ንስኻ መን ምዃንካ ትገልጽ

Berätta vem du är – tigrinska

መዕቆቢ ስደተኛታት ቤት ጽሕፈት ምእንቲ ዑቕባ ንምሕታት መሰል ከምዘለካ ንኽውስን እንተድኣ ኮይኑ፤ ንስኻ መን ምዃንካን፤ ካበይ ከምዝመጻእካን ከተረጋግጽ ኣለካ። መንነትካ ንምርግጋጽ ድማ ኣድለይትን፤ ቅቡላትን ምስክር ወረቓቕቲ ከተቕርብ ናይ ግድን እዩ።

እቲ ዝበለጸ ንስኻ መን ምዃንካን፤ ካበይ ከምዝመጻእካ መረጋጺ ድማ ፓስፖርት ወይ ድማ መንነት ወረቐት ካብ ሃገርካ ምስእተቕርብ እዩ። እቲ ፓስፖርት ወይ ድማ መንነት ወረቐት ካብ ሰበስልጣን ካብ ሃገርካ ዝተዋህበን ስእለኻ ዘለዎን ክኸውን ኣለዎ። መንነት ወረቐት ሽምካን፤ ዜግነትካን፤ መዓስ ከምዝተወለድካን ክግለጽ ኣለዎ። ዑቕባ ኣብ እትሓተሉ እዋን ድማ መንነትካ ተቕርብ።

እንተድኣ ፓስፖርት ወይ መንነት ወረቐት ምስዘይህልወካ

እንተድኣ ፓስፖርት ወይ ድማ መንነት ወረቐት ኣብ እዋን ዑቕባ ኣብ እትሓተሉ ምስ ዘይተረክብ፤ ንሕና መንነት ወረቐት ንኸተረክብ ኣብ ውሱን እዋን ንኸተረክብ ቆጸራ ንህበካ። ከተቕርቦም ዘለካ ወረቓቕትን ንኽንደይ ግዜን ቆጸራ ንህበካ።

ምናልባት ካልኦት ዓይነታት መንነት ወረቓቕቲ ምስዝህልወካ፤ ንኣብነት ፍቓድ ናይ መዘወሪ መኪና፤ መረጋገጺ ናይ ትውልዲ፤መረጋገጺ ናይ ዜግነት፤ ወይ መጽሓፍ ናይ ውትህድርና ተቕርብ። እዞም ወረቓቕቲ ነብሲ ወከፎም ከም መረጋገጺ ክኾኑ ኣይኽእሉን፤ ግና ብዙሓት ወረቓቕቲ ብሓባር ምስ እትህቦ ቃልን ብዛዕባ መሰረትካን፤ ብዛዕባ ሃገርካ ዝሃብካዮ ቃልን ተደሚሮም ንመንነትካ ምናልባት ከረጋግጹልካ ይኽእሉ።

እንተድኣ መንነትካ ንምርግጋጽ ተሓባቢርካና ናይ ዑቕባ ጉዳይካ ውሳኔ ክሳብ እንውስን ንኽትሰርሕ ይፍቀደልካ። ካብ ናይ ስራሕ ፍቓድ ናይ ግድን ክህልወካ ኣለዎ ዝብል ሕጊ ነጻ ትወጽእ (ኤይቲ-ኡንድ)።

ዑቕባ ሓቲትካ መልሲ እንዳተጸበኻ ንምስራሕ። (ብቛንቛ አንግሊዝ)

መንነትካ ንምርግጋጽን ንምርኣይን ወይ ንምቕራብን ናትካ ሓላፍነት እዩ። እንተድኣ መንነት ወረቓቕትኻ ከተምጽእ ከምዘይክኢልካ ዘካየድካዮ ጻዕርን ድኻምን ንመዕቆቢ ስደተኛታት ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ተርኢ። እንተድኣ ጻዕርን ድኻምን ከምዘካየድካ ምስዘይተርኢ ግን መዕቆቢ ስደተኛታት ቤት ጽሕፈትንዝወሃበካ ናይ መዓልታዊ ናይ ገንዘብ ደገፍ ቆሪጾም ይህቡኻ።

ብዛዕባ ናይ መዓልታዊ ናይ ገንዘብ ደገፍ ብተወሳኺ ኣንብብ

መንነትካ ንኸተረጋግጽ ምስዘይትኽእል

ኣብ ሃገር ሽወደን መንነት ከየቕረብካ ፍቓድ ናይ ዑቕባ ክወሃብ ይከኣል እዩ። ጭቡጥ ዝኾነ ሓበሬታን፤ መን ምዃንካን፤ ካበይ ከምዝመጻእካን፤ ምስእትህብ እኹል ይኸውን።

ምናልባት ፓስፖርት ወይ ድማ መንነት ወረቐት ካብ ሃገርካ፤ ሽወደናዊ ዜግነት ኣብ እትሓተሉ እዋን ንነዊሕ ግዜ ከትጽበ ኢኻ። ዜግነት ሽወደን ንምውሳድ ብረቱዕ ግዴታት ምምላእ ማለት መን ምዃንካ ንምርግጋጽ ስለ ዘድሊ እዩ።

ብዛዕባ መንነትካ ንምርግጋጽ ንዜግነት ሽወደን ንምውሳድ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ብዛዕባ መንነትካ መሃብ ወንጀል እዩ። እንተድኣ ዘቕረብካዮ ወረቓቕቲ ናይ መንነት ንቤት ጽሕፈት መዕቆቢ ስደተኛታት ዘይቅኑዕ ምዃኑ ምስዝቃላዕ፤ እቲ ዝተፈቕደልካ ፍቓድ ክስሓብን ከምኡእውን ካብ ሃገር ሸወደን ትባረር። መንነትካ ብኢንተርነት ጌርካ ተረጋገጽ፤

Last updated: