ንስኻ ዑቕባ ሓቲትካ፡ ብጊዜ ዝተደረተ መቐመጢ ፍቓድ ረኺብካ፡ ኣብ ምስራሕ እትርከብ ዘሎኻ
Du som har sökt asyl och som har fått ett tidsbegränsat uppehållstillstånd och arbetar – tigrinska
ዑቕባ ንምርካብ ሓቲትካ፡ ብጊዜ ዝተደረተ መቐመጢ ፍቓድ ዝረኸብካ ሰብ፤ ነፍስኻ ባዕልኻ ክትናቢ ትኽእል ምስ ትኸውን፡ ኣብ ገለ ኩነታት ቀዋሚ መቕመጢ ፍቓድ ክወሃበካ ይኽእል እዩ። ቅድሚ እቲ ብጊዜ ዝተደረተ መቐመጢ ፍቓድካ ምውዳቑ፤ ናይ መናውሒ ምልክታ ክተቕርብ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ቀዋሚ ዝዀነ መቐመጢ መታን ክወሃበካ ግን፤ እቲ ስራሕ ሂቡካ ዘሎ ኩባንያ፡ ስራሕ ከም ዝቖጸረካ፡ ናብ ቤትስልጣን ግብሪ (Skatteverket) ከመልክተካ ይግባእ። እቲ ስራሕ ምቝጻርካ ድማ፤ ቅድሚ እቲ ብጊዜ ዝተደረተ ፍቓድካ ምውዳቑ፤ ዝተጀመረ ክኸውን ይግባእ።
- Google+
ዑቕባ ንምርካብ ሓቲትካ፡ ብጊዜ ዝተደረተ ፍቓድ ዝረኸብካ ሰብ፡ ስራሕ ንኽትሰርሕ መሰል ኣሎካ። እዚ ድማ፡ ንዓኻ ብፍሉይ ምኽንያት ወይ ተነቃፊ ኩነታት ወይ ነቲ ካብ ሃገር ናይ ምስጓጕካ ምዕጋቱ ምኽንያት፤ ብጊዜ ዝተደረተ ፍቓድ ተዋሂቡካ ዘሎ ሰብ ውን ዘገልግል እዩ። ቅድሚ እቲ ብጊዜ ዝተደረተ መቐመጢ ፍቓድካ ምውዳቑ፡ ናይ መናውሒ ምልክታ ኣቕሪብካ ዄንካ፤ ክሳብ’ቲ ሚግራሾንስቨርከት ውሳኔ ዚህበካ ጊዜ፤ ስራሕ ምስራሕካ ክትቅጽል መሰል ኣሎካ። ንኹሉ ነቲ ጠለባት ዘማላእካ ኴንካ ምስ ትርከብ፤ ቀዋሚ ዝዀነ ፍቓድ ክወሃበካ እዩ።
እቲ ቆጺሩካ ዘሎ ኩባንያ፡ ናብ ቤትስልጣን ግብሪ (Skatteverket) ከመልክት ይግብኦ
ንስኻ ስራሕ ክትጅምር ከሎኻ፡ እቲ ቆጺሩካ ዘሎ ኩባንያ፡ ናብ ቤት ስልጣን ግብሪ (Skatteverket) ከመልክት ይግብኦ። ነዚ ምልክታ’ዚ ድማ፡ እቲ ቆጺሩካ ዘሎ ኩባንያ፡ ስምካን፡ ኣድራሻኻን ዝተቖጸርካሉ ጊዜን ዘሎዎ፡ ሓደ ቅጥዒ ብምምላእ ይገብሮ። ንስኻ ቀዋሚ ዝዀነ መቐመጢ ፍቓድ ንኽወሃበካ፤ ቅድሚ እቲ ብጊዜ ዝተደረተ መቐመጢ ፍቓድካ ምውዳቑ፡ ስራሕ ምስራሕ ዝጀመርካ ክትከውን ይግብኣካ። ከምኡ ውን፡ እቲ ብጊዜ ዝተደረተ መቐመጢ ፍቓድካ ቅድሚ ምውዳቑ፤ እቲ ቆጺሩካ ዘሎ ኩባንያ፡ ስራሕ ቆጺሩካ ከም ዘሎ፡ ናብ ቤትስልጣን ግብሪ ዘመልከተካ ክትከውን ይግባእ።
እቲ ስራሕ ቆጺሩካ ዘሎ ኩባንያ፡ ስራሕ ቆጺሩካ ከም ዘሎ ንምምልካት፡ ነዚ ዚስዕብ ”Underrättelse – Anställning av utlänning SKV 1160” ዝተባህለ ቅጥዒ (ኦርኒክ) መሊኡ፤ ናብ ቤት ስልጣን ግብሪ ከቕርብ ይግባእ።
እቲ ዚምላእ ቅጥዒን ካልእ ተወሳኺ ሓበሬታን፡ ኣብቲ ናይ ቤትስልጣን ግብሪ ኣድራሻ ኢንተርነት ኣቲኻ ርኸቦ (ብቛንቋ ሽወደን ጥራይ ዝተጻሕፈ)
መቐመጢ ፍቓድ ንኽክትረክብ ምልክታ ዝቐረበልካ ክትከውን የድሊ
እቲ ስራሕ ዝቖጸረካ ኩባንያ፡ ስራሕ ከም ዝቖጸራ ናብ ቤትስልጣን ግብሪ (Skatteverket) ኣብ ጊዚኡ ምልክታ ምስ ዘየቕርብ ግን፡ ሚግራሾንስቨርከት ቀዋሚ መቐመጢ ፍቓድ ኣይክህበካን እዩ። ዋላኳ ነቶም ፍቓድ ከውህቡኻ ዚኽእሉ ካልኦት ጠለባት ዘማላእካ ኩን።
ቀዋሚ ምቐመጢ ፍቓድ ንምርካብ ክማልኡ ዘሎዎም ጠለባት
ቀዋሚ መቐመጢ ፍቓድ ንምርካብ ዕድል ዘውህቡኻ ጠለባት እዞም ዚስዕቡ እዮም፡-
- ብመሰረት እቲ ጊዚያዊ ሕጊ፡ ብጊዜ ዝተደረተ መቕመጢ ፍቓድ ዘሎካ ሰብ ምስ ትኸውን
- ነፍስኻ ባዕልኻ ንምንባይ፡ እኹል ዝዀነ ናይ ገንዘብ እቶት ምስ ዚህልወካ (ካብ ዝተፈላለዩ ኩባንያታት ዝረኸብካዮ እቶታት ወይ ካብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኩባንያ ዝረኸብካዮ እቶታት ክትድምሮ ትኽእል ኢኻ)
- እቲ ናይ ስራሕ መቝጸርቲ ውዕልካ፤ እንተ ተሓተ ብደረጃ ናይቲ ሽወደናዊ ሓባራዊ ስምምዕ (svenska kollektivavtal) ዝተገብረ ወይ ምስቲ ጨንፈር-ስራሕ ወይ ሞያ ዝጥቀመሉ ኣወሃህባ ደሞዝ ዝመጣጠን ምስ ዚኸውን እዩ። ኣብቲ ናይ ስራሕ መቕጸርቲ ጠለብ፡ ብጀካ እቲ ዚኽፈልካ ደሞዝ፡ እቲ ናይ ውሕስነታትካ ኩነታት ውን ኣብኡ እትዊ እዩ
- ንስኻ ቀዋሚ ስራሕ ዘሎካ ወይ ብውሑዱ ናይ ክልተ ዓመት ናይ ስራሕ ምቝጻር ስምምዕ ዘሎካ ክትከውን የድሊ
- እቲ ስራሕ ቆጺሩካ ዘሎ ኩባንያ፡ እንተ ደንጐየ ኣብታ ብጊዜ ዝተደረተ ፍቓድካ እትወድቀላ ዕለት፤ ስራሕ ቆጺሩካ ከም ዘሎ፡ ናብ ቤት ስልጣን ግብሪ (Skatteverket) ዘመልከተካ ምስ ዚኸውን
- እቲ ትሰርሓሉ ሞያ ዝጠልቦ ምስ ዚኸውን፤ ነቲ ስራሕ’ቲ ንምስራሕ፡ ፍሉይ ሊቸንሳ ወይ ምስክር ወረቐት ወይ ፍቓድ ከም ዘሎካ ክተርኢ የድሊ
- ዕድሜኻ ትሕቲ 25 ዓመት ምስ ዚኸውን፤ ነቲ ዝጀመርካዮ ናይ ጂምናስዩም ትምህርትኻ ከም ዘማላእካ ወይ ውን ኣብ ወጻኢ ሃገር ምስኡ ዝመጣጠን ደረጃ ትምህርቲ ከም ዘሎካ ክተርኢ የድሊ
- እቲ ዝተቖጸርካሉ ስራሕ፡ ብናይ መንግስቲ ሓገዝ ገንዘብ ዝተደጐመ ክኸውን የብሉን። ንኣብነት ከም ”መጀመሪ-ስራሕ” (instegsjobb) ክኸውን የብሉን።
ናይ ገዛእ ርእስኻ ኩባንያ ተካይድ ምስ ትኸውን
ናይ ገዛእ ርእስኻ ኩባንያ ምስ ዝህልወካ፡ ነታ ኩባንያኻ ክተመሓድረሉ እትኽእልን፡ እንተ ወሓደ ንኽልተ ዓመት ነፍስኻ ክትናብየሉ እትኽእል፡ እኹል ገንዘብ ከም ዘሎካ ክተርኢ ይግባእ።
ቅድሚ መቐመጢ ፍቓድካ ምውዳቑ ምልክታ ኣቕርብ
ቅድሚ’ቲ ብጊዜ ዝተደረተ መቐመጢ ፍቓድካ ምውዳቑ ናይ መናውሒ ምልክታ ክተቕርብ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ካብ ሰለስተ ወርሒ ዝነውሐ ጊዜ ኣቐዲምካ ምልክታ ምቕራብ ግን ኣየድልየካን እዩ። እቲ ብጊዜ ዝተደረተ መቐመጢ ፍቓድካ ቅድሚ ምውዳቑ፤ ናይ መናውሒ ምልክታ ምስ ዘይተቕርብ ግን፤ ኣብቲ ውሳኔ ክሳዕ ዝመጸካ እትጽበየሉ ጊዜ፡ ስራሕ ክትሰርሕ መሰል የብልካን። ካብቶም ዝወሃቡኻ ካልኦት ረብሓታት ውን፡ ክትክልከል እትኽእለሉ ኩነታት ኣሎ። ንኣብነት፡ ናይ እግሪ መትከሊ ሓገዝ ክትክልከል፡ ናይ ትምህርቲ ሓገዝ ገንዘብ ክትክልከል፡ ናይ ወላዲነት ገንዘብ ምኽልካል ክኸውን ይኽእል እዩ።
ሚግራሾንስቨርከት እንተ ቐልጠፈ፡ ሓደ መዓልቲ ብድሕሪቲ ብጊዜ ዝተደረተ መቐመጢ ፍቓድካ ምውዳቑ፤ ናይ ቀዋሚ ፍቓድ ውሳኔ ክህብ ይኽእል እዩ።
እንተ ደኣ ንስኻ፡ ብምኽንያት ኩነታት ስራሕ ወይ ምውናን ኩባንያ፡ ነቶም ቀዋሚ ፍቓድ ንምርካብ ዘድልዩ ጠለባት ዘይተማልኦም ኴንካ፤ ገና ውን ዑቕባ ዘድልየካ ሰብ ኴንካ ምስ ትርከብ፤ እቲ ብጊዜ ዝተደረተ መቐመጢ ፍቓድካ ክናውሓልካ ይኽእል እዩ።
ኣብዚ ኣቲኻ፡ ብምኽንያት ናይ ዑቕባ ኣድላይነት፡ ፍቓድካ ንኽናውሓልካ ብኸመይ ምልክታ ክተቕርብ ከም ትኽእል፡ ብዝበለጸ ኣንብብ