ንሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ሃገረ ሽወደን ዝምልከት

Till dig som söker asyl i Sverige – tigrinska

ንእተእትውዎ ናይ ዑቕባ ሕቶ ዝርኢ፡ በዓል-መዚ ኢምግረሽን (migrationsverket) እዩ። ኣብ ሃገረ ሽወደን መን ዑቕባ ክወሃቦ ይኽእል ዘነጽሩ ሕግትታት፡ ኣብ ውዕል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ሓባራዊ ሕግታትን ኣብ ናይ ሃገረ ሽወደን ሕግን ሰፊሩ ይርከብ።

ኣብዚ ሓበሬታ ዝሓዘ ጽሑፍ፡ በዓል-መዚ ኢምግረሽን ነቲ ናይ ዕቝባ ሕቶኹም ብኸመይ መገዲ ከምዝሕዞን፡

ከም ሓተትቲ ዕቝባ መጠን፡ ኣብ ሃገረ ሽወደን እንታይ መሰላትን ግዴታታትን ከም ዘሎኩም ብሕጽር ዝበለ ተገሊጹ ይርከብ። ድሕር ኢሉ ነዚ ዝምልከት ዕሙቕ ዝበለ ሓበሬታ ክወሃበኩም እዩ። ሕቶታት ክትሓቱ ውን ዕድል ይወሃበኩም።

ሕግታት ቝባ

ኣብ ሃገረ ሽወደን፡ ኩሉ ዝቐርብ ናይ ዑቕባ ጠለባት ብውልቂ ብበዓል-መዚ ኢሞግረሽን ይርአ። ሃገረ ሽወደን ስደተኛታትን ወይ ውን ነቶም ብኻልእ ምኽንያታት ዑቕባ ዘድልዮም ሰባት ከተዑቊቦም ኣለዋ።. 

ስደተኛ

ብመሰረት ናይ ሕ.መ ውዕል ስደተኛታትን ብሕጊ ሽወደንን፡ ሓደ ሰብ ስደተኛ ወይ ዑቝባ-ደላይ ዚብሃል በዚ ዚስዕብ ምኽንያታት ኣብቲ ዘለዎ ሃገር ምንባር ዘፍርሆ ምስ ዚኸውን እዩ። ብምኽንያት፤

  • ዓሌት
  • ብሄር
  • ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ኣረኣእያ
  • ጾታ
  • ጾታዊ ዝንባሌ
  • ናይ ሓደ ፍሉይ ሕብረተሰብኣዊ ጉጅለ ኣባል ምዃን

እቲ ምስጓግ ወይ ምስቓይ ብመንገስታዊ ትካላት ናይታ ሃገር ዝተዋደደ ክኸውን ይኽእል። ወይ ከኣ እቲ መንግስቲ ካብ ብገለ ሰባት ወይ ጉጅለታት ኣብ ልዕሌኻ ዝፍጸም ምግልታዕ ኪከላኸለልካ ዘይምኽኣሉ ዝፈጠሮ ኪኸውን ይኽእል።

እቶም ኣብ ናይ ስደተኛ ደረጃ ዚርከቡ ሰባት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ሰለስተ ዓመት መንበሪ-ፍቓድ ይወሃቡ።

ዘይቐጥታዊ ደላዪ ዑቕባ (Alter­na­tivt skydds­be­hö­vande)

ብመሰረት ሕጊ ሽወደን፡ ሓደ ሰብ ከም ዘይቀጥታዊ ደላዪ ዑቕባ (Alternativt skyddsbehövande) ዝቊጸር ሓደ ካብዚ ዝስዕብ ምስ ዘጋጥም እዩ፡

  • ብሞት ክትቅጻዕ ተኽእሎ ምስ ዚህሉ
  • ንኣካላዊ መቕጻዕትን ግፍዕን ምስቓይን ካልእ ኢሰብኣውን መቕጻዕቲ እተቓላዕካ ምስ እትኸውን
  • ከም ገባር ወይ ሲቪል፡ ብምኽንያት ብረታዊ ግርጭታት ወይ ኲናት ህይወትካ ኣብ ሓደጋ ምስ ዚወድቕ 

እቶም ከም ዘይቐጥታዊ ደለይቲ ዑቕባ (Alternativt skyddsbehövande) ዝተኣምነሎም ሰባት፡ ከም ልምዲ ናይ 13 ወርሒ መንበሪ-ፍቓድ ይወስዱ።

ብዛዕባ ዕቝባ ምሕታት ብዝምልከት

ኣብ ሃገረ ሽወደን ዕቝባ ንምሕታት፡ ናብ ቤት-ጽሕፈት በዓል-መዚ ኢምግረሽን ብኣካል ክትከይድ ኣለካ። ጨንፈር መሕተቲ-ዑቕባ (ansökningsenheten) ከኣ፡ ነቲ ናይ ዑቅባ ሕቶኹም ተቐቢሉ ኣብ መዝገብ የስፍሮ።

ብድሕርዚ፡ ትሰኣሉን ናይ ኣጻብዕቲ ዓሸራ ድማ ይውሰደልኩም። ዓሸራ ዘድልየሉ ምኽንያት ከኣ፡ ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ዕቝባ ሓቲትኩም ከይትኾኑ ንምርግጋጽ እዩ።

ምስ ኣኣሳላጢ ጉዳይ (handläggare) ትራኸቡ። ንሱ/ንሳ ብተርጓማይ ተደጊፉ፡ መን ኢኻ፡ ስለምንታይ ዓድኻ ገዲፍካ ከም ዝመጻእካን፡ ከመይ ኢልካ ናብ ሃገር ሽወደን ከም ዝኣቶኻን ንምፍላጥ ዝዓለመ ሕቶታት ከቕርበልኩም እዩ። ብዜካ`ዚ ንስድራቤትካን ንጥዕናኻን ዚምልከት ሕቶታት ውን ይቐርበልኩም። እዚ እንገብረሉ ምኽንያት ከኣ፡ ነቲ ናይ ዑቕባ ሕቶኹም ንምምርማር ንኽንዳሎ ብማለት እዩ። ኣብቲ ብዛዕባ ናይ ዕቝባ ሕቶኻ ዚግበር መርመራ፡ ብዙሕ ሕቶታት ኢኹም መልሲ ክትህበሉ እትሕተቱ።

ፍሉይ ጠለባት ምስ ዚህልወኩም፡ ንኣብነት ገለ ዓይነት ስክንክልና፡ ማለት ኣካላዊ ከምኡውን ስነ-ልቦናዊ ወይ ኣኣምሮኣዊ ጸገማት ምስ ዚህልወኩም፡ ንበዓል-መዚ ኢምግረሽን ሓብሩ። ብሰንኪ ስንክልናኹም ምስ ኢምግረሽን ኣብ እትገብርዎ ዝርርብ ክትረዳድኡ ዘጸግመኩም ምስ ዝኸውን ሓገዝ ናይ ምርካብ መሰል ኣለኩም።

ኣብ ጨንፈር መሕተቲ-ዑቕባ፡ መስርሕ ምሕታት ዑቕባ ከመይ ከም ዝመስል ክትፈልጡ ምስ እትደልዩ ሓበሬታ ኪወሃበኩም ይኽእል`ዩ። ሕቶታት እውን ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ናይ ዑቕባ ሕቶኹም ምስ ተመዝገበ፡ ከም መረጋገጺ ዘገልግል ቅብሊት (kvitto) ኪወሃበኩም እዩ። ነዚ ካርዲ’ዚ፡ ክሳዕ ኤል.ኤም.ኦ (LMA-kort) ካርድ ዚወሃበኩም ምሳኹም ሓዝዎ። እዚ ካርድ`ዚ ሓታቲ-ዕቝባ ምዃንኩም ዝምስክር እዩ።

መን ምዃንካ ኣነጽር

በዓል-መዚ ኢምግረሽን ዑቕባ ከህውበኩም ዝኽእል ኩነታት ክግምግም ምእንቲ፡ መን ምኻንካን ካበይ ከም ዝመጻእካን ከተንጽሩ ኣለኩም። ነዚ ንምርግጋጽ እቲ ዝበለጸ መገዲ፡ ፓስፖርት ወይ ወረቐት-መንነት ምቕራብ እዩ። እቲ ናይ መንነት ሰነዳት በቶም ናይ ሃገርካ ሰበ-ስልጣን እተወህበ ኪኸውን ይግባእ። ከምኡውን ስእልኻ ኪህልዎ ይግባእ። እቲ ሰነድ፡ ስምካ፡ ዜግነትካን እተወለድካሉ ዕለትን ዝሓቆፈ ክኸውን ይግባእ።

መንነትካ ዘነጽር ሰነዳት ምድላው ናትኩም ሓላፍነት እዩ። እቲ ፈለማ ናብ በዓል-መዚ ኢምግረሽን ክትመጽኡ እንከለኹም፡ ናይ መንነት ሰነዳት ምሳኹም ምስ ዘይህልወኩም፡ ኣሳላጢ ጉዳይ (handläggare) ነቲ ናይ ዑቕባ ሕቶኹም እተማለአ ንምግባር፡ ቀልጢፍኩም ናይ መንነት ሰነዳት ከተቕርቡ ኪሓተኩም እዩ።

ሰነዳት መንነት ንምምጻእ ዘሸግረኩም እንተ ኾይኑ፡ ንበዓል-መዚ ኢምግረሽን ከተምጽእዎ ጻዕሪታት ትገብሩ ምህላውኩም ሓብሩ። ካልእ ንመንነትኩም ንምንጻር ክሕግዝ ዝኽእል ሰነዳት ምስ ዚህልወኩም፡ ንኣብነት ፍቓድ ምዝዋር ማኪና፡ ናይ ልደት ምስክር፡ ናይ ዜግነት ምስክር ወይ ድማ ናይ ውትህድርና ካርድ፡ ከተቕርብዎም ትኽእሉ ኢኹም። ከምዚኣቶም ዓይነት ሰነዳት ንበይኖም መን ንምዃንካ እኹል መረጋገጺ ክኾኑ ዘይበቕዑ እኳ እንተኾኑ፡ ምስቲ ንሃገርኩምን ነዓኹምን ዝምልከት እትህብዎ ድሕረ-ባይታን ሓበሬታን ተደማሚሮምን ግን፡ መንነትኩም ከነጽሩ ይኽእሉ እዮም።

ዘድሊ ሰነዳት መነነት ኣቕሪብኩም መን ምዃንኩም ምስ እተነጽሩ፡ ናይ ዑቕባ ሕቶኹም ክሳብ ዝውሰን ኣብ እትጽበዩሉ እዋን ክትሰርሑ ይፍቀደኩም እዩ።

ኣየነይቲ ሃገር ንናይ ዑቕባ ሕቶኹም ትርእዮ ክትመርጹ ኣይትኽእሉን ኢኹም (መምርሒታት ዱብሊን)

ዑቕባ ድሕሪ ምሕታትኩም፡ በዓል-መዚ ኢምግረሽን ሕቶ-ዑቅባኹም ኣብ ሽወደን ድዩ ወይስ ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ሕብረት ክርአ ዘለዎ ምርመራ የካይድ። ኣብ ሃገረ ሽወደን ቅድሚ ምእታውኩም ናብ ካልእ ኣባል ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝኾነት ሃገር ማእተዊ ቪዛ ተዋሂብኩም እንተ ኔሩ፡ ኣብ ኣባል`ዚ ሕብረት ዝኾነት ሃገር መንበሪ-ፍቓድ እንተሃልዩኩም ወይ ድማ ዕቝባ-ሓቲትካ እንተ ኔርኩም፡ ናብታ ሃገር ክትምለሱ ኣ፡ለኩም። እዚ ሕግ’ዚ ኣብቲ መምርሒታት-ዱብሊን ዚብሃል ጽሑፍ ሰፊሩ ይርከብ። ብዛዕባዚ፡ ብዝያዳ ነቲ ”Jag har sökt asyl inom EU – vilket land kommer att hantera min ansökan?” ዝተሰምየ ብሮሺር ኣንብቡ። (እዚ ብሮሹርዚ ብኹሉ ቋንቋታት ተተርጒሙ ክትረኽብዎ ኣይትኻሉን ኢኹም).

መልሲ እናተጸበኻ ከሎኻ

ናይ ዑቕባ ሕቶኹም ሃገረ ሽወደን ክትርእዮ ዝገበኣ እንተኾይኑ፡ ውሳኔ ክሳዕ ዝወሃበኩም ኣብ ሽወደን ክትጸንሑ ትኽእሉ። ኣብዚ ናይ ምጽባይ እዋን ምስ ሓንቲ ካብ መቐበሊታት ሓተትቲ-ዑቕባ (mottagningsenheter) በዓል-መዚ ኢምግረሽን ርክብ ክህልወኩም እዩ። ኣብዘን ማእከላት ዝርከቡ ሰራሕተኛታት፡ ዑቕባ ክወሃበኩም ድዩ ወይስ ኣይወሃበኩምን ናይ ምውሳን ስልጣን የብሎምን። ንቝጠባን መንበሪ-ቤትን ዚምልከት ጉዳያት ግን ይተሓባበሩኹም። ውሳነ ምስ ተዋህበኩም ዝረኽበኩም ክፍሊ ውን እዚ ክፍሊ ኮይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ዝተወስደ ውሳኔ ሓበሬታ ይህበኩም ከምኡ ውን እንታይ ክትገብሩ ከም ዘለኩም ውን ይሕብረኩም።

ኣገዳሲ ሓበሬታ

መቐበሊ-ክፍሊ ኣብ ብእኩብ ዝካየድ ሓበሬታዊ ኣኼባ ክትሳተፉ ይዕድመኩም። ኣብዚ ኣኼባ ከም ሓተትቲ ዑቕባ መጠን ክትፈልጥዎ ዝግበኣኩም ሓበሬታ ይወሃብኩም። ንኣብነት ብዛዕባ እትነብሩሉ ቤት፡ ቁጠባ፡ ሕማምን ክንክንን ኪኸውን ይኽእል። ብዛዕባ ሕግታት፡ ንሓተትቲ ዑቕባ ዚሕግዛ ካልኦት ትካላትን ውድባትን ሓበሬታ ይውሃበኩም። እዚ፡ ኣብቲ ንውሳኔ እትጽበዩሉ ግዜ ዝሕግዘኩም ኣዚዩ ጠቓሚ ሓበሬታ እዩ።

ኣብ ክፍሊታት መሕተቲ-ዑቕባን መቐበልን ብዙሕ ሓበሬታ ኪወሃበኩም እዩ። ሓደ-ሓደ ግዜ፡ ኣብ ሓደ እዋን ብዙሕ ሓበሬታ ክወሃበኩም ይኽእል እዩ። ዝወሃበኩም ሓበሬታ ዝሓዘ ወረቓቕቲ ኣብ ዝደለኹሞ እዋን ምእንቲ ከተንብብዎን ካብኡ ተሞርኲስኩም ንኣሳላጢ-ጉዳይ ክትረኽብዎ እንከለኹም ሕቶታት ምእንቲ ከተቕርቡሉን፡ ክትዕቅብዎ ኣለኩም።

ኣብ ኣባይቲ በዓል-መዚ ኢምግረሽን እትቕመጡ እንተ ኾይንኩም፡ ሓደ-ሓደ ግዜ ንገለ ብስራሕ ወይ ንኺበጽሑ ዝመጽኡ ኣባላት በዓል-መዚ ኢምግረሽን ክትረክቡ ትኽእሉ ኢኹም። ንሳቶም ብዛዕባ ናይ ዕቝባ ጉዳይኩም ኪምልሹ ኣይክእሉን ኮይኖም፡ ንገለ ዝደለኹሞ ሓበሬታ ኪረኽቡልኩም ግን ይኽእሉ እዮም።

ምጽባይ ንዓሚቊ ቃለ-ምልልስ ዕቝባ

ናይ ዕቝባ ሕቶኹም ኽርአ ነዊሕ ግዜ ይወስድ እዩ። እቲ ንውሓት ግዜ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ።

ኣብቲ ናይ ቃለ-ምልልስ ግዜ፡ ስለምንታይ ኣብ ሃገረ ሽወደን ዕቝባ ሓቲትኩም፡ እንታይ ከም ዘጋጠኩምን፡ ናብ ሃገርኩም ምስ እትምለሱ ድማ እንታይ ከም ዚጓንፈኩምን ንዝብል ሕቶታት ኣስፊሕኩም ክትገልጹ ኢኹም።

ጉዳይኩም ቅድሚ ምውሳኑ፡ ኣብ ብዙሕ ቃለ-ምልልሳት ክትጽውዑ ኢኹም። ኣብተን በዓል-መዚ ኢምግረሽን ዝቖጸረኩም ግዜታት ተረኸቡ። ከም ብሓድሽ ቆጸራ ምግባር ነቲ ናይ ውሳኔ ግዜ ከናውሓልኩም ስለ ዚኽእል፡ ኣብ ቆጸራኹም ተረኸቡ።

እትርከቡሉ ኣድራሻ ሓብሩ

ኣብቲ ንውሳኔ እትጽበዩሉ ግዜ ናብ ካልእ ቦታ ምስ እትግዕዙ፡ ንቃለ-ምልልስን ንኻልእ ኣኼባታትን ክንረኽበኩም ምእንቲ፡ ነቲ ሓድሽ ኣድራሻኹም ንበዓል-መዚ ኢምግረሽን ሓብርዎ። ካብ በዓል-መዚ ኢምግረሽን ዚመጽኣኩም ሓበሬታ ከይሓልፈኩም ምእንቲ፡ ነቲ ዝመጽኣኩም መልእኽትታት ኩሉ ግዜ ረኣይዎን ኣንብብዎን።

ኤል.ኤም.ኦ ካርድ (LMA-kort)

ኣብ ሃገረ ሽወደን ዕቝባ ምስ ሓተትኩም መረጋገጺ ቅብሊት (kvitto) ይውሃበኩም እዩ። ኣብቲ ቅብሊት፡ ምስቲ በዓል-መዚ ኢምግረሽን ክትራኸቡ እንከለኹም እትጠቕስዎ መለለዪ-ቍጽሪ ሰፊሩ ኣሎ። በዚ ድማ ኣሳላጢ-ጉዳይኩም ነቲ ሰነድኩም ብቐሊሉ ይረኽቦ። ካብታ ዑቕባ ዝሓተትኩምላ ድሕሪ ኣስታት ሓደ ሰሙን፡ ካብ መቐበሊ-ክፍሊ ሓንቲ ካርድ ከተምጽኣኩም እያ። እታ ካርድ ድማ ኤል.ኤም.ኦ ካርድ (LMA-kort) ትበሃል፡ ነታ ቅብሊት እትትክእ ካርድ ከኣ`ያ።

ሓተትቲ-ዕቝባ ምዃንኩምን ውሳኔ ክሳዕ ዚወሃበኩም ድማ ኣብ ሃገር ሽወደን ክትጸንሑ መሰል ከም ዘለኩምን ንምርግጋጽ፡ እታ ኤል.ኤም.ኦ ካርድ (LMA-kort) ኩሉ ግዜ ምሳኹም ክትህሉ ይግባእ። ናብ ሕክምና ክትከዱ ከሎኹም ነታ ኤል.ኤም.ኦ ካርድ (LMA-kort) ኩሉ ግዜ ምሳኹም ተማልእዋ። ነዛ ካርዲ ምስ ተርእዩ፡ ሕክምናዊ ክንክን ክትረኽቡን ዋጋ ውን ክጐድለልኩምን ይኽእል።

መንበሪ ቤት

መንበሪ-ቤት ባዕልኹም ክትውግኑ ወይ ውን ኣብቲ ብበዓል-መዚ ኢምግረሽን ዝተዳለወ መጽንሑ ኣባይቲ ክትቅመጡ ትኽእሉ። ገንዘብ ምስ ዚህልወኩም፡ ነቲ በዓል-መዚ ኢምግረሽን ዘዳለወልኩም ቤት ክትከፍለሉ ኢኹም። ባዕልኹም ገዛ ምስ እትረኽቡ፡ ነቲ ክራይ ባዕልኹም ኢኹም ትኸፍልዎ።

ኣብ ናይ “ሚግራሾንስቨርከት” መንበሪ ቦታ ትቕመጥ ምስ ትኸውን፥ ናይቲ ትነብረሉ ከባቢ/ሰፈር ክትመርጽ ኣይትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ናይ ምጽባይ ጊዜ ውን ናብ ካልእ ቦታ ንኽትቅይር ትግደደሉ ኵነታት ከጋጥም ይኽእል እዩ። እቲ ትነብረሉ ቤትካ ባዕልኻ ዘዳለኻዮ ምስ ዚኸውን፥ ኣድራሻ ን”ሚግራሾንስቨርከት” ክትሕብር ከም ዘሎካ ኣይትዘንግዕ። ኣስተውዕል! ”ሚግራሾንስቨርከት” ናይ ገለ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ብድሆታት ዘሎወን መንበሪ-ሰፈራት፡ ኢሉ ኣስማተን ዝዘርዘረን ከባቢታት ኣሎዋ እየን። እቲ አብ ከምዚ ዓይነት ሰፈር ኪቕመጥ’የ ዚደሊ ዚብል ሰብ፥ እቲ ካብ ሚግራሾንስቨርከት ቁጠባዊ ሓገዝ ናይ ምርካብ መሰሉ ኪስረዝ ይኽእል እዩ። ኣድራሻኻ ኣብ ከምዚ ዓይነት መንበሪ ቦታ ብምዃኑ ሳዕቤን ንኸየምጽኣልካ ንምርግጋጽ፥ ኣብ migrationsverket.se/asyl ኣቲኻ ምርኣይ ይክኣል’ዩ።

ገለ ጸገማት ምስ ዚህልወኩም፡ ፍሉይ ቤት ንምርካብ መሰል ኣሎኩም። ንኣብነት፡ ገለ ዓይነት ስንክልና ምስ ዚህልወኩም፡ ኣካላዊ ወይ ስነ-ልቦናዊ፡ ቃንዛ ምስ ዚህልወካኩም ወይ ድማ ፍሉይ ጾታዊ ዝንባሌ ምስ ዚህልወኩም፡ ወይ ድማ ከም ጓለንስተይቲ መጠን ነፍሰ-ጾር ምስ እትኾኒ፡ ወይ ድማ ዕድመ ዝደፋእኩም ምስ እትኾኑ። ጸገማትኩም ንበዓል-መዚ ኢምግረሽን ብቕልጡፍ ኣፍልጡ። ከምኡ ምስ እትገብር ድማ ዚሰማማዓኩምን ድሕንነትኩም ዝህሉን ገዛ ክንረኽበልኩም ንኽእል።

ኩላቶም ኣብቲ መንበሪ ኣባይቲ ዚቕመጡ ሰባት ሓድሕዳዊ ምክብባር ከርእዩ ይግባእ፡ እዚ ድማ ሃይማኖት ባህሊ ወይ ድማ ጾታዊ ዝንባሌ ብዘየገድስ ኪኸውን ይግባእ። ኣብቲ እትቕመጡሉ ቤት ድሕንነት ምስ ዘይስምዓኩም፡ ንበዓል-መዚ ኢምግረሽን ኣመልክቱ።

ጥዕናን ክንክንን

ከም ሓተትቲ-ዑቝባ መጠን፡ ንህጹጽ ሕክምናን፡ ህጹጽ ሕክምና ስንን ንውዓል ሕደር ዘይበሃሎ ክንክንን መሰል ኣሎኩም። እቲ ክሊኒክ`ዩ እንታይ ዓይነት ክንክን ከም ዘድልየኩም ዚውስን። ነታ ኤል.ኤም.ኦ ካርድ (LMA-kort) ምስ እተርእዩ፡ ኣብ ክንክንን ኣብ ምዕዳግ መድሃኒትን ዝወሓደ ዋጋ ክትከፍሉ ይግበር። ዕቝባ ዚሓቱ ህጻናት ከምኡ ውን ትሕቲ 18-ዓመት ዝዕድመኦም ልክዕ ከምቶም ህጻናትን መንእሰያትን ተቐማጦ ሃገረ ሽወደን፡ ብነጻ ክንክን ክረኽቡ መሰል ኣለዎም።

ኩላቶም ሓተትቲ-ዑቝባ፡ ዘይክፈሎ ሓፈሻዊ ሕክምናዊ መርመራ ንምግባር ናብ ማእከል ጥዕና ይጽውዑ እዮም። ሓፈሻዊ ጥዕናኣዊ መርመራ፡ ነቲ ናይ ዕቝባ ሕቶኹም ኣይጸልዎን እዩ። ምናልባት ገለ ሕማም ምስ ዝህልወኩም ብቑልጡፍ ሕክናዊ ረድኤት ንኽትረኽቡ ካብ ዝብል እዩ። ከም ኣካል ናይቲ መርመራ ጥዕናኣዊ-ምኽሪ ትወሃቡ፡ ናይ ደም ምርመራ ትገብሩ፡ ንስርዓተ ኣገልግሎት ጥዕናን ክንክንን ሽወደን ዝምልከት ሓበሬታ ውን ኪወሃበኩም እዩ። ገለ ናይ ስንክልና ጸገም፡ ሕማም ወይ ካልእ ጸገማት ምስ ዚህልወኩም ፍሉይ ክንክን ምእንቲ ክግበረልኩም ነቲ ሰራሕተኛ ማእከል-ጥዕና ኣዘራራርብዎ።

እቲ ሰራሕተኛ ማእከል-ጥዕና፡ ሰራሕተኛ በዓል-መዚ ኢምግረሽን ኣይኮነን። ምሳኹም ዝዛረቦ ምስጢር ከየውጽእ ውን ብሕጊ ስትረት ቅዩድ እዩ።

ስራሕ

ከም ሓተትቲ ዕቝባ መጠን፡ ብዘይ ናይ ስራሕ ፍቓድ ኣብ ሃገረ ሽወደን ክትሰርሑ ትኽእሉ ኢኹም። ኮይኑ ግን እዚ ዚስዕብ ረቋሑታት ዝተማልአ ክኸውን ኣለዎ፡

  • ናይ ዑቕባ ሕቶኹም ኣብ ሃገረ ሽወደን ዚረኣይ ምስ ዚኸውን
  • መንነትኩም ኣብ ምንጻር ምስ እትተሓባበሩ
  • ሕቶ ዕቝባኹም ብቑዕ ምኽንያት ዘለዎ ምስ ዚኸውን

ነዚ ጠለባት’ዚ ምስ እተማልኡ፡ ክትሰርሑ መሰል ኣሎኩም።

ሰሪሕኩም ምስ እትነብሩ እሞ እቲ ናይ ዕቝባ ሕቶኹም ምስ ዚንጸግ፡ ካብ ሽወደን ክሳዕ እትወጽኡ ወይ ንኽትወጽኡ ክሳዕ ዝተሓባበርኩም፡ ስራሕኩም ክትቅጽሉ ትኽእሉ ኢኹም። መንበሪ-ፍቓድ ምስ ዝወሃበኩም ግን ስራሕኩም ቀጻሊ ይኸውን።

ክፉት ናይ ስራሕ ቦታታት ንምርኣይ ንቤት-ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) በዚ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻዚ ተወከስዎ፤ (www.arbetsformedlingen.se External link, opens in new window.)

ቁጠባዊ ደገፍ

ስራሕ ንምስራሕ ዘይትኽእል ምስ ትኸውን ወይ ውን ናይ ገዛእ ርእስኻ ገንዘብ ምስ ዘይህልወካ፥ መዓልታዊ ሓገዝ ገንዘብ ንምርካብ ምልክታ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ካብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ትቕበሎ ገንዘብ፥ ንመግቢ፡ ንኽዳን ከምኡ ውን ንኻልእ ግላዊ ወጻኢታት ንኺሽፍነልካ እዩ። ካብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ገንዘብ ትቕበል ምስ ትኸውን፥ ናትካ ቁጠባዊ ኵነታት ኣብ ዚቕየረሉ ጊዜ ን”ሚግራሾንስቨርከት” ሓበሬታ ክትህብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር’ዩ። ንኣብነት፡ ስራሕ እንተ ረኺብካ ወይ መነብሪ ቦታ እንተ ቐይርካ እዩ። እንተ ደኣ ናብ ሓንቲ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ብድሆታት ዘሎዋ መንበሪ-ቦታ ቀይርካ፥ ካብ ሚግራሾንስቨርከት ቁጠባዊ ሓገዝ ናይ ምርካብ መሰልካ ኪስረዝ ይኽእል እዩ። ኣብ ኢንተርነት ኣብ ”migrationsverket.se/asyl” ኣቲኻ፡ እቲ ብኸምኡ ኪጽሎ ዚኽእል ኣድራሻታት ኣበይ ምዃኑ ክትርኢ ትኽእል ኢኻ።

ነቲ መዓልታዊ ሓገዝ ገንዘብን ፍሉይ ቁጠባዊ ደገፍን ናይ ምርካብ መሰልካ ውን ኪስረዝ ይኽእል’ዩ፥ እዚ ድማ፡ እንተ ደኣ እቲ ብሓቂ ትቕመጠሉ ቦታ ዘይኮነስ፥ ዘይትቕመጠሉ ናይ ሓሶት ኣድራሻ ሂብካ ዄንካ እዩ። ንኣብነት ናይ ቡስጣ ቁጽሪ ሳጹን እንተ ሂብካ ዩ። ሓቂ ዘይኮነ ሓበሬታ ምሃብ ወይ ሓበሬታ ከይሃብካ ምጽቃጥ፥ ከም ገበን ዚቝጸር’ዩ። ከምኡ ምስ ዘጋጥም፡ ”ሚግራሾንስቨርከት” ብዛዕብኡ ናብ ፖሊስ ዘመልክተሉ ኵነታት ከምርሕ ይኽእል እዩ።

ቤት-ትምህርቲ

ኩሎም ሓተትቲ-ዑቝባ ህጻናት ወይ መንእሰያት ናብ ኣጸደ-ህጻናትን ቤት-ትምህርትን ኪኸዱ መሰል ኣለዎም። እቲ እትቕመጠሉ ከተማ ወይ ኮምዩን ኩላቶም ሓተትቲ-ዑቝባ ህጻናትን መንእሰያትን ከምቶም ካልኦት ኣብቲ ኮሙን ዚነብሩ ሰባት፡ ናይ ኣጸደ-ህጻናትን ስርዑ ትምህርትን መሰላት ንኺረኽቡ ሓላፍነት ይስከም። እቲ ኮሙን ንውላድኩም ኣብ ቤት-ትምህርቲ ቦታ ንኽረክብ ምእንቲ ኪቃለለሉ፡ በዓል-መዚ ኢምግረሽን ናይ ውላድኩም ስም፡ ዕለት ልደት፡ ቋንቋ፡ ሃገርን ቍጽሪ-ፋይልን ዚምልከት ሓበሬታ ናብቲ ኮሙን ኪልእኮ ከተፍቅዱሉ ይግባእ። ባዕልኹም ውን ነቲ ኮሙን ክትውከስዎ ትኽእሉ ኢኹም። ደቅኹም ናብ ኣጸደ-ህጻናት ወይ መደበኛ ቤት-ትምህርቲ ኪኸዱ ከም እትደልዩ ግለጹሎም።

ኣብ ሃገረ ሽወደን መንበሪ-ፍቓድ ዝተዋህበኩም ኣባጽሕ ኣብቲ ኤስ.ኤፍ.ኢ (sfi) ዚብሃል ንወጻእተኛታት ዚምልከት ቤት-ትምህርቲ ክትምሃሩ ትኽእሉ ኢኹም። ንውሳኔ ኣብ እትጽበዩሉ እዋን ቋንቋ ሽወደን ክትምሃሩ ምስ እትደልዩ፡ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ዚህባ ሓያሎ ወለንታውያን/ዘይመንግስታውያን ውድባትን ናይ ትምህርቲ ፈደረሽንን ኣለዋ። ኣብቲ ከባቢኹም ቋንቋ ሽወደን ንምምሃር እንታይ ተኽእሎታት ከም ዘሎ ንምፍላጥ ንመቐበሊ-ክፍሊ (mottagningsenhet) ተወከስዎ።

ወለንታውያን/ዘይመንግስታውያን ውድባት (Frivil­lig­or­ga­ni­sa­tioner)

ኣብ ሓያሎ ከባቢታት፡ እተን ወለንታውያን/ዘይመንግስታውያን ውድባት፡ ትምህርታዊ ማሕበራትን ኣብያተ-ክርስትያናትን፡ ንሓተትቲ ዕቝባ ዝዓለመ ዝተፈላለየ ንጥፈታት የዳልዋ እየን። በዓል-መዚ ኢምግረሽን ኣብ ከባቢኹም ኣየኖት ውድባት ከም ዘለዋ ኪሕብረኩም ይኽእል እዩ። ኣብ ነኣሽቱ ኣከባቢታት፡ ውድባት ብብዝሒ ኣይርከባን እየን። ምስ ሓንቲ ፍሉይ መደባት ዘለዋ ውድብ ክትራኸቡ ምስ እትደልዩ፡ ንመቐበሊ-ክፍሊ (mottagningsenhet) ተወከስዎ።

ንጉዳይ ዕቝባ ዚምልከት ቃለ-ምልልስ

ኣብቲ ንሕቶ ዕቝባ ዚምልከት ዝግበር ቃለ-ምልልስ፡ ብተርጓማይ ተደጊፍኩም፡ ዑቕባ መሕተቲኹም ኣመልኪትኩም ብሰፊሕ ክትገልጹ ኢኹም። ማለት፡ ስለምንታይ ሃገረ ሽወደን ጸግዒ ክትኮነኩም መሪጽኩም። ንምንታይ ሃገርኩም ገዲፍኩም ከም ዝመጻእኩም እትፈልጡ ንስኹም ብምዃንኩም መጠን፡ ኣብ ሃገርኩም ከሎኹም እንታይ ከም ዘጓነፈኩም፡ ናብኡ ክትምለሱ ምስ እትግደዱ ድማ እንታይ ከም ዝገጥመኩም ክትሕብሩ ኣገዳሲ እዩ። ዓኹም እንታይ ከም ዘጓነፈኩም ደኣምበር፡ ብዛዕባ ኣብ ሃገርኩም ዘሎ ኩነታት ምዝንታው ኣየድልየኩምን እዩ።

በዓል-መዚ ኢምግረሽን፡ ብዛዕባ’ቲ እትህብዎ ምኽንያት ብቑዕ ግምገማ ኪገብር ዚኽእል፡ እቲ ንውሳኔ ንምሃብ ኣገዳሲ ዝኾነ ካብ ሃገርኩም ዘውጽኣኩም ምኽንያት ምስ እትሕብሩ እዩ። ኣሳላጢ ጉዳይ፡ ንዓኹም ንምሕጋዝ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ሕቶ ዑቕባኹም ሰፊሩ ዝርከብ ኣገዳሲ ነገራት ሕቶታት ከቕርበልኩም እዩ።

ንእትህብዎ ሓበሬታ ዘራጒድ ሰነድ ወይ ካልእ ነገር ምስ ዚህልወኩም፡ ኣብቲ ናይ ቃለ-ምልልስ ግዜ ሒዝኩሞ ክትመጽኡ ትኽእሉ ኢኹም። ኣድላዪ ኮይኑ ምስ ዝረኽቦ፡ በዓል-መዚ ኢምግረሽን ነቲ እተቕርብዎ ሰነዳት ኪትርጒሞ ይኽእል እዩ።

ንኽትዛረበሎም ዘጸግሙ ነገራት

ሓደ ሓደ ነገራት ንኽትዛረበሎም ኣጸገምቲ ግን ከኣ ኣገደስቲ ኪኾኑ ይኽእሉ እዮም። ኣሳላጢ-ጉዳይ (handläggare) ምስጢር ናይ ምስታር ግዴታ ኣለዎ። እዚ ማለት ከኣ፡ ነቲ ዝበልኩሞ ነገራት ምስቶም ነቲ ጉዳይካ ዚምርምሩ ሰባት እንተ ዘይኮይኑ ምስ ካልኦት ኣየልዕሎን እዩ። ተርጓማይ እውን ከምቲ ኣሳላጢ-ጉዳይ፡ ምስጢር ናይ ምስታር ግዴታ ኣለዎ። እንተ ደሊኹም፡ እቲ ቃለ-ምልልስ ንግዜኡ ደው ኪብል ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣሳላጢ-ጉዳይ ጓል-ኣንስተይቲ ወይ ወዲ-ተባዕታይ ይኹነለይ ዝብል ምርጫ ምስ ዝህልወኩም፡ ቅድሚ`ቲ ቃለ-ምልልስ ዝካየደሉ ግዜ ኣቐዲምኩም ክትሕብ ሩኣለኩም።

ሕጋዊ ደገፍ

መብዛሕትኦም ሓተትቲ-ዑቝባ፡ ሕጋዊ-ተሓጋጋዚ (offentligt biträde) ክግበረሎም መሰል ኣለዎም። ሕጋዊ-ተሓጋጋዚ ክግበረልኩም መሰል ምስ ዝህልወኩም፡ በዓል-መዚ ኢሚግረሽን ንጉዳይኩም ዚከታተል ምኩር ናይ ሕጊ ሰብ ኪምድበልኩም እዩ። እዚ ኣካል`ዚ ኸኣ፡ ሕቶ ዑቕባኹም ብበዓል-መዚ ኢሚግረሽን ክምርመር እንከሎ፡ ድጋፍ ኮይኑ የገልግለኩም።

ነቲ ሕጋዊ-ተሓጋጋዚ ዚምድቦን ዚኸፍሎን በዓል-መዚ ኢሚግረሽን እዩ ኮይኑ እቲ ተሓጋጋዚ ግን ኣካል ካብ ጽልዋታት በዓል-መዚ ኢሚግረሽን ካልኦት መንግስታውያን ትካላትን ናጻ እዩ። ሕጋዊ-ተሓጋጋዚ ዝኾነኩም ሰብ ከም ሓሳብ ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ወዲ-ተባዕታይ ወይ ጓል-ኣንስተይቲ ትደልዩ ውን ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ንምግባር ግን ቅድሚ ቃለ-ምልልስ ዝካየደሉ ግዜ ኣቐዲምኩም ክትሕብሩ ኣለኩም። በዓል-መዚ ኢሚግረሽን ዚኸፍሎ ሕጋዊ-ተሓጋጋዚ ክምዘዘልኩም መሰል ምስ ዘይህልወኩም እውን ባዕልኹም እትኸፍልዎ ሕጋዊ-ተሓጋጋዚ ክትምድቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ስራሕ ተርጓማይን ተራኡን

ኣብ ሓያሎ ምስ በዓል-መዚ ኢሚግረሽን ዚግበር ርክባት፡ እቲ ተርጓማይ ነቲ ዚብሃል ዘሎ ኩሉ ይትርጉሞ እዩ። ዝበዝሕ ብኣካል፡ ብተሌፎን ወይ ውን ብመንገዲ ስእላዊ ቪድዮ ኣቢሉ ይትርጉም። እቲ ተርጓማይ ነቲ እትብልዎ ብስርዓት ኪትርጉመልኩም ምእንቲ ክትዛረቡ ከለኹም ኣብ መንጎ እንዳዕረፍኩም ተዛረቡ። ማለት ነቲ ተርጓማይ ተርጒሙ ክሳዕ ዚውድእ ተጸበይዎ።

ንተርጐምቲ ዝቕይዶም መምርሒታት ኣሎ እዩ። ተርጓማይ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ነቶም ሰብ ጉዳይ ብዛዕባ ስርሑን ብዛዕባ ግዴታ ምዕቃብ ምስጢርን ከምኡውን ንኹሉ እተባህለ ክትርጉም ግዴታ ከምዘለዎን ይገልጸሎም። ተርጓማይ ነቲ እተባህለ ጥራይ ክትርጉም እምበር ነቲ ዝተባህለ ክውስኸሉ ወይ ውን ካብኡ ከጒድል ኣይፍቀደሉን። ተጓማይ ወገን ኣይወስድን እዩ። ማለት ኣብ ፖለቲካ፡ ሃይማኖት ወይ ኣብ ካልእ ነገራት ዘለዎ መርገጺ ወይ ርእይቶ ኪገልጽ ግቡኡ ኣይኮነን። ማለት፡ ኣብ መንጎ ጣልቃ ብምእታው ንሓደ ወገን ኪሕግዝ ወይ ምስ ናይ ሓደ ወገን ዘለዎ ሓሳባት ኪገልጽ ኣይግባእን።

እቲ ተርጓማይ ዚብሎ ምርዳእ ምስ እትስእንዎ፡ ወይ ድማ ብገለ ምኽንያት ደስ ምስ ዘይብለኩም፡ ክትሕብሩ ግቡእኩም እዩ። ነቲ ዝርርብ ኣቋሪጽኩም ካልእ ተርጓማይ ኣምጽኡለይ ክትብል ይከኣል እዩ። ዝቕረበልኩም ተርጓማይ ጓል-ኣንስተይቲ ወይ ወዲ-ተባዕታይ ክኾነለይ ኣለዎ ትብሉ ምስ እትኾኑ ኣቐዲምኩም ምሕባር ኣይትረስዑ።

ውሳኔ

መንበሪ-ፍቓድ ምስ ዚውሃበኩም

መንበሪ-ፍቓድ ምስ ዚውሃበኩም፡ ኣብ ሃገረ ሽወደን ክትነብሩን ክትሰርሑን ትኽእል ኢኹም። መንበሪ-ፍቓድ ምስ ወሰድኩም ናብ ቤት-ጽሕፈት በዓል-መዚ ቀረጽ (Skatteverket) ኬድኩም ኣብ መዝገብ-ህዝቢ ሽወደን ተምዝገቡ። ብድሕሪ`ዚ ውልቃዊ-ቍጽሪ (personnummer) ይውሃበኩም። መንበሪ-ፍቓድ ከም እተዋህበኩም ዘረጋግጽ ምስክር ብበዓል-መዚ ኢሚግረሽን ናይ መንበሪ-ፍቓድ ካርድ ኪውሃበኩም እዩ። እቲ ካርድ ናብቲ ኣብ ከባኢኹም ዘሎ መቐበሊ-ክፍሊ’ዩ ዚለኣኽ።

እቲ ኣብ ሃገረ ሽወደን ንሓተትቲ ዕቝባ ዚውሃብ ልሙድ መንበሪ-ፍቓድ ናይ ግዜ ደረት ዘለዎ ኮይኑ፡ ንሓደ ዓመት ወይ ንሰለስተ ዓመታት ድማ የገልግል።

መንዋሕ ፍቓድ

እቲ ድሩት መንበሪ-ፍቓድኩም ምስ ኣብቀዐ፡ ንኺናውሓልኩም ክትሓትቱ ትኽእሉ ኢኹም። ናይ ምንዋሕ ሕቶኹም ግን 3 ወርሒ ቅድሚ እቲ ዝሓዝኩሞ መንበሪ-ፍቓድ ምውዳቑ ከተእትዉዎ ኣለኩም።

ገና ጸግዒ ወይ ዑቝባ የድልየኩም ምዃኑ ምስ ዝንጸር፡

ናይ ዑቕባ ሕቶኹም ምስ ዝንጸግ

ናይ ዑቕባ ሕቶኹም ተነጺጉ ማለት፡ በዓል-መዚ ኢሚግረሽን ኣብ ሽወደን ክትነብሩ ዘኽእለኩም ምኽንያት የብልኩምን ኣብ ዝብል መደምደምታ በጺሑ ማለት እዩ። ናይ ዑቕባ ሕቶኹም ምስ ዝንጸግ ወይ ውሳኔ ምቕባል ወይ ውን ይግባይ ምባል ዝብላ ክልተ ኣማራጺታት እየን ዝተርፋኹም።

ናይ ዑቕባ ሕቶኹም ምስ ዚንጸግ፡ ናይ ምስጓግ ወይ ምጥራዝ ውሳኔ ይብየነልኩም። እቲ ምስጓግ ካብቲ እቲ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ዚውዓለሉ ግዜ ጀሚሩ ንኣርባዕተ ዓመት ግብራዊ ይኸውን። ኣብ ውሽጢ`ዚ ኣርባዕተ ዓመት ናብ ሽወደን ምስ እትምለሱ ከም እትስጎጉ ይግበር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ጉዳይኩም ዳግም ንኽረአ መሰል የብልኩምን። ካብ በዓል-መዚ ኢምግረሽን ውን ሓገዝ ኣይትረኽቡን ኢኹም።

ናይ ምቕማጥን ቁጠባዊ ሓገዝን ናይ ምርካብን መሰልኩም ጠጠው ይብል

ናይ ዑቚባ ጠለብኩም ምስ ዝንጸግ፡ እቲ ዝወሃበኩም ገንዘባዊ ሓገዝ ደው ይብል። እዚ ነቶም ንስኹም እትሕተቱሎም ትሕቲ 18 ዝኾኑ ቆልዑ ምሳኹም ዘይብልኩም ኣባጽሕ ዝምልከት እዩ። ገንዘባዊ ሓገዝ ክንብል እንከለና ዝግበረልኩም ናይ መንበሪ-ገዛ መቕማጥ መሰልን ዝወሃበኩም ገንዘብን ማለትና እዩ። እቲ ዓዲ ገዲፍኩም ናይ ምውጻእ ወይ ውን ምጥራዝ ውሳኔ፡ ማለት ይግባይ ክበሃሎ ዘይክእል ውሳኔ፡ ኣብ ግብሪ ካብ ዝወዓለሉ ግዜ ኣትሒዙ ወይ ውን ባዕልኹም ንኽትወጹ ዝተዋህበኩም ግዜ ድሕሪ ምውድኡ`ዩ እቲ ሓገዛት ደው ዝብል። ሓገዛት ደው ምስ በለ ከኣ ካብ ሽወደን ክትወጽኡ ኣለኩም።

ቈልዑ ዘለዎም ስድራቤታት ብዝተነጸግዎ ምኽንያት ካብ ሽወደን ክሳብ ዝወጹ ወይ ብኻልእ ምኽንያት ካብ’ታ ናይ ኢሚግሬሽን ኣሃዱ ተቐባሊት ስደተኛታት(ሞታግኒን ኤንሄት) ክሳብ ዘይተሰረዙ፡ኣብ’ቲ ናይ ኢሚግሬሽን ግዝያዊ መንበሪ ቦታ እንዳነበሩ ቊጠባዊ ሓገዝ ክወስዱ ይኽእሉ እዮም።

ይግባይ ክትብሉ ምስ እትደልዩ

ድሕሪ ምንጻግኩም ይግባይ ክትብሉ ምስ እትደልዩ፡ ቤት-ፍርዲ ነቲ ውሳኔ ዳግም-ኪርእዮ ስለ ዝደለኹም እዩ። ነቲ ናይ ይግባይ ጽሑፍኩም ከኣ ናብ በዓል-መዚ ኢምግረሽን ኢኹም እትልእክዎ። እቲ ናይ ይግባይ ጠለብኩም ግን ቅድሚ እቲ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ናብ ቤት-ፍርዲ ኪበጽሕ ኣለዎ። እዚ ማለት ከኣ እቲ ይግባይ ካብቲ ውሳኔ እተቐበልኩምሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዘሎ ንሰለስተ ሳምንታት ዝምጠጥ ግዜ ክለኣኽ ኣለዎ። ኣማኻሪ ምስ ዚህልወኩም፡ ኪሕግዘኩም ይኽእል እዩ።

ፈለማ በዓል-መዚ ኢምግረሽን’ዩ ነቲ ብዛዕባ ይግባይ ጠለብኩም ዝሃቦ ውሳኔ ክቕየር ዝኽእል እንተኾይኑ ዝርእዮ። ይኹንምበር፡ ዚቕየር ዘይብሉ ኮይኑ ምስ ዚረኽቦ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት-ፍርዲ ኢምግረሽን የመሓላልፎ። ንሱ ድማ ነቲ ጉዳይኩም ይርእዮ። እቲ ቤት-ፍርዲ ብወገኑ፡ ነቲ ጉዳይ ርእዩ ውሳኔ ይህበኩም። ብውሳኔ ናይዚ ቤት-ፍርዲ ምስ ዘይትዓግቡ ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ኢሚግረሽን ነቲ ጉዳይ ክርእዮ ክትሓቱ ትኽእሉ።

ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ኢምግረሽን ንመጻኢ ውሳኔታት መምርሒታት ክኾኑ ዝኽእሉ ኣገደስቲ ዝኾኑ ጉዳያት ጥራይ እዩ ዝምርምር። ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ንጉዳይኩም ከም ዘይርኣዮ ሓበሬታ ምስ ረኸብኩም፡ እቲ ኣቐዲሙ ዝተዋህበኩም ውሳኔ ብቐጥታ ኣብ ግብሪ ይውዕል።

ሓሳብኩም ብምቕያር ነቲ ይግባይ ምስ እትስሕቡዎ፡ ነቲ ናይ ምንጻግ ውሳኔ ከም እተቐበልኩምዎ ንኢምግረሽን ክትሕብሩ ይግባእ። ስለዚ እቲ ቤትፍርዲ ነቲ ጉዳይኩም ደው ብምባል ነቲ ምምርማር የቋርጾ።

ናብ ሃገርካ ምምላስ

ካብቲ ናይ ምስጓጕ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ዚውዕለሉ ዕለት ጀሚሩ፡ ባዕልኹም ካብ ሽወደን ክትውጽኡ ግዜ ይወሃበኩም እዩ። ኣብቲ ውሳኔ፡ ካብዚ ሃገር ንኽትወጽኡ ክንደይ ግዜ ከም ዝተዋህበኩም ብንጹር ይሰፍር እዩ። ብእዋኑ ምውጻእ ድማ ሓላፍነትኩም እዩ። ናብ ሃገርኩም ወይ ድማ ናብታ ክትቅመጡላ መሰል ዘለኩም ሃገር ንምምላስ ካብ በዓል-መዚ ኢምግረሽን ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ንኣብነት፡ በዓል-መዚ ኢምግረሽን ምስ ሃገርኩም ርክብ ክትምስርቱ ወይ ንምምላስ ዝዓለመ ናይ መሳፈሪ ዘድሊ ምትሕብባር ክገብረልኩም ይኽእል።

ገለ ሰባት ነቲ ኣብ ሃገሮም ተመሊሶም እግሮም ዝተኽሉሉ ቁጠባዊ ሓገዝ ክወሃቦም እንከሎ፡ ገሊኦም ድማ ንሕጊ ወይ ንስራሕ-ምርካብ ዚምልከት ሓገዝ ይግበረሎም። ነዚ ዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ምስ ዝደልየኩም፡ ንኣሳላጢ-ጉዳይ ብዛዕባ ዳግመ-ምጥያስ (återetableringsstödet) ዚብሃል መደብ ሕተትዎ።

እገዳ ተመሊስካ ምምጻእ

ኣብቲ ውሳኔ ተጠቒሱ ዘሎ ዕለት ካብ ሃገር ምስ ዘይትወጽኡ፡ ተመሊስካ ናይ ምእታው እገዳ (återreseförbud) ይብየነልኩም። እዚ ማለት ከኣ፡ ንሓደ ዓመ ትዝኣክል ግዜ፡ ናብ ሃገራት ሸንገን ከምኡ ውን ቡልጋርያን ካብ ምእታው ትኽልከሉ። ስለዝኾነ ከኣ እቲ ካብ ሃገር እትወጽኡሉ ግዜ ባዕልኹም ክትዝክርዎ ኣገዳሲ እዩ።

ብወለንታኹም ካብ ሃገር ምስ ዘይትወጽኡ፡ ብበዓል-መዚ ኢሚግረሽን ናይ ምእታው እገዳ ክብየነልኩም ይኽእል።

ቀልጢፉ ኪፍጸም ዘለዎ ናይ ምስጓጕ ውሳኔ ምስ ዚውሃበኩም፡ ንሓዋሩን ናይ እገዳ ውሳኔ ተዋሂብኩም ኣሎ ማለት እዩ።

ምስ ዘይትተሓባበሩ

በዓል-መዚ ኢሚግረሽን ንሃገርኩም ክትምለሱ ትተሓባበሩ የለኹምን ኢሉ ምስ ዝድምድም፡ ዝህበኩም መዓልታዊ ኣበል ደው የብሎ። ምህላውኩም ሪፖርት ክትገሩን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከእትወኩምን ይኽእል እዩ። ሪፖርት ምግባር ማለት ድማ፡ ኣብ ውሱን ግዜን ቦታን መጺእኩም ብስሩዕ ግዜ ሪፖርት (ኣለኹ ምባል) ክትብሉ ኣለኩም ማለት እዩ። ፓስፖርትኹም ካልእ ናይ መንነት ሰነዳትኩምን ከተረክቡ ውን ክትግደዱ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ቀይዲ ምእታው ማለት ከኣ፡ ኣብ ሓደ ክትወጸሉ ዘይትኽእሉ ዕጹው ቦታ ምቕማጥ ማለት እዩ።

በዓል-መዚ ኢሚግረሽን ብናትኩም ዘይምትሕብባር ነቲ ናይ ምስጓጕ ወይ ምጥራዝ ውሳኔ ከተግብሮ ከም ዘይክእል ምስ ዘረጋግጽ፡ ፖሊስ እዮም ካብ ሃገር ንኽትወጽኡ ሓላፍነት ዚወስዱ። ፖሊስ ከኣ ኪደልዩኻን ኪሃድኑኻን መሰል ኣለዎም ትራይ ዘይኮነስ፡ ካብ ሃገር ንኸትወጽኡ ሓይሊ ክጥቀሙ ውን ይኽእሉ እዮም።

ሓድሽ ሓበሬታ ምስ እንረክብ

ድሕሪ ምንጻግኩም ሓድሽ ሓበሬታ ምስ ዚቕልቀል፡ በዓል-መዚ ኢሚግረሽን ነቲ ሓድሽ ሓበሬታ ንኸይትስጐጉ ዚሕግዘኩም ምዃኑን ዘይምዃኑን ንምፍላጥ የጽንዖ። ንኣብነት፡ ኩነታት ሃገርኩም ብኢሱ ክኸውን ይኽእል ወይ ውን ወይ ውን ብጽኑዕ ክትሓሙ ትኽእሉ። በዓል-መዚ ኢሚግረሽን ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ባዕሉ ተበግሶ ወሲዱ ወይ ውን ሓበሬታ በኣኹም ድሕሪ ምምጽኡ ከጽንዖ ይኽእል።

ተወሳኺ ሓበሬታ ምስ ዘድልየኩም

ነቲ ኣብ ግዜ ምጽባይ ዚጠቕመኩም ኣገዳሲ ዝኾነ ነገራት ንኽትፈልጡ ኣብ ብዙሕ ኣኼባታት ክትጽውዑ ኢኹም።

እቲ ኣብ ክፍሊ መሕተቲ-ዑቕባ (ansökningsenheten) እትረኽብዎ ኣሳላጢ-ጉዳይ፡ ንመንበሪ-ቤት፡ ንቑጠባ፡ ከምኡውን ንኽንክንን ትምህርትን ህጻናት ዚምልከት እንታይ ዓይነት ድጋፋት ከም ዝግበረልኩም ኪሕብረኩም እዩ።

ክፍሊ መሕተቲ-ዑቕባ፡ ነቲ ናይ ዕቝባ ሕቶኹም ምስ መዝገቦ፡ ኣብቲ ክፍሊ መቐበሊ ክትምዝገቡ ኢኹም። እቲ ክፍሊ ድማ ናብ ብእኩብ ዝካየድ ሓበሬታ ንምሃብ ዝዓለመ ኣኼባ ኪጽውዓኩም እዩ። ብዛዕባ’ቲ እትቕመጡሉ ቦታ ድማ ሓበሬታ ኪውሃበኩም እዩ።

ብዛዕባ ጉዳይኩም ገለ ሓድሽ ዚብሃል ነገር እንተሎ ንምሕባር፡ መቐበሊ-ክፍሊ ንኣኼባ ይጽወዓኩም እዩ። ውሳኔ ምስ ተዋህበኩም፡ ሓደ ኣሳላጢ-ጉዳይ ነቲ ውሳኔ ኪገልጸልኩምን ብድሕሪኡ ውን እንታይ ክትገብሩ ከም ዘለኩም ድማ ኪሕብረኩም እዩ።

ሕቶ ምስ ዚህልወኩም ንመቐበሊ-ክፍሊ ክትወከሱዎ ወይ ድማ ናብ ኣገልግሎት ዓሚል (kundtjänsten) በዚ ዝስዕብ ቁጽሪ-ስልኪ 0771-235 235 ደዊልኩም ክትሓቱ ትኽእሉ። ኣገልግሎት ዓሚል ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ካብ ሰዓት 08.00–16.00 ኢኹም ክትረኽብዎ ትኽእሉ።

ብተወሳኺ ኣብዚ ዝስዕብ መርበብ-ሓበሬታ ኣቲኹም ኣንብቡ www.migrationsverket.se/asylum-tigrinya.

ኣብዚ መርበብ-ሓበሬታ ብምእታው www.informationsverige.se/ti/ External link, opens in new window. ሕብረተ-ሰብ ሽወደን እንታይ ይመስል ንዝብል ከተንብቡ ትኽእሉ።

ምስ ፖሊስ፡ ኣምቡላንስ ወይ መጥፋእቲ-ሓዊ ብህጹጽ ክትረኽብዎም ምስ እትደልዩ ናብ ህጹጽ ቁጽሪ 112 ደውሉ።

ብዛዕባ ህጹጽ ዘይኮነ ጉዳያት ምስ ፖሊስ ክትዘራረቡ ምስ እትደልዩ 114 14 ደውሉ።

ንጥዕናን ክንክንን ዚምልከት ሕቶ ምስ ዚህልወኩም ናብ 1177 ደውሉ።

Last updated: