ካርድ መንበሪ ፍቓድ

Uppehållstillståndskort – tigrinska

መንበሪ ፍቓድ እንተተዋሂብኩም፡ ኣብ ሽወደን ክትነብሩ ከም ዝተፈቕደኩም ዘረጋግጽ መንበሪ ፍቓድ’ውን ክትቅበሉ ኢኹም። እቲ ካርድ ናይ ኣጻብዕቲኹም ኣሸራን ስእልኹምን ዝሓዘ ናይ ኮምፒዩተር ቺፕ ኣለዎ። ናብ መንግስታዊ ትካላት ወይ ኣገልግሎታት ክንክን ጥዕና ኣብ እትኸድሉ ካርድ መንበሪ ፍቓድኩም ኩሉ ግዜ ምሳኻትኩም ሒዝኩምዎ ክትከዱ ኣለኩም።

ስእሊምስኣልንናይኣጻብዕትኹምኣሸራምውሳድን

ነፍሲ-ወከፍ ካርድ መንበሪ ፍቓድ ዝቕበል ሰብ ክስኣል ኣለዎ። ትሕቲ ሽዱሽተ ዓመት ዝዕድሜኦም ህጻናት ናይ ኣጻብዕቶም ኣሸራ ክውሰደሎም ኣየድልን እዩ። ብሰንኪ ኣካላዊ ምኽንያታት ናይ ኣጻብዕቲ ኣሸራ ክውሰደሎም ዘይክኣል ማለት፡ ንኣብነት ከም ቀዋሚ መጉዳእቲ ኣጻብዕቲ ዘለዎም፡ ናይ ኣጻብዕቲ ኣሸራ ምውሳድ ኣየድልዮምን እዩ።

ናይ ኣጻብዕትኹም ኣሸራን ስእልኹምን ኣብ’ታ ‘ቺፕ’ ካርድ ጥራይ’ዩ ዝዕቀብ፣ ኣብ ካልእ ኣይዕቀብን እዩ። ብሰንኪ’ዚ ምኽንያት፡ ሓድሽ ካርድ መንበሪ ፍቓድ ከተውጽኡ ኣብ እትደልዩሉ እዋን፡ ደጊምኩም ክትስኣሉን ናይ ኣጻዕብቲኹም ኣሸራ ክውሰደኩምን ኣለዎ። ካብቲ ንመመልከቲ ፍቓድ ዝኽፈል ገንዘብ ወጻኢ፡ ካርድታት መንበሪ ፍቓድ ኣብ ምውጻእ እትኸፍልዎ ገንዘብ የለን።

ካብሃገረ-ሽወደንወጻኢምስእትህልዉ

ናብ ሽወደን ንምጋሽ ቪዛ ዘድልየካ እንተ ኾይኑ፡ ብዝቐልጠፈ እንተ ኽኢልካ ኣብ ናይ ሽወደን ኤምባሲ ወይ ላዕላይ ቆንስል ኬድካ ተሳኣልን ኣሰር-ኣጻብዕቲ ሃብን። እዚ ትገብሮ ግን ቅድሚ ሕጂ ፓስፖርትኻ ከተርእይ ከለኻ እንተ ዘይገበርካዮ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ወላ ናይ መንበሪ-ፍቓድ ካርድ ይንበርካ፡ስእልኻን ኣሰር ኣጻብዕትኻን ስለ ዘይንዕቅቦ እዩ ክትሰኣልን ኣሰር-ኣጻብዕትን ክትህብ ዘለካ።

ኲሎም ኤምባስታት ኣይኮኑን ክስእሉኻን ኣሰር-ኣጻብዕትኻ ክወስዱልካ ዝኽእሉ። ቅድሚ ዑደት ምግባርካ ኣብ’ቲ መካነ-መርበብ(ዌብሳይት) ናይ’ቲ ኤምባሲ ወይ ላዕላይ ቆንስል ኣቲኻ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ኣንብብ።

ዜጋታተን ናብ ሃገረ-ሽወደን ንኽጒዓዙ ቪዘ ዘድልዮም ሃገራት (ብቛንቛ አንግሊዝ) External link, opens in new window.

ብመገዲ ነቝጣ መርበብ ሓበሬታ Swedenabroad.se፡ ኣብ ጥቓኹም ንዝርከብ ኤምባሲ ወይ ቤት-ጽሕፈት ጠቕላሊ ቆንስል ክትረኽብዎ ትኽእሉ (ብቛንቛ አንግሊዝ) External link, opens in new window.

ናብ ሃገረ-ሽወደን ንምጒዓዝ ቪዛ ዘየድልየኩም ምስ ዝኸውን፡ ኣብ ሸወደን ምስ ኣተኹም ክትስኣሉን ናይ ኣጻብዕቲኹም ኣሸራን ክውሰደልኩምን እዩ። ኣብ ሽወደን ምስ በጻሕኩምን መንበሪ ፍቓድ ምስ ተቐበልኩምን፡ ተቐላጢፍኩም ናብ ትካል ቁጽጽር ጉዳይ ስደት ሃገረ-ሽወደን ክትበጽሑ ኣለኩም።

ኣብውሽጢሽወደንምስእትህልዉ

ፍቓድ ናይ ሽወደን ከተናውሖ ምስ ትደሊ ወይ ሓድሽ ናይ መንበሪ-ፍቓድ ካርድ ምስ ትደሊ፡ ኣብ ኢሚግሬሽን ኬድካ ተሳኣልን ኣሰር-ኣጻብዕቲ ሃብን።እዚ ትገብሮ ግን ቅድሚ ሕጂ ፓስፖርትኻ ከተርእይ ተሓቲትካሉ ኣብ ዝነበርካሉ እዋን እንተ ዘይገበርካዮ እዩ።

ኢሚግሬሽን ኣብ ትኸደሉ እዋን ፓስፖርትኻ ሒዝካዮ ክትመጽ የድሊ። እቲ ዘመልከትካዮ ናይ መንበሪ-ፍቓድ ካርድ ምስ ተወደአልካ፡ ናብ’ቲ ኣብ ሽወደን ዘሎ ኣድራሻኻ ይለኣኽ። ስለ’ዚ እዩ ኣብ ኢሚግሬሽን ኬድካ ስእልን ኣሰር-ኣጻብዕቲ ኣብ ትህበሉ እዋን ናይ ሽወደን ኣድራሻኻ ክትህብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ።

ንኽትስኣሉን ናይ ኣጻብዕቲኹም ኣሸራ ንክውሰደልኩምን፡ ምስ ትካል ቁጽጽር ጉዳይ ስደት ናይ ሃገረ-ሽወደን ቆጸራ ሓዙ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

ኣበይ ከም እትረኽቡና (ብቛንቛ አንግሊዝ)

ኣድራሻኹምምስእትቕይሩ

ካርድ መንበሪ ፍቓድኩም ናብ ገዛኹም ክስደደልኩም እንተደሊኹም፡ ኣድራሻኹም የድልየና። መንበሪ ቦታ ምስ እትቕይሩ፡ ናብ ትካል ቁጽጽር ጉዳይ ስደት ናይ ሃገረ-ሽወደን ምስ በጻሕኩም ሓድሽ ኣድራሻኹም ክትሕብሩ ትኽእሉ። ምስ ካልእ ሰብ ትቕመጡ እንተደኣ ኰይንኩምን ኣድራሻ ተቐባሊ (c/o address) ዝብል ምስ ዝህልወኩምን፡ ከይረሳዕኩም ኣዘኻክሩና።


ካርድመንበሪፍቓድንኺወሃብድሉውኣብዝዀነሉ

ኣብ ኤምባሲ ወይ ሓፈሻዊ ቆንስላዊ ጉዳያት እንተደኣ ተሳኢልኩምን ናይ ኣጻብዕቲኹም ኣሸራ ተወሲዱልኩምን፡ ካርድኹም ካብኦም ክትወስድዎ ኢኹም። ካርድኹም ክሰዱልኩም ድዮም ወይስ ባዕልኹም ከይድኩም ከተምጽእዎ፡ ነቲ ኤምባሲ ወይ ንሓፈሻዊ ቆንስላዊ ጉዳያት ተወከሱ። መንበሪ ፍቓድ ክወሃበኩም ምዃኑ ሓንሳብ ውሳኔ ምስ ተቐበልኩም፡ እቲ ካርድ ንኽስራሕ ወይ ንክዳሎን ናብ ኤምባሲ ወይ ሓፈሻዊ ቆንስላዊ ጉዳያት ንኽልኣኽን ክሳብ ከባቢ ኣርባዕተ ሰሙን ክወስድ ይኽእል እዩ።

ኣብ ሚግራሾንስቨርከት እንተደኣ ተሳኢልኩምን፡ ናይ ኣጻብዕቲ ዓሸራ ተውሲዱልኩምን ኮይኑ፥ ካርድኹም ኣብ ውሽጢ ሓደ ወይ ክልተ ሰሙን ዘሎ ጊዜ፥ ናብ ኣድራሻ መንበሪ ገዛኹም ኪልኣኸልኩም እዩ።

ካርድ መንበሪ ፍቓድኩም፡ ውሳኔ ምስ ተዋህበኩም እዩ ዝምስራሕ ወይ ዝዳሎ። እንተዀነ፡ ሽዱሽተ ሰሙን ቅድሚ መንበሪ ፍቓድ ኣገልግሎት ዝህበሉ ደረት ግዜ ምጅማሩ፡ ኣይዳሎን እዩ።

ካርድኹም ንኽስርሓልኩምን ንኽውሃበኩምን ከተቀላጥፍዎ ኣይክኣልን እዩ።

Uppehållstillståndskort.

ኣብካርድዝዕቀብውህሉልሓበሬታ

ካርድ መንበሪ ፍቓድ፡ እንታይ ዓይነት ፍቓድ ከምዘለኩምን ደረት ኣገልግሎት ካርድኹም ክሳብ ክንደይ ግዜ ከምዝበጸሕን ዝብሉን ካልኦትን ዝገልጽ ሓበሬታ ሒዙ ኣሎ። ውልቃዊ ውህሉል ሓበሬታኹም እውን ኣብቲ ካርድ ተዓቂቡ ኣሎ። ኣብ ዳሕራዋይ ገጽ ናይ ገለ ካርድታት፡ “ክሰርሕ ተፈቒዱላ/ሉ ኣሎ” (“Får arbeta”) ዝብል ጽሑፍ ኣለዎ። እዚ፡ እቲ ዝተዋህበኩም ውሳኔ ብቐጥታ ክትሰርሑ መሰል ከምዘለኩም ምስ ዘየመልክት’ዩ። ንኣብነት፡ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝውሃበኩም። ኣብ ሽወደን ክትሰርሑ ፍቓድ ተዋሂቡኩም እንተነይሩ ግን፡ እቲ ውሳኔ ናይ ምስራሕ ፍቓድ ከምዘለኩም’ዩ ዝሕብር። ስለዚ ከኣ፡ ኣብ ዳሕራዋይ ገጽ ናይ ካርድኹም፡ “ክሰርሕ ተፈቒዱዎ’ዩ’’ ዝብል ጽሑፍ ክህልዎ ኣየድልን’ዩ። ህጻናት ግን፡ ካብታ ዕድሜኦም ደቂ 16 ዓመት ዝዀኑላ ጀሚሩ፡ እቲ ጽሑፍ ኣብ መንበሪ ካርድ እቱው እዩ።

ነቲኣብካርድኹምዝርከብሓበሬታፈትሽዎ

ኩሉ ግዜ፡ ኣብ ካርድ መንበሪ ፍቓድኩም ዘሎ ኣስማትኩም ምስ’ቲ ኣብ ፓስፖርትኹም ዘሎ ስምኩም ሓደ ምህላዉ ኣረጋግጹ። ኣብ ካርድኹም ዘሎ ስምኩም እንተደኣ ጌጋ ሃልዩ፡ ቅኑዕ ስምኩም ዘለዎ ሓድሽ ካርድ ምእንቲ ክውሃበኩም፡ ናብ ትካል ቁጽጽር ጉዳይ ስደት ናይ ሃገረ-ሽወደን ወይ ናብ ኤምባሲ ወይ ናብ ሓፈሻዊ ቆንስላዊ ጉዳያት ኪዱ። ፖስፖርትኹም እውን ምሳኻትኩም ተማልእዎ።

ስምኩም እንተደኣ ተቐይሩ፡ ነቲ ሓድሽ ስምኩም ምእንቲ ክምዝግቦ፡ ፈለማ ነቲ ሓላፍነት ህዝባዊ መዝገብ ተሰኪሙ ዘሎ ትካል ግብርን ቀረጸን ሃገረ-ሽወደን ኢኹም ትውከስዎ። ብድሕሪ’ዚ ሓድሽ ካርድ መንበሪ ፍቓድ ንኽውሃበኩም ናብ ትካል ቁጽጽር ጉዳይ ስደት ናይ ሃገረ-ሽወደን ትኸዱ።

ክትገይሽ ከሎኻ

ኣብቲ ትገሸሉ ጊዜ፡ ነቲ ናይ መንበሪ ፍቓድ ካርድኻ ምስቲ ፓስፖርትኻ አተሓሒዝካ ከተርኢ ኣሎካ። ብፓስፖርትን መንበሪ ፍቓድ ካርድን ተጠቒምካ፥ ኣብ ውሽጢ ”ከባቢ ሸንገን” (Schengenområdet) ን90 መዓልታት ኣብ ውሽጢ 180 መዓልታት ዘሎ እዋን፥ ክትኣቱን ብናጽነት ክትንቀሳቐስን ትኽእል ኢኻ። ናብ ሸንገን (Schengen) ዘይኮነት ሃገር ክትጓዓዝ እንተ ዄንካ ግን፥ ቪዛ ምውጻእ ከድልየካ ይኽእል እዩ።

እቲ ናይ መንበሪ ፍቓድ ካርድኻ፥ ከም ናይ መንነት ወረቐት ወይ ከም ናይ መገሻ ሰነድ (ፓስፖርት) ክትጥቀመሉ ኣይክኣልን እዩ።

ናይ ካርድ ኣገልግሎት ጊዜ

ሓደ ንናይ ”ቀዋሚ-መንበሪ-ፍቓድ” (permanent uppehållstillstånd) ተባሂሉ ዝተዋህበ ”ናይ መንበሪ-ፍቓድ ካርድ” (uppehållstillståndskort)፥ ንሰለስተ ዓመት የገልግል። ግንከ፡ እንተ ደኣ ከም ቀጻሊ-ነባሪ ”ሕብረት-ኤሮጳ” (EU) ፍቓድ ዘሎካ ሰብ ኴንካ፥ እቲ ናትካ ”መንበሪ-ፍቓድ” ንሓሙሽተ ዓመታት ዘገልግል እዩ። እቲ ቅድሚ 1 ጥሪ 2022 ዝተዋህበ ”ናይ መንበሪ ፍቓድ ካርድ”፥ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ናይ ኣገልግሎት ጊዜ’ዩ ዘሎዎ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ፡ እቲ ሓድሽ ወይ ዝተናውሐ ”መንበሪ-ፍቓድ” ትረኽበሉ ጊዜ፥ ሓድሽ ”ናይ መንበሪ-ፍቓድ ካርድ” (uppehållstillståndskort) ድማ ይወሃበካ። ኣብቲ ሓድሽ ”ናይ መንበሪ-ፍቓድ ካርድ” (uppehållstillståndskort) ምርካብ ዘድልየካ ጊዜ፥ ስእሊ ክትስኣልን ከም ብሓድሽ ድማ ናይ ኣጻብዕቲ ዓሻራ ክትገድፍን ይግባእ። ኣብቲ ሓድሽ ካርድ ንምቕባል ናብ ሚግራሽፖንስቨርከት ትመጸሉ ጊዜ፥ ኵሉ እዋን - ነታ ናትካ ኣረጊት ”ናይ መንበሪ-ፍቓድ ካርድ” (uppehållstillståndskort) ተማሊእካያ ምምጻእ ኣይትረስዕ።

ካርድኹምምስዝጠፍእ

ካርድ መንበሪኹም ምስ ዝጠፍኣኩም ወይ ምስ ዝስረቐኩም፡ ቅድሚ ዝኣገረ ንፖሊስ ክትሕብሩ ኣለኩም። ብድሕሪ’ዚ፡ ሓድሽ ካርድ ምእንቲ ክውሃበኩም፡ ንኽትስኣሉን ናይ ኣጻብዕቲኹም ኣሸራ ንኽውሰደኩምን ናብ ትካል ቁጽጽር ጉዳይ ስደት ናይ ሃገረ-ሽወደን ክትከዱ ኣለኩም። ክትሕብሩ እንከለኹም ይኹን ብድሕሪኡ - ብመገዲ ፖስጣ፡ ቅዳሕ ናይቲ ካብ ፖሊስ ዝተዋህበኩም ደብዳቤ ክትማልኡ ኣለኩም።

ካርድኹምምስዘይትቕበሉ

ካርድ መንበሪ ፍቓድ ንኺወሃበኩም ንነዊሕ ግዜ ዶ ተጸቢኹም ኣለኹም? እቲ ምኽንያት፡ ካርድኹም ናብ ትካል ቁጽጽር ጉዳይ ስደት ናይ ሃገረ-ሽወደን ተመሊሱ ክኸውን ስለዝኽእል እዩ። እዚ ዝኸውን ከኣ፡ ትካል ቁጽጽር ጉዳይ ስደት ናይ ሃገረ-ሽወደን ጌጋ ኣድራሻ ናትኩም ሒዙ ምስ ዝጸንሕ’ዩ።

ብዛዕባ’ዚ ዝዀነ ይኹን ሕቶ ምስ ዝህልወኩም፡ ንትካል ቁጽጽር ጉዳይ ስደት ናይ ሃገረ-ሽወደን ተወከሱ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

Last updated: