Asyl Dina rättigheter som barn i Sverige

ስእላዊ-መግለጺ ናይ ኣብ ትሕቲ መጽሓፍ-ሕጊ ደው ዝበሉ ጓልን ወድን።

እቶም ዑቕባ ሓተት’ቲ ቆልዑ፡ ከም ኵሎም ኣብ ሽወደን ዘሎዉ ቆልዑ ፡ሓደ ዓይነት መሰል’ዩ ዘሎዎም። ንኣብነት፡ ኵሎም ቆልዑ ናብ ቤትትምህርቲ ኪኸዱ፥ ከድልዮም ከሎ ውን ክንክን-ሕክምና ኪረኽቡ፥ ውሕስነት ዘሎዎ ህይወት ኪህልዎምን፥ ንዘሎውም ሓሳባት ምቕራብ ኪኽእሉን መሰላት ኣሎዉዎም።

ቆልዑ ብዝተፈልየ ተነቀፍቲ ብምዃኖም፥ ብዝተዓጻጸፈ ሓለዋ ኪረኽቡ የድልዮም እዩ። እቲ ቆልዓን ዓቢ ሰብን ኢልካ ትፈልየሉ ደረት፥ ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ፍልልያት ነንበይኑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ሽወደን ክሳብ 18 ዓመት ትመልእ፥ ንስኻ(ኺ) ቆልዓ ኢኻ።

ውዕል መሰላት ህጻናት ሕቡራት ሃገራት፥ እቲ ውዕል ህጻናት (barnets rättigheter) ተባሂሉ ውን ዚጽዋዕ፥ ኣብ ሽወደን ንሱ ንባዕሉ ሕጊ እዩ። እቲ ውዕል መሰላት ህጻናት፡ ኩሎም ህጻናት እንታይ መሰላት ክህልዎም ከም ዘለዎም ዚገልጽ እዩ። ኣብ ሽወደን ንህጻናት ንምክልኻል ነባር ካልኦት ሕጊታት እውን ኣለዉ’ዮም።