መምርሒ ንኣመላልኣ-ኦርኒክ ናይ ቆልዓ ፍሉይ መሕተቲ ሓገዝ-ገንዘብ

Så här fyller du i blanketten (barn) – tigrinska

1. እቲ መጠየቕታኻ እንታይ ምዃኑ ግለጽ። እቲ እትደልዮ ዘሎኻ ሓገዝ ንምንታይ ከም ዝኾነን ኣቕሑ ወይ ኣገልግሎት ንምዕዳግ ክንደይ ገንዘብ ከም ዘድልየካን ብንጹር ግለጽ። 

2. ስለምንታይ እቲ ህጻን ኣቕሓን ኣገልግሎትን ከም ዚደሊ ግለጽ 

3. ነቲ ህጻን ኣቕሑን ኣገልግሎትን ከም ዘድልዮ ንምርኣይ ምስቲ መጠየቕታኻ እንታይ ሰነዳት ከም ዘቕረብካ ጸሓፍ  

4. ንስኻ: ካልኣይ ወላዲ: ወይውን ውላድካ ካብ ገለ ትካላት ደሞዝ ወይ ካብ ገለ ድርጅታት ወይ ውድባት ሓገዝ ዚረክብ እንተ ኾይኑ ንኣብንት ናይ ሕማም ገንዘባዊ ሓገዝ ናይ ወላዲ ገንዘባዊ ሓገዝ ወይ ካብ ቤትጽሕፈት መድህን ናይ ህጻን ገንዘባዊ ሓገዝ ዚወሃበካ እንተ ኾይኑ ምልኣዮ።  

5. ንስኻ: እቲ ካልኣይ ወላዲ: ወይውን ውላድካ ካብቲ ካብ ቤትጽሕፈት መድህን ዚረኽቦ መዓልታዊ ገንዘብ ዝያዳ ጥረ ገንዘብ ምስ ዚህሉዎ ምልኣዮ   

6. ንስኻ: እቲ ካልኣይ ወላዲ: ወይውን ውላድካ ቁጠባዊ ረብሓታት ከም ማኪና: ኣብ ሽወደንን ወጻእን ናይ ባንክ ሒሳብ እንተለዎ: ወይ ኩባንያ እንተለዎ: ወይ ድማ ንስኻ: እቲ ካልኣይ ወላዲ: ሸጥካ እቶት እትረኽበሉ ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ብርክታት እንተሎ ኣብዚ ምልኣዮ  

7. ነቲ መጠየቕታ ብምፍራም ነዚ ዚስዕብ ነጥብታት ሓቂ ምዃኑ ተረጋግጽን ቃልካ ትህብን ኣሎኻ፤

  • እቲ ኣብቲ መጠየቕታኻ ዝሃብካዮ ሓበሬታ ቅኑዕ ምዃኑ
  • ነቲ  ናይ ገንዘባዊ ሓገዝ መሰልካን ነቲ ብዝሒ ገንዘብን ኪጸሉ ዚኽእል: ኣብቲ እቶትካ ገለ ለውጢ እንተሎ ክትሕብር ከም ዘሎካ ከም እተረደኣካ 
  • ኣብቲ እትልእኮ ሓበሬታ ጌጋ ምስ ዚህሉ ከም ገበን ከም ዚሕሰብን ናብ ፖሊስ እውን ከም ዚሓልፍ ከም እትፈልጥ
  • እቲ እትፍርሞ ዘሎኻ ተረዲኡካ ምዃኑ 
      

እቲ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት መታን ተወሳኺ ሓበሬታ ከይሓተተ ኪውስን ነቲ ፎርም  ብስርዓት ክትመልኦ ኣገዳሲ እዩ። ገለ ሓበሬታ ምስ ዚጎድል እቲ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ነቲ ድሌትካ ኪግምግሞ ስለ ዘይክእል ነቲ ጥያቔኻ ኪነጽጎ ይኽእል እዩ።

ነቲ ናይ መጠየቕታ ፎርም ናብቲ ክፍሊ መቐበሊ ኣቕርቦ  ወይ  ስደዶ

ኣድራሻ ፖስጣ ናይ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ክፍሊ መቐበሊ: ኣብዚ ክትረኽቦ ትኽእል፤  

http://www.migrationsverket.se/Kontakta-oss/Hitta-till-oss/Post--och-faxadresser.html


Last updated: