ዘቕረብኩምዎ መመልከቲ ናይ ሕቶ ዑቕባ ድሕሪ ምንጻግ ዝርአ ሓድሽ ኩነታት

Nya händelser efter avslag – tigrinska

ይግባይ ክበሃሎ ዘይክኣል ውሳኔ ማለት፡ ብመሰረት’ቲ ኣብ ውሳኔ ዘሎ ገደብ ግዜ ካብ ሽወደን ክትወጹ ኣለኩም ማለት እዩ። ኣብ ፍሉይ ጉዳያት፡ ገለ ነገር ከጋጥም ይኽእል’ዩ። እዚ ማለት፡ ብኣንጻር’ቲ ክትወጽእ ከምዘለካ ዘገድድ ውሳኔ፡ ናብ መንበሪ ገዛኻ ክምለስ ዘይትኽእል ትኸውን። እዚ ዕንቅፋናይትግባረ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኰይኑ፡ ነቲ ምንጻግ ናይ ምእታው ወይ ትእዛዝ ናይ ምስጓግ ኣብ ትግባረ ንኸይውዕል ጸገማት እዩ።

ትካል ቁጽጽር ጉዳይ ስደት፡ ነቲ ውሳኔ ምስ ተዋህበ ሓድሽ ሓበሬታ ምስ ዝመጽእ ጥራይ እንተዘይኰኑ፡ ናብ ገዛኹም ምምላስ ክስርዞ ይኽእል’ዩ። እዚ ማለት፡ ንኣብነት፡ ነዞም ዝስዕቡ ዘመልክት ክኸውን ይኽእል፦ 

  • ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት መበቆል ሃገርኩም ምስ ዝቕየር፣ እዚ ማለት ፍጹም ክትምለሱ ምስ ዘይትኽእሉ።
  • ብሰንኪ ብርቱዕ ሕማም ክትጒዓዙ ምስ ዘይትኽእሉ
  • ንሂወት ዝፈታተን ሕማማት ምስ እተማዕብሉን ኣብ መበቆል ሃገርኩም ኰይንኩም ሕክምናዊ ክንክን ክትረኽቡ ምስ ዘይትኽእሉን።
  • ኩነታት ስድራቤትኩም ምስ ዝቀያየር

ብዛዕባ ንዓድኹም ናይ ምምላስ ተኽእሎ ዘለኩም ጭንቀት ወይ ኣብ መበቆል ዓድኹም ዘሎ ማሕበራዊ ወይ ቁጠባዊ ጸገማት፡ ትካል ቁጽጽር ጉዳይ ስደት ውሳኔኡ ንኽቕይር እኹል ምኽንያት ወይ መርትዖ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ።

ናብ ትካል ቁጽጽር ጉዳይ ስደት ክትጽሕፉ ትኽእሉ ኢኹም

ንዓድኻ ካብ ምምላስ ዝኽልክልኹም ሓደስቲ ምኽንያታት ዳግማይ ክንርእዮም እንተደሊኹምና፡ ናብ ትካል ቁጽጽር ጉዳይ ስደት ደብዳበ ክትጽሕፉ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብቲ ደብዳበ እዞም ዝስዕቡ ግድን ክትጽሕፍዎም ኣለኩም፡ 

  • ጉዳይ ቊጽርኹም (ጉዳይ ቊጽሪ ኣብ ኤል.ኤም.ኤ ካርድ ተገሊጹ ኣሎ)፡
  • ኣብ ኩነታትኩም ኣጋጢምኩም ዘሎ ሓድሽ ነገር እንታይ’ዩ፣ ስለምንታይ ከ ንዓድኹም ክትምለሱ ኣይትኽእሉን፡ 
  • ኣድራሻኹም፡

ነቲ ኣብ ደብዳበ ትጽሕፍዎ ዘለኹም ነገር ዘረጋግጽ ሰነዳት ምስ ዝህልወኹም፡ ክተእትውዎም ኣለኩም። እንተተኻኢሉ፡ እቶም ሰነዳት መበቆላዊያን ወይ ኦሪጂናል ክዀኑ ኣለዎም።

ነቲ ደብዳበ ብስምኩም ክትፍርምሉ ኣለኩም። ብዝቐልጠፈ ውሳኔ ንኽትረኽቡ፡ ብኽብረትኩም፡ ብቋንቋ ሽወደን ወይ ብእንግሊዝ ጽሓፉዎ።

ባዕልኹም ክትጽሕፉዎ ምስ ዘይትኽእሉ፡ ካልእ ሰብ ክገብረልኩም ክትውከሱ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ከምዚ ጉዳይ፡ ናብ ትካል ቁጽጽር ጉዳይ ስደት ስልጣን ጥብቅነት ከተረክቡ ክትግደዱ ኢኹም።

ኣድራሻ

Migrationsverket
601 70 Norrköping

ናይ ውክልና-ስልጣን እንታይ’ዩ?

ናይ ውክልና-ስልጣን ክኸውን ዚኽእል፥ ሓደ ዝተፈረሞ ደብዳበ፡ ኣብኡ ድማ እቲ ፍቓድ ዝሓትት ዘሎ ሰብ፥ ካልእ ሰብ ንኽውክሎ ወይ ንኽውክላ ናይ መዝነት ዕድል ምሃብ ማለት’ዩ። ሓደ ናይ ውክልና-ስልጣን ሰነድ፥ ንኣብነት ንኻልእ ሰብ ኣብ ክንዳኻ ኰይኑ ምልክታ ከቕርብ፥ ውሳኔ ንኽውሰድ እንታይ ምኽንያት ከም ዝተዋህበ ንኽፈልጥ፥ ወይ ውን ንኻልእ ሰብ ወኪሉ ናይ ይግባይ ጥርዓን ከቕርብ ምኽኣልን፥ ክኸውን ይኽእል’ዩ። እቲ ናይ ውክልና-ስልጣን ሰነድ፥ በቲ ናይ ውክልና-ስልጣን ዚህብ ዘሎ ዝተጻሕፈ ክኸውን ይግባእ። “ሚግራሾንስቨርከት” እቲ ሓቲቱ ውን፥ እቲ ቅዳሕ ዘይኰነስ እቲ “ኦሪጂናል” ሰነድ ክተቕርብ ክትክእል የድሊ።

ንኻልእ ሰብ ናይ ውክልና-ስልጣን ንኽትህብ ክትክእል፥ ነዞም ዚስዕቡ ነገራት ዘማልአ ደብዳበ፡ ናብ ሚግራሾንሰቨርከት” ክተቕርብ ይግባእ፡-

  • ናይ ውክልና-ስልጣን ምዃኑ ዝተፈልጠ
  • ምሉእ ስም፡ ዝተወለድካሉ ዕለትን ኣድራሻን ናይቲ ንኻልእ ሰብ ናይ ውክልና-ስልጣን ዚህብ ዘሎ ሰብ
  • እቲ ናይ ውክልና-ስልጣን ዝተዋህቦ ሰብ እንታይ ክፍጽም መሰል ከም ዚህልዎ
  • ምሉእ ስም፡ መለለዪ ቁጽሪ (ፐርሾን-ኑመር) ከምኡ ውን ኣድራሻ ናይቲ ውክልና-ስልጣን ዝተቐበለ ሰብ
  • ፊርማ ናይቲ ንኻልእ ሰብ ናይ ውክልና-ስልጣን ዚህብ ዘሎ ሰብ
  • ናይቲ ውክልና-ስልጣን ዝተጻሕፈሉ ዕለትን ቦታን ክህልዎ የድሊ።

Power of Attorney, form number 107011 (ብቛንቛ አንግሊዝ) Pdf, 641.6 kB, opens in new window.

ትካል ቁጽጽር ጉዳይ ስደት፡ ናብ መበቆል ሃገርኩም ናይ ምምላስ ጉዳይ ብናቱ ተበግሶ ክስርዞ ይኽእል እዩ።

ትካል ቁጽጽር ጉዳይ ስደት፡ ንመበቆል ሃገርኩም ንኸይትምለሱ ዝገብረኩም ሓድሽ ሓበሬታ ምስ ዘጋጥም ክሕብር ይግደድ’ዩ። ትካል ቁጽጽር ጉዳይ ስደት፡ ብዛዕባ ዕንቅፋታት ናይ ትግባረ ዋላ እንተዘይጽሓፍኩምን እንተዘይሓበርኩምናን፡ ንመበቆል ሃገርኩም ምምላስ ናይ ምስራዝ ተኽእሎ ኣለዎ። ፖሊስ እውን፡ ናብ ሃገርኩም ናይ ምምላስ ተኽእሎ ምስ ዘይክኣል፡ ንትካል ቁጽጽር ጉዳይ ስደት ክሕብሮ ሓላፍነት ኣለዎ።

ውሳኔ

ትካል ቁጽጽር ጉዳይ ስደት ነቲ ውሳኔ ብፖስጣ ክሰደልኩም እዩ።

ዋላ’ኳ’ቲ ውሳኔ እንተ ተገትአ፡ እቲ ናብ ሃገራካ ናይ ምምላስ ስርሓት ቀጻሊ‘ዩ

ናይ ምግታእ ውሳኔ ውን እንተ ተዋህበካ፥ ማለት፡ ዋላ’ኳ እቲ ካብ ሃገር ናይ ምውጻእካ/ምጥራዝካ ውሳኔ ንምትግባሩ እንተ ዘይተኻእለ፥ እቲ ናይ ምምላስ ስርሓት ግን ቀጻሊ’ዩ። እቲ ንስኻ ዘሎካ ሓላፍነት፥ ንኣብነት መታን ንስኻ/ኺ ናብ ሃገርካ ወይ ውን ናብ ካልእ ክትነብረላ መሰል ዘሎካ ሃገር ንምምላስ መታን ክትክእል፥ ፓስፖርት ወይ ጊዚያዊ ክትጥቀመሉ እትኽእል መጋየሺ-ሰነድ፥ ከምኡውን ካልእ ዘድልዩኻ ነገራትን ምድላው ኰይኑ፤ ከምኡ’ውን ገና ንዝርርብ ወይ ብዛዕባ ተወሲዶም ዘሎዉ ውሳኔታት ንኽትሕበር መጸዋዕታ ክልኽኣልካ ከም ዚኽእልን እዩ። ንናይ ምጥራዝካ ናይ ትግባረ-ዕንቅፋት ምልክታ ኣቕሪብካ፥ ውሳኔ ገና ዘይተዋህበሉ ምስ ዚኸውን ውን፥ እቲ ኣተሓሕዛ ናይቲ ጉዳይ ሓደ ዓይነት’ዩ።

ቀቅድሚ እቲ ናይ ምምላስ ጊዜ እንታይ ክትገብር ከም ዘድልየካ ኣብዚ ብዝሰፍሐ ኣንብብ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

እገዳ-ትግባረ ማለት ንናይ ምስጓግ ወይ ምብራር ውሳኔ ንግዚኡ ደው ምባል ማለት’ዩ

”ሚግራሾንስቨርከት” ንሓደ ዝተወሰነ ጊዜ ነቲ ናብ ሓንቲ ሃገር ንምስጓጕ ወይ ንምብራር ዝተሓስበ ትግባረ ደው ከብሎ ኪውስን ይኽእል’ዩ። እዚ ድማ ”እገዳ-ትግባረ” (verkställighetsstopp) ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ኣብዚ ብዛዕባ ”እገዳ-ትግባረ” (verkställighetsstopp) ዝበልጸ ኣንብብ። (ብቛንቛ አንግሊዝ)

Last updated: