እገዳካብዳግመ-ምእታው

Återreseförbud – tigrinska

ኣብ ውሽጢ እቲ ዝተወሰነልኩም እዋን ካብ ሽወደን ምስዘይትወጹ ዳግማይ ናብ’ዛ ሃገር ከይትኣትዉ እገዳ ክብየነልኩም ይኽእል እዩ። ከምኡ ምስዝኸውን፡ ንዝተወሰነ እዋን ናብ ሃገራት ዞባ ሸንገን ይኹን ናብ ሩማንያ፡ ቡልጋሪያ ወይ ክሮኤሽያ ክትምለሱ ኣይክትኽእሉን ኢኹም። ትካል ምክትታል ጉዳይ ስደተኛታት ሽወደን ካብ’ታ ሃገር ብወለንታኹም ክትወጹ ከምእትኽኡ ክኣምን ምስዘይክእል እውን ናይ ዳግመ-ምእታው እገዳ ኪብየነልኩም ይኽእል።

ናብ ሽወደን ከይትኣትዉ ዝኽልክል ብቕጽበት ዝትግበር ውሳኔ ምስዝወሃበኩም፡ ናይ ዳግመ-ምእታው እገዳ እውን ግድን ክምልከተኩም እዩ።

ምስካልኦትምኽንያታትዝተኣሳሰረናይዳግመ-ምእታውእገዳ

ትካል ምክትታል ጉዳይ ስደተኛታት ሽወደን ካብ’ታ ሃገር ብወለንታኹም ክትወጹ ከምእትኽኡ ክኣምን ምስዘይክእል፡ እንተላይ ንዞባ ሸንገን ዘጠቓልልን ንሓሙሽተ ዓመታት ዝጸንሕን ናይ ዳግመ-ምእታው እገዳ ኪብይነልኩም ይኽእል እዩ። ኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል፡ ብምኽንያት ሓደ ካብ’ዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት ናይ ዳግመ-ምእታው እገዳ ኪውሰነልኩም ይኽእል፦

  • ኣቐዲምኩም ተሓቢእኩም እንተኔርኩም፣
  • ካብ ሽወደን ክትወጹ ድልየት ከምዘይብልኩም ምስእትገልጹ፣
  • ብዛዕባ መንነትኩም ግጉይ ሓበሬታ ምስእትህቡ ወይ ንትካል ምክትታል ጉዳይ ስደተኛታት ብዛዕባ መንነትኩም ቅኑዕ ሓበሬታ ንኽስንድ ምስዘይትተሓባበርዎ፣
  • ደይ-መደይ ኢልኩም ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ምስእትህቡ ወይ ኣገዳሲ ሓበሬታ ምስእትጐስዩ፣ ወይ ድማ
  • ክሳብ ማእሰርቲ ኣብ ዘብጽሕ ገበን ምስእትፍጽሙ።

ብምኽንያት ሓደ ካብ’ዞም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮም ዘለዉ ምኽንያታት ናይ ዳግመ-ምእታው እገዳ ምስዝብየነልኩም ነቲ ብወለንታ ንኽትምለሱ ኪወሃብኩም ዝግባእ ዝነበረ ናይ ግዜ ዕድል ብምኽሳር፡ ብቐጥታ ክትብገሱ ክትግደዱ ኢኹም።

ነቲ ብወለንታ ንኽትምለሱ ኪወሃብኩም ዝግባእ ዝነበረ ናይ ግዜ ዕድል ብምኽሳር ማለት፡ ነቲ ብመገዲ ትካል ምክትታል ጉዳይ ስደተኛታት ኪወሃበኩም ዝግባእ ዝነበረ መንበሪ ቦታን ገንዘባዊ ሓገዝን ድማ ምኽሳር ማለት እዩ። (ህጻናት ዘለውወን ስድራ-ቤታት ገና ተጠቀምቲ መዓልታዊ ኣበል ክዀና፡ ከምኡ’ውን ካብ ሽወደን ክሳብ ዝወጻ ኣብ’ቲ ትካል ምክትታል ጉዳይ ስደተኛታት ዝሃበን መንበሪ ቦታ ክጸንሓ ይኽእላ።)

ንወለንታዊምምላስተባሂሉንዝወሃብናይግዜገደብምኽባር

እቲ ዝግብኣኩም ውሳኔ ሓንሳብ ምስተዋህበ (ኣብ ደረጃ ተፈጻምነት ምስበጽሐ)፡ ካብ ክልተ ክሳብ ኣርባዕተ ሰሙናት ኣብ ዝኣክል እዋን ካብ ሽወደን ክትወጹ ይግባእ። ክንደይ ዝኣክል ናይ ግዜ ዕድል ከምዘለኩም ኣብ’ቲ ናይ ውሳኔ ደብዳቤ ይጥቀስ እዩ።

ብፍልይ ዝበሉ ምኽንያታት ምስዝህልዉኹም፡ ካብ’ዛ ሃገር ንኽትወጹ ተወሳኺ ግዜ ኪወሃበኩም ይከኣል እዩ። ተወሳኺ ግዜ ምስዘድልየኩም፡ ንትካል ምክትታል ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ከተፍልጥዎ ይግባእ።

ቅድሚ ካብ’ዛ ሃገር ምውጻእኩም፡ ትካል ምክትታል ጉዳይ ስደተኛታት ምብጋስኩምዘረጋግጽሰርቲፊኬይት ክህበኩም እዩ። ንትካል ምክትታል ጉዳይ ስደተኛታት ካብ’ዛ ሃገር ከምዝወጻእኩም ንኸተረጋግጹሉ፡ ብነቝጣ ምክትታል ዶባት ሃገረ-ሽወደን ኣብ እትሓልፉሉ እዋን ነዚ ሰርቲፊኬይት እዚ ኣረክብዎ። ምናልባሽ ብገለ ምኽንያት ነዚ ሰርቲፊኬይት እዚ ምስዘይተረክብዎ እውን፡ ኣብ ግዜኹም ካብ ሽወደን ከምዝወጻእኩም እተረጋግጹሉ መገዲ ኣሎ። ንኣብነት፡ ናይ መጓዓዝያ ትኬትኩም ወይ ኣብ ፓስፖርትኹም ዝተሃርመ ማሕተም ብምርኣይ። ዶብ ሽወደን ሰጊርኩም ከምዝወጻእኩም ንምርግጋጽ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣብ ጥቓኹም ዝርከብ ኤምባሲ ድዩስ ጠቕላሊ ቈንስላዊ ቤት-ጽሕፈት ናይ ሽወደን ዘለኩም ጭብጢ ኣቕርቡ። ንቅዳሕ ናይ መረጋገጺ ሰነድኩም ብመገዲ ፖስታ ናብ ትካል ምክትታል ጉዳይ ስደተኛታት ክትሰዱ እውን ዝከኣል እዩ። እገዳ ዳግመ-ምእታው ክብየነልኩም ድልየት ምስዘይህልወኩም፡ ካብ ሃገረ-ሽወደን ኣብ እዋንኩም ከምዝወጻእኩም ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ኣለኩም።

ኣብ’ቲ ዝተወሰነልኩም እዋን ካብ ሽወደን ከምዝወጻእኩም ብጭብጢ ከተረጋግጹ ክሳብ ዝኸኣልኩም፡ ትካል ምክትታል ጉዳይ ስደተኛታት ነቲ ወሲንልኩም ዝጸንሐ ናይ ዳግመ-ምእታው እገዳ ካባኹም ዘየልዕለሉ ምኽንያት የልቦን።

ናጻ - ካብናይዳግመ-ምእታውእገዳ

ትካል ምክትታል ጉዳይ ስደተኛታት ንገለ ውልቃውያን ኵነታትኩም ኣብ ግምት ብምእታው ካብ እገዳ ዳግመ-ምእታው ናጻ ንኽትኰኑ ኪውስነልኩም ይኽእል እዩ። እዚ ዝዀነሉ ኣጋጣሚ፡ ንኣብነት፡ ኣብ ሓንቲ ካብ ሃገራት ናይ ዞባ ሸንገን ከቐምጦም ዝኽእል መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ደቂ ምስዝህልዉኹም።

እዘንዝስዕባሃገራትብውዕልሸንገንዝቕየዳእየን

ኦስትሪያ፡ ቤልጅዩም፡ ቸክ ሪፓብሊክ፡ ዴንማርክ፡ ኢስቶኒያ፡ ፊንላንድ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ግሪኽ፡ ሃንጋሪ፡ ኣይስላንድ፡ ኢጣልያ፡ ላትቪያ፡ ሊክተንስተይን፡ ሊቱዋኒያ፡ ላግዘምበርግ፡ ማልታ፡ ኔዘርላንድስ፡ ኖርወይ፡ ፖላንድ፡ ፖርቱጋል፡ ስሎቫኪያ፡ ስሎቬንያ፡ ‘ስጳኛ፡ ሽወደንን ስዊዘርላንድን።

Last updated: 22 September 2016

Was the information on this page helpful to you?

Thank you for helping us improve our website!

Thank you for helping us improve our website!

Tell us how we can make this page better*






If you wish to ask the Migration Agency a question you can find our contact details under the heading Contact us.