ዑቝባ – ካብ ምልክታ ክሳብ ውሳኔ

Asyl – från ansökan till beslut – tigrinska

1

ምልክታ ምቕራብ

  • ነቶም ሕቶታት፡ ንኣብነት ስምካ፡ ዜግነትካን ብዛዕባ ስድራቤትካን ምልኣዮ።
  • መን ምዃንካ ንምርግጋጽ ፓስፖርትኻ ወይ ካልእ ናይ መንነት ሰነዳት ኣምጽእ።
  • ሚግረሽን ኪስእለካን ኣሸራኻ ኪወስድን እዩ። እቲ ናይ ኣጻብዕ ኣሸራ ኣብ ካልእ ሃገር ኤውሮጳ ዕቝባ ወይ ቪዛ ሓቲትካ ምንባካ ወይ መንበሪ ፍቓድ ወሲድካ ወይ ኣብ ካልእ ሃገር ኤውሮጳ ከይትቕመጥ ተኸልኪልካ ምዃንካ ንምፍላጥ የገልግል
  • ብሓገዝ ተርጓማይ፡ መን ምዃንካን ስለምንታይ ንሃገርካ ገዲፍካ ከም ዝመጻእካን ከመይ ጌርካ ናብ ሽወደን ከም እተጎዓዝካን ክትሕብር ኢኻ
  • ኣብቲ መስርሕ ዑቕባ ምሕታትካ፡ ወይ ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ፍሉይ ሓገዝ ዘድልየካ እንተ ዀይኑ ንገር። ሚግራሾንስቨርከት ኣብ ገለ ኵነታት ኪሕግዘካ ይኽእል’ዩ። እንተ ዘይኰነ ናበይ ክትሓትት ኪሕብረካ’ዩ።
  • ገንዘብ ምስ ዘይህልወካ ቁጠባዊ ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ናይ ባንክ ካርድ ክትወሃብን ንመዓልታዊ መልዕሎን ፍሉይ ገንዘባዊ ሓገዝን ድማ ሓበሬታ ኪውሃበካ እዩ።
  • ንኣካይዳ ሕቶ ዕቝባን ካብኡ ቀጺልካ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካን ብዚምልከት መብርሂ ኪውሃበካ እዩ። ከምኡውን ብዛዕባ ተግባራውያን ዝኾኑ ሕቶታት፡ ከም መሰል መንበሪ ቤት፡ ንደቅኻ ሕክምናን ትምህርትን፡ ሓበሬታ ኪውሃበካ እዩ።

2

መጸዋዕታ – ምርመራ ዑቕባኻ ንምግባር

  • ምስቲ ንናይ ዑቕባ ምልክታ ምቕራብ ብምትሕሓዝ፥ ምርመራ ዑቕባኻ ናይ ትገርብረሉ መጸዋዕታ ኪወሃበካ’ዩ። ናይ መጸዋዕታ ወረቐት፡ ኣብታ ናይ መጀመርታ ምስ ሚግራሾንስቨርከት ዝርርብ ዝገብበርካላ ጊዜ ወይ ድማ ብድሕርታ 1ይቲ ኣኼባ ብቤት ቡስጣ ኪልኣኸልክና እዩ። ኣብቲ መጸዋዕታ ድማ፡ መዓስን ኣበይን ምስ መርማሪ-ጉዳይ ከም ትራኸብ፡ ኣብኡ ሰፊሩዎ ኣሎ። ኣድራሻ ምስ ትቕይር፥ ምስኻ ርክብ ንምግባር መታን ክንክእል፥ ንሚግራሾንስቨርከት ክትሕብር ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ።

3

ኣተሓሕዛ ምርመራ ናይ ዑቓባኻ

  • ሕቶኻ ምስ ኣቕረብካ እቲ ኣሳላጢ ንኹሉ ሰነዳትካ ኪርእዮ፡ ከምኡውን ኩሉ እቲ ዝበልካዮን ውጽኢት ኣሸራ ኣጻብዕካን ኪዕዘቦ እዩ።
  • ካብዚ ተላዒሉ ድማ እቲ ኣሳላጢ ነቲ መጠየቕታኻ ክሳዕ ክንደይ ኪምርመር ከም ዘለዎ ኪውስን እዩ። ኩሉ መጠየቕታ ሓደ ዓይነት ስለ ዘይኮነ፡ ንኺምርመር እተፈላለየ ግዜ እዩ ዚወስድ።
  • እቲ ኣሳላጢ ነቲ መጠየቕታኻ ናብቲ ዚስዕብ ምርመራ ይቐራርቦ። ንኣብነት፡ ካብ ካልእ ሰበስልጣናት ዚመጽእ ሓበሬታ ኪህሉ ይኽእል እዩ።
  • እቲ ኣሳላጢ፡ ህዝባዊ ወኪል የድልየካ እዩ ኢሉ ምስ ዚግምት፡ ህዝባዊ ወኪል ይምድበልካ።

4

ምርመራ ናይ ዑቕባኻ ምግባር

  • እቲ መርማራይ ብዛዕባቲ ዚቕጽል ዝርርብ እንታይ ከም ዝኾነን ብዛዕባ መሰላትካን ግዴታኻን ብምዝራብ ይጅምር። ሓንቲ ከይገደፍካ ሓቂ ክትዛረብ ግዴታ ኣሎካ። እቲ መርማርን እቲ ተርጓምን ምስጢር ንምስታር ገዴታ ኣለዎም።
  • ህዝባዊ ወኪል ምስ እትደሊ ኣብቲ ምርመራ ምሳኻ ኪህሉ ይኽእል’ዩ። ጠበቓኻ ውን፡ ምስጢር ንምስታር ገዴታ ኣለዎም።
  • ብናይ ተርጓማይ ሓገዝ፡ መን ምዃንካን ካበይ ከም ዝመጻእካን ስለምንታይ ዕቝባ ትሓትት ከም ዘሎኻን ንዓድኻ ክትምለስ እንተ ኾንካ ድማ እንታይ ከም ዝጓነፈካን ትገልጽ። ብዛዕባ ስድራቤትካ ጥዕናኻን ኣብ ሃገርካ ዝነበረካ ሃለዋትን ውን ክትሕተት ኢኻ።
  • ፓስፖርትኻን ካልእ ናይ መንነትካ ሰንዳትን ተማሊእካ ምጻእ፤ ኣቐዲምካ ኣረኪብካዮም እንተ ዘይኰንካ።
  • ምኽንያት ዕቝባ ምድላይካን ነቲ ሚግረሽን ክትርእየልካ እትደሊ መርትዖ ምቕራብን ናትካ ሓላፍነት እዩ።
  • እቲ መርማሪ ነቲ እተባህለ ነጥብታት ይእክቦ፥ ሽዑ ድማ ነቲ ፕሮቶኮል ንኽተጽድቖ ዕድል ኣሎካ። ብድሕር’ዚ እቲ ፕሮቶኮል ምስቲ ኩሉ ዘምጻእካዮ ሰነዳት ተኣኪቡ ብሓደ ይቕመጥ።
  • ድሕሪ ውሳነ ብዛዕባ ናይቲ ጉዳይ ኣካይዳ ወይ ምስ ሚግረሽን ዘሎካ ርክባት ብዚምልከት ሕቶታት ከትቕርብ ዕድል ኣሎካ

ምርመራ ምስ ህጻን

ኩሎም ህጻናት ኪዛረቡን ኪስምዑን መሰል ኣለዎም። ምስ ወለዶም ኮይኖም ዕቝባ ዚሓቱ ቆልዑ ነቲ መርማሪ ኣብ ሚግረሽን ኪረኽቡዎ መሰል ኣለዎም። ናይ ቆልዓ ምኽንያት ዕቝባ ብፍላይ እዩ ዚረአ - ሓደ ቆልዓ ካብቲ ወለዱ ዚብሉዎ ፍልይ ዝበለ ምኽንያት ኪህሉዎ ይኽእል። እቲ ናይቲ ቆልዓ ሕቶ ዕቝባ ኪምርመር ከሎ እቲ መርማሪ ብዚከኣል መጠን ነቲ ዕድመን ብስለትን ወይ ጥዕና ኣብ ግምት የእትዎ እዩ። ቆልዓ ኪምርመር ከሎ፡ ሓደ በጽሒ ምስኡ ኪህሉ ይግባእ። ወላዲ ወይ ኣላዪ ወይ ህዝባዊ ወኪል ኪኸውን ይኽእል። ኣቶም ንውልቆም ዚመጹ ቆልዑ ኣብ ግዜ ምርመራ እቲ ሕጋዊ ኣላዪኦም ኩሉ ግዜ ምስኦም ኪህሉ መሰል ኣለዎም።

5

ውሳነ

  • ንሕና፡ ”ሚግራሾንስቨርከት” ብዛዕባ’ቲ ዘቕረብካዮ ምልክታ ውሳነ ምስ ወሰደ፥ እንታይ ውሳነ ከም ዝተዋህበካ ብዝተፈላለየ መገዲ ክንሕብረካ ኢና። ነቲ ዝተዋህበካ ውሳነ፥ ኣብ ሓደ ኣኼባ ተጸዊዕካ፡ ብፈጻሚ-ጉዳይ (handläggare) ኪሕበረካ እዩ ወይ ውን ብቤት ቡስጣ ጌርና ብእንልእኮ መልእኽቲ ጌርና ክንሕብረካ ኢና።
  • እቲ ውሳነ ብቛንቋ ሽወደን ዝተጻሕፈ እዩ። ይኹን እምበር ፡ ዋላ’ኳ እቲ ውሳነ ብቤት ቡስጣ እንተ ተላእከልካ፥ ናብቲ ”ኣሃዱ መቐበል ስደተኛታት” (mottagningsenheten) ንኽትመጽእ መጸዋዕታ ኪልኣኸልካ እዩ። ኣብኡ ድማ፡ ብሓገዝ ናይ ተርጓማይ ብዛዕባ’ቲ ውሳነ መብርሂ ኪወሃበካ እዩ።
  • እቲ ዚውሰድ ውሳነ፡ ኣብቲ ንስኻ ዝሃብካዮ ዛንታን - ነቲ ንስኻ ብዛዕባ መንነትካን ብዛዕባ ዑቕባ መሕተቲኻን ዝሃብካዮ ምኽንያታት - መርትዖ ኪኾኑ ኢልካ ዘቕረብካዮም ሰነዳትን መሰረት ዝገበረ ኮይኑ፤ እቲ ”ሚግራሾንስቨርከት” ብዛዕባ ሃገርካ ዘሎዎ ፍልጠት ውን ኣብኡ ይካተት እዩ። ሽዑ ድማ እቲ ”ፈጻሚ-ጉዳይ” (Handläggaren) ነቲ ጉዳይካ ርኢና ብኸመይ መገዲ ናብቲ ውሳነ’ቲ ክንበጽሕ ከም ዝኽኣልና ኪገልጸልካ እዩ።
  • እንተ ደኣ ኣብቲ ጉዳይካ ኣወንታዊ ውሳነ ረኺብካ፥ ብጊዜ ዝተደረተ (tidsbegränsat) መንበሪ ፍቓድ (uppehållstillstånd) ኪወሃብካ እዩ። እዚ ማለት ድማ፡ ኣብ ሽወደን ክትነብርን ክትሰርሕን መሰል ኣሎካ ማለት እዩ።እንተ ደኣ እቲ ጉዳይካ ተነጺጉ (ኣይፋል ተባሂልካ)፥ ናብ ሃገርካ ክትምለስ ኢኻ፥ ወይ ድማ እቲ ውሳነ ክቕየር ኣሎዎ ትብል እንተ ደኣ ዄንካ፥ ናይ ይግባይ ጥርዓን ክተቕርብ ኣሎካ።

Last updated: