ንሕቶ ዕቝባ ዝምልከቱ ሕጋጋት

Aylregler – tigrinska

ኣብ ሽወደን ውሕስነት ረኺብኩም ክትነብሩ ምስእትደልዩ፡ ናብ’ዛ ሃገር ኣብ እትኣትዉሉ እዋን ናብ ፖሊስ ሓለዋ ዶብ ብምቕራብ ድዩስ ድሒርኩም ናብ ሓደ ካብ ኣሃዱታት ትካል ምክትታል ስደተኛታት ብምኻድ ሕቶ ዕቝባ ከተቕርቡ ይግባእ።

ትካል ምክትታል ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ሃገረ-ሽወደን፡ ንዝዀነ ይኹን ናብ ኢምባሲ ሽወደን ዝቐረበ መመልከቲ ሕቶ ዕቝባ ከጽድቕ ኣይክእልን እዩ። ናብ ሽወደን ብኣካል መጺእኩም ውሕስነት ከተናድዩ ዕድል ምስዘይህልወኩም፡ ናብ ትካል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ክትቀርቡ ትኽእሉ ኢኹም።

እቲ ዝቐርብ መመልከቲ ኣበ’የነይቲ ኣባል ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝዀነት ሃገር ቀሪቡ ከምዝረአ፡ ብመሰረት ሕጊ ዱብሊን ዝረአ ጉዳይ ይኸውን።

ብዛዕባ ሕጊ ዱብሊን ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ’ዚ ክፈቱ

ሓተትቲ ዕቝባ

 ‘ሓታቲ ዕቝባ’ ክበሃል እንከሎ፡ ኣብ ሽወደን ኣትዩ ውሕስነት (ዕቝባ) ንኽረክብ ሕቶኡ ብመልክዕ መመልከቲ ዘቕረበ’ሞ፡ ንመመልከቲኡ ውሳኔ ዘይተዋህቦ ውልቀ-ሰብ ማለት እዩ።

ንሓተትቲ ዕቝባ መንበሪ ፍቓድ ንምሃብ ዘውህቡ ምኽንያታት

ሃገረ-ሽወደን ነቲ ንጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከት ሓባራዊ ስምምዕ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከቲማትሉ እያ። እዚ ማለት፡ ካልኦት ጉዳያት ገዲፍካ ጥራይ፡ ንነፍሲወከፍ ዝቐርበላ መመልከቲ ሕቶ ዕቝባ ብምቕባል ብውልቃ ክትምርምሮ ግዴታ ኣለዋ።

እዚ ብውልቂ ደረጃ ዝትግበር መርመራ ሕቶ ዕቝባ፡ ንጾታዊ መለለዪ ወይ ጾታዊ ዝንባለ ናይ’ቲ ውልቀ-ሰብ (ኣመልካቲ ግብረ-ሰዶማዊ፡ ፈታዊ-ክልተ-ጾታ ወይ ጾታኡ ዝቐየረ እንተዀይኑ) ኣብ ግምት ዘእቱ እዩ።

ሃገረ-ሽወደን ብመሰረት ሓበራዊ ስምምዕ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ‘ስደተኛ እዩ’ ንዝበሃል ድዩስ ብመንጽር ጽምዶኣውያን ሕጋጋት ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ካልእ ኣካል ዝምርኰስ ዕቝባ ኪወሃቦ ንዝጠልብ ውልቀ-ሰብ መንበሪ ፍቓድ ትህብ።

ስደተኛ

ብመሰረት እቲ ንጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከት ሓባራዊ ስምምዕ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ከምኡ’ውን ስርዓተ-ሕጊ ሽወደንን ሕጋጋት ኤውሮጳዊ ሕብረትን፡ ሓደ ውልቀ-ሰብ ስደተኛ ክበሃል ዝከኣል፡ እንተወሓደ ብምኽንያት ሓደ ካብ’ዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት ከይሳደድ ስግኣት ዘለዎ ምስዝኸውን እዩ፦

  • ዓሌት፣
  • ዜግነት፣
  • ሃይማኖታዊ ወይ ፖለቲካዊ ዝንባለ፣
  • ጾታ፣
  • ጾታዊ ዝንባለ፣ ወይ
  • ዝንባለ ኣብ ማሕበራዊ ጕጅለ።

እቲ ዘሳድድ ኣካል፡ ሰበ-ስልጣን ናይ’ታ ስደተኛ ሓዲግዋ ዝመጸ ናይ መበቆል ሃገር ባዕሎም ክዀኑ ይኽእሉ። ሰበ-ስልጣን ናይ’ታ ሃገር ንዝምልከቶ ውልቀ-ሰብ ውሕስነት ክህብዎ ምስዘይክእሉ ወይ ፍቓደኛታት ምስዘይኰኑ እውን፡ ብተመሳሳሊ ዝረአ ጉዳይ ይኸውን።

እቲ ከም ስደተኛ’ዩ ተባሂሉ ዝተቘጸረ ሰብ፤ ብመሰረት እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ስምምዕ፤ ከምኡውን እቲ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ደንቢ፤ ብዓለም-ለኻዊ ደረጃ ቅቡል ዝዀነ፤ ናይ ስደተኛ ደረጃ መግለጺ ይወሃቦ።

እቲ ናይ ስደተኛ ደረጃ መግለጺ ዝተዋህቦ ሰብ፤ ልሙድ ናይ ሰለስተ ዓመት መቐመጢ-ፍቓድ ይወሃቦ።

ኣብ ካልእ ኣካል ዝምርኮስ ዕቝባ ኪወሃቦም ዝደልዩ ሰባት

ኣብ ካልእ ኣካል ዝምርኮስ ዕቝባ ኪወሃቦ ዝደሊ ሰብ ኪበሃል እንከሎ ፦

  • ናይ ሞት ፍርዲ ከይብየነሉ ዝሰግእ ሰብ፣
  • ካብ ኣካላዊ ማህረምቲ ወይ መግረፍቲ ድዩስ ካልእ ዘይሰብኣዊ ወይ ደቛሲ ኣተሓሕዛ/መቕጻዕቲ ዝሰግእ ሰብ፣ ወይ
  • ከም ሲቪል ውልቀ-ሰብ መጠን፡ ብምኽንያት ኣብ ከባቢኡ ዝተፈጥረ ብረታዊ ግጭት ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ዝኣተወ ውልቀ-ሰብ።

እቲ ከም ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮ ሰብ ተባሂሉ ዝተቘጽረ ሰብ ድማ፤ ብመሰረት ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ደንቢ፤ ”ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮ ደረጃ ዚብል መግለጺ” ይወሃቦ።

እቲ ብናይ ኣማራጺ ዑቕባ ደረጃ ውሳነ ዝተዋህቦ ሰብ፥ ከምቲ ልሙድ ኣሰራርሓ ናይ 13 ኣዋርሕ መንበሪ ፍቓድ’ዩ ዚወሃቦ።

ፍሉያት ጉዳያት – ኣብ ጉዳይ መሰል ዕቝባ

ኣብቲ መጽናዕትኻ ዚግበረሉ ጊዜ፡ ናይ ውግእ ገበን ከም ዘሎካ፡ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት፡ ወይ ካልእ ከቢድ ገበን ከም ዝፈጸምካ እንተ ተኸሲቱ፤ ወይ ውን ንጽጥታ ናይዚ ሃገር ኣብ ሓደጋ ከተእቱ ትኽእል ኢኻ እንተ ተባሂሉ፤ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ኣይክወሃበካን እዩ። ብምኽያት ናይ ሞት መቕጻዕቲ ወይ ካልእ ሓሳረ-መከራ፡ ናብ ሃገርካ ክትምለስ ዘይትኽእል እንተ ዄንካ ግን፤ ብጊዜ ዝተደረተ መቐመጢ ፍቓድ ይወሃበካ ይኸውን።

መንበሪ-ፍቓድ ብኻልእ ምኽንያታት

ኣብ ፍሉይ ኵነታት፡ ሓደ ሰብ ብኻልእ ምኽንያት ውን መንበሪ-ፍቓድ ኪረክብ ይኽእል’ዩ። እዚ ድማ ዋላኳ ንሱ ወይ ንሳ ካብ ሓሳረ-መከራ ዑቕባ ምርካብ ዘየድልዮ እንተዀነ ወይ ውን ነቶም ጠለባት ናይ መንበሪ-ፍቓድ ውን ዘየማልእ ኰይኑ እንተ ተረኽበ’ዩ። እቲ ኣብዚ ዚጥለብ ነገር ግን፡ ርኡይ ዝኾነ ናይ ህይወት ጸገማት ኪህልወካ እዩ። ሚግራሾንስቨርከት ኣብቲ ውሳኔ ዝወስደሉ ጊዜ፥ ናይቲ ዚምልከቶ ሰብ ሃለዋት-ጥዕና - ምስ ሽወደን ዘሎዎ ናይ ምውህሃድ ዓቕሚን - ናይቲ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ኵነታትን ብምልኣት ዘካተተ ገምጋም ኪገብር እዩ።

ዘተኣማምን መበቆል-ሃገር

ሚግራሾንስቨርከት ናይተን የተኣማምና’የን ዝበሃላ መበቆላ-ሃገራት ዝርዝር ኣስማታት ኣውጺኡ ኣሎ’ዩ። ሓንቲ ከም ተተኣማምን መበቆላ-ሃገር ኴይና ንኽትግምግም፥ ብዙሓት ክማልኡ ዘሎዎም መስፈርቲ ክህልዉ የድሊ’ዩ።

ብናይ ሚግራሾንስቨርከት ግመገማ፡ እዘን ዚስዕባ ሃገራት ዘተኣማምና መበቆል-ሃገራት እየን (ብቛንቛ አንግሊዝ)

ሕቶ ዕቝባ ዘቕርቡ ህጻናት

ብመሰረት ሕጊ ሃገረ-ሽወደን፡ ትካል ምክትታል ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ሃገረ-ሽወደን ንመሰረታውያን መሰላት ህጻን ኣብ ግምት ኬእቱ ግዴታ ኣለዎ። ኩሎም ሓሳቦም ናይ ምግላጽ ድልየት ኰነ ክእለት ዘለዎም ህጻናት፡ ሓሳቦም ኪገልጹን ሰማዒ ኪረኽቡን መሰል ኣለዎም። እቶም ህጻን ዕቝባ ንኽወሃቦ ዘቕርቦም ምኽንያታት ካብ ናይ ወለዱ ፍልይ ዝበሉ ክዀኑ ስለዝኽእሉ፡ ብውልቂ ደረጃ ክረኣዩ ይግባእ። እቶም ናይ ሕቶ ዕቝባ ምኽንያታት ምስተገምገሙ፡ እቲ ነቲ ጉዳይ ዝምርምር ሰራሕተኛ ብዝተኽኣለ መጠን ንዕድመ፡ ኵነታት ጥዕናን ደረጃ ብስለትን ናይ ህጻን ኣብ ግምት ከእትዎ ይግባእ። ዝምልከቶ ህጻን፡ ኣብ’ዚ ጉዳዩ ዝረኣየሉ እዋን፡ ኣብ ትሕቲ ዝኣልዮ ሰብ ክጸንሕ መሰል ኣለዎ። እቲ ንህጻን ዝኣሊ ውልቀ-ሰብ ወላዲ፡ ሕጋዊ ኣላዪ፡ መጕዚት ወይ ህዝባዊ ኣማኻሪ ሕጊ ክኸውን ይኽእል።

ብዛዕባ’ቶም ንሓተትቲ ዕቝባ ህጻናት ዝምልከቱ ሕጋጋት ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ’ዚ ኣንብቡ፦

ተወሳኺሓበሬታ

  1. ንጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከት ሓባራዊ ስምምዕ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ብቛንቛ አንግሊዝ) External link, opens in new window.
  2. UNHCR (ትካል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት) (ብቛንቛ አንግሊዝ) External link, opens in new window.
  3. ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት መምርሒ ገምጋም ብቕዓት ሓተትቲ ዕቝባ (ብቛንቛ አንግሊዝ) External link, opens in new window.
  4. ሕጊ ወጻእተኛታት (ብቛንቛ ሽወደን) External link, opens in new window.
  5. ንወጻእተኛታት ዝምልከት ኣዛዚ ሕጊ (ብቛንቛ ሽወደን) External link, opens in new window.
  6. ሕጊ ዱብሊን (ብቛንቛ አንግሊዝ) External link, opens in new window.

Last updated: