ዝተፈልየ ዝምባሌ ጾታዊ-ርክብ ዘሎካን - ሓታቲ ዑቕባን ምስ ትኸውን

För dig som är hbtq-person och söker asyl – tigrinska

ብምኽንያት ጾታዊ-ዝምባለኻ፡ ጾታኺ(ኻ)፡ ጾታዊ-መግለጺታትካ፡ ጾታዊ-መንነትካ፡ ወይ ውን ኣባል ናይ ሓደ ክፋል ሕብረትሰብ ብምዃንካ፥ ሓሳረ-መከራ ንኽጽሓካ ጭቡጥ ዝዀነ ስግኣት ምስ ዚህልወካ፥ ከም ስደተኛ ተቘጺርካ፡ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ንኽትረክብ መሰል ኪህልወካ ይኽእል’ዩ። እዚ ድማ፡ ኣብቲ ዓለማዊ ስምምዕ-ስደተኛታት፥ ኣብ ሕጊ-ሽወደን ከምኡ ውን ኣብ ሕጊታት ሕብረት-ኤውሮጳን ሰፊሩ ዘሎ እዩ።

ብዛዕባ ዑቕባ ምሕታትን ሕግታቱን

ሓሳረ-መከራ ዝበሃል፡ ምፍርራሕ ወይ ውን ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ህይወትካ ወይ ጥዕናኻ ኪኸውን ይኽእል’ዩ። ካልእ ኪኸውን ዚኽእል ውን፡ በቶም ዘሎዉ ሕጊታትን ስርዓታትን ወይ ውን ኣብቲ ሕብረትሰብ ብዘሎ ኣተሓሳስባታት፥ በቲ ዘሎካ ጾታዊ-ዝምባለ ምኽንያት፥ ግዳይ ናይ ከቢድ ውርደት ክትከውን ምስ ትኽእል’ዩ። እዚ ድማ፡ ኣብ ልዕሌኻ መቕጻዕቲ ወይ ከቢድ ኣድልዎታት ምፍጻም፥ ንኣብነት ናብ ቤትትምህርቲ ምኻድ ክትክልከል ወይ ውን ስራሕ ወይ ቤትሕክምና ንምምራጽ ክትክላእ ከሎኻ እዩ።

መሰል ናይ ሓሳብካ ምግላጽ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ውን ሓሳረ-መከራ ከበጽሓኒ’ዩ ኢልካ ብዘይስግኣት ክትዋሳእ ምኽኣል፤ እቲ ዘምጻእካሉ ዓሌት፡ ትኣምነሉ ሃይማኖት፡ ጾታኻ ወይ ጾታዊ-ዝምበለኻ ብዘየገድስ፥ እዚኦም ኣብ ሽወደን መሰል ናይ ዑቕባ ከውህቡኻ ካብ ዚኽእሉ ገለ ኣብነታት እዮም።

እዚ ናይ ምፍርራሕ ሓሳረ-መከራ’ዚ፡ ብናይ ሃገርካ ኣብያተስልጣን ወይ ብቤተሰብካ ወይ ብኻልኦት ሰባት ይተግበር ለውጢ የብሉን። ሽዑ ድማ፡ “ሚግራሽንስቨርከት” ናብ ሃገርካ እንተ ተመሊስካ፥ እንታይ ከጋጥመካ ከም ዚኽእልን፥ እቶም ናይ ሃገርካ ኣብያተስልጣን ውን ካብቲ የጋጥመኒ’ዩ ትብሎ ዘሎኻ ሓሳረ-መከራ ክሕልዉኻ ዚኽእሉ ምዃኖም ከጽንዕ’ዩ።

”ሚግራሾንስቨርከት” (Migrationsverket)፡ ከም ዑቕባ ሓታቲ ጌሩ ክምዝግበካ ኸሎ፥ ስምካ፡ ዝተወለድካሉ ጊዜ፡ ከምኡ’ውን እቲ ሕጋዊ ጾታኻ፥ ነቲ ኣብ መንነት-ወረቓቕትኻ ሰፊሩ ዘሎ መሰረት ብምግባር’ዩ። ሕጊ ሽወደን፡ ብናይ ካልእ ስም ጌርና ክንምዝግበካ ኣይፈቅድን’ዩ። ይኹን እምበር፡ ብኻልእ መጸውዒ ሳጓ ወይ ክንዲ-ስም ክትምዝገብ ትደሊ እንተ ዄንካ፥ ንገረና’ሞ ከምኡ ጌርና ኣብቲ መዝገብ ክነስፍሮ ኢና።

ምርመራ

”ሚግራሾንስቨርከት” ዑቕባ ዘድልየካ ምዃኑን፥ ኣብ ሽወደን ውን ናይ መቐመጢ ንኽውሃበካ ውሳኔ ኣብ ዘሕልፈሉ ጊዜ፥ እቲ ልክዕ ናትካ ህይወት እንታይ ይመስል ከም ዝነበረን፥ ስለምንታይ ልክዕ ንስኻ ናብ ሃገርካ ንኽትምለስ ትፈርህ ከም ዘሎኻ መታን ክርድኦ፥ ናትካ መጽናዕቲ ከካይድ’ዩ። እቲ ዘሎካ ምኽንያት፡ ንጾታዊ-ዝምባለ፡ ጾታዊ-ገላጽነት ወይ ጾታዊ-መንነት ዚምልከት እንተ ዀይኑ፥ ንዓና ኣብ ዝቐልጠፈ ጊዜ ክትነግረና ኣዝዩ ኣገዳሲ ጉዳይ’ዩ።

ዑቕባ ንምሕታት ብኸመይ ከም ተመልክት ኣብዚ ብዝያዳ ኣንብብ።

ብዛዕባ ከምዚኣቶም ኣርእስቲታት፡ ምስ ቅድሚ ሕጂ ረኺብካዮ ዘይትፈልጥ ሰብ ግርህ ኢልካ ክትዛረብ፥ ከቢድ ኪኸውን ከም ዚኽእል ”ሚግራሾንስቨርከት” ይፈልጥ’ዩ። ምናልባት ውን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ፡ ንመጀመርታ ጊዜ ምስ ካልእ ሰብ ተውጽኦ ዘሎኻ ናይ ህይወትካ ምስጢር ኪኸውን ይኽእል’ዩ። እቲ ብዛዕባ ”ናይ ግለይ” ትብሎ ናይ ህይወትካ ምስጢር ንኽትዛረብ ውን፥ እቲ ደረቱ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክፈላለ ስለ ዚኽእል’ዩ። ከምኡ እንተዀነ ውን፡ ብዛተኻእለካ መጠን ብዛዕባ’ቶም ዑቕባ ንምሕታት እተቕርቦም ምኽንያታት ኣስፊሕካ ክትነግረና ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። እቲ ትዛረቦ ብዚያዳ ዝርዝራዊ ምስ ዚኸውን፥ ”ሚግራሾንስበርከት” ውሳኔ ንኽወስድ ዝበለጸ መንጸፍ ኪህልዎ ይኽእል’ዩ። እቲ/ታ መጽናዕቲ ዘካይድ ሰብ ውን፥ ብዛዕባ’ቲ ዘሎካ ጾታዊ-ዝምባለ፡ ጾታዊ-ገላጽነት ወይ ጾታዊ-መንነት፥ ብዛዕባኡ ውን እንታይ ሓሳባትን ስምዒታትን ይመጸካ ከም ዝነበረ፥ ምስ ስድራቤትካን ኣዕሩኽትኻን፡ ምስቲ እትነብረሉ ዝነበርካ ሕብረተሰብን፥ እንታይ ዝምድና ከም ዝነበረካ ሕቶታት ከቕርበልካ’ዩ። ንሕና ምስጢር ናይ ምሓዝ ሕጋዊ ግዴታ ስለ ዘሎና፥ እቲ ንስኻ ትነግረና ነገራት፥ ኣብቲ ጉዳይካ ምስ ዘይሰርሑ ሰባት ብዛዕብኡ ኣይነልዕልን ኢና።

እንተ ደኣ እቲ ንምርመራ ዘካይድ ”ፈጻሚ-ጉዳይ”፥ ነቲ ትዛረቦ ዘሎኻ ከም ዘይርድኦ ዘሎ ኰይኑ ተሰሚዑካ ወይ ውን እቲ ”ፈጻሚ-ጉዳይ” ብዛዕባ’ቲ ክትዛረቦ ትደሊ ሓበሬታ ሕቶታት ምስ ዘየቕርበልካ፥ ኣብ ዝቐልጠፈ ጊዜ ክትሕብረና ይግባእ’ዩ። ክሳብ’ቲ ብዛዕባ ጉዳይካ ውሳኔ ዝወሃበሉ ጊዜ ኣይትጸበ።

እንታይ ጾታ ዘሎዎ/ዋ ተርጓማይ፡ ከምኡውን ”ፈጻሚ-ጉዳይ” ወይ ጠበቓ ከም ትደሊ፥ ምርጫኻ ክተቕርብ ዕድል ኣሎካ’ዩ። እዚ ድማ፡ መታን ኣብቲ መስርሕ-ዑቕባነት ዚካየደሉ ጊዜ ቅሳነት ንኺስምዓካ ኰይኑ፤ ”ሚግራሾንስቨርከት” ውን ብዛዕባ’ቲ ዘቕረብካዮ ድሌት ሓገዝ ንኺገብረልካ ኪፍትን እዩ። ንስኻ ዕድሜኻ ልዕሊ 18 ዓመት ዝዀንካ፥ ካልኦት እቶም ምሳኻ ሓቢሮም ዑቕባ-ሓተትቲ ከይተሓወስዎ፥ በይንኻ ምስቲ ”ፈጻሚ-ጉዳይካን” ምስ ጠበቓኻን ክትራከብ ኢኻ። ሓደ ብዛዕባ ናይ ”ሶዶማውያን”፡ (hbtq) ኣድልዎ ኵነታት፥ ፍሉይ ፍልጠት ዘሎዎ ጠበቓ ንኺግበረልካ፥ ትፈልጦ ሰብ እንተ’ሎካ ወይ ድማ፡ ከምኡ ዓይነት ጠበቓ ንኽትረክብ ሓገዝ ንኺግበረልካ ሓሳብ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ።

ዕድሜኻ ትሕቲ 18 ዓመት ንዝዀንካ/ኪ

”ሚግራሾንስቨርከት”፡ ንዅሎም ዑቕባ ዝሓተቱ ቆልዑ ክሰምዖምን፥ እቶም ቆልዑ ውን ኣብዚ ዑቕባ ምርካብ ዘድልዮም እንተ ዀይኑን፥ መጽናዕቲ ከካይድን’ዩ። ስለዚ ድማ፡ ብዛዕባ ኣብ ሃገርካ ዝነበረካ ህይወት ”ንሚግራሾንስቨርከት” ክተዘንቱን፤ ንስኻ ናብ ዓድኻ እንተ ተመሊስካኸ፥ እንታይ ከጋጥመኒ’ዩ ኢልካ ከም ትኣምን ምዝራብ ኣገዳሲ ነገር’ዩ። ዕድሜኻ ትሕቲ 18 ምስ ዚኸውን፥ እሞ ወለድኻ ውን ምሳኻ ናብ ሽወደን መጺኦም ምስ ዚህልዉ፥ ”ሚግራሾንስቨርከት” ኣብ ሓደ ክፍሊ ንበይንኻ ጌሩ ምሳኻ ንኸዘራርበካ፥ ንወለድኻ ክሓቶም ይግባእ’ዩ። ወለድኻ ኣብ ሽወደን ምሳኻ ምስ ዘይህልዉ ግን፥ ብዛዕባ’ቲ ንዓኻ ንበይንኻ ጌርና ክነዘራርበካ ኪውስን ዚኽእል፥ እቲ ናትካ ”ብዓል-ሕድሪ” (gode man) እዩ። ወለድኻ ወይ እቲ ”ብዓል-ሕድሪ” ኣብ ዘይብሉ ጊዜ፥ ንበይንኻ ምስቲ ”ፈጻሚ-ጉዳይካ” ክትዘራረብ ምስ ትደሊ፥ ብዛዕብኡ ክትነግረና ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ።

ተርጓማይ

ብቛንቋ ሽወደን ዚዝረቡ ቃላትን ኣምራትን፥ ብናትካ ቋንቋ ካልእ ትርጉም ከስምዑ ይኽእሉ’ዮም። እቲ ኣገዳሲ ነገር፡ ንስኻ ልክዕ ነቲ ናትካ ስምዒትን፡ ነቲ ዘሕለፍካዮ ተሞኩሮ ንምግላጽን፥ ስለምንታይ ትፈርሕ ምህላውካ ውን፥ ምስኡ ብኸመይ ከም ዝተኣሳሰር ክተብርህ ምኽኣል’ዩ።

እቲ ተርጓማይ ዝብሎ ዘይርድኣካ ምስ ዚህሉ ወይ ውን እቲ ተርጓማይ ምናልባት ነቲ ኵሉ ንስኻ ትዛረቦ ዘሎኻ፥ ብገለልትነት ኣይትርጉሞን’ዩ ዘሎ ኢልካ ምስ ትኣምን፥ ክትዛረብ’ዩ ዘሎካ። ካልእ ክትሓስቦ ዘሎካ ውን፥ እቲ ተርጓማይ፡ ነቶም ብዛዕባ ጾታዊ-ዝምባለ፡ ጾታዊ-መንነት ወይ ጾታዊ-መግለጺ እትጥቀመሎም ፍሉያት ቃላት፥ ብዙሕ ጊዜ ንኸይፈልጦም ይኽእል’ዩ። ስለዚ ድማ፡ እቲ እትጥቀመሉ ቃል፡ ንዓኻ እንታይ ትርጉም ከም ዘሎዎ ክተብርሃሉ ጽቡቕ እዩ።

መንበሪ ቤት

ኣብ መብዛሕትኦም ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” መንበሪ-ቦታታት፥ ኣብ ሓደ ክፍሊ፡ ተመሳሳሊ ጾታ ዘሎዎም፥ ክልተ ወይ ዝበዝሑ ሰባት’ዮም ተላፊኖም ዚቕመጡዎ። ኣብ መስርሕ-ዑቕባ ዚካየደሉ ናይ ትጽቢት ጊዜ ድማ፥ ብምኽንያት ናይ ምጽቕቓጥ ወጥሪ፥ ኣብቲ መንበሪ-ቦታ ግርጭታት ከጋጥም ይኽእል’ዩ።

ብዛዕባ’ቲ ትደልዮ ነገርን ወይ ውን ኣብቲ ትነብረሉ ቦታ ዘይምቕሳን ይስምዓካ ምስ ዚህሉን፥ ኣብ ዝቐልጠፈ ጊዜ ክትነግር ክትክእል ኣገዳሲ እዩ። ነቲ ኣብ መንበሪ-ቦታኻ ዝተፈጥረ ሽግራት ንምፍታሕ ሓገዝ ምስ ዘድልየካ፥ ንዓና ክትነግረና ይግብኣካ። ምስ ሓደ ኣብቲ መቐበል-ስደተኛታት ዘሎ ”ፈጻሚ-ጉዳይ” ወይ ውን ምስቶም ኣብቲ ተመዝጊብካሉ ዘሎኻ መንበሪ-ቦታ ዚሰርሑ ሰራሕተኛታት ከም ትዘራረብ ግበር።

ጥዕና

ኣብ ገለ ከተማታት ዚርከቡ ኣብያተ-ሕክምና፥ ንፍሉያት ናይ ዕላማ-ጉጅለ ሰባት ዚኸውን፡ ንኣብነት ንጾታዊ-ጥዕናን ምኽሪን ዚወሃበሉ መቐበሊ-ቦታ ኣሎዎም’ዩ። ካብዞም ናይ ዕላማ-ጉጅለታት ድማ ንኣብነት፥ ደቂኣንስትዮ፡ መንእሰያት ወይ ውን ”ግብረ-ሶዶማውያን” ሰባት (hbtq-personer) ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ንተወሳኺ ሓበሬታ ነቲ "ፈጻሚ-ጉዳይካ" ምሕታት ይክኣል'ዩ።

ናይ ግብረ-ሰናይ ማሕበራት

ኣብቲ ናይ ጉዳይካ መስርሕ ዚካየደሉ ጊዜ፥ ምኽሪን ሓገዝን ንኽትረክብ፥ ምስ ናይ ግብረ-ሰናይ ማሕበራት ክትራኸብ፡ ኵሉ ጊዜ መሰልካ ዝተሓለወ’ዩ። ብዝይዳ ብዛዕባ’ቲ ዘሎካ መሰላትን ምርጫታትን ፍልጠትን ሓበሬታን ምስ ትእክብ፥ ነቶም ነንበይኖም ኣብ መስርሕ ናይቲ ጉዳይካ ንዘሎዉ ደረጃታት ንኽትሰግሮም፥ ብዝበለጸ ተቐሪብካ ኣሎኻ ማለት’ዩ። እዚ RFSL ዝበሃል ማሕበር፡ ሓደ ናይ ግብረ-ሰናይ ድርጅት ኰይኑ፥ ብዛዕባ መሰላት ”ግብረ-ሰዶማውያን” ሰባት ዚሰርሕ፥ ፍሉይ ሓገዛት ዚገብር፥ ነቶም ዑቕባ-ሓተቲ ግብረ-ሰዶማውያን” (hbtq-personers) ዚኸውን ናይ መራኸቢ ቦታ ዘዳሉን እዩ።

ምስ ተመሳሳሊ-ጾታ ናይ ምውሳብ ዝምባለ ዘሎዎም ማሕበር RFSL ንሓደስቲ መጻእተኛታት (RFSL Newcomers) External link, opens in new window.

RFSL Ungdom, Newcomers youth External link, opens in new window.

Last updated: