ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ብኸምዚ ዚስዕብ ትሓትት

Så ansöker du om främlingspass – tigrinska

1

ነቲመጠየቕታምልኣዮ

ብዛዕባ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ክትሓትት ከሎኻ ነቲ ፎርም ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት መጠየቕታ ቍ. 1900 11 ምልኣዮ: ብድሕርዚ ኣብ ሓደ ናይቲ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ናይ ፍቓድ ኣሃዱ ብኣካል ኬድካ ኣቕርቦ።

ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ዚደሊ ህጻን ምስ ዚህልወካ: ናይቲ ህጻን ፍሉይ መጠየቕታ ኣቕርብ። ትሕቲ 18 ዝዕድመኡ ህጻን ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ንኺህሉዎ ናይ ወለዱ ወይ ናይ ናበይቱ ፍቓድ የድሊ። እዚ ድማ ኣብቲ ፍቓድ ዚብል ንትሕቲ 18 ዝዕድመኦም ህጻናት ዝዓለመ ቍ. 246011 ፎርም ተመሊኡ ምስቲ ናይ መጠየቕታ ፎርም ይቐርብ።

ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት መጠየቕታ: ፎርም ቍ 190011 (ብቛንቋ ሽወደን)PDF

ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት መጠየቕታ: ፎርም ቍ 191011 (ብቛንቋ እንግሊዝ)PDF

ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ነቲ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድመኡ ህጻን ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ንምሃብ ዘድሊ ናይ ወላዲ ፍቓድ: ፎርም ቍ 246011 (ብቛንቋ ሽወደን)PDF

ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ነቲ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድመኡ ህጻን ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ንምሃብ ዘድሊ ናይ ወላዲ ፍቓድ: ፎርም ቍ 247011 (ብቛንቋ እንግሊዝ)PDF

2

ነቲመጠየቕታኻንምቕራብቆጸራሓዝ

መጠየቕታኻ ንምቕራብ ናብ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ቅድሚ ምኻድካ ኣቐዲምካ ቆጸራ ክትገብር ይግባእ። ንወጻእተኛ ፓስፖርት ዝጥይቑ ዘበሉ ኩሎም ምሳኻ ኪህሉዉ ከም ዘለዎም ኣይትረስዕ:ወላ ህጻናት። ነፍስወከፍ መጠየቕታ ዘቕርብ ሰብ ናቱ ቆጸራ ኪህሉዎ ይግባእ። ንኹሉ ነናቱ ቆጸራ ክትሕዘሉ ይግባእ።  

መጠየቕታኻ ንምቕራብ: በዚ ዚስዕብ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ቆጸራ ሓዝ። www.migrationsverket.se/book-appointment

3

ናብቲቤትጽሕፈትስደተኛታትኪድ

መጠየቕታኻ ከተቕርብ ከሎኻ ነዚ ዚስዕብ ምሳኻ ተማላእ:

  • ናይ መጠየቕታ ፎርም: ዝመልአን እተፈረመን (ሓንቲ ፎርም ንሓደ ሰብ)
  • ምናልባት ኣቐዲሙ እተዋህበ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት  
  • ነቲ መንነትካ ዘጠናኽር ናይ ሃገርካ ፓስፖርት ወይ ካልእ ሰነድ (ካልእ ፓስፖርት ምስ ዘይህልወካ) ንኣብነት ወረቐት መንነት: ናይ ልደት ምስክር: ወይ ናይ ውትህድርና ካርድ ኪኸውን ይኽእል።
  • ነቶም ትሕቲ 18 ዝዕድመኦም ህጻናት ዚምልከት ካብ ወለዲ ወይ ናበይቲ ዚወሃብ ፍቓድ (እዚ ድማ ኣብቲ ፍቓድ ዚብል ንትሕቲ 18 ዝዕድመኦም ህጻናት ዝዓለመ ቍ. 246011 ፎርም ተመሊኡ ምስቲ ናይ መጠየቕታ ፎርም ይቐርብ።)
  • ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርትኻ ከም ዘጥፋእካዮ ዚምስክር ቅዳሕ ናይ ፖሊስ ሪፖርት (ኣረጊት ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ኣጥፊእካ ሓድሽ ምስ እትሓትት)።

ናይ ሃገርካ ፓስፖርት ወይ ናይ ቀድም ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ምስ ዚህልወካ ናብ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ከተረክቦ ይግባእ። ሓደሓደ ግዜ እቲ ኣሳላጢ ጉዳይካ ቅዳሕ ናይቲ ፓስፖርትኻ ምስ መጠየቕታኻ ይቕበል እዩ። ግን ከኣ እቲ ጉዳይካ ኪሳለጥ ከሎን ወይ ነቲ ሓድሽ ፓስፖርትኻ ክትወስዶ ከሎኻን: ነቲ ኦሪጂናል ከተረክቦ ትግደድ ኢኻ።  

መጠየቕታ ከተቕርብ ከሎኻ: እቲ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ኪስእለካን ናይ ኣጻብዕካ ኣሻራ ኪወስድን እዩ። ስእልኻን ኣሸራኻን ከምኡውን ንኣኻ ዚምልከት ሓበሬታን ኣብ ኮምፕዩተር ኪኣቱ እዩ። እቲ ሓበሬታ ኣብቲ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ዘይኮነስ ኣብቲ ናይቲ ካርድ ቺፕ እዩ ዚዕቆር። ትሕቲ 6 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት: ናይ ኣጻብዕ ኣሸራ ምሃብ ኣየድልዮምን።

መብዛሕትኦም ነቲ ዘቕርቡዎ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት መጠየቕታ ይኸፍሉሉ እዮም። ነቲ መጠየቕታ ከተቕርቦ ከሎኻ ብካርድ ጌርካ ክፈል: ወይ ከኣ ናይ መኽፈሊ ካርድ ውሰድሞ ጸኒሕካ ክፈል። ቤትጽሕፈት ስደተኛታት: ክሳዕ እትኸፍል ነቲ ጉዳይካ ምስላጥ ኣይጅምርን እዩ።

ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ክፍሊት

4

እቲቤትጽሕፈትስደተኛታትነቲጉዳይይከታተሎ

ኣብቲ ናይ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት መርበብ ሓበሬታ ኣብዚ እዋንዚ እቲ ምስላጥ ጉዳይ ክንደይ ግዜ ከም ዚወስድ ከተንብብ ትኽእል። እቲ ኣሳላጢ ጉዳይ ተወሳኺ ሓበሬታ ምስ ዚሓተካ ግን:  እቲ ግዜ ብኣኡ መጠን ኪናዋሕ ይኽእል እዩ። መታን ተወሳኺ ሰነዳት ከይትሕተት: ኩሉ ሰነዳትካ ምሳኻ ከም ዘሎ ኣረጋግጽ።

ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ብዛዕባ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ነቲ መጠየቕታኻ ኪመምዮ ኸሎ: ካብ ናይ ፖሊስ ክፍሊ ወንጀልን ጥርጠራን ሓበሬታ ይለኣኾ እዩ።

ጉዳይ ምስላጥ ዚወስዶ ግዜ

5

ውሳነ ምርካብ

እቲ ውሳነ  ብፖስጣ ናብ ገዛኻ ኪለኣኽ እዩ። እቲ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ናይ ወጻእተኛ  ፓስፖርት ክትወሃብ መሰል ከም ዘሎካ ምስ ወሰነ እሞ እቲ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ድሉው ምስ ዚኸውን ንኽትወስዶ  ክንነግረካ ኢና። ካብቲ ውሳነ ዚወሃበሉ ግዜ ክሳዕ ነቲ ፓስፖርትኻ ካብቲ መጠየቕታ ዘቕረብካሉ ናይ ፍቓድ ኣሃዱ እትወስዶ 14 መዓልታት ይወስድ።

እቲ ንናይ ወጻእተኛ ፓስፖርትኻን ንመንበሪ ፍቓድን ዚምልከት መጠየቕታኻ ብቤትጽሕፈት ስደተኛታት ናይ ምንጻግ ውሳነ ምስ ዚወሃቦ: ይግባይ ክትብል ትኽእል።

6

ፓስፖርትኻ ንምውሳድ ቆጸራ ሓዝ

ንስኻ ማለት ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ትወስድ ዘሎኻ ሰብ: ቅድሚ ናብ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ምኻድካ: ኣቐዲምካ ቆጸራ ሓዝ።  ንኹሉ ፓስፖርት ዚወስድ ሰብ ቆጸራ ንምሓዝ ኣይትረስዕ። ንደቅኻ ፓስፖርት ተውጻኣሎም እንተ ኾንካ: ንነፍስወከፍ ቆጸራ ሓዘሉ።

እቲ ”ፓስፖርት-ባዕዳውያን” እትወስዶ፤ ካብታ ምልክታ ዘእቶኻላ ናይ ፍቓድ ቤትጽሕፈት ወይ ናይ ኣገልግሎት-ማእከል እዩ። እንተደኣ ኣብ ካልእ ቦታ ኬድካ ክትወስዶ ከም ዘሎካ ፍሉይ ሓበሬታ ዘይተዋሂቡካ።

7

ፓስፕርትኻ ካብ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ውሰዶ

ነቲ ፓስፖርትኻ ብኣካል መጺእካ ኢኻ እትወስዶ። ንትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት እቲ ወላዲ ወይ ኣላዪ መጺኡ ኪወስዶ ይኽእል። እቲ ህጻን ኪመጽእ ኣየድልን።

እቲ ነቲ ህጻን ዘዕቢ ሰብ ኣብቲ ናብ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ዚቐርብ መጠየቕታ ኣመልኪቱ እንተ ጸንሐ ግን: እቲ ልዕሊ 15 ዓመት ዝዕድመኡ ህጻን ነቲ ፓስፖርት ባዕሉ መጺኡ ኪወስዶ ይኽእል እዩ።

እቲ ”ፓስፖርት-ባዕዳውያን” እትወስዶ፤ ካብታ ምልክታ ዘእቶኻላ ናይ ፍቓድ ቤትጽሕፈት ወይ ናይ ኣገልግሎት-ማእከል እዩ። እንተደኣ ኣብ ካልእ ቦታ ኬድካ ክትወስዶ ከም ዘሎካ ፍሉይ ሓበሬታ ዘይተዋሂቡካ።

Last updated: 11 May 2017

Was the information on this page helpful to you?

Thank you for helping us improve our website!

Thank you for helping us improve our website!

Tell us how we can make this page better*






If you wish to ask the Migration Agency a question you can find our contact details under the heading Contact us.