ናይ ቀደም ዐቕባ ዝሓተቱ ከምኡእውን ስራሕ ዘለዎም ፤ ናይ ስራሕ ፍቓድ ንኽወሃቦም ዝሓቱ

Asylsökande som har fått arbete och vill ansöka om arbetstillstånd – tigrinska

እቲ ዑቕባ ንምሕታት ዘእተኻዮ ምልክታኻ ተነጺጉ፥ ካብ ሃገር ንኽትወጽእ ውን ተወሲኑካ እንተ ዀይኑ፥ ወይ ውን ካብ ሃገር ናይ ምውጻእካ መስርሕ (ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ) ተጀሚሩ ዀይኑ፤ ካብ ሃገር ሽወደን ከይወጻእካ፥ ብገለ ኩነታት ናይ ስራሕ ፍቓድ ንምርካብ ክተመልክት ትኽእል ኢኻ። እዚ ነገር ‘ዚ፡ ንዓኻ ንመጀመርታ ጊዜ ጉዳይ ዑቕባኻ ተመርሚሩ፥ ናይ ምውጻእ ውሳኔ ረኺብካ ዘሎኻ ወይ ውን ብኻልእ ጉዳይ ካብ ሃገር ንኽትስጐጕ ውሳኔ ዝረኸብካ ሰብ ውን ዘገልግል እዩ።

እንተድኣ ኣብ ዑቕባ እትሓተሉ እዋን ክትሰርሕ ጀሚርካ፤ አቲ.-ኡንድ (ካብ ናይ ስራሕ ፍቓድ ዝብል ሕኢጊ ነጻ ዝኾነ) ዝበሃል ክህልወካ ኣለዎ። እንተ ድኣ እቲ ዑቕባ ዝሓተትካሉ ምልክታኻ ተነጺጉ ኰይኑ፥ ግን ድማ ስራሕ ተቖጸሪካ ትሰርሕ ምስ ትህሉ፥ ንናይ ስራሕ-ፍቓድ ምልክታ ኣቕሪብካ ብኡ ምኽንያት ኣብ ሽወደን ስራሕካ እናሰራሕካ ምንባርካ ክትቅጽል ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ አቲ.-ኡንድ ዘድሊ ነገራት ንምፍላጥ ኣንብብ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

ናይ ግድን ናይ ስራሕ ፍቓድ ንኽህልወካ ዑቕባ ሓቲትካ ዝተነጸግካ

ናይ ስራሕ-ፍቓድ ንኽወሃበካ:-

  • ናይ ስራሕ ፍቓድ ዝተመልአ ወረቐት ናብ ቤት ጽሕፈት መዕቆቢ ስደተኛታት ደንጉዩ ተባሂሉ 14 መዓልቲ ካብታ ናይ ዑቕባ ዝሓተትካያ ኣብ ግብሪ ዝውዕለሉ ይቖጽር።
  • መንነትካ ንምርግጋጽ ብሓደ ቅቡልን ዘይወደቐን ፓስፖርት ተጠቒምካ መንነትካ ክተረጋገጽ ትኽእል ኢኻ።
  • አቲ-ኡንድ ዘለካን ከምኡእወን ዑቕባ ሓቲትካ ዝነበርካን
  • ነዘን ዝሓለፋ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ምስ ሓደ ወሃብ-ስራሕ ተቖጺርካ ዝጸናሕካ ምስ ትኸውን
  • እቲ ናይ ስራሕምቝጻርካ እንተ ወሓደ ን12 ኣዋርሕ ንቕድሚት ዚቕጽል ምስ ዚኸውን
  • እቲ ናይ ኣቆጻጽራኻ ኵነት እንተ ወሓደ በቲ ደረጃ ሽወደናዊ ሓባራዊ-ስምምዕ (svenska kollektivavtal)፥ ወይ በቲ ዚምልከቶ ናይ ስርሓ ጨንፈር ወይ ሞያ ዘማልእ ምስ ዚኸውን ኡ። ኣገባብ ምቑጻር ስራሕ ደሞዝ፤ ሓደጋ ኣብ ስራሕ ምስዝወርድ፤ ውሕስነት ናይ ሕማም፤ ናይ ህይወት ውሕስነት፤ ጡረታን። እዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም ጉዳያት ኣብ ቶም ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝተቐጸርካዮም ከማልኡ ኣለዎም።
  • ናብ ጽቡቕ ነፍስኻ ናይ ምንባይ ደረጃ ከብጽሓካ ዚኽእል ስራሕ ምስ ዚህልወካ እዩ። እዚ ማለት ድማ፡ ኣብቲ ምልክታ ዚቐርበሉ እዋን፥ ንስኻ ክሳብ 80 ሚእታዊት - ናይቲ ብመሰረት ስታቲስቲካዊ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት (Statistiska centralbyrån (SCB)) መዝጊብዎ ዘሎ ማእከላይ-ደሞዝ ዚበጽሕ ወርሓዊ-ደሞዝ ኪህልወካ ይግባእ። ብዛዕባ’ቶም እዋናውያን ናይ መተሓዳደሪ ጠለባት ኣብዚ ኣንብብ (ብቛንቛ አንግሊዝ).

ብድሕሪ’ቲ ዑቕባ ዝሓተትካሉ ምልክታ ምንጻጉ፥ ናይ ስራሕ-ፍቓድ ንኽትረክብ፥ ኣብቲ ዑቕባ ሓቲትካሉ ዝነበርካ ጊዜ፡ ስራሕ ጀሚርካ ዝጸናሕካ ክትከውን የድሊ። ቅድሚ ናይ ዑቕባ ምልክታ ምቕራብካ ግን፥ ኣቐዲምካ ብጊዜ ዝተደረተ ናይ መንበሪን ናይ ስራሕን-ፍቓድን ተዋሂቡካ፡ ኣብ ሽወደን ዝሰራሕካ ሰብ ምስ ትኸውን፥ ኣብ ሽወደን ክሳዕ ዘሎኻ ሓድሽ ናይ ስራሕ-ፍቓድ ኪወሃበካ ኣይክኣልን እዩ። ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ ቅድም ካብ ሃገር ሽወደን ክትወጽእ ይግብኣካ፥ ሽዑ ድማ ከም ብሓድሽ ንናይ ስራሕ ፍቓድ ምልክታ ተቕርብ ማለት’ዩ። ሽዑ ናይ ስራሕ-ፍቓድ ምስ ተፈቕደልካ ኢኻ ናብ ሽወደን ክትምለስ እትኽእል።

ውሳኔ ኣብ ግብሪ ዝወዕለሉ (ብሕጊ) እንተድኣ

  • ነቲ ዝተዋህበካ ውሳኔ ከምዘዕገበካን ከምኡእውን ምስአትፍርምን
  • ሰለስተ ሰሙን ካብ እቲ ወሳኔ ካብ ቤት ጽሕፈት መዕቆቢ ስደተኛታት ዝተዋህበካ ፤ እሞ ኸኣ ይግባይ ከምዘይበልካን።
  • ሰለስተ ሰሙን ዝኸውን ግዜ ካብ ቤት ጽሕፈት መዕቆቢ ስደተኛታት ፍርዲ ተዋሂቡካን ይግባይ ናብ መዕቆቢ ስደተኛታት ቤት ፍርዲ ምስዘይትብልን።
  • ቤት ጽሕፋት መዕቆ ስደተኛታት ፍቓድ ንጉዳይ ንምፍታን የፍቅድን።

ምእንቲ ናይ ስራሕ ንኽወሃበካ ፍቓድ ናይ ስራሕ ግብሪ ንኽውዕል ከተማልእ ኣለካ። ብዙሓት ስራሐት ደሚርካ ነቲ ግቡእ ንኸተማልእ ኣይፍቀድን እዩ።

እንተድኣ እቲ ፓስፖርትኻ ክወድቕ ቀሪቡ፤ ከተሕድሶ ኣለካ፤ እንተዘይኮነ ብዘይ ፓስፖርት ክትሰርሕ ኣይፍቀደካን እዩ።

እንተድኣ ቤት ጽሕፈት መዕቆቢ ስደተኛታት ፓስፖርትኻ ኣብ ዑቕባ ዝሓተትካሉ እዋን ምስኦም ምስዝህሉ፤ ቅዳሕ ወይ ኮፒ ምስ ወረቐትቲ ናይፓስፖርትኻ ዝመላእካዮ ምልኣኽ ኣየድልን እዩ።

ብዛዕባ እዚ ኩነታት ካብ ወሃብ ስራሕካ ዘሎ ግዴታት ንምፍላጥ ኣብ ኣርእስቲ ንወሃብ ስራሕ ዝብል ተንብብ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

እዚ ግዴታታት ምስ ዘይተማልእ

ምእንቲ ስራሕ ኣብ ሃገር ሽወደን ፍቓድ ስራሕ ክወሃበካ እንኾይኑ ኩሉ ግዴታት ክማላእ ኣለዎ። እንተዘይኮነ ሃገር ሸወደን ሓዲክካ ትወጽእ እቲ ጽሑፍ ድማ ትልእኽ፤ ኣብ ሃገርካ ወይ ኣብ ካልእ ሃገር ንኽትቅመጥ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ ኮይኑ ድማ ኣብኡ ኮንካ መልሲ ትጽበ።

ብዛዕባ እዚ ብኸመይ ከምእእትገብር ብኸምዚ ወረቐት ትመልእ ዝብል ተንብብ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

ኣድላዪ ብዛዕባ ውሕስነት

ውሐስነት ንኹሉ ዘጠቓልል ክህልወካ ናይ ግድን እዪ ። ምናልባት ሽወደን ኣብ እትቕመጠሉ እዋን ሕማም ወይ ሓደጋ ምስዝወርደካ።እንተድኣ ኣብ ሽወደናዊ ክፍሊ መዝገብ ግብሪ ተመዝጊብካ ፤ ናይ ሽወደናዊ ማሕበራዊ ውሕስነት መሰል ኣለካ።እንተድኣ ዘይተመዝጊብካ ኮንካ ግን ውሐስነት ህይወት ትኽትም።

እንተድኣ አብ ሽወደናዊ ክፍሊ መዝገብ ግብሪ ክትምዝገብ ኮንካ፤ ፍቓድ ብዉሕዱ ናይ ሓደ ዓመትኣብ ሃገር ሽወደን ክህልወካን፤ ብተወሳኺ ድማ ኣብዚ ሃገር ካብ ሓደ ዓመት ንላዕሊ ከትቅመጥ ምስ እትደሊ የድሊ።

ብዛዕባ እዚ ማለት ሽወደናዊ ክፍሊ መዝገብ ግብሪ አብ ከፍሊ ግበሪ ተንብብ። External link, opens in new window.

ፍቓድ ንስድራ ቤትካ

ስድራ ቤትካ ኪወሃብዎ ዚኽእሉ ፍቓድ፥ ልክዕ ክንድቲ ንስኻ ዘሎካ ናይ ፍቓድ ጊዜ ኮይኑ፥ ንስኻ ድማ ባዕልኻ ክትናብዮም ምስ ትኽእል እዩ። ከም ስድራ ቤት ዝቑጸሩ ድማ

  • ምሳኻ እትቕመጥ ብጸይትኻ፤ በዓል ቤት/በዓልቲ ቤት ወይ ምዝጉባት ሰብ ሓዳር
  • ናትካ ወይ ናይ ብጸይትኻ ዘይምርዕዋት ውላዳት ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሜኦምን። እንተ ደኣ ደቅኻ ብድሕሪ’ቲ ናይ ዑቕባ ምልክታኻ ምንጻጉ ካብ ሃገር ሽወደን ወጺኦም ኮይኖም፥ ክሳብ’ቲ ንሳቶም 21 ዓመት ዚመልኡሉ ጊዜ፥ ፍቓድ ኪወሃቦም ይኽእል እዩ። 

ስድርኻ ናይ ምንባይ ጠለብ

መታን ስዳራ ቤትካ መቐመጢ ፍቓድ ኪወሃቦም ኪክኣል፥ ንዓኻ ንገዛእ ርእስኻን ነቶም ስድራ ቤትካን ባዕልኻ ክትናብዮም ክትክእል ኣሎካ።

ኣብ ስራሕ ዓለም ዘሎኻ ሰብ፥ ብዛዕባ ስድራኻ ናይ ምንባይ ጠለብ ኣብዚ ብዝበለጸ ኣንብብ። (ብቛንቛ አንግሊዝ)

ስድራ ቤትካ ብኸምዚ ኣገባብ ይሓቱ

ብቕድሚ ሕጂ ፍቓድ ሓቲትኩም ዝተነጸግኩምን ንኽትወጹ ወይ ናይ ምስጓግ ጉዳይኩም ዝጀመረ (ኣብ ግብሪ ዝወዓለ) ሳሕቲ ግዜ ናይ ስራሕፍቓድ ካብ ሃገር ሽወደን ከይወጻእኩም ክትሓቱ ትኽእሉ። እቲ ዝምላእ ወረቐት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን እቲ ውሳኔ ምስተወሰነ ከተቕርቡ ትኽእሉ።

እንተድኣ ብሓበር ትሓቱ ኮንኩም ንስኻ ንስድራ ቤትካ ኣብእቲ እትመልኦ ወረቐት ትመልኦ።

እንተድኣ ስድራ ቤትካ ብድሕረኻ ክመልኡ ኮይኖም ናቶም ወረቐት ብኢነተርነት ይመልኡ። (ብቛንቛ አንግሊዝ)

ብኸምዚ ኣገባብ ፍቓድ ናይ ስራሕ ትመልእ

1

ወሃብ ስራሕ ንዝምላእ ወረቐት ክመልእ ይጅምር

እቲ ንዓኻ ኣብ ሽወደን ዚቖጸረካ ወይ ስራሕ ዘስርሓካ ሰብ፥ ብዛዕባ’ቲ ዚህበካ ስራሕ እንታይ ምዃኑ ሓበሬታ ብምቕራብ፥ ናይ ስራሕ ፍቓድ ንኸውጽኣልካ ምልክታ ምቕራብ ኪጅምር ይኽእል እዩ። ወሃብ ስራሕካ ብዛዕባኻ ማለት ሽምካ፤ ዝተወለድካሉ ዓ.ም፤ዜግነት፤ ትምህርትኻን፤ ኢመይል ኣድራሻኻን የድልዮ።

ኢመይል ኣድራሻ ክህልወካ ናይ ግድነት እዩ፤ ንስኻ ንወሃቢ ስራሕካ ውሳኔ ምስተወሰነልካ ትህቦ። ቤት ጽሕፈት መዕቆቢ ስደተኛታት ብኢመይል ኣድራሻኻ ጌሩ ኣብ እዋን ፍቓድ ናይ ስራሕ ፍቓድ ርክብ ምሳኻ የካይድ።

ሓበሬታ ንምውሃብ ስራሕ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

2

መይል መልእኽቲ ይልኣኸካ

እቲ ወሃብ-ስራሕካ ብዛዕባ’ቲ ናይ ስራሕ ምቝጻርካ ሓበሬታ ምስ ኣቕረበ፥ ንስኻ ንናይ ስራሕ ፍቓድ ምልክታ ንምቕራብ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ሓበሬታ ዝሓዘ፥ ”ኤ-ፖስት” ኪልኣኸልካ እዩ።

ኣብ እትመልኦ ወረቐት ድማ ብዛዕባኻ ትገልጽ፤ ስድራ ምስዝህልወካ ንሳቶም ድማ ፍቓድ ናይ መቐመጢ ንስድራኻ ብሓባር ትሓትት። ካብ ርእሲኡ ውን እቲ ክትቆጻጸሮ ዘሎካ ነገር፥ ኣብቲ ተዋሂቡ ዘሎ ሓበሬታ፡ እቲ ሓቅነት ናይቲ ናይ ስራሕ ኣቆጻጽርኻ ኵነት፥ ልክዕ ከምቲ ንስኻን እቲ ወሃብ ስራሕካን ተሰማሚዕኩምሉ ዘሎኹም ነገር፥ ሓደ ከም ምዃኑ እዩ።

ብዛዕባ ፍቓድ ናይ ስድራ ቤት ኣንብብ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

3

ኣተሓሒዝካ ደብተርካ ትልእኽ

እዞም ዝስዕቡ ወረቓቐትኻ ስካን ወይ ስእሊ ጌርካ ምስ እቲ ዝመላእካዮ ወረቐት ኣተሓሒዝካ ትልእኽ።

  • ኮፒ ካብ ፓስፖርት ብዛዕባኻ ዝገልጽ፤ ስእሊ፤ፌርማ፤ቁጽሪ ፓስፖርትን፤ኣበይ ሃገር ከምዝተዋህበካን፤ንኽንደይ እዋን ከምዘገልግልን፤ ብማሺን ክንበብ ዝኽእል ኮድን ብዛዕባኻ፤ ኣብ ካልኦት ሃገራት ንኽትቅመጥ ፍቓድ ምስዝህልወካ፤ብዘይካ ሃገርካ። ምናልባት ዑቕባ ኣብ ዝሐተትካሉ እዋን ቤት ጽሕፈት መዕቆቢ ስደተኛታት እንተድኣ ወሲዶሞ ኮፒ ናይፓስፖርት ናብ ቤት ጽሕፈት መዕቆቢ ስደተኛታት ምልኣኽ ኣየድልየካን እዩ።
  • ናይ ስራሕ መቝጸሪኻ ውዕል (እቲ ውዕል ብእንግሊዝኛ ወይ ብሽወደንኛ ዘይኮነስ ብኻልእ ቋንቋ ምስ ዚኸውን፥ እቲ ውዕል ተተርጒሙ ምስ ሓደ ቅዳሕ ናይቲ ቀንዲ “ኦሪጂናል” ውዕል ተተሓሒዙ ይልኣኽ)።
  • ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ስራሕ ኣቆጻጽርኻን፥ ከምኡ ካብቲ ዚምልከቶ ማሕበር ሰራሕተኛ ናይ ምስክርነት ጽሑፍን እዩ። (እዚ ካብ ወሃብ ስራሕካ ክትረኽቦ ኢኻ)።
  • ጸብጻብ ወይ ሰነድ ደሞዝ ናይ ኣርባዕተ ኣዋርሕን

እንተድኣ ፓስፖርትኻ ክወድቕ ቀሪቡ ከተናውሖ ኣለካ፤ እንተዘይኮነ ክሳብ ፓስፖርተኻ ክሳብ ዝወድቕ ጥራሕ ኢኻ ክትሰርሕ ዝፍቀደልካ።

እንተድኣ ብሓበር ምስ ስድራ ቤትካ ፍቓድ መቐመጢ ምስ እትሓትት

  • ኮፒ ካብ ፓስፖርት ብዛዕባ ስድራኻ ዝገልጽ፤ ስእሊ፤ፌርማ፤ቁጽሪ ፓስፖርትን፤ኣበይ ሃገር ከምዝተዋህበካን፤ንኽንደይ እዋን ከምዘገልግልን፤ ብማሺን ክንበብ ዝኽእል ኮድን ብዛዕባኻ፤ ኣብ ካልኦት ሃገራት ንኽትቅመጥ ፍቓድ ምስዝህልወካ፤ብዘይካ ሃገርካ። ምናልባት ዑቕባ ኣብ ዝሐተትካሉ እዋን ቤት ጽሕፈት መዕቆቢ ስደተኛታትት እንተድኣ ወሲዶሞ ኮፒ ናይ ፓስፖርት ናብቤት ጽሕፈት መዕቆቢ ስደተኛታት ምልኣኽ ኣየድልየካን እዩ።
  • ኮፒ ወይ ቅዳሕ ናይ ቃልኪዳን፤ መረጋገጺ መርዓን (ንዝተመዘገቡ ሰብ ሓዳር)
  • ብሓደ ሓቢርኩም ትቕመጡ ከም ዝነበርኩም ዘርኢ ሰነድ (ንተጻመድቲ ዚምልከት)
  • መረጋገጺ ናይ ውላድ ዘተወለደሉ ወረቐት
  • ፍቓድ ካብ ካልኣይወላዲ/ሓለፍነት ውላድ ዘለዎ ሰብ ፤ ምናልባት እቲ ካልኣይ ወላዲ ናብ ሃገር ሽወደን ዘይመጽእ ምስዝኸውን፤ ውላድ ናብ ሃገር ሽወደን ንክኸይድ ፍቓደኛ ምዃኑ መረጋገጺ።
  • ንገዛእ ርእስኻን ንስድራቤትካን ክትናቢ ከም ትኽእል፥ ደሞዝካ እኹል ከም ዝኾነ ዘርኢ ሰነድ። እዚ ኣብቲ ናይ ምልክታ ፎርም ክትረኽቦ ኢኻ ወይ ውን ኣብ ”ኤ-ኣገልግሎት” (e‑tjänsten) ኣየኖት ሰነዳት ኣተሓሒዝካ ክትልእኽ ከም ዘሎካ እዩ።

እቲ ወረቓቕቲ ናብ ቋንቋ ሽወደን ወይ ብእንግሊዝኛ ብብቑዕ ተርጓሚ ክግልበጥን፤እቲ ኦሪጂናል ተረክብ ቅዳሕ ድማ ምሳኻ ትሕዝ።  እቲ ናብ ሃገር ሽወደን ንኽመጽእ መደብ ዘለዎ ሰብ ናብ ኤምባሲ ናይ ሃገር ሽወደን ወይ ቆንስል ከይዱ ናይ ፍቓድ መቐመጢ ካርድ ምእንቲ ንኽውሃብ።

ብዛዕባ ፍቓድ ንስድራ ቤት ዝብል ጽሑፍ ኣንብብ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

ምናልባት ምስእቲ ቀደም ዘስርሓካ ዝነበረ ወሃብ ስራሕ ክትቅጽል እንተኾንካ

  • ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ኵሎም ዓይነት እቶታትካ ዘርኢ ሰነድ ካብ “ቤትስልጣን ግብሪ” (Skatteverket) ወይ ውን ናይ ዝሓለፈ ብፍቓድ ዝነበረካሉ ጊዜ፥ ካብ ”ቤትስልጣን ግብሪ ዚወሃበካ ”ዓመታዊ ”ጸብጻብ ኣታዊታት-ገንዘብ” (inkomstdeklaration) ዘርኢ ሓበሬታ እዩ።
  • ምናልባት ውን ናይዚ ዓመት’ዚ ናይ ደሞዝ-ቅብሊታትካ (lönespecifikationer) ሰነዳት።

4

ነቲ ዝመላእካዮ ወረቐት ትኸፍልን ትልእኮን

መብዛሕትኡ እዋን ክፍሊት ክትከፍል ኢኻ። ክትከፍል እንከለኻ ድማ ብቪዛ ወይ ብማስተር ካርድ ትኸፍል። እቲ ዝኽፈል ምስ ከፈልካ ድማ ወረቓቕትኻ ትልእኮ። ብመይል ድማ መረጋገጺ እቲ ወረቓቕተኻ ከምዝተላእከ ትሕበር። ቤት ጽሕፈት ዑቕባ ስደተኛታት ኣድላዩ ሓበሬታ ምስዝህልዎም ክራኸቡካ ይኽእሉ።

ንፍቓድ ስራሕ ንምሕታት ዝኽፈል ክፍሊት (ብቛንቛ አንግሊዝ)

5

ቤት ጽሕፈት ዑቕባ ስደተኛታት ጉዳይካ የካይድዎ

እንተድአ ፍቓድ ና ይ ስራሕካ ምውድኡ ሓቲትካ፤ ክሳብ መልሲ ዝወሃበካ ክትሰርሕ መሰል ኣለካ።

ቤት ጽሕፈት ዑቕባ ስደተኛታት ውሳኔ ንኽህብ ኩሉ ዝመላእካዮ ቅኑዕን፤ ኣድለይቲ ወረቓቐትን ምስእተቕርብ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ጉዳይካ ቀልጢፉ ይውሰነልካ፤ ዝጎደሉ ነገራት ካብ ምምላእን ምእንቲ ነዊሕ ግዜ ካብ ምጽባይን የድሕነካ።

ከተስተውዕሎ ዘለካ ቤት ጽሕፈት ዑቕባ ስደተኛታት ሳሕቲ ንጉዳይካ ኩሉ እቲ ዘድሊ ምስ እተማልእን እኹል ምስዘኸውን  ሳሕቲ  እንደገና መጽናዕቲ ከካይዱ ይኽእሉ እዮም።

ምክያድ መጽናዕቲ ገዜ ንናይ ስራሕ ፍቓድ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

6

ፓስፖርትኻ ኣርእይ

ኢሚግሬሽን ቅድሚ ውሳኔ ምሕላፉ ፓስፖርትኻ ንኽቆጻጸር ምርኣይ ከድልዮ ይኽእል እዩ።ስለ’ዚ ኣብ ሓንቲ ካብ’ተን ኣገልግሎት ንህበለን ቤ/ጽሕፈታት ፓስፖርትኻ ከተርእይ ከድልየካ ይኽእል እዩ።

ኣብ ገሊኡ ኲነታት ግን ንኣብነት ቅድሚ ሕጂ ኣባና መጺኻ ዑደት ኣብ ዝገበርካሉ እዋን ድሮ ፓስፖርትኻ ኣርኢኻና እንተ ነይርካ፡ሕጂ ከተርእየና ኣየድልየካን እዩ።

ፓስፖርትኻ ከተርእየና ኣድላዪ ምስ ዝኸውን፡ ብኸመይን መዓስን ከተርእየና ከም ዘለካ ሓበሬታ ክንህበካ ኢና።

7

ምእንቲ ናይ ፍቓድ ካርድ ንኽወሃብ ኣድለይቲ ጉዳያት

እንተድኣ ፍቓድ ካብ ሰለስተ ወርሒ ንላዕሊ ተፈቒዱልካ፤ እዚ ናይ ፍቓድ ካርድ ይወሃበካ። እዚ ካርድ መረጋገጺ ኣብ ሃገር ሽወደን ንኽትቅመጥ፤ ኣብ ካርድ ድማ ስእልኻን ፤ ናይ ኣጻብዕትኻን ስእሊ ኣለዎ። ስለዚ ንስኻ ምስ ቤት ጽሕፈት ዑቕባ ስደተኛታት ንኽትስኣልን ስእሊ ኣጻብዕትኻን ንምስኣልን ብዝቐልጠፈ እዋን ቆጸራ ትሕዝ። እዚ ጉዳይ እዚ ዋላ እኳ ብቕድሚ ሕጂ ናይ መቐመጢ ካርድ እንተነበረካ፤ ስእልኻን ስእሊ ናይ ኣጻብዕትኻን ስለዘይንዓቑሮ እዩ።

ብዛዕባ ናይ መቐመጢ ፍቓድ ካርድ ኣንብብ

ቆጸራ ናብ ቤት ጽሕፈት መዕቆቢ ስደተኛታት ምእንቲ ክትስኣልን ናይ ኣጻብዕቲ ስእሊ ንኽስአሉኻን (ብቛንቛ አንግሊዝ)

8

ውሳኔ ድማ ይወሃበካ

ብኢመይል ጉዳይካ ከምዝተወሰነ ንሕብረካ። እቲ ውሳኔ ግን ብደብዳቤ ናብ ናይ ገዛኻ ኣድራሻ ንልእኽ። ወሃብ ስራሕካ ድማ ብሓደ ግዜ መልእኽቲ ናይ ውሳኔ ብቡሰጣ ንልእከሉ። ናይ መቐመጢ ፍቓድ ካርድ ምስ ተሰርሐ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ናብ ገዛኻ ይልኣኽ።

ውሳኔ ሃገር ሓዲክካ ንምውጻእ ስራሑ ኣየቋርጽን እዩ

እንተድኣ ብዛዕባ ዝሓተትካዮ ናይ ዑቕባ ሕቶ ምስ እትንጸግ፤ እቲ ውሳኔ ናይ ምስጓግ ይቕጽል፤ ዋላ እኳ ናይ መቐመጢ ፍቓድ ምስእትሓትት። ቤት ጽሕፈት መዕቆብ ስደተኛታት ናብ ሃገር ንምምላስ ክሳብ መልሲ ናይ ስራሕ ፍቓድ ዝወሃበካ ጠጠው ከብሉ ይኽእሉ።

እንተድኣ ናይ መንበርን ናይ ስራሕን ተዋሂቡካ ኣብ ሃገር ሽወደን ክሳብ እቲ ፍቓድ ዝወድቕ ክትቀመጥ ትኽእል። እዚ ውሳኔ ናይ ምስጓግ ግን ክሳብ ኣርባዕተ ዓመት ካብ ናይ ውሳኔ ዕለት ይካየድ ወይ ድማ ክሳብ እቲ ውሳኔ ዝስሓብ። ስለዚ ንስኻ ወረቐት ብዛዕባ ምንዋሕ ፍቓድካ ክትመልእ እንከለኻ ቅድሚ ምውዳቑ ከትሓትት ኣለካ። እንተድኣ ወረቓቕትኻ ፍቓድካ ምስ ወደቐ ምስ ዝመጸና፤ ከም ሕጊ ብዛዕባ ውሳኔ ካልኦት ተረርቲ ሕግታትን ግዴታትን ተገይሩ ፍቓድ ናይ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ይውዕል።


እንተድኣቤት ጽሕፈት ዑቕባ ስደተኛታት ንጉዳይካ ነጺግዎ

ነቲ ዝተወሰነ ውሳኔ ምንጸግ ብዛዕባ ናይ ስራሕ ፍቓድ ይግባይ ክትብል ትኽእል። እዚ ናይ ይግባይ ጉዳይ ጽሑፍ  ናብ ቤት ጽሕፈት ዑቕባ ስደተኛታት ካብ እታ ውሳኔ ዝተዋህበትካ መዓልቲ ውሳኔ  ኣብ ውሸጢ ሰለስተ ሰሙን ከትበጽሓና ኣለዋ። እንተድኣ ናይ ስራሕ ፍቓድ ዘይተፈቒደልካ፤ ናይ ቀደም ውሳኔ ሃገር ሓዲግካ ንኽትወጽእ ኣብ ግብሪ ይውዕል።

ብድሕሪ ውሳኔ ዝብል ጽሑፍ ኣንብብ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

እንተድኣ ብኢነተርነት ወረቓቐቲ ዘይመሊእካ

ብኢንተርነት ወረቐት ክትመልእ ምስዘይትኽእል፤ ወረቐት ወይ ኦርኒክን ናይ ምስራሕ ፍቓድ ኣብ ሃገር ሽወደን -ንስኻ ኣብ ሸወደን ዘለኻ ድማ ዝምላእ ቁጽሪ ወረቐት 149011 እዩ። እንተድኣ ስድራ ቤትካ ክሓቱ ኮይኖም ነብሲ ወከፍ ሰብ ናይ ስድራ ቤት ወረቐት ይመልኡ። ኣብ እቲ ዝምላእ ወራቓቕቲ ከተማልኦም ዘለካ ጉዳያት ኣተሓሒዝካ ክትልእኽ ከምዘለካ ሓበሬታ ኣሎ።

Application for Swedish work permit, form number 149011 (หน้าภาษาอังกฤษ) Pdf, 851.7 kB, opens in new window.

Application for permit for family members of employees, visiting researchers, athletes and self-employed persons, form number 133011 (ብቛንቛ አንግሊዝ) Pdf, 847.4 kB, opens in new window.

ወረቐቀቕቲ ናብ፤

Migrationsverket
Box 3100
903 03 Umeå

ንመብዛሕትኡ ጉዳያት ይኽፈሎ እዪ

ብዛዕባ ከፍሊትን ብኸመይ ከምስኽፈልን ኣንብብ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

Last updated: