Könsidentitet och sexuell läggning

ስእላዊ-መግለጺ ምልክታት ተባዕታይን ኣንስተይትን ገጸ ባህርያትን ከምኡ ውን ፍርቁ ሰበይቲ ፍርቁ ኸኣ ሰብኣይ ጌርካ ዝተሳእለ ሰብን።

ኣብ ሽወደን ኵሎም ደቂ-ሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም ጾታዊ-መንነትን ጾታዊ-ዝምባለ ኪህልዎን መሰል ኣሎዎም። ጾታዊ-መንነት ማለት፡ ኣየናይ ጾታ ምዃንካ ዘሎካ ስምዒት ዚገልጽ’ዩ፥ ካልኦት ሰባት ኣባኻ ዘሎውም ትጽቢት ብዘየገድስ። ጾታዊ-ዝምባለ ማለት፡ በየናይ ጾታ ከም ትስሓብን ኣብ መን ፍቕሪ ከም ትወድቕን ዚገልጽን’ዩ። ንመን ከም ተፍቅርን፥ ምስ መን ክትነብር ከም ትደሊን ናይ ምምራጽ መሰል ኣሎካ። እዚ ማለት ድማ፡ እቲ ሰብ’ቲ ወይ እታ ሰብ’ቲኣ፥ ከም ናትካ ጾታ፡ ወይ ካባኻ ዝተፈልየ ጾታ ይሃልዎ/ዋ ብዘየገድስ እዩ።

እንተ ዘይትደሊኻ፡ ንስኻ ኣየናይ ጾታዊ-ዝምባለ ወይ ጾታዊ-መነንት ከም ዘሎካ ንኻልእ ሰብ ምንጋር ኣየድልየካን’ዩ። ዘይሕጋዊ ዝኾነ ጾታዊ-ዝምባለ ወይ ጾታዊ-መንነት የልቦን። ይኹን እምበር፡ ንኻልእ ሰብ ብምኽንያት ጾታዊ-ዝምባልኡ ወይ ጾታዊ-መንነቱ፥ ንኣብነት ኣብ ቤትትምህርቲ ወይ ኣብ ትካል፥ ዘይፍትሓዊ ወይ ዝሓመቐ ኣተሓሕዛ ክትገብረሉ ዘይሕጋዊ ተግባር እዩ።

ናብዚ ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ

ብዙሓት ናብኦም ኬድካ ተወሳኺ ፍልጠትን ደገፍን ክትረኽበሎም ትኽእልን፥ ”መቐበሊ ሕክምና መንእሰያት” ዘሎዎም ነንበይኖም ትካላት ኣሎዉ እዮም።

”ኣር. ኤፍ. ኤስ. ኤል.” RFSL (ብቛንቛ አንግሊዝ) External link.

በዚ ትካል’ዚ ኣቢልካ፡ ምስ ካልኦት ”ሆቤቴኲ ዝኾኑ ሰባት” ተራኺብካ፤ ኣብ ናታቶም ንጥፈታት ክትሳተፍን፡ ደገፍ ክትረክብን ትኽእል ኢኻ። ”ንሓደስቲ መጻእተኛታት” ዚኸውን፥ ሓደ RFSL Newcomers (ብቛንቛ አንግሊዝ) External link. ዝተባህለ፥ ናይ ርእሶም ማሕበራዊ መራኸቢ መርበብ ኣብ ሽወደን ውን ኣሎዎም እዩ።

UMO – ሓበሬታ ብዛዕባ ጾታዊ ርክባትን፡ ጥዕናን ሓድሕዳዊ ዝምድናታትን External link.

እዚ “UMO” ዝተባህለ ኣድራሻ ኢንተርነት፥ ንዅሎም ደቂ 13-25 ዓመት ዘሎዉ ሰባት፥ ኣብኡ ከይዶም ሓበሬታ ጾታዊ-ዝምባለን ጾታዊ-መንነትን ኪረኽቡሉ ዚኽእሉ “መርበብ ሓበሬታ” እዩ።