ይግባይ ክትብል ምስ ትደሊ

Om du vill överklaga – tigrinska

ካብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ክትቅበሎ ዘይትኽእል ውሳኔ ምስ ዝወሃበካ፥ ይግባይ ንምባል ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ ይግባይ ክበሃል ከም ዚኽእል፥ ኣብዚ ጽሑፍ’ዚ ብዝሰፍሐ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

ነቲ ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” ውሳኔ ምስ ዘይትቕበሎ፥ ይግባይ ክትብል መሰል ኣሎካ። ይግባይ ምባል ማለት፥ ነቲ ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” ውሳኔ ብቤትፍርዲ ከም ብሓድሽ ንኽርኣየልካ (ክምርመር) ምሕታት ማለት’ዩ። ነቲ ናይ ይግባይ ጥርዓን ዝርእዮ ሓደ ቤትፍርዲ’ዩ፥ ነቲ ናይ ጥርዓንካ ጽሑፍ ግን፥ ናብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ኢኻ ትልእኮ። ኣብቲ ናይ ውሳኔ ጽሑፍ፥ ይግባይ ንምባል ክንደይ ጊዜ ከም ዘሎካ ኣብኡ ሰፊሩ ክትረኽቦ ኢኻ። ብዙሕ ጊዜ፡ ካብታ ውሳኔ ዝተቐበልካላ ዕለት፥ ናይ ሰለስተ ሰሙን ጊዜ’ዩ ዘሎካ። መንግስታዊ ጠበቓ ምስ ዚህልወካ፥ ንሱ ወይ ንሳ ይግባይ ንምባል ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

መንበሪ-ፍቓድ ንምርካብ ዘመልከትካ ምስ ትኸውን፥ እሞ እቲ ምልክታኻ ድማ ምስ ዚንጸግ፥ እቲ ውሳኔ ክወሃብካ ከሎ ውን ብኣካል ኣብ ሽወደን ትነብር ምስ ትህሉ፥ ዋላ`ኳ ይግባይ ንምባል እንተ መረጽካ፥ ናይ ምምላስ መደብ ምግባር ግን ክትጅምር ኣሎካ። ኣብቲ ናይ ውሳኔ ጽሑፍ፡ ነቲ ናይ ቤትፍርዲ ውሳኔ እናተጸበኻ ከሎኻ፥ ኣብ ሽወደን ንኽትጸንሕ መሰል ዘሎካ እንተ ዀይኑ፡ ኣብኡ ሰፊሩ ክትረኽቦ ኢኻ።

እንተ ደኣ እቲ ንቐዋሚ-መንበሪ ፍቓድ ዘእተኻዮ ምልክታ፥ ነፍስኻ ባዕልኻ ናይ ምንባይ ጠለባት ብዘይምምላእካ ምኽንያት ወይ ብምኽንያት ዘርኣኻዮ ጠባይካ ተነጺጉ ዀይኑ፥ ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ።

”ቤትፍርዲ ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ናይ ይግባይካ ጥርዓንካ ክርእዮ’ዩ

ሚግራሾንስቨርከት፡ ኵሉ ጊዜ ነቲ ኣብ ልክዕ ሰዓቱ ዝቐረበ ናይ ይግባይ ጥርዓን፥ ናብ ቤት ፍርዲ ሚግራሾንስቨርከት የተሓላልፎ እዩ።

ቅድሚ እቲ ናይ ይግባይ ጥርዓን ናብቲ ቤት ፍርዲ ምትሕልላፉ ግን፥ ሚግራሾንስቨርከት ነቲ ዘሕለፎ ውሳኔ ኪቕይሮ ዚኽእል እንተ ዀይኑ ይርእዮ’ዩ። እንተ ደኣ ሚግራሽንስቨርከት እቲ ውሳኔ ኪቕየር ኣሎዎ ዚብል ግንዛቤ ወሲዱ፥ ነቲ ናይ ቅድም ይግባይ ዝተባህለሉ ውሳኔ ዚትክእ ሓድሽ ውሳኔ ይጽሕፍ። ኣብቲ ዝተሓላለፈሉ ጊዜ ድማ፡ ሚግራሾንስቨርከት ነቲ ሓድሽ ውሳኔ ምስቲ ናይ ይግባይ ጥርዓንካ ኣተሓሒዙ ናብ ቢት ፍርድ ይልእኮ። እቲ ጉዳይ ምስ ተመሓላለፈ፡ ሚግራሾንስቨርከት ቅኑዕ ዝዀነ ምቕያር ጌሩ ከም ዘሎ ውሳኔ ዘሕልፍ፥ እቲ ቤት ፍርዲ እዩ።

እቲ ናትካ ናይ ይግባይ ጥርዓን ናብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ምስቀረበ፥ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ መዓልታት እቲ ናይ ይግባይ ጥርዓንካ ናብ ”ቤት ፍርዲ ስድተኛታት” (migrationsdomstolen) ከም ዚልኣኽ ይግበር።

ካብታ ቤት ፍርዲ ናይ ይግባይ ጥርዓንካ ካብ ሚግራሾንስቨርከት ዝተቐበለሉ ዕለት ጀሚሩ፥ ብዛዕባ ናይ ይግባይ ጉዳይካን ብዛዕባ ናይ ቤት ፍርዲ ኣሰራርሓን ዚምልከቱ ሕቶታትካ፥ ብቐጥታ ምስቲ ቤት ፍርዲ ኢኻ ርክብ ክትገብር ዚግብኣካ። ነቲ ናይ ቤት ፍርዲ ሚግራሾንስቨርከት ውሳኔታት ናይ ምክትታል ሓላፍነት ናይ ገዛእ ርእስኻ እዩ። ሚግራሾንስቨርከት፡ ባዕሉ ነቲ ናትካ ጉዳይ ኪከታተለልካ ኣይክእልን እዩ።

ጠበቓ ምስ ዚህልወካ፡ እቲ ናይ ይግባይ ጥርዓንካ ናብ ቤት ፍርዲ ምስ ተሓላለፈ፡ ሚግራሾንስቨርከት ናብቲ ጠበቓኻ ንምምልላስ ንእትገብሮ ወጻኢታት ገንዘብ ኣይከፍለልካን እዩ።

ሓሳብካ እንተ ቀይርካን ነቲ ናይ ይግባይ ጥርዓንካ ድማ እንተ ስሒብካዮን፥ ነቲ ዝተዋህበካ ውሳኔ ከም ዝተቐበልካዮ ንሚግራሾንስቨርከት ኣፍልጥ። ሽዑ እቲ ጥርዓንካ ኣይኪርአን’ዩ፥ ብድሕሪኡ ውን ከም ብሓድሽ ናይ ይግባይ ጥርዓን ክተቕርብ ኣይትኽእልን ኢኻ።

ናይቶም ናይ ስደተኛ ኣብያተ ፍርዲ ናይ ርክብ ሓበሬታ፥ ኣብ ኣድራሻ ኢንተርነት ኣብያተ ፍርዲ ሽወደን ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። (ብቛንቛ ሽወደን) External link, opens in new window.

ናይ ይግባይ ጥርዓንካ ብኸምዚ ክትጽሕፎ ትኽእል ኢኻ

ኣብቲ ናይ ውሳኔኻ ሰነድ፡ ብኸመይ ይግባይ ከም ትብል ተጻሒፉልካ ኣሎ። ነቲ ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” ውሳኔ ይግባይ ክትብል ምስ ትደሊ፥ ደብዳበ ጽሒፍካ፡ ኣየናይ ውሳኔ ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” ክቕይረልካ ትደሊ ከም ዘሎኻን፥ ስለምንታይ ክቕየረልካ ከም ትደልን፥ ሓበሬታ ሃብ። ነቲ ተቕርቦ ሓበሬታ ዚድግፍ ሰነዳት ወይ ካልእ መረጋገጺ ሰነዳት ምስ ዚህልወካ፥ ምስኡ ኣተሓሒዝካ ልኣኽ። እቲ ሰነዳት፡ ቅዳሕ ዘይኰነስ፡ ብቐንዱ እቲ ጽሑፍ እንተ ዀነ ዝበልጸ’ዩ።

ኣብቲ ናይ ይግባይ ጽሑፍካ፡ ስምካን ስም ኣቦኻን ካልእ ግላዊ ሓበሬታኻን ጽሓፍ። ቁጽሪ ናይቲ ጉዳይካ ውን ምጽሓፍ ኣይትረስዕ። ቁጽሪ ናይቲ ጉዳይካ ኣብቲ ናይ ውሳኔ ጽሑፍ ክትረኽቦ ኢኻ። ዑቕባ ሓታቲ ምስ ትኸውን ድማ፥ እቲ ቁጽሪ ጉዳይካ፡ ኣብቲ ናትካ “LMA-kort” ውን ክትረኽቦ ኢኻ። መታን “ሚግራሾንስቨርከት” ወይ ቤትፍርዲ ምሳኻ ርክብ ንምግባር ክኽእሉ፤ ቁጽሪ ቴሌፎንካን ኣድራሻኻን ውን ጸሓፍ።

እቲ ናይ ይግባይ ጥርዓንካ ኣብ ጊዚኡ ናብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ክተቕርቦ፥ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብዚ ገጽ’ዚ ሰፊሩ ዘሎ ሰደቓ ከም ትርእዮ ዘሎኻ፥ ከከምቲ ዓይነት ተዋሂቡካ ዘሎ ውሳኔታት፥ ይግባይ ንምባል ክንደይ ጊዜ ተዋሂቡካ ከም ዘሎ ውን፥ ኣብኡ ሰፊሩ ክትረኽቦ ኢኻ። እቲ ጊዜ ምጽብጻብ ዚጅምር፡ ካብቲ እቲ ውሳኔ ኣብ ኢድካ ዝበጽሓሉ ጊዜ ጀሚሩ እዩ።

ባዕልኻ ይግባይ ንምባል ዘይትኽእል እንተ ዄንካ፥ ካልእ ሰብ ንኽገብረልካ ሕተት። ሽዑ ግን፡ ናይቲ ዚሕግዘካ ሰብ ዝሃብካሉ ናይ ውክልና ስልጣን፥ ናብ “ሚግራሾንስቨርከት” ክተቕርብ የድልየካ።

ናይ ውክልና-ስልጣን እንታይ’ዩ?

ናይ ውክልና-ስልጣን ክኸውን ዚኽእል፥ ሓደ ዝተፈረሞ ደብዳበ፡ ኣብኡ ድማ እቲ ፍቓድ ዝሓትት ዘሎ ሰብ፥ ካልእ ሰብ ንኽውክሎ ወይ ንኽውክላ ናይ መዝነት ዕድል ምሃብ ማለት’ዩ። ሓደ ናይ ውክልና-ስልጣን ሰነድ፥ ንኣብነት ንኻልእ ሰብ ኣብ ክንዳኻ ኰይኑ ምልክታ ከቕርብ፥ ውሳኔ ንኽውሰድ እንታይ ምኽንያት ከም ዝተዋህበ ንኽፈልጥ፥ ወይ ውን ንኻልእ ሰብ ወኪሉ ናይ ይግባይ ጥርዓን ከቕርብ ምኽኣልን፥ ክኸውን ይኽእል’ዩ። እቲ ናይ ውክልና-ስልጣን ሰነድ፥ በቲ ናይ ውክልና-ስልጣን ዚህብ ዘሎ ዝተጻሕፈ ክኸውን ይግባእ። “ሚግራሾንስቨርከት” እቲ ሓቲቱ ውን፥ እቲ ቅዳሕ ዘይኰነስ እቲ “ኦሪጂናል” ሰነድ ክተቕርብ ክትክእል የድሊ።

ንኻልእ ሰብ ናይ ውክልና-ስልጣን ንኽትህብ ክትክእል፥ ነዞም ዚስዕቡ ነገራት ዘማልአ ደብዳበ፡ ናብ ሚግራሾንሰቨርከት” ክተቕርብ ይግባእ፡-

  • ናይ ውክልና-ስልጣን ምዃኑ ዝተፈልጠ
  • ምሉእ ስም፡ ዝተወለድካሉ ዕለትን ኣድራሻን ናይቲ ንኻልእ ሰብ ናይ ውክልና-ስልጣን ዚህብ ዘሎ ሰብ
  • እቲ ናይ ውክልና-ስልጣን ዝተዋህቦ ሰብ እንታይ ክፍጽም መሰል ከም ዚህልዎ
  • ምሉእ ስም፡ መለለዪ ቁጽሪ (ፐርሾን-ኑመር) ከምኡ ውን ኣድራሻ ናይቲ ውክልና-ስልጣን ዝተቐበለ ሰብ
  • ፊርማ ናይቲ ንኻልእ ሰብ ናይ ውክልና-ስልጣን ዚህብ ዘሎ ሰብ
  • ናይቲ ውክልና-ስልጣን ዝተጻሕፈሉ ዕለትን ቦታን ክህልዎ የድሊ።

Power of Attorney, form number 107011 (ብቛንቛ አንግሊዝ) Pdf, 641.6 kB, opens in new window.

ነቲ ”ብቤትፍርዲ ሚግራሾንስቨርከት” ዝተወስደ ውሳኔ ይግባይ ክትብል ምስ ትደሊ

በቲ ”ብሚግራሾንስቨርከት” ዝተዋህበ ውሳኔ ምስ ዘይትዓግብ፥ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ብድሕሪ’ቲ ናይ ቤትፍርዲ ውሳኔ ኣብ ኢድካ ምብጽሑ፥ ናብ ”ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ሚግራሾንስቨርከት” (Migrationsöverdomstolen) ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ። ”ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ሚግራሾንስቨርከት”፥ እቲ ንመጨረሽታ ይግባይ ክትብለሉ ትኽእል ቤትፍርዲ እዩ። እቲ ኣብኡ ዚውሰድ ውሳኔ ድማ፥ ከም መምርሒ (መወከሲ) ናይ ተመሳሰልቲ ጥርዓናት ኣብ ”ቤትፍርዲ ሚግራሾንስቨርከትን” ኣብ ”ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ሚግራሾንስቨርከትን” ኰይኑ የገልግል።

”ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ሚግራሾንስቨርከት”፡ ነቶም ገና ሕጋዊ መምርሒ ዘይተዋህቦም ገለ ጉዳያት፥ ወይ ውን ”ቤትፍርዲ ሚግራሾንስቨርከት” ብጌጋ ውሳኔ ዝወሰደሎም ጉዳያት ጥራይ’ዩ፥ ከም ብሓድሽ ንምርኣዮም ዘድልዮ። ንመብዛሕትኦም እቶም ናይ ይግባይ ጥርዓናት፥ ”ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ሚግራሾንስቨርከት” ከም ብሓድሽ ንኸይርኣዩ’ዩ ዚውስን። ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ”ብቤትፍርዲ ሚግራሾንስቨርከት” ዝተወስደ ፍርዲ’ዩ ዘገልግል።

ኵሉ ውሳኔታት ይግባይ ክትብለሉ ኣይክኣልን’ዩ

ንገለ ውሳኔታት ይግባይ ክትብለሎም ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብቲ ውሳኔ ዝተዋህበሉ ጽሑፍ ይግባይ ክትብለሉ ትኽእል ምዃንካ ወይ ዘይምዃንካ ይገልጽ እዩ።

ካብቶም ይግባይ ክትብለሎም ዘይትኽእል ጉዳያት፡-

  • ንሓደ ውሳኔ ተቐቢለዮ እየ ኢልካ፡ ንናይ ዕጋበትካ መረጋገጺ ፊርማኻ ምስ ኣስፈርካሉ
  • ጉዳይካ ንኸይርአ ብቤት ፍርዲ ሚግራሾንስቨርከት ንዝሓለፍ ውሳኔ
  • ንዝተዋህበካ ብጊዜ ዝተደረተ ናይ መንበሪ-ፍቓድ

እንተ ደኣ ሚግራሾንስቨርከት ንሓደ ይግባይ ዘይብሃለሉ ውሳኔ ናይ ይግባይ ጥርዓን ኣብ ጊዝኡ እንተ መጺእዎ፥ ነቲ ናይ ይግባይ ጥርዓን ናብ ቤት ፍርዲ ሚግራሾንስቨርከት የተሓላልፎ ’ዩ። ይኹን እምበር ቤት ፍርዲ ሚግራሾንስቨርከት፡ ነቲ ናይ ይግባይ ጥርዓን ተቐቢሉ ውሳኔ ኣይወስድን እዩ።

ነንበይኑ ጊዜታት - ንዝተፈላለዩ ናይ ይግባይ ጥርዓናት

”ሚግራሾንስቨርከት” እቲ ናይ ይግባይ ጥርዓንካ፥ ቅድሚ’ቲ ዝተዋህቦ ውሱን ናይ ጊዜ ገደብ ምሕላፉ ክቕበሎ የድልዮ እዩ። ነቲ ናይ ”ቤትፍርዲ” ውሳኔ ይግባይ ንምባል ምስ ትደሊ፥ ቅድሚ’ቲ ዝተወሰነሉ ናይ ጊዜ ደረት ምሕላፉ፥ እቲ ናይ ይግባይ ጥርዓንካ ንቤትፍርዲ ከም ዚበጽሖ ክትገብር ይግብኣካ። ክንደይ ዚኣክል ናይ ይግባይ ጊዜ ተዋሂቡካ ከም ዘሎ፥ ኣብቲ ናይ ውሳኔ ጽሑፍ ሰፊሩ ክትረኽቦ ኢኻ።

እቲ ናይ ይግባይ ናይ ጊዜ ገደብ ምስ ሓለፈ፥ እቲ ውሳኔ ሕጋዊ ምጽዳቕ ረኺቡ ኣሎ ይበሃል። እዚ ማለት ድማ፡ ነቲ ውሳኔ’ቲ ከም ብሓድሽ ይግባይ ክትብለሉ ከም ዘይክኣል ይኸውን ማለት’ዩ።

ናይ ይግባይ ጥርዓናት ንምቕራብ ዚፍቀድ ጊዜ

እዚ ውሳኔ ተዋሂብካ ኣሎኻ

ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ

ካብ ሃገር ናይ ምስጓጕ ውሳኔ

ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ካብቲ ውሳኔ ኣብ ኢድካ ዝበጽሓሉ ዕለት

ካብ ሃገር ናይ ምውጻእ ውሳኔ፥ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ኪፍጸም ንዘለዎ

ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ካብቲ ውሳኔ ኣብ ኢድካ ዝበጽሓሉ ዕለት

ካብ ቤት ፍርዲ ሚግራሾንስቨርከት ንዝተዋህበ ፍርዲ

ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ካብቲ ውሳኔ ኣብ ኢድካ ዝበጽሓሉ ዕለት

ናይ ዑቕበኛነት ደረጃ መግለጺ ውሳኔ

ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ካብቲ ውሳኔ ኣብ ኢድካ ዝበጽሓሉ ዕለት

ናይ መጋየሺ-ሰነድ (ፓስፖርት) ውሳኔ

ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ካብቲ ውሳኔ ኣብ ኢድካ ዝበጽሓሉ ዕለት

ናይ ወጻእተኛታት ፓስፖርት ውሳኔ

ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ካብቲ ውሳኔ ኣብ ኢድካ ዝበጽሓሉ ዕለት

ናብ ሸንገን ሃገራት ዳግም ንምእታው ዚእግድ ውሳኔ - ኣብ ጊዜኻ ካብ ሃገር ሽወደን ስለ ዘይወጻእካ

ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ካብቲ ሚግራሾንስቨርከት ውሳኔ ዘሕለፈሉ ዕለት

ዳግም ናብ ሽወደን ንምእታው ዚእግድ ውሳኔ - ብኻል ምኽንያት

ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ካብቲ ውሳኔ ኣብ ኢድካ ዝበጽሓሉ ዕለት

ብዛዕባ ፍሉይ ሓገዝ ገንዘብ ዝሓለፈ ውሳኔ

ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ካብቲ ውሳኔ ኣብ ኢድካ ዝበጽሓሉ ዕለት

ከም ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮ ሰብ ኴንካ ውሳኔ ዝተዋህበካ (ኣነ ከም ፖለቲካዊ ስደተኛ ይወሰነለይ ዚብል ርእይቶ ምስ ዚህልወካ)

ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ካብቲ ውሳኔ ኣብ ኢድካ ዝበጽሓሉ ዕለት

ቀዋሚ መንበሪ-ፍቓድ ንኸይወሃበካ ዝሓለፈ ውሳኔ

ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ካብቲ ውሳኔ ኣብ ኢድካ ዝበጽሓሉ ዕለት

ዚወሃብካ መዓልታዊ ሓገዝ ንኺጐድል ወይ ደው ንኺብል ዝተወስደ ውሳኔ

ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ሰሙን ካብቲ ሚግራሾንስቨርከት ውሳኔ ዘሕለፈሉ ዕለት

ውሳኔ ናይ ክትትል ወይ ማእሰርቲ

ኣብ ዝዀነ እዋን


Last updated: