ናይ መግየሺ ፓስፖርት ብኸምዚ ዚስዕብ ትሓትት

Så ansöker du om resedokument – tigrinska

1

ነቲመጠየቕታምልኣዮ

ብዛዕባ ናይ  መግየሺ ፓስፖርት ክትሓትት ከሎኻ ነቲ ፎርም ናይ መግየሺ ፓስፖርት መጠየቕታ ቍ. 108021 ምልኣዮ: ብድሕርዚ ኣብ ሓደ ናይቲ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ናይ ፍቓድ ኣሃዱ ብኣካል ኬድካ ኣቕርቦ።

 ናይ መግየሺ ፓስፖርት ዚደሊ ህጻን ምስ ዚህልወካ: ናይቲ ህጻን ፍሉይ መጠየቕታ ኣቕርብ። ትሕቲ 18 ዝዕድመኡ ህጻን ናይ መግየሺ ፓስፖርት ባዕሉ ኪጥይቕ ኣይክእልን። ወለዱ ወይ ናበይቱ እዮም ናብቲ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ብኣካል ከይዶም ዚሓቱሉ።

ክልተ ኣለይቲ ምስ ዚህሉዉ: ክልቲኣቶም እዮም ነቲ ናይቲ ህጻን መጠየቕታ ፎርም ብምፍራም ፍቓዶም ዚገልጹ። ወላውን ሓደ ካብቶም ኣለይቲ ነቲ መጠየቕታ ሒዙ ናብ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ይኺድ: እቲ ካልኣይ ግን ነቲ ፎርም ኣቐዲሙ ኪፍርሞ ይግባእ። እቲ ፊርማ ወይ ክታም ኣብ ቅድሚ ሓደ ሳልሳይ ምስክር ኪግበር ይግባእ። 

መጠየቕታ ናይ መግየሺ ፓስፖርት ቍ. 108021 (ብቛንቋ ሽወደን)PDF

መጠየቕታ ናይ መግየሺ ፓስፖርት ቍ. 109021 (ብቛንቋ እንግሊዝ)PDF

2

ነቲ መጠየቕታኻ ንምቕራብ ቆጸራ ሓዝ

መጠየቕታኻ ንምቕራብ ናብ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ቅድሚ ምኻድካ ኣቐዲምካ ቆጸራ ክትገብር ይግባእ። ንመግየሺ ፓስፖርት ዝጥይቑ ዘበሉ ኩሎም ምሳኻ ኪህሉዎ ከም ዘለዎም ኣይትረስዕ:ወላ ህጻናት። ነፍስወከፍ መጠየቕታ ዘቕርብ ሰብ ናቱ ቆጸራ ኪህሉዎ ይግባእ። ንኹሉ ነናቱ ቆጸራ ክትሕዘሉ ይግባእ። 

ነቲ መጠየቕታኻ ንምቕራብ በዚ ዚስዕብ ጌርካ ቆጸራ ሓዝ፤ www.migrationsverket.se/book-appointment

3

ናብቲ ቤትጽሕፈት ስደተኛታ ኪድ

መጠየቕታኻ ከተቕርብ ከሎኻ ነዚ ዚስዕብ ምሳኻ ተማላእ:

  • ናይ መጠየቕታ ፎርም: ዝመልአን እተፈረመን (ሓንቲ ፎርም ንሓደ ሰብ)። ናይ መግየሺ ፓስፖርት ንህጻን መጠየቕታ ኪቐርበሉ ከሎ ክልቲኦም ኣለይቲ  ኪፍርሙ ይግባእ
  • ነቲ መንነትካ ዘጠናኽር ናይ ሃገርካ ፓስፖርት ወይ ካልእ ሰነድ (ካልእ ፓስፖርት ምስ ዘይህልወካ) ንኣብነት ወረቐት መንነት: ናይ ልደት ምስክር: ወይ ናይ ውትህድርና ካርድ ኪኸውን ይኽእል።
  • ናይ መግየሺ ፓስፖርኻ ከም ዘጥፋእካዮ ዚምስክር ቅዳሕ ናይ ፖሊስ ሪፖርት (ኣረጊት ናይ መግየሺ ፓስፖርት ኣጥፊእካ ሓድሽ ምስ እትሓትት)።

ናይ ሃገርካ ፓስፖርት ወይ ናይ ቅድም መግየሺ ፓስፖርትምስ ዚህልወካ ናብ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ከተረክቦ ይግባእ። ሓደሓደ ግዜ እቲ ኣሳላጢ ጉዳይካ ቅዳሕ ናይቲ ፓስፖርትኻ ምስ መጠየቕታኻ ይቕበል እዩ። ግን ከኣ እቲ ጉዳይካ ኪሳለጥ ከሎን ወይ ነቲ ሓድሽ ፓስፖርትኻ ክትወስዶ ከሎኻ: ነቲ ኦሪጂናል ከተረክቦ ትግደድ ኢኻ። 

መጠየቕታ ከተቕርብ ከሎኻ: እቲ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ኪስእለካን ናይ ኣጻብዕካ ኣሻራ ኪወስድን እዩ። ስእልኻን ኣሸራኻን ከምኡውን ንኣኻ ዚምልከት ሓበሬታን ኣብ ኮምፕዩተር ኪኣቱ እዩ። እቲ ሓበሬታ ኣብቲ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ዘይኮነስ ኣብቲ ናይቲ ካርድ ቺፕ እዩ ዚዕቆር። ትሕቲ 6 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት: ናይ ኣጻብዕ ኣሸራ ምሃብ ኣየድልዮምን።

ናይ ሃገርካ ፓስፖርት ወይ ካልእ ከም ፓስፖርት ዘገልግል ሰነድ ንምቕራብ ተኽእሎ እንተ ኣሎካ ክትሕተት ኢኻ። ስለዚ ነቲ ናይ መጠየቕታ ፎርምኻ ንምቕራብ ናብ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ምስ ከድካ ናይ ሕቶ ፎርም ክትወሃብ ኢኻ

4

እቲ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ነቲ ጉዳይ ይከታተሎ

ኣብቲ ናይ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት መርበብ ሓበሬታ ኣብዚ እዋንዚ እቲ ምስላጥ ጉዳይ ክንደይ ግዜ ከም ዚወስድ ከተንብብ ትኽእል። እቲ ኣሳላጢ ጉዳይ ተወሳኺ ሓበሬታ ምስ ዚሓተካ ግን:  እቲ ግዜ ብኣኡ መጠን ኪናዋሕ ይኽእል እዩ። መታን ተወሳኺ ሰነዳት ከይትሕተት: ኩሉ ሰነዳትካ ምሳኻ ከም ዘሎ ኣረጋግጽ።

ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ብዛዕባ ናይ መግየሺ ፓስፖርትኻ ብዚምልከት ነቲ መጠየቕታኻ ኪመምዮ ኸሎ: ካብ ናይ ፖሊስ ክፍሊ ወንጀልን ጥርጠራን ሓበሬታ ይለኣኾ እዩ።

ጉዳይ  መግየሺ ፓስፖርት ንምስላጥ ዚወስዶ ግዜ

5

ውሳነ ምርካብ

እቲ ውሳነ  ብፖስጣ ናብ ገዛኻ ኪለኣኽ እዩ። እቲ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት መግየሺ ፓስፖርት ክትወሃብ መሰል ከም ዘሎካ ምስ ወሰነ እሞ እቲ መግየሺ ፓስፖርት ድሉው ምስ ዚኸውን ንኽትወሶ ክንነግረካ ኢና። ካብቲ ውሳነ ዚወሃበሉ ግዜ ክሳዕ ነቲ ፓስፖርትኻ ካብቲ መጠየቕታ ዘቕረብካሉ ናይ ፍቓድ ኣሃዱ እትወስዶ 14 መዓልታት ይወስድ።

እቲ ንናይ መግየሺ ፓስፖርትኻ  ዚምልከት መጠየቕታኻ ብቤትጽሕፈት ስደተኛታት ናይ ምንጻግ ውሳነ ምስ

6

ፓስፖርትኻ ንምውሳድ ቆጸራ ሓዝ

ንስኻ ማለት መግየሺ ፓስፖርት እትወስድ ዘሎኻ ሰብ: ቅድሚ ናብ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ምኻድካ: ኣቐዲምካ ቆጸራ ሓዝ። ንኹሉ መግየሺ ፓስፖርት ዚወስድ ሰብ ቆጸራ ንምሓዝ ኣይትረስዕ። ንደቅኻ ፓስፖርት ተውጻኣሎም እንተ ኾንካ: ንነፍስወከፍ መግየሺ ፓስፖርት ቆጸራ ሓዘሉ።

7

መግየሺ ፓስፖርትኻ ካብ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ውሰዶ

ነቲ መግየሺ ፓስፖርት ብኣካል መጺእካ ኢኻ እትወስዶ። ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት እቲ ወላዲ ወይ ኣላዪ መጺኡ ኪወስዶ ይኽእል። እቲ ህጻን ኪመጽእ ኣየድልን።

እቲ ነቲ ህጻን ዘዕቢ ሰብ ኣብቲ ናብ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ዚቐርብ መጠየቕታ ኣመልኪቱ እንተ ጸንሐ ግን: እቲ ልዕሊ 15 ዓመት ዝዕድመኡ ህጻን ነቲ ፓስፖርት ባዕሉ መጺኡ ኪወስዶ ይኽእል እዩ።

መግየሺ ፓስፖርትኻ ንምውሳድ ክፍሊት ኣለዎ። ነቲ ክፍሊት ኣብቲ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ምስ መጻእካ ኣብቲ ናይ ፍቓድ ኣሃዱ ኬድካ ብካርድ ኢኻ እትኸፍሎ።

ክፍሊት መግየሺ ፓስፖርት

Last updated: 5 April 2017

Was the information on this page helpful to you?

Thank you for helping us improve our website!

Thank you for helping us improve our website!

Tell us how we can make this page better*






If you wish to ask the Migration Agency a question you can find our contact details under the heading Contact us.