ናይ መግየሺ ፓስፖርት

Resedokument – tigrinska

ናይ መግየሺ ፓስፖርት ንምርካብ ብመሰረት ናይ 1951 ውዕል ጀነቫ ከም ስደተኛ ክትፍለጥ ወይ ድማ ሃገር ዘይብልካን ነቲ ናይ ኒውዮርክ ናይ 1954 ውዕል ዘማላእካ ክትከውን ይግባእ።

መጠየቕታ ብዛዕባ ናይ መግየሺ ፓስፖርት

ናይ መግየሺ ፓስፖርት ንምጥያቕ ኣብቲ መጠየቕታ ዚብል ፎርም ቍ.108021 ክትመልእን ናብ ሓደ ናይቲ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ናይ ፈቓድ ኣሃዱ ድማ ከተቅርቦ ይግባእ። ቅድሚ ንመጠየቕታኻ ንምቕራብ ነቲ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ምብጻሕካ ቆጸራ ሓዝ። ንነፍስወከፍ መጠየቕታ ከቕርብ ዚደሊ ሰብ ቆጸራ ሓዘሉ: ነፍስወከፍ ሰብ ድማ ነናቱ ፎርም ኪመልእ ይግባእ።  

መጠየቕታ ናይ መግየሺ ፓስፖርት ቍ. 108021 (ብቛንቋ ሽወደን)PDF

መጠየቕታ ናይ መግየሺ ፓስፖርት ቍ. 109021 (ብቛንቋ እንግሊዝ)PDF

ንመግየሺ ፓስፖርት ንምሕታት ከመይ ከም ዚግበር ብተወሳኺ ኣንብብ።

ነቲ መጠየቕታኻ ንምቕራብ በዚ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻዚ ጌርካ ቆጸራ ሓዝ፤ www.migrationsverket.se/book-appointment

ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት

ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት ባዕላቶም ናይ መግየሺ ፓስፖርት ኪሓቱ ኣይፍቀደሎምን። ዘዕብዩዎም ወይ ኣለይቶም እዮም ዚጥይቅሎም።

ክልተ ኣለይቲ ምስ ዚህሉዉ: ክልቲኣቶም እዮም ነቲ ናይቲ ህጻን መጠየቕታ ፎርም ብምፍራም ፍቓዶም ዚገልጹ። ወላውን ሓደ ካብቶም ኣለይቲ ነቲ መጠየቕታ ሒዙ ናብ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ይኺድ: እቲ ካልኣይ ግን ነቲ ፎርም ኣቐዲሙ ኪፍርሞ ይግባእ። እቲ ፊርማ ወይ ክታም ኣብ ቅድሚ ሓደ ሳልሳይ ምስክር ኪግበር ይግባእ። 

ወለዱ ኣብ ሃገር ሽወደንዘየለዉ ህጻን እቲ መጠየቕታ ናብ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ኪቕርብ ከሎ: እቲ ኣላዪኡ ምስኡ ኪህሉ ይግባእ። 

ክፍሊት

ናይ መግየሺ ፓስፖርት ንምሕታት ክፍሊት የብሉን: ግን ነቲ ፓስፖርት ክትወስዶ ከሎኻ ትኸፍል ኢኻ። ናይ መግየሺ ፓስፖርትኻ ንምውሳድ ናብ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ክትመጽእ ከሎኻ ብካርድ ክትከፍል ትኽእል ኢኻ።

ናይ መግየሺ ፓስፖርት ክፍሊት

ምስላጥ ጉዳይ ዚወስዶ ግዜ

ኣብዚ እዋንዚ ናይቲ ናይ ምስላጥ ግዜ ንውሒ ንምፍላጥ ኣብቲ ናይ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት መርበብ ሓበሬታ ኣንብብ። እቲ ኣሳላጢ: ዝያዳ ሓበሬታ ምስ ዚሓተካ: ብኣኡ መጠን እቲ ናይ ውሳነ ግዜ ኪናዋሕ ይኽእል እዩ። 

እቲ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ነቲ ጉዳይካ ምስ ኣስለጦ: ነቲ ውሳነ ብፖስታ ጌርና ናብ ገዛኻ ክንልእከልካ ኢና።

ብዛዕባ ናይ መግየሺ ፓስፖርት ንምስላጥ ክንደይ ከም ዚወስድ ብተወሳኺ ኣንብብ።

በቲ ናይ  መግየሺ ፓስፖርት ጌርካ ምግያሽ

ናይ መግየሺ ፓስፖርት ነቲ ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ጠለብ ዘማልእ ብምዃኑ: ናብ ኩሉ ሃገራት ክትገሸሉ ትኽእል። ብመሰረት ውዕል ጀነቫ 1951 ደላይ ዕቝባ ምስ እትኸውን ኣብቲ ፓስፖርትኻ ናብ ዓድኻ ወይ ናብቲ እተሰጎግካሉ ሃገር ክትገይሽ ከም ዘይብልካ ተጻሒፉ ኣሎ።

ነቲ መንነትካ ከተጠናኽሮ እንተ ዘይክኢልካ: ኣብቲ ናይ መግየሺ ፓስፖርትኻ መንነትካ ከም ዘይተረጋገጸ ተጻሒፉ ኣሎ: ስለዚ ናብ ገለ ሃገራት ንምጋሽ ጸገም ኪህልወካ እዩ።

ናብ ገሊኡ ሃገራት ንምግያሽ ቪዛ ከድልየካ እዩ: ስለዚ ቅድሚ ምግያሽካ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ነቲ ናይቲ ዚምልከቶ ሃገር ኤምባሲ ተወከሶ።

ፓስፖርትኻ ዘገልግለሉ ግዜ

ናይ መግየሺ ፓስፖርት ከምቲ ልሙድ ንሓሙሽተ ዓመታት እዩ ዘገልግል: ኪናዋሕ ድማ ኣይክእልን። እቲ ናይ መግየሺ ፓስፖርትኻ ምስ ወደቐ ካልእ ምስ እትደሊ: ከም ብሓድሽ መጠየቕታ ከተቕርብ ይግባኣካ። 

ሓድሽ ናይ መግየሺ ፓስፖርት ምስ እትሓትት: ከም ብሓድሽ ክትሰኣልን ናይ ኣጻብዕካ ኣሸራ ክትህብን ይግባእ: ምኽንያቱ ድማ እቲ ስእልኻን ናይ ኣጻብዕካ ኣሸራን ኣብ ኮምፕዩተርን ኣብቲ ናይ መግየሺ ፓስፖርትኻ  ዘሎ ናይ ኮምፕዩተር ቺፕ ደኣ እምበር ኣብቲ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ስለ ዘይተዓቀበ እዩ።

መጠየቕታኻ ምስ ዚንጸግ

እቲ ንናይ  መግየሺ ፓስፖርትኻ ዚምልከት መጠየቕታኻ ብቤትጽሕፈት ስደተኛታት ናይ ምንጻግ ውሳነ ምስ ዚወሃቦ: ይግባይ ክትብል ትኽእል።

ነቲ ናይ ምንጻግ ውሳነ ምስ ተቐበልካ እንተ ደንጎየ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ይግባይካ ናብ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ከም ዚቐርብ ግበር።

Last updated: 6 November 2018

Was the information on this page helpful to you?

Thank you for helping us improve our website!

Thank you for helping us improve our website!

Tell us how we can make this page better*






If you wish to ask the Migration Agency a question you can find our contact details under the heading Contact us.