ናይ ባንክ ካርድ ንዑቕባ ሓተትቲ

Bankkort till asylsökande – tigrinska

እቲ ካብ ሚግራሾንስቨርከት ዝወሃበካ ገንዘብ፤ ኣብ ሓደ ናይ ባንክ ካርድ ኣትዩ ክወሀበካ እዩ።

ሓደ ናይ ባንክ ካርድ ካብ ሚግራሾንስቨርከት ክወሃበካ እዩ። ምስታ ናይ ባንክ ካርድ ኣተሓሒዙ ድማ፤ ክልተ ዓይነታት ምስጢራዊ ”ኮድ” ክወሃበካ እዩ።

”ፒን-ኮድ” (Pinkod) ከምኡውን ”መእተዊ-ኮድ” (lösenord)

ሚግራሾንስቨርከት ንዓኻ እቲ ናይ ባንክ ካርድ ክገድፈልካ ከሎ፥ ሓንቲ ሓበሬታ ናይ ”ፒን-ኮድ” (pinkod) ዝሓዘት ቡስጣ ከምኡውን ሓንቲ ሓበሬታ ናይ “መእተዊ-ኮድ” (lösenord) ዘሎዋ ካልእ ቡስጣን ክህበካ እዩ።

  • እቲ “ፒን-ኮድ” ኣርባዕተ ኣሃዛት ዘሎዎ ናይታ ካርድ ካርድ ምስጢራዊ ኮድ’ዩ። እዚ ድማ ገንዘብ ንኽትከፍልን ንኽተውጽእን ከሎኻ እትጥቀመሉ “ኮድ” እዩ።
  • Lእዚ ”መእተዊ-ኮድ” ድማ ኣርባዕተ ኣሃዛት ዘሎዎ፥ ኣብ ኢንቲርነት ኣቲኻ ወይ ብሓደ ”ኣፕ” ጌርካ ወይ ውን ቴሌፎን ጌርካ፤ ክንደይ ገንዘብ ከም ዘሎካ ንምቁጽጻር እትጥቀመሉ ምስጢራዊ “ኮድ” እዩ። ክንደይ ገንዘብ ከም ዘሎካ ትቆጻጸር ድማ፤ ኣብ ኣድራሻ ኢንተርነት http://www.kontantkort.icabanken.se/ External link, opens in new window. ኣቲኻ ወይ ወይ ነቲ “ኣፕ” ብምጽዓን ወይ ውን ናብ ICA-banken ብቑጽሪ 033-47 47 50 ብምድዋል እዩ። ነቲ ኣብቲ ካርድ ተቐሚጡሉ ዘሎ ወረቐት ተጻሒፉ ዘሎ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣንብብ።
  • ኣየናይ ”ኮድ” ቁጽሪታት፥ ንመኽፈሊ ኣየናይ ድማ ንመቆጻጸሪ ሰልዲ ከም ትጥቀም ዘክር። ንሰለስተ ጊዜ ዝኣክል እንተ ደኣ ጌጋ “ኮድ” ወቒዕካ፥ እታ “ካርድ” ክትዕጾ እያ። ሚኦግራሽፖንስቨርከት፡ ነቲ ናትካ “ኮዳት” ምስጢራዊ ስለ ዝዀነ ኣይፈልጦ እዩ።

ነቲ “ናይ ባንክ ክርድኻ” ብኸምዚ ዚስዕብ ትጥቀመሉ

በቲ ናይ ባንክ ካርድ ጌርካ ገንዘብ ክትከፍልን ገንዘብ ክተውጽእን ትኽእል ኢኻ። በዚ “ካርድ’ዚ” ጌርካ፤ ኣብ ኵለን እተን ነቲ Maestro ዝቕበላ ኣብ ምሉእ ሽወደን ዝርከባ ድኳናት ክትከፍል ትኽእል ኢኻ። ንዅሉ ትገዝኦ ወይ ተውጽኦ ገንዘብ፤ ነተን ኣርባዕተ ኣሃዛት “ፒን-ኮድ” (pinkoden) ወቒዕካ ክትፍጽሞ ይግባእ። እቲ ናይ ባንክ-ካርድ ኣብ ሽወደን ጥራይ’ዩ ክትጥቀመሉ ትኽእል።

እዚ ናይ “ባንክ-ካርድ” እዚ፥ ኣብቲ “ሰብ-ኣልቦ” እንዳ-ነዳዲታት ውን ይሰርሕ’ዩ። ኣብቲ ነዳዲ ትመልኣሉ ጊዜ፥ 1500 ክሮኖር ዕርቡን ይተሓዝ’ዩ። ኣብቲ “ካርድኻ” ብዙሕ ገንዘብ ምስ ዘይህልወካ፥ ናይ ክንድ’ቲ ኣብቲ ካርድኻ ዘሎ ገንዘብ ነዳዲ ትመልእ። ነዳዲ ምምላእ ምስ ወዳእካ ድሕሪ ቁሩብ ደቓይቕ፥ እቲ ተታሒዙ ዝነበረ ናይ 1500 ክርኖር ዕርቡን ይፍኖ። ብድሕሪኡ፡ ልክዕ ናይ ክንድ’ቲ ዝመላእካዮ ናይ ነዳዲ ገንዘብ ጥራይ፡ ካብቲ “ካርድኻ” ይጐድል።

ጥረ ገንዘብ ንምውጻእ፡-

  • ጥረ ገንዘብ፡ ካብተን ናይ “ማይስትሮ ምልክት” (Maestro-symbol) ዘሎወን ናይ ገንዘብ መውጽኢ “ኣውቶማት” ኣውጽእ።
  • ናብ ”ICA” ዱንኳን ኬድካ፡ ካብቲ ካሳ ገንዘብ ኣውጽእ
  • ጥረ ገንዘብ፡ ምስቲ በቲ “ናይ ባንክ ካርድ” ጌርካ፥ ካብ ሓደ ድኳን ገለ ነገር ትገዝኣሉ ጊዜ ኣተሓሒዝካ ኣውጽእ። ኣስተውዕል! እቲ ገንዘብ ካብ ድኳን ገንዘብ ክተውጽኣሉ ትኽእል ዕድል፥ ከከምቲ ኣብቲ ድኳን ገንዘብ ምህላዉ እዩ።

ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ጥረ-ገንዘብ ክትወጽእ ከም ትኽእል” ናቱ ደረታት ኣሎዎ እዩ።

  • 3 000 ክሮኖር ኣብ ሓደ ጊዜ፥ ኣብ ናይ ”ICA” ዱኳን። (እዅል ጥረ-ገንዘብ ኣብቲ ካሳ ምስ ዚህልዎም)
  • 5 000 ክሮኖር ኣብ ሓደ ጊዜ፥ ካብቲ ገንዘብ መውጽኢ ናይ ”ICA Banken” ኣውቶማት።
  • 2 000 ክሮኖር ኣብ ሓደ ጊዜ፥ ኣብተን ካልኦት ገንዘብ ክተውጽኣለን ትኽእል ኣውቶማት።
  • 15 000 ክሮኖር ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ዘሎ ጊዜ፥ እቲ ድማ፡ እቲ ገንዘብ ኣበየናይ ከም ዘውጻእካዮ ብዘየገድስ እዩ።

እቲ ”ካርድ” ንኽንደይ ጊዜ ከም ዘገልግል ተቖጻጸር

እቲ ናትካ ”ካርድ” ንኽንደይ ዝምንውሑ ጊዜ ከም ዘገልግል ክትቆጻጸር ይግብኣካ። ምኽንያቱ ድማ፡ ብጌጋ ጊዝኡ ዝወደቐ ካርድ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ከይትህሉ። እቲ ካርድ ዘገልግለሉ ጊዜ፡ ኣብቲ ቀዳማይ ገጽ ናይቲ ካርድ ክትረኽቦ ኢኻ። ኣብኡ ድማ፡ እቲ ካርድ ዝወድቀሉ ወርሒን ዓመተ-ምሕረትን ተጻሒፉ ኣሎ። ሓደ ወርሒ ቅድሚ’ቲ ካርድ ዝወድቀሉ ጊዜ፥ መጺእካ ነቲ ካርድኻ ክትቅይሮ ትኽእል ኢኻ።

ክንደይ ገንዘብ ከም ዘሎካ ተቖጻጸር

ኣብ ሓደ ናይ ”ኢካ-ድኳን” (ICA-butik) ኬድካ ወይ ኣብ ”ኢንተርነት” ወይ ኣብ ”ኣፕ” ወይ ውን ናብ ሓደ ”ናይ መላሲ ቴሌፎን ኣገልግሎት” ደዊልካ፥ ክንደይ ገንዘብ ከም ዘሎካ ክትቆጻጸር ትኽእል ኢኻ። እቲ ናይ ባንክ ካርድኻ ብ”ፒን-ኮድ” ጌርካ ኢኻ ትጥቀመሉ። ኣብ ”ኢንተርነት” ኣብቲ ”ኣፕ” ወይ ንናይ ቴሌፎን ኣገልግሎት ግን፥ ነቲ ናትካ ”መእተዊ-ኮንድ” ቁጽሪ መዝገብን (dossiernummer) ኢኻ ትጥቀም። እዚ ”ቁጽሪ-መዝገብ” (Dossiernummer) ዝበሃል፥ እቲ ኣብ ታሕቲ ናይቲ ”ኤል.ኤም.ኣ ካርድ” (LMA-kort) ናትካ ተጻሒፉ ዘሎ ቁጽሪ፥ ንሱ እዩ።

እቲ ናይ ባንክ ካርድኻ እንተ ጠፊኡ

እቲ ናይ ባንክ ካርድኻ እንተ ኣጥፊእካዮ ወይ ተሰሪቑ፥ ምስ ፈለጥካ ሽዑ-ንሽዑ ነቲ ካርድ ክተዕጽዎ ይግባእ። ከምዚ ጌርካ ተዕጽዎ፡-

  • ናብ ”ኢካ-ባንክ” (ICA-banken) ብቑጽሪ ቴሌፎን 033-47 47 50 ደዊልካ፥ ነቲ ”ቁጽሪ መዝገብካ” (dossiernummer) ትህብ። እቲ ቁጽሪ መዝገብ፥ እቲ ኣብ ታሕቲ ናይቲ ”ኤል.ኤም.ኣ ካርድ” (LMA-kort) ናትካ ተጻሒፉ ዘሎ ቁጽሪ፥ ንሱ እዩ።

ክተስተውዕለሉ ዚግባእ ነገራት

  • እዚ ካርድ’ዚ፡ ናይ ውልቅኻን ናትካ ገንዘብን ዝሓዘ፥ ብጥንቃቐ ክተሓዝ ዘሎዎ ሰነድ’ዩ። ዘይምልከቶ ሰብ ንኸይጥቀመሉ ክትጥንቀቕ ሓላፍነት ዘሎካ ንስኻ/ኺ ኢኻ።
  • እቲ ዘሎካ ”ፒን-ኮድ” ምስቲ ካርድኻ ጌርካ ብፍጹም ኣይተቐምጦ። ነቲ ናትካ ”ፒን-ኮድ” ኣጽንዓዮ ሽዑ ድማ ነቲ ኮድ ተጻሒፉዊ ዘሎ ወረቐት ቅደዶ።
  • ገለ ነገር ክትገዝእ ከሎኻ ወይ ገንዘብ ክተውጽእ ከሎኻ፥ እቲ ካርድኻ ኩሉ ጊዜ ምሳኻ ክህሉ ይግብእ። እዚ ማለት ድማ፥ ብኢንተርነት፡ ብቤትቡስጣ ወይ ኣብ ካልእ ቦታ ካርድኻ ኣብቲ ኣንባቢ ከይተጠቐምካ፥ ክትሽምት ኣይትኽእልን ኢኻ።
  • ኣከታቲልካ ንሰለስተ ጊዜ ጌጋ ”ፒን-ኮድ” ምስ ትወቅዕ፥ እታ ካርድ ብቐጥታ ክትዕጾ እያ። ገለ ናይ ገንዘብ መውጽኢ “ኣውቶማት” ውን ነታ ካርድ ስሒበን ክውሕጥኣ ይኽእል እየን።
  • ካብ ሚግራሾንስቨርከት ክትሰናበት ከሎኻ፥ ነቲ ኣብ ”ባንክ-ካርድ” ዘሎ ገንዘብ ኣውጺእካ፥ ነታ ”ካርድ” ንናይ ሚግራሾንስቨርከት መቐበል ስደተኛታት ኣረክባ ኢኻ።

ሓበሬታ ብዛዕባ’ቲ ናይ ባንክ ካርድ

ተወሳኺ ገንዘብ ናብቲ ካርድኻ ክተእቱ ወይ ናይቲ ኣብ ካርድኻ ዘሎ ገንዘብ ወለድ ውን ኣይክትረክብን ኢኻ።

እዚ ቤትስልጣን ሚግራሾንስቨርከት’ዚ ንኣብነት፡ ነቲ ዘእተወልካ ገንዘብ ብግቡእ ይበጽሓካ ምህላዉን ዘይምህላዉን ናይ ምቁጽጻር መሰል ኣሎዎ እዩ።

ብዛዕባ’ዚ ዝበለጸ ክትፈልጥ ምስ ትደሊ

ሕቶታት ምስ ዚህልወካ ናብቲ ናትካ ናይ መቐበል ስደተኛታት ኣሃዱ ደውል ወይ ውን ናብቲ ናይ ሚግራሾንስቨርከት ”ናይ ዓሚል መቐበሊ”፥ ብቑጽሪ ስልኪ 0771-235 235 ክትድውል ትኽእል ኢኻ።

Last updated: