ዑቕባ ዝሓተትካሉ ምልክታኻ ምስ ዚንጸግ

Om du får avslag på din ansökan – tigrinska

ናይቲ ዑቕባ ዝሓተትካሉ ምልክታ ምንጻግ ማለት፥ ”ሚግራሾንስቨርከት” ኣብ ሽወደን ከጽንሓካ ዚኽእል ብቑዕ ምኽንያት ኣሎካ ኢሉ ስለ ዘይሓሰበ እዩ። ናይ ምንጻግ ውሳኔ እንተ ተዋሂቡካ፥ ክልተ ምርጫታት’ዩ ዘሎካ፡- ነቲ ውሳኔ ተቐቢልካ ናብ ሃገርካ ምምላስ፥ ወይ ድማ ይግባይ ንምባል’ዩ። ይግባይ ንምባል እንተ መሪጽካ፥ ነቲ ዝተዋህበካ ውሳኔ ቤት ፍርዲ፥ ከም ብሓድሽ ክርእዮ እዩ። ዋላ`ኳ ይግባይ እንተ መረጽካ ግን፥ ናይ ምምላስ መደብ ምግባር ምጅማር ይግብኣካ’ዩ።

ነቲ ናይ ምንጻግ ወይ ምጥራዝ ውሳኔ እንተ ተቐቢልካዮ፥ ነቲ ውሳኔ ናይ ምቕባልካ፥ ናይ ”ዕግበት-መግለጺ” ሰነድ (nöjdförklaring) ክትፍርም ኢኻ። ነዚ ናይ ”ዕግበት-መግለጺ” ሰነድ ምስ ፈረምካሉ፥ ከም ብሓድሽ ነቲ ውሳኔ ይግባይ ክትብለሉ ኣይትኽእልን ኢኻ። ስለዚ፡ ናብ ሃገርካ ናይ ምምላስ መደብ ክተሳልጥ ይግብኣካ። ዋላ`ኳ ነቲ ናይ ”ዕግበት-መግለጺ” ሰነድ እንተ ዘይፈረምካሉ ውን፥ ብዛዕባ ናትካ ናይ ምምላስ ጉዳይ፡ ምስ ”ሚግራሾንቨርከት” ተሓባቢርካ ምስራሕ ኣገዳሲ ኣዩ።

ናይ ምንጻግ ውሳኔ ከም ልሙድ ን4 ዓመታ’ዩ ዘገልግል።

ብዛዕባ ንሽወደን ሓዲጋክ ምኻድ፡ ንዓኻ እንታይ ከም ዚምልከተካ ኣብዚ ብዝሰፍሐ ኣንብብ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

ኣብቲ ናይ ምምላስካ ጊዜ ዚግበር ደገፍ

ከከምቲ ዝመጻእካሉ ሃገር ተራእዩ፥ ቁጠባዊ ደገፍ ናይ ምርካብ ወይ ውን ነቲ ናይ መጀመርታ ጊዜ ኣብ ሃገርካ ትነብረሉ ጊዜ ንኽቃለለልካ ብማለት፥ ካልኦት ናይ ደገፍ ስጉምቲታት ናይ ምርካብ ዕድላት ክህልወካ ይኽእል’ዩ።

ብዛዕባ ኣብ ጊዜ ምምላስ መን ደገፍ ክረክብ ከም ዚኽእል ኣብዚ ብዝሰፍሐ ኣንብብ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

ነቲ ዝተዋህበካ ውሳኔ ምስ ዘይትስዕቦ

ብመሰረት እቲ ኣብ ውሳኔ ተዋሂቡካ ዘሎ ናይ ጊዜ ደረት ካብ ሽወደን ምስ ዘይትወጽእ፥ ነቲ ዚቕጽል ጊዜ፡ ካብ ”ሚግራሾንስቨርከት” መንበሪ-ቦታ ናይ ምርካብን፥ ቁጠባዊ ደገፍ ናይ ምርካብን መሰል ኣይክህልወካን’ዩ። ናብ ሸወደን ጌሽካ ንምምላስ ውን ክትእገድ ኢኻ።

”ሚግራሾንስቨርከት” ክሳብ’ቲ መገሻኻ ኣብ ግብሪ ዚውዕል፥ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ክትህሉ ወይ ውን ኣብ ቀይዲ ንኽትኣቱ፥ ውሳኔ ክወስድ ይኽእል’ዩ። ”ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ናይ ምምላስካ ሓላፍነት፥ ናብ ቤትስልጣን ፖሊስ ከተሓላልፎ ውን ይኽእል’ዩ።

ብዛዕባ ምቁጽጻርን ቀይድን ኣብዚ ብዝሰፍሐ ኣንብብ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

ይግባይ ምባል

ነቲ ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” ውሳኔ ምስ ዘይትቕበሎ፥ ይግባይ ክትብል መሰል ኣሎካ። ይግባይ ክትብል ከሎኻ፥ ነቲ ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” ውሳኔ ብቤት ፍርዲ ንኽርኣየልካ ኢኻ ትሓትት ዘሎኻ። እቲ ናይ ይግባይ ጥርዓንካ፡ ኣብ ውሽጢ ዝተወሰነ ጊዜ ኢኻ ክተቕርብ ዚግበኣካ። እቲ ተቕርበሉ ጊዜ፡ ኣብቲ ናይ ውሳኔኻ ሰነድ ሰፊሩ ኣሎ።

ብዛዕባ ብኸመይ ይግባይ ከም ትብልን፥ ይግባይ ንምባል ክንደይ ጊዜ ከም ዘሎካን፥ ኣብዚ ብዝሰፍሐ ኣንብብ

ብድሕሪ ምንጻግ ዘጋጥሙ ሓደስቲ ፍጻሜታት

ናብ ሃገርካ ክትምለሰሉ ዘየኽእል ነገራት ምስ ዘጋጥመካ፥ ነቲ ናትካ ናይ ”ስደተኛታት ምቕባል ኣሃዱ” (mottagningsenhet) ክትነግሮ ይግብኣካ። ሽዑ ድማ ”ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ናይ ምጥራዝ ስጉምቲ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዚዕንቅፍ ነገር ምህላዉ ክርኢ (ክምርምር) እዩ። እዚ ድማ ብድሕር’ቲ ውሳኔ ምቕባልካ ዝመጸ ሓድሽ ሓበሬታ ክኸውን ይግባእ።

ብዛዕባቶም ብድሕሪ ምንጻግ ዘጋጥሙ ሓደስቲ ፍጻሜታት ዘገልግል ኩነታት፥ ኣብዚ ብዝሰፍሐ ኣንብብ

Last updated: