ናይ ዑቕባ ምልክታኻ መልሲ ምስ ረኸበ

Efter beslut om din ansökan om asyl – tigrinska

”ሚግራሾንንስቨርከት” ብዛዕባ’ቲ ዘቕረብካዮ ምልክታ ውሳነ ምስ ወሰደ፥ ነቲ ዘሕለፎ ውሳነ እንታይ ከም ዝኾነ ንኽንሕብረካ፥ ዝተፈላለዩ ሜላታት ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ብሓደ ፈጻሚ ጉዳይ ጌርና፥ ብዛዕባ’ቲ ውሳነ ንስኻ ብኣካል ኣብ ዝተረኸብካሉ ኣኼባ ክንሕብረካ ንኽእል ኢና ወይ ውን ነቲ መልእኽቲ ብቤት ቡስጣ ሰዲድና ክንሕብረካ ንኽእል ኢና።

ንዓኻ እቲ ዝሓለፈ ውሳነ እንታይ ምዃኑ ምሕባር፥ ብቛንቋ ሽወደን “delgivning”፡ ማለት “መልእኽቲ ምብጻሕ” ይበሃል። እቲ ውሳነ ብቤት ቡስጣ ኣቢልካ ምሕባር ድማ፥ “ዝተቓለለ ኣውሃህባ መልእኽቲ” (förenklad delgivning) ይበሃል። ዋላኳ እቲ መልእኽቲ ብቤት ቡስጣ ኣቢሉ ይልኣኸልካ፥ ናብቲ ኣሃዱ መቐበል ስደተኛታት “mottagningsenheten” ኣኼባ ተጸዊዕካ ውን፥ ሓገዝ ናይ ተርጓማይ ኣብ ዘሎዎ፡ ብዛዕባ’ቲ ውሳነ ክትሕበር ትኽእል ኢኻ።

ዝተቓለለል ኣወሃህባ መልእኽቲ/ሓበሬታ

”ሚግራሾንስቨርከት”፡ በቲ ዝተቓለለ ኣወሃህባ መልእኽቲ ተጠቒሙ ነቲ ሓበሬታ ኣብ ዚህበካ ጊዜ፥ ነቲ ውሳነ ብቤት ቡስጣ ጌሩ ናብ ገዛኻ፥ ናብቲ ንስኻ ንዓና ዝሃብካና ኣድራሻ ኪልእከልካ እዩ። ኣብቲ ዚቕጽል ዘሎ ዕለት ድማ፥ ነቲ ውሳነ’ቲ ልኢኽናልካ ከም ዘሎና ዚሕብር፥ ሓደ ሓድሽ ናይ መቆጻጸሪ መልእኽቲ ክንሰደልካ ኢና። ኣብቲ መቆጻጸሪ መልእኽቲ፡ እቲ ውሳነ መዓስ ከም ዝተላእከልካ ኣብኡ ተጻሒፉ ክትረኽቦ ኢኻ። ክልተ ሰሙን ብድሕሪ’ቲ ነቲ መልእኽቲ’ቲ ምስዳዱ ድማ፥ ”ሚግራሾንስቨርከት”፡ ብዛዕባ’ቲ ውሳነ’ቲ ተሓቢርካ ከም ዘሎኻ ጌሩ ኪወስዶ እዩ።

ስለዚ፡ ናትካ ቅኑዕ ኣድራሻ ኣብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ተመዝጊቡ ኪህሉ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር’ዩ። ከምኡ ውን ኣስማት ናይ ኵሎም እቶም በጽሒታት ኣባላት ስድራቤትካ፥ ኣብቲ ማዕጾ ወይ ኣብቲ ሳጹን-ቡስጣ፡ ብንጹር ተጻሒፉ ኪህሉ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ብቤት ቡስጣ ዚልኣኽለካ ቡስጣታት በብግዚኡ ብመደብ ከም ትከታተሎ ግበር። ኣድራሻ ምስ ትቕይር ድማ ሓበሬታ ሃበና።

ሓበሬታ ብዛዕባ’ቲ ውሳነ

ዋላኳ “ሚግራሾንስቨርከት”፡ በቲ ዝተቓለለ ኣወሃህባ መልእኽቲ (förenklad delgivning) ኣቢሉ ነቲ መልእኽቲ ኪልእከልካ እንተ መረጸ፤ ኵሉ ጊዜ ግን፡ ናብቲ ኣሃዱ መቐበል ስደተኛታት “mottagningsenheten”፥ ናብ ኣኼባ ንኽትመጽእ መጸዋዕታ ኪልኣኸልካ እዩ። ኣብቲ ኣኼባ’ቲ ድማ፥ ብሓገዝ ናይ ተርጓማይ ብዛዕብ’ቲ ውሳነ ሓበሬታ ኪወሃብካ እዩ። እንተ ደኣ እቲ ናይቲ ውሳነ መልእኽቲ ምስ ተላእከልካ፥ ክልተ ቅነ ከይሓለፈ ናብቲ ኣሃዱ መቐበል ስደተኛታት “mottagningsenheten” መጺእካ፥ “ሚግራሾንስቨርከት”፡ ነታ ቅድሚ እታ መዓልቲ’ቲኣ ዘላ ዕለት፥ እቲ መልእኽቲ ዝበጽሓትሉ ዕለት ጌሩ ኪወስዳ እዩ።

እቲ ውሳነ ካብ መዓስ’ዩ ምግልጋል ዚጅምር

እቲ መልእኽቲ ዝተቐበልካሉ ዕለት ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር’ዩ። ነቲ ውሳነ እንተ ተቓዊምካዮ ውን፥ ይግባይ ንኽትብል፡ ካብታ እቲ መልእኽቲ ኣብ ኢድካ ዝተቐበልካሉ ዕለት ጀሚሩ፥ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ክትገብሮ ስለ ዘሎካ እዩ። ካብቲ ነቲ መልእኽቲ ዝተቐበልካሉ ዕለት ጀሚሩ፡ ሰለስተ ሰሙን ምስ ሓለፈ፥ እቲ ውሳነ ኣብ ግብሪ ከገልግል ጀሚሩ (får laga kraft) ኣሎ። ብድሕሪኡ ድማ፡ ይግባይ ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ።

እዚ ማለት ድማ፡ ”ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ዝተቓለለ ኣወሃህባ መልእኽቲ ኣብ ዚጥቀመሉ ጊዜ፥ እቲ ውሳነ፡ ሓሙሽተ ሰሙን ብድሕሪ’ቲ መልእኽቲ ናባኻ ዝተላእከሉ ዕለት’ዩ ከገልግል ዚጅምር።

እቲ ውሳነ እወ (እወታዊ) እንተ ኾይኑ

ናይቲ ዘቕረብካዮ ምልክታ እወ ዚብል መልሲ እንተ ረኺብካ፥ መንበሪ ፍቓድ ኪወሃበካ እዩ። ሽዑ ድማ፡ ኣብ ሽወደን ንኽትቅመጥን ንኽትሰርሕን መሰል ኣሎካ ማለት’ዩ። እቲ መንበሪ ፍቓድ (Uppehållstillståndet) ካብታ እታ ውሳነ ዝሓለፈትላ ዕለት’ዩ ከገልግል ዚጅምር። ዋላኳ ናይቲ ዘቕረብካዮ ምልክታ እወታዊ መልሲ እንተ ረኸብካ፥ ንገለ ክፋል ናይቲ ውሳነ ከይትዓግበሉ ትኽእል ኢኻ። ሽዑ ድማ፡ ካብታ እቲ መልእኽቲ ዝተቐበልካሉ ዕለት፥ ይግባይ ንኽትብል ሰለስተ ሰሙን ኣሎካ።

ኣብ ሽወደን ንኽትጸንሕ እንተ ተፈቒዱልካ፥ እንታይ ከም ዘገልግል ኣብዚ ብዝበለጸ ኣንብብ

እቲ ውሳነ ኣይፋል (ኣሉታዊ) እንተ ኾይኑ

ናይቲ ዘቕረብካዮ ምልክታ ኣይፋል ዚብል ውሳነ እንተ ረኺብካ፥ እቲ ዘቕረብካዮ ምልክታ ተነጺጉ ኣሎ ማለት’ዩ። እዚ ማለት ድማ፡ ”ሚግራሾንስቨርከት” ኣብ ሽወደን ንኽትጸንሕ ብቑዕ ምኽንያት ከም ዜብልካ ጌሩ ገምጊምዎ ኣሎ። ምልክታኻ እንተ ተነጺጉ ክልተ ምርጫ እዮም ዘሎዉኻ፡- ንሳቶም ድማ፡ ነቲ ውሳነ ተቐቢልካ ካብ ሃገር ምውጻእ ወይ ድማ ይግባይ ምባል እዮም።

እቲ ዘቕረብካዮ ናይ ዑቕባ ምልክታ እንተ ተነጺጉ እንታይ ከም ዘገልግል ኣብዚ ብዝበለጸ ኣንብብ

ፊልም ብዛዕባ ውሳነ ናይ መጽናዕቲ ምሕታት ዑቕባ

Last updated: