መምርሒ ንኣመላልኣ-ኦርኒክ መዓልታዊ ሓገዝ-ገንዘብ

Instruk­tioner till ansökan om dager­sätt­ning – tigrinja

መምርሒ ንኣመላልኣ-ኦርኒክ መዓልታዊ ሓገዝ-ገንዘብ (Mot23)። ዑቕባ -ሓታቲ እንተ ዄንካ፥ እሞ መዓልታዊ-ሓገዝ ክትቅበል ምስ ትደሊ፥ ነዚ ኦርኒክ’ዚ ተጠቐም።

1. ግላዊ ሓበሬታትካ

ኣብቲ ናይ ብምልክታ ኦርኒክ፥ ግላዊ ሓበሬታኻን ናይ ርክብ ሓበሬታኻን ምልኣዮ። ኣብቲ ተቕርቦ ምልክታ ስምካ፡ ስም ኣቦኻ፡ ኣድራሻኻ፡ ናይ ልደትካ ዕለት፡ ጾታኻ፡ ዜግነትካን ከምኡ ድማ ካብ ”ሚግራሶንስቨርከት” ዝተዋህበካ ናይ መመዝገቢኻ ቑጽሪን ክትመልእ የድልየካ።

2. ጸብጻብ ቁጠባዊ እቶታትካ ምቕራብ

ቁጠባዊ ኣታዊታትካ፡- ስራሕ ተቖጺርካ ትረኽቦ ደሞዝ ወይ ካብ ካልእ ኣብያተ-ስልጣን ወይ ትካል ትረኽቦ ሓገዝ ገንዘብ፥ ንኣብነት ካብ ”ቤትስልጣን ውሕስነት-ካሳ” (Försäkringskassan) ናይ ምሕማም-ገንዘብ ወይ ናይ ወላድነት-ገንዘብ ከምኡ ውን ትቕበሎ ናይ ቆልዓ ሓገዝ ገንዘብ መስ ዚህሉ፥ ኣብቲ ኦርኒክ ምልኣዮ።

ጥረ-ገንዘብ፡- ጥረ-ገንዘብ ምስ ዚህልወካ፡ ክንደይ ምዃኑ ኣብቲ ኦርኒክ ምልኣዮ።

ቁጠባዊ ንብረት፡- ቁጠባዊ ንብረት ምስ ዚህልወካ፥ ንኣብነት ማኪና፡ ኣብ ባንክ ዝተቐመጠ ገንዘብ ኣብ ሽወደን ወይ ኣብ ወጻኢ ሃገር፥ ናይ ርእስኻ ኩባንያ ወይ ኣስዮኒታት ወይ ውን ኣብ ወጻኢ ሃገር ሼጥካ ናብ ገንዘብ ክትቅይሮ ትኽእል ንብረት ምስ ዚህልወካ፥ ኣብቲ ኦርኒክ ምልኣዮ።

3. ነቲ ኦርኒክ ፊርማኻ ኣስፍረሉ፡- ኣብቲ ኦርኒክ ብምፍታምካ፡

ነዚ ዚስዕቡ ምስክርነት ህብ ኣሎኻ ማለት’ዩ፡-

  • እቲ ኣብቲ ኦርኒክ ዝመላእካዮ ሓበሬታታት፥ ምእንቲ ክብርኻን ሕሊናኻን ኢልካ፥ ቅኑዕን ሓቀኛን ምዃኑ።
  • ኣብቶም ኣብቲ ምልክታኻ ዘቕረብካዮም ሓበሬታታት ገለ ለውጢታት ምስ ዚርከብ ፥ ወይ ውን ዝኾነ ካልእ ነቲ ሓገዝ-ገንዘብ ናይ ምርካብ መሰልካ ኪጸሉ ዚኽእል ኩነታት ምስ ዘጋጥም ወይ ውን ኣድራሻ ምስ ትቕይር፥ ናብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ምልክታ ክተቕርብ ግዴታ ከም ዘሎካ ተረዲኡካ ከም ዘሎ።
  • እቲ ዘይቅኑዕ ዝሃብካዮ ሓበሬታ፡ ከም ዘይግብኣካ ገንዘብ ምቕባል ገበን (bidragsbrott) ከም ዝኾነን፥ ናብ ፖሊስ ምልክታ ንምቕራብ ዘምርሕ ምዃኑን ተርዲኡካ ከም ዘሎ።
  • እቲ ትፍርመሉ ዘሎኻ እንታይ ሓላፍነት ከም ዘስክም ፈሊጥካዮ ከም ዘሎኻ።

”ሚግራሾንስቨርከት”፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ንኽትህቦ ናባኻ ሕቶታት ምቕራብ ከይድልዮ፥ ቅኑዕ ዝኾነ ውሳኔ ክወስድ መታን ኪኽእል፥ ነቲ ምልክታ ብዘይጕድለት ንኽትመልኦ ኣገዳሲ ነገር እዩ። ምክታኻ ናይ ሓበሬታታት ጉድለት ምስ ዚህልዎ፥ ”ሚግራሾንስቨርከት” ምሉእ ጌርካ ንኽተቕርቦ ክሓተኻ ከድልዮ ይኽእል’ዩ። እዚ ድማ ነቲ ናይ ውሳኔ ጊዜ ከናውሖ ይኽእል’ዩ። ”ሚግራሾንስቨርከት” እንተ ደኣ ነቲ ናይ ገንዘብ ምርካብ ኣድላይነት ክግምግሞ ዘይክኢሉ ውን፥ ነቲ ምልክታኻ ኪነጽጎ ይኽእል እዩ።

እቲ ዝተመላእካዮ ምልክታኻ ናብ ናትካ ናይ “ምቕባል-ኣሃዱ” (mottagningsenhet) ልኣኮ ወይ ኣረክቦ።

ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” ”ምቕባል-ኣሃዱ” ኣድራሻ (ብቛንቛ ሽወደን)

Last updated: