ኣብ ሽወደን ካብ ዝነብር መጻምድትኹም ቈልዓ ምስዝህልወኩም ወይ ጥንሲ ምስእተትርፉ

Om du har eller väntar barn med någon i Sverige – tigrinska

ናይ ሽወደን ዜግነት ዝወሰደ ወይ ኣብ ሽወደን ክነብር ፍቓድ ዝተዋህቦ ውላድ ምስዝህልወኩም፡ ከም ኵነታቱ፡ ብምኽንያት እቲ ምስ’ዚ ህጻን ዘለኩም ዝምድና ጥራይ፡ ካብ ሽወደን ከይወጻእኩም መንበሪ ፍቓድ ኪወሃበኩም ተኽእሎ ኣሎ።

ከም ንቡር፡ ዝዀነ ይኹን - ኣብ ሽወደን ምስ ዝነብር ኣባል ስድራ-ቤቱ ተጸንቢሩ ክነብር ዝደሊ ሰብ፡ ኣብ ሃገረ-መበቆሎም ድዩስ ኣብ ካልእ መንበሪ ፍቓድ ዝረኸቡሉ ሃገር ናብ ዝርከብ ኢምባሲ ወይ ቤት-ጽሕፈት ጠቕላሊ ቆንስል ሃገረ-ሽወደን ብምቕራብ፡ መመልከቲ ከቕርቡ የድልዮም። መንበሪ ፍቓድ ከይተዋህበ እቲ ዝምልከቶ ሰብ ናብ ሽወደን ኪጐዓዝ ኣይግባእን።

ብዛዕባ ቅድመ-ኵነታት ናይ’ቲ ቀረባ ቤተ-ሰቦም ኣብ ሽወደን ንዘለውዎም ሰባት ዝወሃብ መንበሪ ፍቓድ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ – ኣብ’ዚ ክፈቱ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

ካብሽወደንከይወጻእካናይመንበሪፍቓድመመልከቲምቕራብ

ሕቶ ዕቝባ ምስእተቕርቡ’ሞ ኣብ ሽወደን ካብ ዝነብር መጻምድትኹም ቈልዓ ድዩስ ጥንሲ ምስዝህልወኩም፡ ኣብ ገሊኡ እዋን፡ ካብ ሽወደን ከይወጻእኩም መንበሪ ፍቓድ ኪወሃበኩም ተኽእሎ ኣሎ። እዚ ዝዀነሉ፡ ናይ ሽወደን ዜግነት ዝወሰደ ወይ ኣብ ሽወደን ክነብር ፍቓድ ዝተዋህቦ ውላድ ምስዝህልወኩም፡ ወይ ድማ ዜጋ ሽወደን ካብ ዝዀነ ድዩስ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ናይ’ዛ ሃገር ካብ ዘለዎም መጻምድትኹም ጥንሲ ምስእተትርፉ እዩ።

ካብ ውላድኩም ንኸይትፍለዩ ተባሂሉ ኣብ ሽወደን ክትጸንሑ ግድነታዊ ምስዝኸውን፡ ንትካል ምክትታል ጉዳይ ስደተኛታት ብዛዕባ ኵነታት ስድራ-ቤትኩም ከተፍልጥዎ ይግባእ። ነቲ ንዝተወልደ ይኹን ዘይተወልደ ውላድኩም ዝጸሉ ኵነታትኩም ዘብርህ ደብዳቤ ጽሓፉ። ስለምንታይ ናብ ናይ መበቆል ሃገርኩም ተመሊስኩም ዳግማይ ከተመልክቱ ምእንቲ ምስ ውላድኩም ክትፈላለዩ ከምዘይብልኩም፡ ኣብ ደብዳቤኹም ኣብርህዎ። ምስኡ ድማ ንናይ ወላዲ ዝምድናኹም ድዩስ ንጥንሲ ዘረጋግጹ ሰነዳት ኣተሓሒዝኩም ስደዱ። ብዘይካ’ዚ፡ ‘መመልከቲ ናይ’ቲ ኣብ ሽወደን ንምቕማጥ ዘኽእል መንበሪ ፍቓድ - ቅጥዒ ቍጽሪ 160011’ መሊእኩም ልኣኹ ኢኹም።

መመልከቲ ናይ’ቲ ኣብ ሽወደን ንምቕማጥ ዘኽእል መንበሪ ፍቓድ – ቅጥዒ ቍጽሪ 160011 (ብቛንቛ ሽወደን) Pdf, 822.8 kB, opens in new window.

መመልከቲ ናይ’ቲ ኣብ ሽወደን ንምቕማጥ ዘኽእል መንበሪ ፍቓድ – ቅጥዒ ቍጽሪ 161011 (ብቛንቛ አንግሊዝ) Pdf, 779.4 kB, opens in new window.

ቈልዓኹም ምውላዱን ዘይምውላዱን ወይ ናብ ንትካል ምክትታል ጉዳይ ስደተኛታት ድዩስ ናብ ቤት-ፍርዲ ስደተኛታት መመልከቲ ምቕራብኩምን ዘይምቕራብኩምን ብዘየገድስ – ኣብ ሽወደን ክሳብ ዝሃለኹም ንትካል ምክትታል ጉዳይ ስደተኛታት ብዛዕባ ኵነታት ስድራ-ቤትኩም ከተፍልጥዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ናብ ሽወደን ካብ ምእታው ዝኽልክል ድዩስ ካብ’ዛ ሃገር ንምውጻእ ዝምልከት ይግባይ ዘይበሃሎ ውሳኔ ምስዝወሃበኩም’ሞ ብምኽንያት ምስ ውላድኩም ዘለኩም ዝምድና ኣብ ሽወደን ክትጸንሑ ምስእትደልዩ እንታይ ክትገብሩ ከምዝግባእ ዝያዳ ንምፍላጥ – ኣብ’ዚ ክፈቱ

Last updated: