ሕቶ ዕቝባ ዘቕርቡ ህጻናት

Barn i asylprocessen – tigrinska

ህጻናት ኣብ እዋን ምቕራብ ሕቶ ዕቝባ ዘለውዎም መሰላት ካብ’ቶም ናይ ዓበይቲ መሰላት ፍልይ ዝበሉ እዮም። ኣብ’ዚ፡ ምስ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ገምጋም ሕቶ ዕቝባ ኰነ ካልኦት ተግባራውያን ጉዳያት ህጻናት ዝተኣሳሰሩ – ንመሰላትን ዕድላት ደገፍን ናይ ህጻናት ዝምልከቱ ሓበሬታታት ኣኪብና ኣለና።

ሃገረ ሽወደን ነቲ ንመሰላት ህጻናት ዝምልከት ሓበራዊ ስምምዕ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከቲማትሉ እያ። እዚ ሓባራዊ ስምምዕ እዚ ንመሰላት ናይ ኩሎም ህጻናት ብዝርዝር ኣስፊሩ ኣሎ። እዞም መሰላት እዚኣቶም ድማ፡ ሽወደናውያን ይኹኑ፡ ግዚያውያን ነበርቲ ወይ ሓተትቲ ዕቝባ ብዘየገድስ - ንኹሎም ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ህጻናት ብማዕረ ዝምልከትዎም እዮም።

ኣብ ሽወደን ዕድመኹም 18 ክሳብ ዝመልእ ከም ህጻናት ኢኹም ትፍለጡ። ዝበዝሑ ሕቶ ዕቝባ ዘቕርቡ ህጻናት ምስ ሓደ ወይ ክልቲኦም ወለዶም ዝመጹ እዮም። ብዘይ ወላዲ ወይ ኣላዪ ናብ ሽወደን ዝኣትዉ ሓያለይ ህጻናት እውን ኣለዉ። እዞም ብዘይ ኣላዪ ዝመጹ ህጻናት እምበኣት ፍሉይ ደገፍ የድልዮም።

ንመሰላት ደገፍ ናይ’ቶም ብዘይ ኣላዪ ዝመጹ ህጻናት ብዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ’ዚ ክፈቱ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

ሕቶ ዕቝባ ዘቕርቡ ህጻናት ሓሳቦም ክገልጹ መሰል ኣለዎም

ብመሰረት ስርዓተ-ሕጊ ሃገረ-ሽወደን፡ ትካል ምክትታል ጉዳይ ስደተኛታት ንጉዳያት ህጻናት ብመንጽር ዘለውዎም ፍሉያት መሰላት ክሕዞም ይግደድ እዩ። ኩሎም ህጻናት ሓሳቦም ክገልጹን ድምጾም ከስምዑን መሰል ኣለዎም። ሕቶ ዕቝባ ዘቕርቡሉ ምኽንያት ካብ ናይ ወለዶም ፍልይ ዝበለ ክኸውን ስለዝኽእል፡ እቲ ነዚ ብዝምልከት ዝካየድ ገምጋም ወይ መርመራ ብደረጃ ውልቆም ዝትግበር ክኸውን ይግባእ። ሓደ ህጻን ሕቶ ዕቝባ ዘቕረበሉ ምኽንያት ምስተመርመረ፡ ሓላፊ ቦርድ ምክትታል ስደተኛታት ንውጽኢት ናይ’ቲ ገምጋም፡ ብዝተኻእለ መጠን፡ ምስ ዕድመ፡ ኵነታት ጥዕና፡ ደረጃ ብስለትን ናይ ዝምልከቶ ህጻን ከነጻጽሮ ይግባእ። ዝምልከቶ ህጻን፡ ኣብ’ዚ ጉዳዩ ዝረኣየሉ እዋን፡ ኣብ ትሕቲ ዝኣልዮ ሰብ ክጸንሕ መሰል ኣለዎ። እቲ ንህጻን ዝኣሊ ውልቀ-ሰብ ወላዲ፡ ሕጋዊ ኣላዪ፡ መጕዚት ወይ ህዝባዊ ኣማኻሪ ሕጊ ክኸውን ይኽእል።

ኩሎም ህጻናት ኣብ ናይ ቅድመ-ትምህርቲ ኰነ ናይ ዝቕጽል ደረጃ ኣብያተትምህርቲ ክመሃሩ መሰል ኣለዎም

ኩሎም ህጻናትን መንእሰያትን፡ ልክዕ ከም’ቲ ንሽወደናውያን ህጻናት ዝግባእ፡ ኣብ ናይ ቅድመ-ትምህርቲ ኰነ ናይ ዝቕጽል ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣትዮም ትምህርቶም ክከታተሉ መሰል ኣለዎም። ምምሕዳር ናይ’ታ ዝምልከቶ ህጻን ዝነብረላ ከተማ ነዚ ምዕሩይ መሰል ህጻን ናይ ምርግጋጽ ወይ ምትግባር ሓላፍነት ይስከም። እዚ ንናይ ቅድመ-ትምህርቲ፡ ግዴታዊ ደረጃ ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዝምልከት እዩ። ነኣሽቱ መንእሰያት ናብ ዳሕረዎት ዓመታት ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ክምዝገቡ እንተዀይኖም፡ ዕድሚኦም 18 ከይመልአ እንከሎ ትምህርቲ ክጅምሩ ክኽእሉ ኣለዎም።

ትካል ምክትታል ጉዳይ ስደተኛታት ንወላዲ ከይተወከሰ ንምምሕዳር ከተማ ውልቃዊ ሓበሬታ ናይ ዝዀነ ይኹን ሕቶ ዕቝባ ዘቕረበ ህጻን ኪህብ መሰል የብሉን። ትካል ምክትታል ጉዳይ ስደተኛታት ከም ስም፡ ዕለት ልደት፡ ቋንቋ ኣደ፡ ሃገረ-መበቆልን ቍጽሪ ጉዳይን ዝኣመሰሉ ሓበሬታታት ናይ ህጻን ናብ ምምሕዳር ከተማ ከመሓላልፍ ፍቓድ ክትህብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ከምኡ’ውን ናብ ምምሕዳር ከተማ ብምቕራብ ህጻንኩም ናብ ቅድመ-ትምህርቲ ድዩስ ስሩዕ ትምህርቲ ክኣቱ ከምእትደልዩ ከተፍልጥዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ብዛዕባ ትምህርቲ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣንብቡ

ኩሎም ህጻናት ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ክዀኑ መሰል ኣለዎም

ኩሎም ህጻናት ልክዕ ከም’ቲ ንደቂ ሽወደን ህጻናት ዝግባእ፡ ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ኣስናንን ክዀኑ መሰል ኣለዎም። ኣገልግሎት ክንክን ኣስናን፡ ዕድሚኦም ትሕቲ 18 ንዝዀነ ነኣሽቱ መንእሰያትን ንህጻናትን ብናጻ እዩ ዝወሃብ። ኣብ መብዛሕትአን ከባብያዊ ምምሕዳራት ወይ ዞባታት ድማ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንህጻናት ብናጻ እዩ ዝወሃብ። ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ ከባቢኹም ንዝርከብ ቤት-ጽሕፈት ከባብያዊ ምምሕዳር ወይ ዞባ ተወከሱ።

ንኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ናይ ምምሕዳር ከባቢኹም ወይ ዞባኹም ብዝምልከት፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ www.1177.se ክትረኽቡ ትኽእሉ External link, opens in new window.

ብዛዕባ ንሓተትቲ ዕቝባ ዝወሃብ ኣገልግሎት ጥዕናውን ሕክምናውን ክንክን ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ’ዚ ክፈቱ

ህጻናት ምስ ስድራ-ቤቶም ዳግማይ ናይ ምርኻብ መሰል ኣለዎም

ብመሰረት እቲ ንመሰላት ህጻናት ዝምልከት ሓባራዊ ስምምዕ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ህጻናት ምስ ስድራ-ቤቶም ናይ ምንባር መሰል ኣለዎም። በዚ ምኽንያት እየን - ትካላት-መዚ ናይ ሃገረ ሽወደን፡ ወለዲ ወይ ኣለይቲ ናይ’ቶም ብዘይ መሰነይታ ዝመጹ ህጻናት ኣበይ ከምዝርከቡ ንኽፈልጣ ዝጽዕራ። ትካል ምክትታል ጉዳይ ስደተኛታት ነቲ ብዝምልከቶ ህጻን ዝቐረበ መመልከቲ ሕቶ ዕቝባ እናገምገመ እንከሎ፡ እቲ ቤተ-ሰብ ናይ ኣመልካቲ ህጻን ናይ ምድላይ መስርሕ ቀጻሊ እዩ። እቲ መጀመርታ ዝግበር ጻዕሪ፡ እዛ ስድራ-ቤት ዳግማይ ተራኺባ ኣብ ናይ መበቆል ሃገራ ንኽትነብር እዩ። ውሕስነት ናይ’ዛ ስድራ-ቤት ኣብ ካልእ ሃገር ጥራይ ክረጋገጽ ዝከኣል ምስዝኸውን ግን ኣብኡ ዳግማይ ከምእትራኸብ ክግበር ይከኣል። እታ ስድራ-ቤት ብመሰረት እዞም ክልተ ኣማራጺታት ዳግማይ ክትራኸብ ተኽእሎ ምስዘይህሉ’ሞ እቲ ኣባላ ዝዀነ ህጻን ከም ስደተኛ መጠን መንበሪ ፍቓድ ተዋሂብዎ ምስዝጸንሕ ግን፡ ስድራ-ቤቱ መንበሪ ፍቓድ ተዋሂብዋ ናብ ሽወደን ክትግዕዝ ተኽእሎ ኣሎ።

ህጻን መንበሪ ፍቓድ ምስዘይወሃቦ’ሞ ናብ ሃገሩ ክምለስ ግድነታዊ ምስዝኸውን ክስዕብ ብዛዕባ ዘለዎ ኵነታት ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ - ኣብ’ዚ ክፈቱ

ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ መሰላት ህጻን

ኩለን ትካላት-መዚ ናይ ሃገረ-ሽወደን ውሳኔ ኣብ ዝህባሉ እዋን ንኹሎም ረብሓታት ህጻን ኣብ ግምት ከእትዋ ይግባእ፤ መሰላት ህጻናት ናይ ምርግጋጽ ፍሉይ መዝነት ዘለወን ዝተፈላለያ ትካላት እውን ኣለዋ። ኣብ’ቲ ዝምልከቶ ህጻን ዝነብረሉ ከተማ ዝርከባ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ድማ ንዕኡ ናይ ምእላይ ሓላፍነት ኣለወን፤ ማለት፡ ወለዱ ክኣልይዎ ምስዘይክእሉ ወይ ኣብ ልዕሊ ህጻን ወጽዓ ምስዝፍጽሙ። ኣብ ገሊኡ እዋናት፡ ንሓደ ኣብ ልዕሊኡ ወጽዓ ዝተፈጸመ ህጻን ካብ ወለዱ ወሲድካ ናብ ውሑስ ዝዀነ መጕዚታዊ ኣተሓሕዛ ኣብ ምስግጋሩ፡ ኣባላት ፖሊስ ምትሕግጋዝ ክገብሩ ከድሊ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ንህጻናት ምግራፍን ንኣዋልድ ምኽንሻብን ኣይፍቑድን እዩ። ትሕቲ 18 ዝዕድሚኦም ውልቀ-ሰባት፡ ማለት ህጻናት፡ ክምርዓዉ እውን ፍቑድ ኣይኰነን።

ተወሳኺ ሓበሬታ

ግዳያት ወጽዓ ንዝዀኑ ወይ ብኻልእ መገዲ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ንዝርከቡ ህጻናት ክግበር ብዛዕባ ዝከኣል ደገፍ፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ – ኣብ’ዚ ክፈቱ External link, opens in new window. 

ብዛዕባ’ቲ ንመሰላት ህጻን ዝምልከት ሓበራዊ ስምምዕ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ’ዚ ክፈቱ (ብቛንቛ አንግሊዝ) External link, opens in new window.

ናብ ሽወደን ኣትዮም ሕቶ ዕቝባ ንዘቕረቡ ህጻናት ዝምልከት ሓበሬታ። (ብቛንቛ አንግሊዝ)

ብዛዕባ ሕቶ ዕቝባን ኣገባብ ኣቀራርባ መመልከቲ ናይ ሕቶ ዕቝባን ዝያዳ ክትፈልጡ ምስእትደልዩ ወይ ንመስርሕ ኣተሓሕዛ ዕቝባ ህጻናት ብዝምልከት ንዓበይቲ ከመይ ጌርኩም ከምእተብርሁሎም ክትፈልጡ ምስእትደልዩ፡ እዞም ገጻት እዚኣቶም ሓገዝቲ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ሽወደን ካብ ዝነብር መጻምድትኹም ቈልዓ ድዩስ ጥንሲ ንዘለዎም - ሕቶ ዕቝባ ዘቕረቡ ሰባት ዝምልከት ሓበሬታ።

Last updated: