ኣኮመዴሽን

Boende – tigrinska

ናይ ዕቑባ ሕቶኻ ውሳነ ክሳዕ ዝረክብ ኣብ እትጽበየሉ እዋን ገዛ ዘይብልካ እንተኾይኑ እቲ ትካል ስደተኛታት (Migrationsverket) ክተሓባበረካ ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ ናይ ባዕልኻ ኣኮመዴሽን እውን ከተዳልው ትኽእል ኢኻ፣ ንኣብት ምስ ኣዝማድካ ወይ ኣዕርኽትኻ ክትቅመጥ ትኽእል። “ ናይ ባዕልኻ አኮመዴሽን ባዕልኻ ከተመቻቹ እንተደሊኻ፣ እቲ ትካል ስደተኛታት መታን ክረኽበካ ናይ ግድን ኣድራሻኻ ክትህብ ኣለካ።

ብትካል ስደተኛታት ዝኸርብ ገዛ

እቲ ትካል ስደተኛታት ንስኻ ውሳነ ኣብ እትጽበየሉ እዋን ግዝያዊ ገዛ ክህበካ እዩ። ፈጺምካ ገንዘብ ዘይብልካ እንተኾንካ እቲ ትካል ስደተኛታት ነቲ ገዛ ዘድልየካ ክፍሊት ክሽፍነልካ እዩ።.

መንበሪ ኣብ ዝተረኸበሉ ቦታ ክትነብር ናይ ግድን እዩ

እቲ ትካል ስደተኛታት ገዛ ክረኽበልካ ትደሊ እንተኾንካ፣ ቦታ ምምራጽ የለን፣ ናብ ዝወሰደካ ኬድካ ኢኻ ትነብር። ብተወሳኺ ውሳነ ኣብ እትጽበየሉ እዋን ንኻልኦት ሓተትቲ ዕቑባ ቦታ ንምልቃቕ ናብ ካልእ ሓድሽ ገዛ ክትቅይር ክትግደድ ትኽእል ኢኻ።

እትነብረሉ ክፍሊ ንኻልእ ከተካፍል ክትግደድ ትኽእል ኢኻ

እቶም ናይ ትካል ስደተኛታት ገዛውቲ ንሓተትቲ ዕቑባ ጥራይ እዮም። ኣብ ሓደ ገዛ መንበሪ እንተተዋሂቡካ፣ እዚ ቦታ ንባዕልኻ ጥራይ ኢኻ ክትጥቀመሉ ዘለካ። እቲ ዝወሃበካ ገዛ መብዛሕትኡ ግዜ ምስካልኦት ሰባት እትማቐሎ ኣፓርትመንት እዩ። ስድራቤታት ኩሉግዜ ናይ በይኖም ክፍሊ እዩ ዝወወሃቦም። ንበይንኻ ትነብር ሰብ እንተኾንካ ግን ንካልኦት ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም ሰባት ከተካፍል ክትግደድ ትኽእል።

ፍሉይ ዝዓይነቱ ገዛ ክትወሃብ ዝምልከተካ እንተኾይኑ ብኽብረትካ ምስ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ተዘራረብ። እቲ ትካል ስደተኛታት ኩሎም ሰባት ኣብ ዝነብሩሉ ቦታ ውሑስ ኩነታት ከረጋግጽ ናይ ግድን እዩ። ሃይማኖት፣ ባህሊ ወይድማ ጾታዊ ባህሪ ብዝምልከት ኩሎም ሰባት ነንባዕሎም ብምክብባርን ብምትሕልላይን ክነብሩ ኣለዎም።

LGBT እንተኾንካሞ ምስ ኣኮመዴሽን ብዝተተሓሓዘ ፍሉያት ጠለባት እንተለዉኻ ምስ ናይ ማእከል ምቕባል ጋሻ ሓላፊኻ ተዘራረብ። ንዓኻ ውሑስ ዝኾነን ድሌትካ ዘማልእን ገዛ ንኽንረኽበልካ ዝኸኣልናዮ ኩሉ ክንገብር ኢና።

ገዛ ናይ ምርካብ መሰልካ ዘብቃዓሉ ግዜ

ክትስጎግ ወይድማ ክትጥረዝ እንተተበይኑልካሞ እቲ ውሳነ ኣብ ግብሪ እንተውዒሉ ወይድማ ብድሌትካ ካብዛ ሃገር እትለቀሉ ግዜ እንድሕር ሓሊፉ ናይ ግድን ካብቲ ዘለኻዮ ገዛ ክትለቅቕ ኣለካ። ንስኻ ብሓላፍነት እትሕብሕቦም ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ እንተሃልዮምኻ እዚ ኣብ ልዕለኻ ተፈጻሚ ኣይኸውንን።

ናይ ባዕልኻ ገዛ

ትካል ስደተኛታት ኣብ ዘቕርበልካ ገዛ ክትነብር ዘይትደሊ እንተኾንካ፣ ናይ ባዕልኻ ኣኮመዴሽን ክትእልሽ ትኽእል ኢኻ። ብዙሓት ሰባት ናይ ዕቑባ ሕቶኦም ውሳነ ክሳዕ ዝረክብ ምስ ኣዕርኽቶም ወይድማ ምስ ኣዝማዶም ክጸንሑ ይመርጹ። ናይ ባዕልኻ ኣኮመዴሽን ከተመቻቹ እንተመሪጽካመ፣ ነዚ ዘድሊ ወጻኢታት ባዕልኻ ኢኻ ትሽፍኖ።

ብዝኾነ ምኽንያት ኣብቲ ናይ ባዕልኻ ኣኮመዴሽን ክትቅጽል እንተዘይክኢልካ፣ ክፍቲ ቦታ እንተሃልዩ ናብ ናይ ትካል ስደተኛታት ገዛ ክትቅይር ትኽእል ኢኻ። ብኽብረትካ ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብቲ ዝተመዝገብካሉ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ተወከስ።

ትካል ስደተኛታት ኣብ ዝሃበካ ገዛ ዲኻ ትነብርዋላስ ባዕልኻ ኣብ ዝመረጽካዮ ቦታ ብዘየገድስ ምስቲ ትካል ስደተኛታት ዘለካ ርክብ ክቋረጽ የብሉን። ኣብቲ እትጽበየሉ እዋን ቦታ እንተቐይርካ ሓድሽ ኣድራሻኻ ንማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ከተፍልጥ ኣለካ።

ኣብዚ ክትነብር እንተተፈቒዱልካ

ትካል ስደተኛታት ኣብ ዝሃበካ ገዛ ትነብር እንተሃሊኻ፣ ናይ መንበሪ ፍቓድ ኣብ እትረኽበሉ እዋን ሓድሽ ገዛ ብዛዕባ እትረኽበሉ መንገዲ ካብ ወይድማ ካብቲ ትካል ስደተኛታት ደገፍ ክትረክብ ኢኻ። ትካል ስደተኛታት ሓድሽ ገዛ ክሳዕ ዝረኽቡልካ ኣብቲ ትካል ስደተኛታት ዝሃበካ ገዛ ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ናይ ባዕልኻ ኣኮመዴሽን ትነብር እንተሊኻ ወይድማ ብምኽንያት ስራሕ መንበሪ ፍቓድ እንተረኺብካ፣ ባዕልኻ ኢኻ ሓድሽ ገዛ ክትእልሽ ዘለካ።

መንበሪ ፍቓድ ክዋሃበካ እንከሎ ብዛዕባ ዝግበሩ ነገራት ተወሳኺ ኣንብብ

ደረት ግዜ ዘለዎ መንበሪ ፍቓድ ክወሃበካ እንከሎ ብዛዕባ ዝግበሩ ነገራት ተወሳኺ ኣንብብ

Last updated: 24 August 2017

Was the information on this page helpful to you?

Thank you for helping us improve our website!

Thank you for helping us improve our website!

Tell us how we can make this page better*






If you wish to ask the Migration Agency a question you can find our contact details under the heading Contact us.