ንስኻ ነቲ ናይ ዑቕባ ምልክታኻ፤ ኣየነይቲ ሃገር ከም እትምርምሮ፤ ክትመርጽ ኣይትኽእልን ኢኻ። (ናይ ዳብሊን ኣዋጅ)
Du kan inte välja vilket land som prövar din asylansökan (Dublinförordningen) – tigrinska
እቲ ኣብ ድንጋጌ-ዳብሊን ዘሎ ሕጊ፡ ኣየነይተን ኤውሮጳዊት-ሃገር ንናይ ዑቕባኻ ምልክታ ከም ተጽንዖ ዚውስን’ዩ።
ምቐል
ኣብ ሃገር ሽወደን ዑቕባ ምስ ሓተትካ፤ ሚግራሾንስቨርከት እቲ መጀመርታ ዚገብሮ፤ ናይ ዑቕባኻ ጉዳይ ሓላፍነት እትወስድ ሃገር፤ ሽወደን ወይ ካልእ ናይ ኤውሮጳ ሕብረት ሃገር ምዃና መጽናዕቲ ይገብር። ንኽትኣቱ ቪዛ ዝተቐበልካላ፤ ገለ ዓይነት መቐመጢ ፍቓድ ተዋሃብካላ ዝጸናሕካ፤ ወይውን ናብዚ ናብ ምምጻእካ ኣብ ካልእ ናይ ኤውሮጳ ሕብረት ሃገር ዑቕባ እንተደኣ ሓቲትካ ኔርካ፤ ናብኣ ክትምለስ ከድልየካ ይኽእል እዩ። እዚ ሕጊዚ ኣብ ናይ ዳብሊን ኣዋጅ ሰፊሩ ዘሎ እዩ።
ብዛዕባ ናይ ዳብሊን ኣዋጅ ነንበይኖም ክፋላት ዚገልጽ፤ ኣብ ኣርባዕተ ጥራዛት ተዳልዩ ቀሪቡ ኣሎ።
- ”ምልክት-ኣጻብዕ (ዓሻራ) ከምኡውን ኤውሮዳክን”
Pdf, 494 kB, opens in new window.
- "ኣነ ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ዑቕባ ምልክታ ኣእትየ ኣሎኹ፤ ነቲ ጉዳየይ ሓላፍነት እትወስደሉ፤ ኣየነይቲ ሃገር እያ?”
Pdf, 2.9 MB, opens in new window.
- "ኣነ ኣብቲ ናይ ዳብሊን መስርሕ ኣሎኹ ማለት - እንታይ ትርጉም ኣሎዎ?"
Pdf, 2 MB, opens in new window.
- "ኣህጉራዊ-ሓለዋ ንምርካብ ምልክታ ዘእትዉ ቆልዑ"
Pdf, 4.7 MB, opens in new window.