መምርሒ ንኣመላልኣ-ኦርኒክ ናይ ዓበይቲ ፍሉይ መሕተቲ ሓገዝ-ገንዘብ

Instruktioner till ansökan om särskilt bidrag till vuxna – tigrinska

  1. እቲ መጠየቕታኻ እንታይ ምዃኑ ግለጽ። እቲ እትደልዮ ዘሎኻ ሓገዝ ንምንታይ ከም ዝኾነን ኣቕሑ ወይ ኣገልግሎት ንምዕዳግ ክንደይ ገንዘብ ከም ዘድልየካ ብንጹር ግለጽ።

  2. ስለምንታይ ኣቕሓን ኣገልግሎትን ከም እትደሊ ግለጽ

  3. ኣቕሑን ኣገልግሎትን ከም ዘድልየካ ንምርኣይ ምስቲ መጠየቕታኻ እንታይ ሰነዳት ከም ዘቕረብካ ጸሓፍ

  4. ካብ ገለ ትካላት ደሞዝ ከም ዘሎካ ወይ ካብ ገለ ድርጅታት ወይ ውድባት ሓገዝ ትረክብ እንተኾንካ ንኣብነት ናይ ሕማም ገንዘባዊ ሓገዝ ናይ ወላዲ ገንዘባዊ ሓገዝ ወይ ካብ ቤትጽሕፈት መድህን ናይ ህጻን ገንዘባዊ ሓገዝ ዚወሃበካ እንተ ኾይኑ።

  5. ካብቲ ካብ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት እትረኽቦ መዓልታዊ ገንዘብ ንላዕሊ ዝያዳ ጥረ ገንዘብ እንተሎካ

  6. ቁጠባዊ ረብሓታት ከም ማኪና: ኣብ ሽወደንን ወጻእን ናይ ባንክ ሒሳብ እንተሎካ: ወይ ኩባንያ እንተሎካ: ወይ ድማ ሸጥካ ገንዘብ እትረኽበሉ ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ብርክታት እንተሎካ ኣብዚ ምልኣዮ

  7. ነቲ መጠየቕታ ብምፍራም ነዚ ዚስዕብ ነጥብታት ሓቂ ምዃኑ ተረጋግጽን ቃልካ ትህብን ኣሎኻ፤
    • እቲ ኣብቲ መጠየቕታኻ ዝሃብካዮ ሓበሬታ ቅኑዕ ምዃኑ
    • ነቲ ናይ ገንዘባዊ ሓገዝ መሰልካን ነቲ ብዝሒ ገንዘብን ኪጸሉ ዚኽእል ኣብቲ እቶትካ ገለ ለውጢ እንተሎ ክትሕብር ከም ዘሎካ ከም እተረደኣካ  
    • ኣብቲ እትልእኮ ሓበሬታ ጌጋ ምስ ዚህሉ ከም ገበን ከም ዚሕሰብን ናብ ፖሊስ እውን ከም ዚሓልፍ ከም እትፈልጥ
    • እቲ እትፍርሞ ዘሎኻ ተረዲኡካ ምዃኑ

እቲ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት መታን ተወሳኺ ሓበሬታ ከይሓተተ ኪውስን ነቲ ፎርም  ብስርዓት ክትመልኦ ኣገዳሲ እዩ። ገለ ሓበሬታ ምስ ዚጎድል እቲ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ነቲ ድሌትካ ኪግምግሞ ስለ ዘይክእል ነቲ ጥያቔኻ ኪነጽጎ ይኽእል እዩ።

ነቲ ናይ መጠየቕታ ፎርም ናብቲ ክፍሊ መቐበሊ ኣቕርቦ ወይ ስደዶ

ኣድራሻ ፖስጣ ናይ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ክፍሊ መቐበሊ: ኣብዚ ክትረኽቦ ትኽእል፤ 

www.migrationsverket.se/Kontakta-oss/Hitta-till-oss/Post--och-faxadresser.html

Last updated: