ምርካብ መሰልካ ደው ይብል’ዩ። ኣብ ናይ ርእስኻ መንበሪ-ቤት ትቕመጥ ምስ ትኸውን ድማ፥ ሓደ ወርሒ ብድሕሪቲ ”መንበሪ-ፍቓድ” ምርካብካ፥ እቲ ሓገዝ ገንዘብ ናይ ምርካብካ መሰል የቛርጽ’ዩ።

ካብ ሽወደን ንክትስጐግ ውሳኔ እንተ ደኣ መጺኡካ ወይ እቲ ካብ ሃገር ናይ ምውጻእ ውሳኔ ከገልግል ጀሚሩ፥ ወይ ውን ነቲ ብድሌትካ ካብ ሃገር ንምውጻእ ዝተዋህበካ ጊዜ ተወዲኡ ውን፤ ነቲ ሓገዝ ገንዘብ ናይ ምርካብካ መሰል ከቛርጽ’ዩ። እዚ፡ ንዓኻ ዓቕሚ-ኣዳም ዝበጻሕካ፥ ንስኻ ተመሓድሮም - ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ምስ ዘይህልዉኻ እዩ። ካብ ሃገር እንተ ወጺእካ ውን፡ እቲ ዝወሃበካ ዝነበረ ሓገዝ-ገንዘብ ደው ይብል እዩ።

ቆልዑ ዘሎዉዎም ስድራቤታት፡ ክሳብ’ቲ ካብ ሽወደን ወጺኦም ዚኸዱ ወይ ውን ብዝኾነ ይኹን ካልእ ምኽንያት ካብቲ ኣሃዱ መቐበል ስደተኛታት (mottagningsenhet) ዚስርዙ፥ ኣብ ናይ “ሚግራሾንስቨርከት” መንበሪ ቦታ ምቕማጥ ኪቕጽሉን - ቁጠባዊ ደገፍ ናይ ምቕባል መሰልን ይህልዎም እዩ።

ፍሉይ መውዕሎ

በቲ ዕለታዊ መውዕሎ ክሽፈን ዘይኽእል ካልእ ከቢድ ጠለብ እንተልዩካ ፍሉይ መውዕሎ ይዋሃበኒ ክትብል ሕቶ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ነገር ወይድማ ኣገልግሎት ብኽቱር ከምእትደልዮን ንዕኡ መዕደጊ ዝኸውን ገንዘብ ድማ ከምዘይብልካን ብንጹር ክትገልጽ ኣለካ። ንኣብነት፣ እርኩያለ፣ ናይ ህጻን ጋሪ ወይድማ ናይ ክረምቲ ጫማ ክትደሊ ትኽእል። ቦርድ ስደተኛታት ኩሉግዜ ነቲ ድሌት በብንጽል ይግምግሞ።

ኩሉግዜ ጠለብካ ከማልእ ዝኽእል ዝሓሰረ ምርጫ መዕደጊ ዝኸውን መውዕሎ ጥራይ እዩ ዝወሃበካ።

እንተ ደኣ፡ ናብ ሓደ ”ማሕበረ-ቁጠባዊ” ብድሆታታት ኣሎዎ ተባሂሉ – ብሓደ ኮሙን ምልክታ ዝቐረበሉ ከባቢ፥ ናይ ርእስኻ መንበሪ ቤት ረኺብካ ናብኡ ግዒዝካ፥ እቲ ”ፍሉይ ሓገዝ ገንዘብ” ናይ ምርካብ መሰልካ ኪጽሎ እዩ።

ንኣብነት ከይዲ ምጽራይ ሕቶ ዕቑባኻ ንምርኣይ፣ ምስ ናይ ሪሰፕሽን ኣማሓዳሪ ሓላፊ ንምርኻብ ወይድማ ኣብ ጉጅለኣዊ ናይ ሓበሬታ ፍጻመ ንምርኻብ ናብ ቦርድ ስደተኛታት ክትመጽእ እንተተጸዊዕኻ ናይ ጉዕዞ ወጻኢታትካ ክሽፈነልካ ይኽእል። ብዛዕባ እዚ ምስ ናይ ምሕደራ ሓላፊኻ ተዘራረብ።

ቅጥዒ ቁጽሪr Mot78፣ ዓበይቲ ናይ ፍሉይ መውዕሎ ሕቶ ዘቕርቡሉ ቅጥዒ እዩ። Pdf, 1.1 MB, opens in new window.

ዓበይቲ ሰባት ነቲ ናይ ፍሉይ መውዕሎ ቅጥዒ ከመይ ከምእትመልእዎ ኣብዚ ቀሪቡልኩም ኣሎ

ቅጥዒ ቁጽሪ Mot72 ድማ በይኖም ዝኾኑ ህጻናትን በጽሒታትን ፍሉይ መውዕሎ ዝሓቱሉ ቅጥዒ እዩ Pdf, 1.1 MB, opens in new window.

ናይ መንበሪ መውዕሎ

ስራሕ እንተልዩካ ወይድማ ስራሕ እንተረኺብካ ናይ መንበሪ መውዕሎ ክወሃበካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። እዚ ክኸውን ዝኽእል ልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ዝጸንሕ ስራሕ እንተረኺብካን ናይቲ ቦርድ ስደተኛታት መንበሪ ናብ ዘይርከበሉ ቦታ ኬድካ ትሰርሕ እንተኾንካን እዩ። እቲ ናይ መንበሪ መውዕሎ

  • ንስድራቤታት 850 ክሩነር/ወርሒ።
  • ሓደሰብ ጥራይ ንዘለዎ ገዛ 350 ክሩነር/ወርሒ።

ውሳነ ብዛዕባ ገንዘባዊ መውዕሎ

እቲ ቦርድ ስደተኛታት ንገንዘባዊ መውዕሎ ዝምልከት ውሳነ ክውስን እንከሎ፣ ብዛዕባ እቲ ውሳነ በዚ ዝስዕብ መንገዲ ሓበሬታ ክወሃበካ እዩ

  • ኣብ ሪሰፕሽን ትካልካ ብዝሰርሕ ምሕደራዊ ሓላፊ ወይድማ
  • በቲ ቀሊል ምልክታ ዝበሃል መንገዲ።

”ሚግራሾንስቨርከት”፡ በቲ ዝተቓለለ ኣወሃህባ መልእኽቲ ተጠቒሙ ነቲ ሓበሬታ ኣብ ዚህበካ ጊዜ፥ ነቲ ውሳነ ብቤት ቡስጣ ጌሩ ናብ ገዛኻ፥ ናብቲ ንስኻ ንዓና ዝሃብካና ኣድራሻ ኪልእከልካ እዩ። ኣብቲ ዚቕጽል ዘሎ ዕለት ድማ፥ ነቲ ውሳነ’ቲ ልኢኽናልካ ከም ዘሎና ዚሕብር፥ ሓደ ሓድሽ ናይ መቆጻጸሪ መልእኽቲ ክንሰደልካ ኢና። ኣብቲ መቆጻጸሪ መልእኽቲ፡ እቲ ውሳነ መዓስ ከም ዝተላእከልካ ኣብኡ ተጻሒፉ ክትረኽቦ ኢኻ። ክልተ ሰሙን ብድሕሪ’ቲ ነቲ መልእኽቲ’ቲ ምስዳዱ ድማ፥ ”ሚግራሾንስቨርከት”፡ ብዛዕባ’ቲ ውሳነ’ቲ ተሓቢርካ ከም ዘሎኻ ጌሩ ኪወስዶ እዩ። ድሕሪኡ ይግባይ ንምሕታት ሰለስተ ሰሙን ኣለካ።

እቲ ዝሃብካና ኣድራሻ ዘይሰርሕ እንተኾይኑሞ ኣብ ስዊድን ምዝጉብ እንተኾንካ እቲ ውሳነን ናይ ቁጽጽር ደብዳበን ናብቲ ኣብ ናይ ምዝገባ ሰነድካ ዘሎ ኣድራሻ ክንልእኾ ኢና።ኣብቲ ቦርድ ስደተኛታት ምስተመዝገብካ ነቲ ዝቕበለካ ኣካል ኣድራሻ ናይ ሕጂ ኣድራሻኻ ክትነግር ኣለካ። ብተወሳኺ ፖስታኻ ብቐጻሊ ክትፍትሽ ኣለካ። ይግባይ ኣብ እትሓተሉ እዋን እውን እቲ ቤት-ፍርዲ ውሳነኡ በዚ ቀሊል ምልክታ ኣቢሉ ከፍልጠካ ክመርጽ ይኽእል እዩ።

ነቲ ብቤት ቡስጣ ኣቢሉ ዚልኣኽልካ ቡስጣታት ንምቁጽጻር ኣይትዘንግዕ።

ናይ ባንክ ካርድ

ካብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ”መዓልታዊ ሓገዝ ገንዘብ” ክኽትረክብ እንተ ተፈቒዱልካ፥ ናይቲ እቲ ገንዘብካ ዝኣትወሉ ሕሳብ - ምስኡ ዝተኣሳሰረት ናይ ባንክ ካርድ ድማ ክትቅበል ኢኻ።

ን”ናትካ መዓልታዊ ረድኤት” (dagersättning) ንኽትጥቀመሉ፥ ናይ ርእስኻ “ባንክ-ካርድ” (bankkort) ኪህልወካ መሰል ኣሎካ፥ ዋላ’ኳ ብዙሓት በጽሒታት ኣብ ውሽጢ’ቲ ስድራቤት እንተ ኣሎኹም።

ብዛዕባ ናይ ዑቕባ-ሓተትቲ ናይ ባንክ ካርድ ኣብዚ ብዝበለጸ ኣንብብ።

ይግባይ ክትሓትት እንተደሊኻ

እቲ ቦርድ ስደተኛታት ብዛዕባ ናይ መውዕሎ ሕቶኻ ዘሕለፎ ውሳነ ግጉይ እዩ ዝብል እምነት እንተልዩካ፣ ይግባይ ናይ ምሕታት መሰል ኣለካ። እዚ ክኸውን እንከሎ ብዛዕባ እቲ ውሳነ ካብ ዝፈለጥካሉ (ዝተነገርካሉ) ዕለት ኣትሒዝካ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ንቦርድ ስደተኛታት ከተቕርብ ኣለካ። እቲ ቦርድ ስደተኛታት ነቲ ውሳነ ክቕይሮ  እንተዘይክኢሉ ይግባይካ ናብ ምሕደራዊ ቤት-ፍርዲ ክመሓላለፍ እዩ። እቲ ምሕደራዊ ቤት-ፍርዲ እውን ይግባይካ እንድሕር ነጺግዎ ድማ፣ ናብ ይግባይ ሰማዑ ቤትፍርዲ (kammarrätten) ይግባይ ክትብል ትኽእል።

ይግባይ ክትሓትት እንከለኻ ክትገብሮም ዘለካ ነገራት ንምፍላጥ ተወሳኺ ኣንብብ

ብዛዕባ ዕለታዊ መውዕሎታትካ ወይድማ ብዛዕባ ካልኦት መውዕሎታትካ እተቕርቦም ሕቶታት እንተልዮምኻ

ንሓተትቲ ዕቑባ ብዛዕባ ዝወሃብ ገንዘባዊ ደገፍ ሓፈሻዊ ሕቶታት እንተልዮምኻ ናብ ቦርድ ስደተኛታት ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ናይ ባዕልኻ መውዕሎታት ሕቶታት እንተልዮምኻ ድማ ናብቲ ናይ ሪሰፕሽን ኣካል ክትመጽእ ኣለካ። እቶም ናይ ቦርድ ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ብምኽንያት ሕጊታት ሚስጥራዊነት ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ብተሌፎን ክዛረቡ ኣይኽእሉን። ናብ ናይ ሪሰፕሽን ኣካል ክትከይድ  እንከለኻ ናይ LMA ካርዲኻ ተማላእ።

Last updated: