ኣብ ሽወደን ኵሎም ደቂ-ሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም ጾታዊ-መንነትን ጾታዊ-ዝምባለ ኪህልዎን መሰል ኣሎዎም። ጾታዊ-መንነት ማለት፡ ኣየናይ ጾታ ምዃንካ ዘሎካ ስምዒት ዚገልጽ’ዩ፥ ካልኦት ሰባት ኣባኻ ዘሎውም ትጽቢት ብዘየገድስ። ጾታዊ-ዝምባለ ማለት፡ በየናይ ጾታ ከም ትስሓብን ኣብ መን ፍቕሪ ከም ትወድቕን ዚገልጽን’ዩ። ንመን ከም ተፍቅርን፥ ምስ መን ክትነብር ከም ትደሊን ናይ ምምራጽ መሰል ኣሎካ። እዚ ማለት ድማ፡ እቲ ሰብ’ቲ ወይ እታ ሰብ’ቲኣ፥ ከም ናትካ ጾታ፡ ወይ ካባኻ ዝተፈልየ ጾታ ይሃልዎ/ዋ ብዘየገድስ እዩ።
እንተ ዘይትደሊኻ፡ ንስኻ ኣየናይ ጾታዊ-ዝምባለ ወይ ጾታዊ-መነንት ከም ዘሎካ ንኻልእ ሰብ ምንጋር ኣየድልየካን’ዩ። ዘይሕጋዊ ዝኾነ ጾታዊ-ዝምባለ ወይ ጾታዊ-መንነት የልቦን። ይኹን እምበር፡ ንኻልእ ሰብ ብምኽንያት ጾታዊ-ዝምባልኡ ወይ ጾታዊ-መንነቱ፥ ንኣብነት ኣብ ቤትትምህርቲ ወይ ኣብ ትካል፥ ዘይፍትሓዊ ወይ ዝሓመቐ ኣተሓሕዛ ክትገብረሉ ዘይሕጋዊ ተግባር እዩ።