Du har rätt att slippa hedersrelaterat våld och förtryck

ኣብ ገለ ስድራቤታትን ቤተ-ዘመድን፥ እቲ ስድራቤት ሕማቕ ሽም ንኸይህልዎ ምጥንቃቕ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር’ዩ። እንታይ ዓይነት ክዳን ኪህልወካ ከም ዘሎዎ፥ ምስ መነ-መን ከም ትራኸብ፥ ሓቢርካ ምስ መን ከም ትቕመጥ፥ ወይ ውን ምስ ትደልዮ ሰብ ንኸይትላለን ምስ ትደልዮ ሰብ ከይትምርዖን፥ ወይ ውን ዝደሌኻዮ ትምህርቲ ከይትመሃርን ኣብ ዝደሌኻዮ ቦታ ከይትሰርሕን፥ ዚእዝዙ ሕጊታት ኪህልዉ ይኽእሉ እዮም።

ንኣዋልድ ይኹን ንኣወዳት መጥቃዕቲ ኪበጽሖም ይኽእል’ዩ

ስእላዊ-መግለጺ ናይ ንሓንቲ ዝተሰብረት ልቢ ዝሃርም ዘሎ ዝተዓምኰ ኢድ።

እዞም ሕጊታት እዚኦም፡ ብፍላይ ንኣዋልድ’ኳ ጽንዕ ዝበሉ እንተኾኑ፥ ንኣወዳት ተባሂሎም ዝወጹ ሕጊታት ውን ኣሎው’ዮም። እንተደኣ እቶም ሕጊታት’ቲኦም፡ ንስኺ(ኻ) ሕማቕ ኣተሓሕዛ ንኽግበረልካ ወይ ንኽትቅጻዕ ዚገብሩኻ ኮይኖም፥ “ምእንተ-ክብሪ” ተባሂሎም ዚፍጸሙ ዓመጽን ምፍርራሕን ተባሂሎም’ዮም ዚጽውዑ። ገለ ካብኣቶም፡ መውቃዕቲ ይፍጸሞም፡ ምፍርራሕ የጋጥሞም፡ ሕማቕ ጸርፊታት ውን ይብሃሎም’ዩ። ኣብ ልዕሊ ቆልዓ ከምዚ ምፍጻም፥ ንስምምዕ-ሕጻናትን ንሕጊ ሽወደንን ምጥሓስ እዩ።

ገለ እዋናት ውን፡ ቆልዑ ነሕዋቶም ንኺቆጻጸሩ የገድድዎም’ዮም። ምኽንያቱ ድማ እቲ ስድራቤት ሽሙ ንኸይጠፍእ ስለ ዝፈርሕ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኵሎም ሰባት ነናቶም ህይወት፡ ከከም ድላዮም ጌሮም ኪነብሩ መሰል ኣሎዎ’ዩ። እዚ ድማ፡ እንታይ ሃይማኖት ወይ እንታይ ባህሊ ከም ዘሎካ፥ ካበይ ሃገር ከም ዝመጻእካ ወይ ካበየኖት ስድራቤት ከም ዝተወለድካ ብዘየገድስ እዩ። ኵሎም ቆልዑ፡ ነናቶም ህይወት ኪነብሩ መሰል ኣሎዎም’ዩ፥ ስለዚ ድማ ንኻልእ ሰብ ኪቆጻጸሩ ውን ኣየድልዮምን እዩ።

ምስዞም ዚስዕቡ ክትራኸብ ይክኣል’ዩ

ንስኺ ንባዕልኺ ወይ ካልእ ትፈልጥያ ዝተጠቕዐት ሰብ ምስ ትህሉ፥ መታን ሓገዝ ክትረኽቢ፡ ምስ ሓንቲ ኣብቲ ቤትትምህርትኺ ትርከብ መምህር፥ ምስቲ ኣብ ኮሙንኪ ዘሎ “ቤትስልጣን ማሕበራዊ-ጉዳያት”፥ ወይ ውን ምስ “ሚግራሾንስቨርከት” ክትራኸቢ ትኽእሊ ኢኺ። ነቶም “ምእንተ-ክብሪ” ተባሂሉ ኣብ ልዕሊኦም መውቃዕቲን ጭቆናን ዘጋጥሞም ሰባት፥ ሓበሬታን ደገፍን ኪህቡ ዚኽእሉ ነንበይኖም ካልኦት ማሕበራት ውን ኣሎዉ እዮም።

መሰል ኣዋልድ ኣብ ሕብረትሰብ Tris – Tjejers rätt i samhället (ብቛንቛ ሽወደን) External link.: ኣብዚ፡ እንተ ደኣ ብስድራቤትኪ ወይ ኣዝማድኪ ዝተዓገት’ኪ ኮይኑ ተሰሚዑኪ፥ ወይ ውን ናይ ገዛእ ርእስኺ ውሳነ ንምውሳድ ኣብ ትፍትንሉ ጊዜ፥ ምፍርራሕ ወይ መውቃዕቲ ዘጋጥመኪ ኮይኑ፥ ደገፍ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። ናብዚ ደውሊ 010‑255 91 91።