ክትጸንሕ እንተ ተፈቒዱልካ

Om du får stanna – tigrinska

ንስኻ ዑቕባ ንምርካብ ኣመልኪትካ፡ እሞ መቐመጢ ፍቓድ ዝረኸብካ ሰብ፤ ኣብ ሽወደን ንምቕማጥን ንምስራሕን መሰል ኣሎካ።

ኣብዞም ዚስዕቡ ገጻት፡ ንዓኻ ዑቕባ ንምርካብ ኣመኪትካ፡ ኣብ ሽወደን መቐመጢ ፍቓድ ዝተቐበልካ፤ ዝተዳለወ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ። (ገለ ካብቶም ገጻት ብኹሉ ቋንቋታት ተተርጒሞም ኣይክትረኽቦምን ኢኻ)።

ከም ስደተኛ መጠን መቐመጢ ፍቓድ እንተ ተዋሂቡካ፡ እቲ ፍቓድካ ን3 ዓመት የገልግል።

ብዛዕባ ንስደተኛ ዚወሃብ መቐመጢ ፍቓድ፡ ኣብዚ ኣቲኻ ብዝበለጸ ኣንብብ

ከም ኣማርጺ ዑቝባ ዘድልዮ ሰብ መጠን መቐመጢ ፍቓድ ተዋሂቡካ፡ እቲ ፍቓድካ ን13 ኣዋርሕ የገልግል።

ብዛዕባ ከም ኣማራጺ ዑቝባ ዘድልዮ ሰብ ዚወሃብ መቐመጢ ፍቓድ፡ ኣብዚ ኣቲኻ ብዝበለጸ ኣንብብ

እንተደኣ ብናይ ስደተኛ ደረጃ ተቖጺርካ ወይ ከም ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮ ሰብ ተቖጺርካ ወይ ውን ብናይ ምስጓጕ ትግባረ መዕጋት ምኽንያት ወይ ውን ብርኡይ ናይ ህይወት ጸገማት መንበሪ ፍቓድ ዝረኸብካ ሰብ ምስ ትኸውን፥ ንናይ ስድራቤታዊ ዳግመ-ምትእኽኻብ መሰል ኪህልወካ ይኽእል እዩ።

ብዛዕባ ምስ ስድራቤትካ ንምትእኽኻብ ዘሎካ ዕድል፡ ኣብዚ ብዝበለጸ ኣንብብ።

ናይ ሃገርካ ፓስፖርት ክትረክብ ዕድል ዘይብልካ ምስ ትኸውን፤ ፓስፖርት ካብ ሚግራሾንስቨርከት ንምርካብ፡ ክተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ ”ፓስፖርት ባዕዳውያን” (främlingspass) ኣብዚ ብዝበለጸ ኣንብብ።

ብዛዕባ ጊዚያዊ ”ፓስፖርት ባዕዳውያን” (provisoriskt främlingspass) ኣብዚ ብዝበለጸ ኣንብብ

ብዛዕባ ”መጋየሺ ሰነድ” (resedokument) ኣብዚ ብዝበለጸ ኣንብብ።

እቲ ብጊዜ ዝተደረተ መቐመጢ ፍቓድካ ምስ ተወድአ፤ ኣብ ሽወደን ንምጽናሕ ድማ ምስ ትደሊ፤ ናይ መናውሒ ምልክታ ክተቕርብ ይግብኣካ። መንበሪ-ፍቓድካ ንምንዋሕ ምልክታ ኣብ ተቕርበሉ ጊዜ፥ ምስኡ ብምትሕሓዝ ውን ንቐዋሚ

ብዛዕባ መን መቐመጢ ፍቓዱ ከናውሓሉ ከም ዚኽእል፡ ኣብዚ ብዝበለጸ ኣንብብ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

Last updated: