ኣብ ምጽባይ ከሎኻ
Medan du väntar – tigrinska
እዚ ሓበሬታዚ ነቶም ኣብ ሽወደን ዕቝባ ሓቲቶም ከለዉ ግን ጌና መልሲ ዘይመጾም ሰባት ይምልከት
- አማርኛ (amhariska)
- العربية (arabiska)
- Azərbaycanca (azerbajdzjanska)
- ب ه سۆرانی (sorani)
- English (engelska)
- Español (spanska)
- پارسی (persiska)
- Français (franska)
- Bosanski, hrvatski, srpski (kroatiska)
- Հայերեն (armeniska)
- Kurmancî (kurmandji)
- Монгол хэл (mongoliska)
- يه دری (dari)
- پښتو (pashto)
- Arlijan (romani arli)
- Русский (ryska)
- Af soomaali (somaliska)
- Shqip (albanska)
- Swedish (svenska)
- Oʻzbek (uzbekiska)
ኣብዚ ብዛዕባ ናይ ዕቝባ ሕቶ ምስ ኣቕረብካ እንታይ ከም ዚካየድን ብዛዕባ ከም ስደተኛ ኣብ ስራሕን ትምህርትን መንበሪ ቤትን ክንክንን ጥዕናን ገንዘባዊ ሓገዝን ዚህልወካ መሰላትን ከተንብብ ትኽእል።
ነቲ ንዑቕባኻ ዚግበረልካ ምርመራ ምጽባይ
ናብቲ ብዛዕባ ዑቕባኻ ዚግበረልካ ምርመራ ክሳዕ ትመጽእ፤ ነዊሕ ጊዜ ክወስድ ይኽእል እዩ። ሽዑ ድማ ስለምንታይ ናብ ሽወደን ዑቕባ ክትሓትት ከም ዝመጻእካ፡ እንታይ ከም ዘጋጠመካ፡ ናብ ሃገርካ እንተ ተመለስካኸ እንታይ ከጋጥመኒ ይኽእል ኢልካ ከም ትኣምን፡ ኣስፊሕካ ክተዘንቱ ኢኻ። እቲ ናይ ምጽባይ ጊዜ፡ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክፈላለ ይኽእል እዩ።
ቅድሚ እቲ ውሳኔ ምቕባልካ፡ ናብ ብዙሕ ርክባት መጸዋዕታ ክልኣኸልካ እዩ። ስለዚ ድማ፡ ናብቲ ምግራሾንስቨርከት ዝገበረልካ ቆጸራታት፡ ናብኡ ከም ትርከብ ግበር ኢኻ። ሓድሽ ቆጸራ ክንገብር፡ ናይ ጊዜ ሕጽረት ስለ ዘሎና፤ ካልኣይ ጊዜ ቆጸራ ክንገብረልካ እንተ ደኣ ተገዲድና፡ ነቲ ናይ ዑቕባኻ ውሳኔ ዝወስዶ ጊዜ፡ ንቕድሚት ክመጦ ይኽእል እዩ።
ኣድራሻኻ ሓብረና
እንተደኣ ግዒዝካ፡ ኣብቲ ናይ ምርመራኻ ጊዜ ምስ በጽሐ ወይ ንኻልእ ቆጸራታት ክንረኽበካ መታን ክንክእል፤ እቲ ሓድሽ ኣድራሻኻ ንሚግራሾንስቨርከት ክትሕብረና ይግባእ። ካብ ሚግራሾንስቨርከት ዝመጸካ ሓበሬታ መታን ከየምልጠካ ድማ፤ ነቲ ኢ-መይልካ ብቐጻሊ ኣንብቦ።
ንኣኻ ከም ሓታቲ ዕቝባ ኪሕግዙኻ ዚኽእሉ ውድባት
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል Amnesty International
ናይ ሰደተኛታትን ናይ ዕቝባ ኮሚተን ቤትምኽሪ Flyktinggruppernas och asylkommittéernas riksråd
ናይ ሓተትቲ ዕቝባን ስደተኛታትን ቤትጽሕፈት ወሃብ ምኽሪ Rådgivningsbyrån för asylsökande och flyktingar
ሽወደናዊት ቤትክርስትያን Svenska kyrkan
ሓበሬታ ብዛዕባ ሕብረተሰብ ሃገረ-ሽወደን ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ኣብ መኽፈት ንሓደስቲመጻእተኛታት ክርከብ ይከኣል።