ትምህርቲ

Skola – tigrinska

ኩሎም ሕቶ ዑቕባ ዘቕርቡ ህጻናት ቤት ትምህርቲ ክኸዱ መሰሎም’ዩ። ብዕድመ ዝኣኸሉ ሰባት ግን፡ ቅድሚ ዝዀነ ትምህርቲ ምጅማሮም፡ መንበሪ ፍቓድ ክሳብ ዝረኽቡ ክጽበዩ ኣለዎም።

ኩሎም ሕቶ ዑቅባ ዘቕርቡ ህጻናትን ናእሽቱ መንእሰያትን ናብ ቅድመ-ትምህርቲን ቤት ትምህርቲን ክኸዱ መሰሎም እዩ። ልክዕ ከምቶም ኣብ ምምሕዳር ከተማ ዝርከቡ ህጻናትን ናእሽቱን፡ ሕቶ ዑቅባ ዘቕርቡ ህጻናት ድማ ቤት ትምህርቲ ይከታተሉ ከምዘለዎ ምርግጋጽ ሓላፍነት ናይቲ ንሳቶም ዝነብሩሉ ዘለዉ ምምሕዳር ከተማ እዩ። እዚ ንቅድመ-ትምህርቲ፡ ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርቲን ዝለዓለ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲን ዘጠቓልል እዩ። እዩ። ሕቶ ዑቕባ ዘቕረቡ ናእሽቱ፡ ኣብ ዝለዓለ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ናይ ምምሃር ዕድል ምእኝቲ ንኽረኽቡ፡ ቅድሚ ደቂ 18 ዓመት ምዃኖም ትምህርቲ ክጅምሩ ክኽእሉ ኣለዎም።

ነኣሽቱ ህጻናት ድማ ቅድመ-ትምህርቲ ክከታተሉ መሰል ኣለዎም

ደቂ ሓደ ዓመት ዝዀኑ ናእሽቱ ህጻናት፡ ወለዶም እናሰርሑ ወይ እናተማህሩ፡ ንሳቶም’ውን ቅድመ-ትምህርቲ ክከታተሉ ኣለዎም። ካብ ግዜ ቀውዒ ናይ ዓመት ማለት፡ እቶም ህጻናት ደቂ ሰለስተ ዓመት ዝዀኑሉ ጀሚርካ፡ ንሱ ወይ ንሳ፡ ዝዀነ ክፍሊት ከይከፈሉ፡ ሰሙናዊ ን15 ሰዓታት ቅድመ-ትምህርቲ ክምሃሩ ኣለዎም። ኣብያተ ቅድመ-ትምህርቲ፡ ወለዲ እናሰርሑ ወይ እናተማህሩ፡ ነቶም ህጻናት ዝከታተላ ጥራይ ኣይኰናን። እቶም ህጻናት፡ ኣብ ንጥፈታት ናይ ቅድመ-ትምህርቲ ብምውሳእ ክረብሑን ክምዕብሉ እዮም። ሽሕ ግዜ፡ ወለዲ ናይቲ ህጻን ወይ ወለዲ ናይታ ህጻን ዘይሰርሑ ወይ ዘይምሃሩ እንተዀኑ፡ እቲ ህጻን ግን ግድን ቅድመ-ትምህርቲ ክሳተፍ ኣለዎ።

ምምሕዳራት ከተማ፡ ንትምህርቲ ዝምልከት ሓላፍነት ይስከማ እየን

እቲ እትነብሩሉ ምምሕዳር ከተማ፡ ሕቶ ዑቕባ ዘቕርቡ ህጻናትን ናእሽቱን፡ ልክዕ ከምቶም ኣብ’ቲ ምምሕዳር ከተማ ዝነብሩ ሰባት፡ ዕድል ቅድመ-ትምህርቲን ቤት ትምህርቲን ክረኽቡ ከምዘለዎም ምርግጋጽ ሓላፍነተን እዩ።

ትካል ቁጽጽር ጉዳይ ስደት ናይ ሃገረ-ሽወደን፡ ብዘይ ፍቓድ ወለዲ ናይቶም ህጻናት፡ ብዛዕባ’ቶም ሕቶ ዑቕባ ዘቕሩ ህጻናት ንምምሕዳር ከተማ ኣይሕብርን እዩ። ስለዚ፡ ንትካል ቁጽጽር ጉዳይ ስደት ናይ ሃገረ-ሽወደን ምትሕብባርኩም ከተርእዩ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ትካል ድማ፡ ስም ውላድኩም፡ ዝተወልደሉ ዕለት፡ ቋንቋኡ፡ መበቆል ዓዱ፡ ቁጽሪ ጉዳይ፡ ንምምሕዳር ከተማ ሓበሬታ ክሰደሉ ይኽእል። ባዕልኹም’ውን ንምምሕዳር ከተማ ክትረኽብዎን፡ ውላድኩም፡ ቅድመ-ትምህርቲን ቤት ትምህርቲን ክኸይድ ከምእትደሉ ክትሕብርዎምን ትኽእሉ።

ብዛዕባ ቤት ትምህርቲን ትምህርቲን ኣብ ሽወደን ብዙሕ ኣንብቡ

ቤት ትምህርቲ ኣብ ስዊድን External link, opens in new window.

እዚ ናይ ሽወደን ቤትትምህርቲ እዩ (ብቛንቛ ሽወደን) External link, opens in new window.

ሓበሬታ ብዛዕባ መሰል ሕቶ ዑቕባ ዘቕርቡ ህጻናት፡ ብዛዕባ ህጻናት ኢልኩም ኣብ ገጻት መርበብ ብዙሕ ኣንብቡ

ንዓኻ ዑቕባ ሓቲትካ – ቋንቋ ሽወደን ክትመሃር ንእትደሊ

እንተድኣ መቐመጢ ፍቓድ ኣብ ሃገር ሽወደን ኣልዪካ ከምኡእውን ኣብ ክፍሊ ግብሪ መዝገብ እንተድኣ ተመዘጊብካ፤ ቋንቋ ሽወደን ንወጻእተኛታት (ኤስኤፍኢ) ንኽትምሃር መሰል ኣለካ። ምናልባት ቋንቋ ሽወደን ፍቓድካ ክሳብ ዝወሃበካ ንኽትመሃር ምስ እትደሊ ብዙሓት ገበርቲ ሰናያትን ማህበራት ቤት ትምህርቲ ብጉጅለ ቋንቋ ሽወደን ይምህሩ።

ባዕልኻ ቋንቋ ሽወደን ንምምሃር፤ ኣብ ኢንተርነት ነዚ ዚሕግዙኻ ብዙሓት ነንበይኖም ፕሮግራማት ኣሎዉ። ነቲ መራኸቢ ቀሌቤታት ኣብዚ ዚስዕብ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ www.informationsverige.se። ክትረኽቦ ኢኻ። መብዛሕትኦም ፕሮግራማት፤ ናይ ኢንተርነት መራኸቢ ክህልወካ ዚጠልቡ እዮም። ኩሎም ብነጻ ዚወሃቡ እዮም።

ኣብዚ፡ ሸወደን ንምምሃር፡  ዚብል ናይ ኢንተርነት ገጽ’ዚ፤ ነቶም መራኸቢ ቀሌቤታት ክትረኽቦም ኢኻ (www.informationsverige.se) External link, opens in new window.

ፊልም ብዛዕባ መዋዓለ-ሕጻናትን ቤትትምርቲን ንሓተትቲ ዑቕባ ቆልዑ

Last updated: