ንጊዝያዊ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ኣመልክት

Ansök om provisoriskt främlingspass – tigrinska

እቲ ልሙድ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ኪወሃበካ ዘይክእል ወይ ውን ንምጽባይ ጊዜ ዘይብልካ ምስ ትኸውን፥ ጊዝያዊ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት (ንሓጺር ጊዜ ዘገልግል) ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ጊዚያዊ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ንሓጺር ጊዜ ጥራይ ወይ ንሓደ ፍሉይ መገሻ ጥራይ ዘገልግል እዩ።

ሓደ ጊዚያዊ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ኪወሃበካ እንተ ዀይኑ፥ ንገለ ካብዞም ዚስዕቡ ኣማራጺታት እተማልእ ክትከውን የድሊ፡-

ጊዚያዊ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ንምሕታት ዘገደዱኻ ምኽንያት

ጊዚያዊ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ንምርካብ ክማልኡ ዘሎዎም ጠለባት

ንናይ ሃገርካ ፓስፖርት ወይ ውን ካልእ ንመገሻ ዘገልግል ቅቡል ሰነድ፥ ናብ ካልእ ሃገር ኬድካ እንተ ዘየመልኪትካ፥ ኣብዚ ኣብ ሽወደን ኴንካ ምልክታ ንምቕራብ ዕድል ዘይብልካ ምስ ትኸውን።

ካብ ሃገር ሽወደን ወጻኢ ተጓዒዝካ፥ ናይ ሃገርካ ፓስፖርት መዓስን፡ ኣበይን፡ ብኸመይን ኣገባብ ንምውጻእ መደብ ምስ ዚህልወካ።

ብኣዝዩ ህጹጽን ኣድላዪን ምኽንያት ናብ ወጻኢ ሃገር ንምጋሽ ኣድልዩካ፥ እሞ ናይ ሃገርካ ፓስፖርት ውን ምስ ዘይህልወካ።

ስለምንታይን ልክዕ ኣብቲ ጊዜ’ቲን ፓስፖርት ወጻእተኛ ከም ዘድልየካ፥ ስለምንታ ውን ናይ ሃገርካ ፓስፖርት ክተውጽእ ከም ዘይትኽእል ወይ ውን ጊዝያዊ ናይ መገሻ ሰነድ ካብ ናይ ሃገርካ ኣብያተስልጣን፥ ንኣብነት ካብ ናይ ሃገርካ ኤምባሲ ወይ ቆንስላዊ ቤትጽሕፈት ክትረክብ ከም ዘይትኽእል፥ ንሚግራሾንስቨርከት ክትገልጸሉ ይግብኣካ። ኣብቲ ንናይ ጊዚያዊ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ተመልክተሉ ጊዜ፥ ነቲ ሽግርካ ተረጋግጸሉ ሰነድ ተማሊእካ ምጻእ።

ነቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ፓስፖርትኻ ብጌጋ ኣገባብ ዝተጠቒምካሉ ወይ ብኸቢድ ገበን ዝተፈረድካ ሰብ ምስ ትኸውን፥ ዋላ’ኳ ብኣዝዩ ህጹጽን ኣድላዪን ምኽንያት መገሻ ንምፍጻም ፓስፖርት ዘድልየካ ምስ ዚኸውን፥ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ወይ መጋየሺ ፓስፖርት ኪወሃበካ ኣይክእልን እዩ።

ስለምንታይን ልክዕ ኣብቲ ጊዜ’ቲን ፓስፖርት ወጻእተኛ ከም ዘድልየካ፥ ስለምንታ ውን ናይ ሃገርካ ፓስፖርት ክተውጽእ ከም ዘይትኽእል ወይ ውን ጊዝያዊ ናይ መገሻ ሰነድ ካብ ናይ ሃገርካ ኣብያተስልጣን፥ ንኣብነት ካብ ናይ ሃገርካ ኤምባሲ ወይ ቆንስላዊ ቤትጽሕፈት ክትረክብ ከም ዘይትኽእል፥ ንሚግራሾንስቨርከት ክትገልጸሉ ይግብኣካ። ኣብቲ ንናይ ጊዚያዊ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ተመልክተሉ ጊዜ፥ ነቲ ሽግርካ ተረጋግጸሉ ሰነድ ተማሊእካ ምጻእ።

ናይ ሽወደን መንበሪ-ፍቓድ እናሃለወካ፥ ኣብ ጌስኻ ወጻኢ ሃገር ምስ ትርከብ (ኣብታ ዝመጻእካላ ሃገር ዘይኮነ)፥ እሞ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርትኻ ወይ መጋየሺ ፓስፖርትኻ ብምጥፍኡ ምኽንያት፥ ናብ ሃገር ሽወደን ንምምላስ ፓስፖርት ምርካብ ምስ ዘድልየካ።

ፓስፖርትኻ ከም ዝጠፍኣካ ናብ ፖሊስ ምልክታ ኣቕርብ፥ ኣብቲ ንናይ ጊዚያዊ ፓስፖርት ወጻእተኛ ንምምልካት ናብ ናይ ሽወደን ኤምባሲ ወይ ቆንስላዊ ቤትጽሕፈት ኣብ ትኸደሉ ጊዜ፥ ቅዳሕ ናይቲ ናብ ፖሊስ ዘመልከትካሉ ሰነድ ተማሊእካ ምጻእ።

ንጊዚያዊ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ብኸምዚ ዚስዕብ ተመልክት

ንጊዚያዊ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ምልክታ ንምቕራብ፥ (ነቲ ንግዚያዊ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ምልክታ ምቕራብ) ”Ansökan om provisoriskt främlingspass, 192011” ዚብል ኦርኒክ ብምምላእ፤ ናብ ሓደ ካብቶም ናይ ሚግራሾንስቨከት ናይ ኣገልግሎት ማእከላት ብኣካል ብምርካብ ምልክታ ተቕርብ።

Ansökan om provisoriskt främlingspass (ንግዚያዊ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ምልክታ ምቕራብ)።, ኦርኒክ ብሽወደንኛ 192011 Pdf, 731.3 kB, opens in new window.

Application for an emergency alien's passport (ንግዚያዊ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ምልክታ ምቕራብ)።, ኦርኒክ ብእንግሊዝኛ 193011 Pdf, 787.3 kB, opens in new window.

ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ

ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ፥ ባዕላቶም ንናይ ፓስፖርት ወጻእተኛ ምልክታ ከቕርቡ ኣይክእሉን እዮም። እቲ ወላዲ ወይ እቲ ብዓል-ሕድሪ እዩ ነቲ ቆልዓ ብኣካል ተረኺቡ፥ ንናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ምልክታ ከቕርበሉ ዚኽእል።

እቲ ቆልዓ ክልተ ወለዲ ምስ ዚህልውዎ፥ ነቲ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኡ ቆልዓ ፓስፖርት (ፓስፖርት ወጻእተኛ ወይ መጋየሺ ፓስፖርት) ንኺወሃቦ ናይ ምስምማዕካ መግለጺ፥ “Medgivande att Migrationsverket får utfärda pass (främlingspass eller resedokument) för barn under 18 år, 246011” ዚብል ኦርኒክ መሊእካ ክተቕርብ የድሊ። ክልቲኦም ወለዲ ከም ዝተቐበልዎ ኪፍርሙሉን፥ ፊርምኦም ድማ ብመሰኻኽር ዝተረጋገጸን ኪኸውን ይግባእ።

Medgivande att Migrationsverket får utfärda pass (främlingspass eller resedokument) för barn under 18 år (ሚግራሾንስቨርከት ንትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ (ፓስፖርት ወጻእተኛ ወይ መጋየሺ ፓስፖርት) ንኺህብ ናይ ምስምማዕካ መግለጺ)።, ኦርኒክ ብሽወደንኛ 246011 Pdf, 657.8 kB, opens in new window.

Consent for the Swedish Migration Agency to issue a passport (alien's passport or travel document) for a child under the age of 18 (ሚግራሾንስቨርከት ንትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ (ፓስፖርት ወጻእተኛ ወይ መጋየሺ ፓስፖርት) ንኺህብ ናይ ምስምማዕካ መግለጺ)።, ኦርኒክ ብእንግሊዝኛ 247011 Pdf, 701.3 kB, opens in new window.

ከም ብዓል-ሕድሪ ኴንካ ምልክታ ተቕርብ ምስ ትህሉ፥ ምስኡ ድማ መዝነት ናይ ዝተቐበልካሉ ሰነድን ቅዳሕ ወረቐት-መንነትካን ኣተሓሒዝካ ክትቐርብ ይግባእ።

ሓደ ቆልዓ ክልቲኦም ወለዱ ኣብ ሽወደን ዘይርከቡ ምስ ዚኸውን፥ እቲ ቆልዓ ስእሊን ናይ ኣጻብዕቲ ዓሻራን ኣብ ዚውሰደሉ ጊዜ፥ እቲ ብዓል-ሕድሪ ኣሰንይዎ ብኣካል ምስኡ ኪቐርብ ይግባእ።

ቆጸራ ምሓዝ

ምልክታ ንምቕራብ ቅድሚ ናብ ቤትጽሕፈት ሚግራሾንስቨርከት ምምጻእካ፥ ቆጸራ ክትሕዝ ይግብኣካ። ንነፍሲ ወከፍ ናይ ኵሎም’ቶም ጊዝያዊ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ምልክታ ንምቕራብ ዝመጹ ሰባት ቆጸራ ክትሕዝ ይግባእ። ኣብ ርእሲኡ ውን፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነናይ ገዛእ ርእሱ ምልክታ ከቕርብ ይግባእ። ተር ኣቢልካ ብዙሓት ቆጸራታት ክትሕዝ ትኽእል ኢኻ።

ቆጸራ ምሓዝ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

ኣብ ወጻኢ ሃገር ትርከብ ምስ ትኸውን፥ እሞ ናብ ሃገር ሽወደን ንምምላስ ጊዚያዊ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ዘድልየካ ምስ ዚኸውን፥ ምስቲ ኣብ ቀረባኻ ዚርከብ ናይ ሽወደን ኤምባሲ ወይ ቆንስላዊ ቤትጽሕፈት ርክብ ብምግባር፥ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ተወከሶም።

ምልክታኻ ንምቕራብ

ኣብቲ ምልክታኻ ተቕርበሉ እዋን፥ ነዞም ዚስዕቡ ነገራት ተማሊእካ ምጻእ፡-

  • ዝተመልአን ዝተፈረመን ናይ ምልክታ ኦርኒክ (ሓደ ኦርኒክ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ)
  • ኣቐዲሙ ተዋሂቡካ ዝነበረ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ምስ ዚህሉ
  • ናይ ሃገርካ ፓስፖርት ወይ መንነትካ ከረጋግጹ ዚኽእሉ ካልኦት ሰነዳት (ዝኾነ ፓስፖርት ዘይብልካ ምስ ትኸውን)፥ ንኣብነት መንነት-ወረቐት፡ ናይ ልደት ምስክር ወረቐት ወይ ምስክር ወረቐት ወተሃደራዊ ትዓሊም ኪኸውን ይኽእል’ዩ።
  • እቲ ዚቐርብ ምልክታ ናይ ቆልዓ ትሕቲ 18 ዓመት ምስ ዚኸውን፥ ናይ ወለዲ ወይ ናይ መጕዚት ፍቓድ (Medgivande att Migrationsverket får utfärda pass (främlingspass eller resedokument) för barn under 18 år (ንሓደ ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾነ ቆልዓ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ብሚግራሾንስቨርከት ንኺወሃቦ ናይ ምስምማዕካ መግለጺ) ኦርኒክ ቁጽሪ 246011)
  • ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርትኻ ከም ዝጠፍአ፥ ናብ ፖሊስ ምልክታ ዘቕረብካሉ ሰነድ ቅዳሕ (እቲ ቅድም ዝተዋህበካ ብምጥፍኡ፡ ሓድሽ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ንኽወሃብካ ተመልክት ምስ ትህሉ)
  • መደብ መገሻኻ፡ ማለት መዓስ፡ ናበይን ብኸመይን - ካብ ሃገር ሽወደን ወጻኢ ናይ ሃገርካ ፓስፖርት ንምርካብ ከም ዝሓሰብካ፥ እሞ ንናይ ሃገርካ ፓስፖርት ንምምልካት፥ ናብ ሃገርካ ወይ ናብቲ ናይ ሃገርካ ኤምባሲ ወይ ቆንስላዊ ቤትጽሕፈት ዝረከበሉ ሃገር ንምጋሽ፥ ጊዚያዊ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ዘመልከትካ ምስ ትኸውን።

ናይ ሃገርካ ፓስፖርት ወይ ናይ ቅድም ዓይነት ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ምስ ዚህልወካ፥ ንሱ ንሚግራሾንስቨርከት ክተረክቦ ይግብኣካ። ገለ እዋናት፡ እቲ ፈጻሚ-ጉዳይ ቅዳሕ ናይቲ ፓስፖርት ጥራይ ምስቲ ምልክታኻ ኣተሓሒዝካ ንኽተቕርብ ሕራይ ክብለካ ይኽእል ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ጉዳይካ ምምርማር ዝተጀመረሉ ጊዜ ወይ ነቲ ሓድሽ ፓስፖርትኻ ንምውሳድ ኣብ ትመጸሉ ጊዜ፥ ነቲ ”ኦሪጂናል” ፓስፖርትኻ ብቐንዱ ንኽተረክቦ ክትሕተት ኢኻ።

ሚግራሾንስቨርከት ኣብቲ ምልክታኻ ተቕርበሉ ጊዜ፥ ናትካ ስእሊን ናይ ኣጻብዕትኻ ዓሻራን ክወስድ እዩ። እቲ ናትካ ስእሊን ናይ ኣጻብዕትኻ ዓሻራን፥ ከምኡ ውን ግላዊ ናይ መንነትካ ሓበሬታን፥ ኣብታ ግዚያዊ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርትኻ ዝጥቃዕ ”ዳታ-ሺፕ” ተዓቒሩ ኣሎ። እቲ ሓበሬታታት እቲ ምስ ሚግራሾንስቨርከት ኣይዕቆርን እዩ። ኣብታ ናይ ካርድኻ ”ሺፕ” ጥራይ’ዩ ዚዕቆር። ቆልዑ ትሕቲ 6 ዓመት፡ ናይ ኣጻብዕቲ ዓሻራ ምግዳፍ ኣየድልዮምን እዩ።

መብዛሕትኦም ሰባት ንጊዚያዊ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ንምምልካት ገንዘብ ክኸፍሉ ይግብኦም’ዩ። ነቲ ክፍሊት ገንዘብ፡ ኣብቲ ቤትጽሕፈት ናይ ኣገልግሎት-ማእከል ምልክታኻ ተቕርበሉ ጊዜ፥ ብካርድ ጌርካ ክትከፍል ትኽእል ኢኻ። ጸኒሕካ ንኽትከፍሎ ውን መኽፈሊ ወረቐት ኪወሃበካ ይኽእል’ዩ። ሚግራሾንስቨርከት ነቲ ክፍሊት ገንዘብ ምስ ከፈልካዮ፥ ሽዑ ነቲ ጉዳይካ ናይ ምስላጥ ስራሕ ኪጅምር’ዩ።

ኣብዚ ብኸመይ ከም ትኸፈልን – ንጊዝያዊ ናይ ወጻእተኛታት ፓስፖርት ክንደይ ከም ትኸፍልን ብዝበለጸ ኣንብብ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

ኣብቲ ናይ ሚግራሽፖንስቨርከት ”ኣድራሻ ኢንተርነት” ኣቲኻ፥ ኣብቲ ሽዑ ጊዜ ጉዳያትካ ንምስላጥ ዚወስዶ ጊዜ ክንደይ ምዃኑ ክተንብብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ፈጻሚ ጉዳይካ፡ ካባኻ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ እንተ ደኣ ተገዲዱ፥ ነቲ ውሳኔ ንምሃብ ዝወስዶ ጊዜ ዝነውሐ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ሚግራሾንስቨርከት ነቲ ምልክታኻ ኣብ መፈጸምትኡ ምስ ኣብጽሖ፥ ነቲ ውሳኔ ብቡስጣ ጌርና ናብ ገዛኻ ክንሰደልካ ኢና።

ኣብዚ እዋን’ዚ ጉዳይካ ንምስላጥ ዝወስዶ ናይ ጊዜ ንውሓት (ብቛንቛ አንግሊዝ)

ውሳኔ ምስ ረኸብካ፡ እቲ ውሳኔ ብቤት ቡስጣ ናብ ቤትካ ኪልኣኸልካ እዩ። ሚግራሾንስቨርከት እንተ ደኣ ጊዚያዊ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ንኽትረክብ ወሲኑልካ፥ እቲ ጊዚያዊ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርትኻ ከም ዝተዳለወን፡ መዓስ መጺእካ ከም ትወስዶን መልእኽቲ ክንሰደልካ ኢና። ካብቲ ውሳኔ ዝተወስደሉ ጊዜ፡ ክሳብ’ቲ ናብቲ ንፓስፖርት ዘመልከትካሉ ናይ ኣገልግሎት ማእከል መጺእካ ትወስዶ፥ ኣስታት 14 መዓልታት ኣቢሉ ኪወስድ ይኽእል እዩ።

እንተ ደኣ ምልክታኻ ተነጺጉ

ኤጀንሲ ሚግሬሽን ሽወደን ነቲ ግዝያዊ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ንምርካብ ዘቕረብካዮ ሕቶ እንተነጺጉ፡ ነቲ ውሳነ ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ።

ይግባይ ክትብል ምስ ትደሊ፥ ደብዳበ ጽሒፍካ ”ሚግራሾንስቨርከት” ነየናይ ውሳኔ ክቕይረልካ ከም ትደሊን፥ እቲ ውሳኔ ውን ስለምንታይ ጌጋ ከም ዝኾነን፡ ኣብኡ መግለጺ ተቕርብ። ኣብቲ ደብዳበ ብተወሳኺ፡ ናትካ ግላዊ ሓበሬታን፡ ቁጽሪ ጉዳይካን፡ ምስኡ ውን ኣብቲ ትጽሕፎ ደብዳበ ናይ ገዛእ ርእስኻ ፊርማ ክተስፍረሉ ይግባእ።

እቲ ተቕርቦ ናይ ይግባይ ጥርዓን፥ ካብቲ ውሳኔ ዝረኸብካሉ ጊዜ ጀሚሩ፥ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን፡ ኣብ ኢድ ”ሚግራሾንስቨርከት” ክበጽሕ ከም ዘሎዎ ግበር።

ካልእ ሰብ ኣብ ክንዳኻ ኮይኑ ይግባይ ክብለልካ ምስ ትደሊ፥ ነቲ ሰብ’ቲ ድማ፡ ብጽሑፍ ጌርካ ናይ ውክልና ስልጣን ክትህቦ ይግባእ እዩ።

ንስኻ ጊዚያዊ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ንኽትወስድ ዝተፈቕደልካ፥ ቅድሚ’ቲ ፓስፖርትኻ ንምውሳድ ናብ ሚግራሾንስቨርከት ክትበጽሕ ምምጻእካ፥ ቆጸራ ክትሕዝ ይግብኣካ። ንነፍሲ ወከፍ ፓስፖርቱ ንኺወስድ ዚመጽእ ሰብ፥ ናይ ቆጸራ ጊዜ ክትሕዘሉ ከም ዘድሊ ሕሰበሉ። ናይ ደቅኻ ፓስፖርት መጺእካ ክትወስድ እንተ ደኣ ዄንካ፥ ንነፍሲ ወከፍ መጺእካ ትወስዳ ፓስፖርት ቆጸራ ክትሕዝ ይግብኣካ።

ነቲ ጊዝያዊ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርትርኻ መጺእካ እትወስዶ፥ ካብታ ምልክታ ዘቕረብካላ ቤትጽሕፈት ናይ ኣገልግሎት ማእከል እዩ። እንተ ደኣ ነቲ ፓስፖርት ናብ ካልእ ቦታ መጺእካ ንኽትወስዶ ሓበሬታ ዘይተላኢኹልካ። እንተ ደኣ ነቲ ጊዚያዊ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርትኻ ናብ ካልእ ቦታ ኬድካ ክተምጽኦ ደሊኻ፥ ኣብቲ ትስኣለለኡን ዓሻራ ኣጻብዕቲን ትገድፈሉን ጊዜ፥ ነቶም ሰራሕተኛታት ሓበሬታ ሃቦም።

ነቲ ፓስፖርትኻ ባዕልኻ ብኣካል መጺእካ ኢኻ እትወስዶ። ትሕቲ 18 ዓመት ንዝኾኑ ቆልዑ፥ እቲ ወላዲ ወይ ብዓል-ሕድሪ፥ እቲ ቆልዓ ምስኡ ምምጻእ ከየድለዮ፥ ነቲ ፓስፖርት ባዕሉ መጺኡ ክወስዶ ይኽእል’ዩ።

ልዕሊ 15 ዓመት ዝኾኑ ቆልዑ፡ ባዕላቶም መጺኦም ፓስፖርቶም ኪወስዱ ይኽእሉ እዮም፥ እንተ ደኣ እቲ ወላዲ፡ ኣብቲ ናይ ምልክታ ምቕራብ ጊዜ ከምኡ ኢሉ ንሚግራሾንስቨርከት ሓቢሩ ጸኒሑ።

ቆጸራ ምሓዝ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

በቲ ጊዚያዊ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ጌርካ ምጋሽ

እቲ ጊዚያዊ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት፥ ነቲ ናይ ሕብረት-ኤውሮጳ ናይ ፖስፖርት ጠለባት ዘምልእ ስለ ዝኾነ፥ በቲ ፓስፖርት’ቲ ጌርካ ናብ ኵለን ሃገራት ክትገይሽ ትኽእል ኢኻ። ናብ ገለ ሃገራት ንምጋሽ፥ ቪዛ ሓቲትካ ክትረክብ የድልየካ እዩ። ስለዚ፡ ቅድሚ ምጋሽካ ተወሳኺ ሓበሬታ መታን ክትረክብ፥ ነቲ ዚምልከቶ ኤምባሲ ናይታ እትገሸላ ሃገር ተወከስ።

እንተ ደኣ ብምኽንያት ናይ ዑቕባ ኣድላይነት መንበሪ ፍቓድ ዝረኸብካ ዄንካ ግን፥ ኣብታ ጊዚያዊ ናይ ወጻተኛ ፓስፖርትኻ፥ ናብ ሃገርካ ወይ ናብታ ካብኣ ሃዲምካ ዝወጻእካላ ሃገር ክትገይሽ ከም ዘይብልካ፥ ኣብኡ ኪጸሓፎ እዩ።

እንተ ደኣ መንነትካ ብግቡእ ክተረጋግጽ ዘይክኢልካ ዄንካ፤ ኣብቲ ጊዚያዊ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርትኻ ውን፥ ንስኻ መንነትካ ዘይተረጋገጸ ሰብ ምዃንካ ኣብኡ ክጸሓፎ እዩ። ብኡ ምኽንያት ድማ፡ ናብ ገለ ሃገራት መገሻ ንምፍጻም ጸገም ዚፈጥር ኪኸውን ይኽእል እዩ።

እቲ ፓስፖርት ዘገልግለሉ ጊዜ

መብዛሕትኡ ጊዜ ሓደ ጊዚያዊ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት፥ እንተ ነውሐ ንሸውዓተ ኣዋርሕ’ዩ ዘገልግል። እቲ ፓስፖርት ንሓደ ንጽል ጉዕዞ፡ ናብ ሽወደን ወይ ካብ ሽወደን ወይ ውን ንሓደ በጺሕካ ንምምላስ ዚግበር መገሻ ዝተደረተ ኣገልግሎት ዘሎዎ ኪኸውን ይኽእል’ዩ። ነቲ መገሻ ብድሕሪ ምፍጻምካ፡ ነቲ ጊዚያዊ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት፡ ናብ ሚግራሾንስቨርከት ክትመልሶ ይግብኣካ።

ፓስፖርትኻ ምስ ዚጠፍእ

እንተ ደኣ እቲ ጊዚያዊ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርትኻ ኣጥፊእካዮ ወይ ተሰሪቑካ፥ ብቐዳምነት ናብ ፖሊስ ምልክታ ክተቕርብ ይግብኣካ። እንተ ደኣ ሓደ ሓድሽ ጊዚያዊ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ዘድልየካ ኮይኑ፥ ሓደ ሓድሽ ምልክታ ክተቕርብ ይግብኣካ። ኣብቲ ንሓድሽ ጊዚያዊ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ምልክታ ተቕርበሉ ጊዜ፥ ቅዳሕ ናይቲ ምልክታ ዘቕረብካሉ ካብ ቤትስልጣን ፖሊስ ዝተላእከልካ ወይ ዝተዋህበካ ሰነድ ተማሊእካ ምጻእ።

Last updated: