ኣገባብ ኣቀራርባ መመልከቲ ሕቶ ዑቕባ

Så här ansöker du om asyl – tigrinska

ኣብ ሽወደን መመልከቲ ሕቶ ዑቕባ ከተቕርቡ እንተደሊኹም ናብ ትካል ቁጽጽር ጉዳይ ስደት ናይ ሃገረ-ሽወደን ክትከዱ ከድልየኩም እዩ። ቅድሚ ናብ ሽወደን ምእታውኩም መመልከቲ ሕቶ ዑቕባ ከተቕርቡ ኣይክኣልን እዩ።

ናብ ሽወደን ክትኣትዉ ከለኹምሓለዋ ዶብ ዝዀኑ ፖሊስ ምስ እትረኽቡ፡መመልከቲ ሕቶ ዑቕባ ከተቕርቡ ከም ዝደለኹም ክትነግርዎም ኣሎኩም።ንኣብነት፡ ዶብ ዝቆጻጸሩ ፖሊስ፡ ኣብ ነቚጣ መቆጻጸሪ ፓስፖርት ማለት፡ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ኣብ ተርሚናል ወደብ፡ባቡራትን ኣውቶቡሳትን ናብ ሽወደን ዝኣትዋሉ ቦታታትን ኣለዉ።ሓለዋ ዶብ ፖሊስ ገለ ገለ ሕቶታት ክሓትኹምን ናብቲ መመልከቲ ሕቶ ዑቕባኹም እተረክብሉ ትካል ቁጽጽር ጉዳይ ስደት ናይ ሃገረ-ሽወደን ክሰድኹምን እዮም።

ድሮ ኣብ ስዊድን መጺእካ ምስ ትህሉ፥ ባዕልኻ ምስ ሚግራሾንስቨርከት ርክብ ግበር። ዑቕባ መሕተቲ ምልክታ፥ኣብ ሓንቲ ካብዘን ዚስዕባ ናይ ሚግራሾንስቨርከት ናይ ምልክታ መቐበሊ ኣሃዱታት፥ ፡ኣብ ስቶክሆልም (Stockholm)፥ ኣብ ዮተቦርይ (Göteborg) ወይ ኣብ ማልመ (Malmö) ክትገብሮ ትኽእል።

መመልከቲ ሕቶ ዑቕባ ንምቕራብ ኣሃዱ ትካል ቁጽጽር ጉዳይ ስደት ናይ ሃገረ-ሽወደን ኣበይ ከም እትረኽብዎ (ብቛንቋ እንግሊዝ)

ትካል ቁጽጽር ጉዳይ ስደት ናይ ሃገረ-ሽወደን ዘመልከትኩምዎ ክምዝግቦ እዩ

ሕቶ ዑቕባ ምስ እተቕርቡ፡ መን ምዃንኩም፡ ንምንታይ ሕቶ ዑቕባ ከተቕርቡ ደሊኹም፡ ናብ ሽወደን ብኸመይ ተጓዒዝኩም ክትገልጹ ኢኹም።

መንነትኩም ብሰነድ ከተረጋግጹ ኣለኩም

ፓስፖርት ወይ ዝዀነ ካልእ ከም መለለዪ ከተረክብዎ ዘለኩም ሰነዳት ምስ ዝህልወኩም፡ መንነትኩም ንምርግጋጽ፡ ስምኩም መን ምዃኑ፡ መዓስ ከምዝተወለድኩም፡ ዜግነትኩምን ወዲ ኣየነይቲ ሃገር ከምዝዀንኩምን ከትሕብሩ ኣለኩም። ትካል ቁጽጽር ጉዳይ ስደት ናይ ሃገረ-ሽወደብ፡ ቅኑዕ ውሳኔ ምእንቲ ክገብር፡ መንነትኩም ክትገልጹ ኣገዳሲ’ዩ።

ዝዀነ ናይ መረጋገጺ ስነዳት ከተረክቡ እንተዘይክኢልኩም፡ ብኻልእ መገዲ መን ምዃንኩም ከተርእዩ ኣለኩም። ንኣንብነት፡ ምስክር ወረቐት ዝተወለድኩምሉ ዕለት፡ ናይ ስድራቤት ወይ ወተሃደራዊ ዝተመዝገብኩምሉ ስነዳት ወይ ምስክር ወረቐት መርዓ ክትገብሩ ትኽእሉ። ከምዚኦም ዝኣመሰለኡ ሰነዳት ብተናጸል መንነትኩም ዘረጋግጹን እኳ እንተዘይኰኑ፡ ኣብ ገሊኡ ብዙሓት ሰነዳት ተኣኪቦም ከም መረጋገጺ መንነትኩም ቅቡላት ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።

ስለምንታይ መን ምዃንኩም ክትነግሩ ከም ዚግበኣኩም ብዝበለጸ ኣብዚ ኣንብብ

ትካል ቁጽጽር ጉዳይ ስደት፡ ነቲ ኣብ ናይ መንነትኩም ሰነዳት ዘሎ ስምን ካልእ ሓበሬታን ተጠቒሙ፡ ከም ሓተቲ ዑቕባ ክምዝግበኩም እዩ። እዚ ማለት፡ ንኣብነት፡ ክልተ ዝጾታኹም ሰባት፡ ኣብ’ቲ ክትውለዱ ከለኹም ዝነበረኩም ስምን ጾታን ኢኹም ትምዝገቡ። ሕማቕ ዕድል ኰይኑ፡ ሕጊ ሽወደን ብኻልእ ስም ክንምዝግበኩም ኣየፍቅደልናን’ዩ። ካልእ፡ ቀዳማይ ስም ወይ ውልቃዊ ክንድስም ክትጥቀሙ ምስ እትደልዩ ግን፡ ምእንቲ ምልክት ክንገብረሉ ክትሕብሩና ኣለኩም። ከምኡ’ውን፡ ኣብዚ ደረጃ’ዚ ብሰንኪ ፍሉይ ምኽንያት፡ ተርጓሚ፡ መኻሪ፡ ጾታ ኣብ ምፍላይ ዝሕግዝ ሰብ ምስ እትደልዩ፡ ወይ ድማ ምስ ካልእ ፍሉይ ዝጾታኡ ሓታቲ ዑቕባ ሓደ ክፍሊ ክትውሃቡ ምስ ዘይትደልዩ፡ ክትሕብሩና ጽቡቕ እዩ።

ስእሊ ክትስኣሉን ናይ ኣጻብዕቲ ኣሸራ ክልዓለልኩምን እዩ

ሕቶ ዑቕባ ኣብ ኣተመልክትሉ፡ ስእሊ ክትስኣሉን ናይ ኣጻብዕቲ ኣሸራ ክውሰደልኩምን እዩ። ስእልኹም፡ ናብ መዝገበ ትካል ቁጽጽር ጉዳይ ስደት ናይ ሃገረ-ሽወደን ምእንቲ ክውሰኽ፡ ኣብ’ቲ ሓተቲ ዑቕባ ምዃንኩም ከም መረጋገጺ እትቕበልዎ ካርድ ሓተቲ ዑቕባ (ኤል.ኤም.ኤ ካርድ) ከገልግል እዩ። ትሕቲ ሽዱሽተ ዓመት ዝዕድሜኦም ህጻናት ናይ ኣጻብዕቲ ኣሸራ ክውሰደሎም ኣየድልዮምን እዩ።

ናይ ኣጻብዕቲ ኣሸራ ዝውሰድ፡ ኣብ ዝዀነ ሃገራት ዞባ ሸንገን ሕቶ ዑቕባ ሓቲትኩምን ኣይሓተትኩምን ንምርግጋጽ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዝዀነ ሃገራት ዞባ ሸንገን መንበሪ ፍቓድ ኣለኩምን ተኸልኪልኩምን ንምፍላጥ ዘገልግል እዩ። ዝተላዕለልኩም ናይ ኣጻብዕቲ ኣሸራ ናብ ሽወደን እናመጻእኩም ከም ተመዝጊብኩም ከምዝነበርኩም እንተደኣ ኣመልኪቱ፡ ወይ’ውን ኣቐዲምኩም ኣብ ካልኦት ሃገራት ሕቶ ዑቕባ ኣቕሪብኩም ከምዝነበርኩም እንተደኣ ሓቢሩ፡ ትካል ቁጽጽር ጉዳይ ስደት ናይ ሃገረ-ሽወደን፡ መመልከቲ ናይ ሕቶ ዑቕባኹም ኣበየነይቲ ሃገር ክርአ ከምዘለዎ ክውስን እዩ። እዚ ብመሰረት ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ሕጊ ዱብሊን ዝውሰን ክኸውን እዩ።

ትሕቲ 14 ዓመት ንዝዕድሜኦም ህጻናት ናይ ኣጻብዕቲ ኣሸራ ኣይክውሰደሎምን እዩ።

ብዛዕባ ሕጊ ዱብሊን ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ’ዚ ክፈቱ

ናይ መመልከቲ ቃለ-መሕትት

ስእሊ ምስ ተሳኣልኩምን ናይ ኣጻብዕቲ ኣሸራ ምስ ተላዕለልኩምን ምስ መርማሪ ክትራኸቡ ኢኹም። ብሓገዝ ናይ ዋል ተርጓሚ ድማ፡ መን ምዃንኩም፡ ስለምንታይ መበቆል ሃገርኩም ሓዲግኩምን ብኸመይ ናብ ሽወደን ተጓዒዝኩምን ክትገልጹ ኢኹም። ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ ስድራቤትኩምን ጥዕናኹምን እውን ክትሕተቱ ኢኹም።

ንኽትሰርሑ ስንክልና ምስ ዝህልወኩም ማለት፡ ብኣካል፡ ብኣእምሮ ወይ ስነ-ኣእምሮ ናይ ምስራሕ ብቕዓት ዝጎድለኩም ምስ እትዀኑ፡ ንትካል ቁጽጽር ጉዳይ ስደት ናይ ሃገረ-ሽወደን ክትሕብሩ ይግባኣኩም። ብሰንኪ ዘለኩም ስንክልና፡ ሕቶ ዑቕባ ኣብ እተቕርብሉ እዋን ምስ ትካል ቁጽጽር ጉዳይ ስደት ናይ ሃገረ-ሽወደን ክትዘራረቡ ጸገማት ምስ ዝፈጥረልኩም፡ ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ከምኡ’ውን፡ ምስ መሰረታውያን ጠለባትኩም ዝሳነ መንበሪ ክውሃበኩም መሰል ኣለኩም።

ብዛዕባ መስርሕ ሕቶ ዑቕባ ማለት፡ ዝቕጽል ደረጃ እንታይ ምዃኑን እንታይ ክትገብሩ ከምዘለኩምን ዝገልጽ ሓበሬታ ክወሃበኩም እዩ። ብዘይካ’ዚ፡ ብዛዕባ ፍሉያት ጉዳያት ማለት፡ መንበሪ፡ ገንዘባዊ ሓገዝ፡ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ትምህርቲ ንህጻናትኩምን ዝምልከት መሰልኩም፡ ሓበሬታ ክትቅበሉ ኢኹም።

ውሳኔ ኣብ እትጽበዩ ግዜ፡ ንግዜኡ ገዛእ ርእስኹም ብገንዘብ ክትሕግዙ ክትፍትኑ ኣለኩም። ዝዀነ ኣታዊ ወይ ቀዋሚ ንብረት ምስ ዘይህልወኩም፡ ገንዘባዊ ሓገዝ ንምርካብ ናብ ትካል ቁጽጽር ጉዳይ ስደት ከተመልክቱ ትክእሉ።

ዳሕራይ፡ ስለምንታይ ካብ መበቆል ሃገርኩም ከምዝሃደምኩምን እንተተመሊስኩ እንታይ ከጋጥም ይኽእል ኢልኩም ትሓስቡን፡ ናብ መርመራ ሕቶ ዑቕባ ሓሳባት ክትገብሩ ክትልኣኹ ኢኹም።

ጭቡጥ ምኽንያት ዘይተረኽቦ መመልከቲ ሕቶ ዕቝባ

ሕቶ ዑቕባኹም ተቐባልነት ንኽረክብ ዝዀነ መሰረት ምስ ዘይርከቦ፡ ትካል ቁጽጽር ጉዳይ ስደት ናይ ሃገረ-ሽወደን፡ ዑቕባ ክትረኽቡ ምኽንያት ከምዘይብልኩም ክገልጸልኩም እዩ። እቲ ውሳኔ ድማ ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ሰሙናት ክውሃበኩም እዩ። ዑቕባ ንኽትረኽቡ ዝዀነ ብቑዕ ምኽንያት ፍጹም ምስ ዘይርከበኩም፡ ቀጥታዊ ምንጻግ ናይ ሕቶ ምእታው ውሳኔ ክትቅበሉ ኢኹም።

ብዛዕባ ቀጥታዊ ምንጻግ ሕቶ ናይ ምእታው ውሳኔ ምቕባል እንታይ ማለት ምዃኑ ንምርዳእ ብዙሕ ኣንብቡ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

መመልከቲኹም ምስ ኣረከብኩም

መርማሪ ንኹሉ ሰነዳኩም ማለት፡ ንትካል ቁጽጽር ጉዳይ ስደት ናይ ሃገረ-ሽወደን እንታይ ከምዝበልኩሞን ናይ ኣጻብዕቲ ኣሸራኹም ውጽኢት እንታይ ከምዝዀነን ብስሩዕ ክርእዮ እዩ። መርማሪ፡ ብመሰረት’ቲ ዝሃብኩምዎ ሓበሬታ፡ ኣብ ጉዳይኩም ተወሳኺ መርመራታት ዘድልየሉ እንተዀይኑ ክውስን እዩ። ኩሎም መመልከቲታት ካብ ሓድሕድ ዝተፈላለዩ ስለዝዀኑ፡ ዝተፈላለየ ዓቐን መርመራታት ከኣ የድልዮም።

መርማሪ፡ ነቲ ዘቕረብኩምዎ መመልከቲኹም ንተወሳኺ መርመራታት ከቕርቦ እዩ። እዚ ከኣ፡ ካብ ካልኦት መንግስታዊያን ትካላት ሓበሬታ ምርካብ ዘጠቓልል ክኸውን ይኽእል። ነቲ ዘቕረብኩምዎ መመልከቲ ተወሳኺ ሓበሬታ ክትገብርሉ እንተደሊኹም፡ እቲ መርማሪ ክውከሰኩም እዩ። ንኣብነት፡ ኣብቲ ዘቕረብኩምዎ መመልከቲ ዝዀነ መለለዪ ወይ መንነት ስነዳት ምስ ዘይትህቡ፡ ከምዚ ዓይነት ብዛዕባኹም ተወሳኺ ሓበሬታ ምስዓብ ኣገዳሲ ይኸውን።

ነቲ ንዑቕባኻ ዚግበረልካ ምርመራ ምጽባይ

እቲ ጉዳይካ ኣብ ሽወደን ክውሰነልካ እንተ ዀይኑ፤ ክሳዕቲ ሚግራሾንስቨርከት ፍቓድ ንኽወሃበካ መሰል ከም ዘሎካ መጽናዕቱ ኣካዪዱ ዚውድእ፡ ኣብ ሽወደን ክትጸንሕ ኣሎካ።

ናብቲ ብዛዕባ ዑቕባኻ ዚግበረልካ ምርመራ ክሳዕ ትመጽእ፤ ነዊሕ ጊዜ ክወስድ ይኽእል እዩ። ሽዑ ድማ ስለምንታይ ናብ ሽወደን ዑቕባ ክትሓትት ከም ዝመጻእካ፡ እንታይ ከም ዘጋጠመካ፡ ናብ ሃገርካ እንተ ተመለስካኸ እንታይ ከጋጥመኒ ይኽእል ኢልካ ከም ትኣምን፡ ኣስፊሕካ ክተዘንቱ ኢኻ። እቲ ናይ ምጽባይ ጊዜ፡ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክፈላለ ይኽእል እዩ።

ቅድሚ እቲ ውሳኔ ምቕባልካ፡ ናብ ብዙሕ ርክባት መጸዋዕታ ክልኣኸልካ እዩ። ስለዚ ድማ፡ ናብቲ ምግራሾንስቨርከት ዝገበረልካ ቆጸራታት፡ ናብኡ ከም ትርከብ ግበር ኢኻ። ሓድሽ ቆጸራ ክንገብር፡ ናይ ጊዜ ሕጽረት ስለ ዘሎና፤ ካልኣይ ጊዜ ቆጸራ ክንገብረልካ እንተ ደኣ ተገዲድና፡ ነቲ ናይ ዑቕባኻ ውሳኔ ዝወስዶ ጊዜ፡ ንቕድሚት ክመጦ ይኽእል እዩ።

ኣድራሻኻ ሓብረና

እንተደኣ ግዒዝካ፡ ኣብቲ ናይ ምርመራኻ ጊዜ ምስ በጽሐ ወይ ንኻልእ ቆጸራታት ክንረኽበካ መታን ክንክእል፤ እቲ ሓድሽ ኣድራሻኻ ንሚግራሾንስቨርከት ክትሕብረና ይግባእ። ካብ ሚግራሾንስቨርከት ዝመጸካ ሓበሬታ መታን ከየምልጠካ ድማ፤ ነቲ ኢ-መይልካ ብቐጻሊ ኣንብቦ።

መቐመጢ ፍቓድካ ምንዋሕ

ብጊዜ ዝተደረተ መቕመጢ ፍቓድ ምስ ዚህልወካ፤ ግን ኣብ ሃገር ሸወደን ድማ ክትጸንሕ ምስ ትደሊ፤ ቅድሚ’ቲ ዘሎካ ፍቓድ ምውዳቑ፡ ናይ መናውሒ ፍቓድ ምልክታ ክተቕርብ ይግብኣካ። ገና ንቐጻሊ ውን ዑቕባ ዘድልየካ ሰብ ምስ ትኸውን፤ መቐመጢ ፍቓድካ ክናውሓልካ ይኽእል እዩ። ካልእ ምክንያት ምስ ዚህልወካ ውን፤ እቲ መቐመጢ ፍቓድካ ክናውሓልካ ይኽእል ይኸውን እዩ።

መቐመጢ ፍቓድካ ንምንዋሕ ብኸመይ ከምትገብሮ ኣብዚ ብዝበለጸ ኣንብብ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

ፊልም ብዛዕባ ኣገባብ መጽናዕቲ ምሕታት ዑቕባ

Last updated: