ኩነተ-ደረት ናይ ዝወሃበኩም ውሕስነት/ዕቝባ

Skyddsstatus – tigrinska

ሃገረ ሽወደን ንጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከት ሓባራዊ ስምምዕ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከቲማትሉ እያ። ኣብ ትሕቲ’ቲ ሓባራዊ ስምምዕ፡ ስደተኛታት ከም ስደተኛታት ወግዓዊ መሰል ተቐባልነት ክውሃቦም ኣለዎም።

ሕጊ ስደተኛታት ሃገረ-ሽወደን እውን፡ ነቲ ንተቐባልነት ዝምልከት መምርሒ ሕብረት ኤውሮጳ እዩ ዝኽተል። እዚ ከኣ ነፍሲ-ወከፍ መንበሪ ፍቓድ ዝቕበል ሰብ፡ ዝደለዮ ውሕስነትን መሰል ወግዓዊ ክብረትን ክረክብ ይገብሮ።

ከም ስደተኛ እንተደኣ ተሓሲብኩም፡ ከም ስደተኛ ተቐባልነት ዘውህብ ኣዋጅ ክትቅበሉ ኢኹም። እዚ፡ ብመሰረት ሕግታት ስምምዓት ጀኔቫን ንተቐባልነት ዝምልከት መምርሒ ሕብረት ኤውሮጳን፡ ብዓለም ደረጃ ተፈላጥነት ዘለዎ እዩ።

ብናይ ስደተኛ ደረጃ ውሳኔ ናይ ዝረኸብ ሰብ መንበሪ-ፍቓድ - ኣብዚ ብዝበለጸ ኣንብብ

ኣብካልእሰብዝምርኮስናይምጽናሕውሕስነትዘድልዮምሰባት እዮም ተባሂልኩም እንተደኣ ተወሲድኩም፡ ኣብ ካልእ ሰብ ዝምርኮስ ናይ ምጽናሕ ውሕስነት ዝብል ኣዋጅ ክትቅበሉ ኢኹም። እዚ ብመሰረት ሕግታት ንተቐባልነት ዝምልከት መምርሒ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ብዓለም ደረጃ ተፈላጥነት ዘለዎ እዩ።

ከም ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮ ተቖጺሩ ውሳኔ ዝረኸበ ሰብ መንበሪ-ፍቓድ - ኣብዚ ብዝበለጸ ኣንብብ

መንበሪ ፍቓድ ድሕሪ ምቕባልኩም፡ ንፍሉይ ኩነተ-ደረጃ ኣመልክቱ

ንስኻ ኣብ ሽወደን መንበሪ-ፍቓድ ዝረኸብካ፥ ግን ድማ ብናይ ስደተኛ ደረጃ ውሳኔ ዘይረኸብካ፥ ከምኡ ንኺውሃበካ ከም ብሓድሽ ምልክታ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ንዓኻ ”ከም ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮ ሰብ” ዝተቖጸርካ ግን ድማ ብናይ ስደተኛ ደረጃ ውሳኔ ዘይረኸብካ ውን ዚምልከት’ዩ።

ንቕጥዒ ቊጽሪ 158011 - መመልከቲ ናይ ውሕስነት ክብሪ - መሊእኩም መንበሪ ፍቓድ ምስ ተቐበልኩም፡ ደረጃኡ ንዝሓለወ ኣዋጅ ከተመልክቱ ትኽእሉ ኢኹም።

መመልከቲ ንኩነተ-ደረጃ ውሕስነት፡ ቅጥዒ ቊጽሪ 158011 (ብቛንቛ ሽወደን) Pdf, 688.6 kB, opens in new window.

ብዛዕባ ውሳኔ ኩነተ-ደረጃ ይግባይ ምባል

ኣዋጅ ኩነተ ደረጃ፡ ካብ ውሳኔ መንበሪ ፍቓድ ፈላሊኻ ይግባይ ምባል ዝክኣል’ዩ። እዚ ማለት፡ መንበሪ ፍቓድ ዝተቐበለ ሰብ ከይተረፈ፡ ወግዓዊ ኩነተ-ደረጃ ውሕስነት ንኸይውሃቦ ወይ ንኸይውሃባ ነቲ ውሳኔ ይግባይ ክብል ይኽእል እዩ።

ብኸመይ ናይ ይግባይ ፋይል ከምእትኸፍቱ ንምፍላጥ ኣብ’ዚ ኣንብቡ

ውሳኔ ኩነተ-ደረጃኹም ክስሓብ ይኽእል እዩ

ኩነተ-ደረጃ ውሕስነትኩም ክስሓብ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ዝዀነ ውሕስነት ኣብ ዘይትደልዩሉ ክስሓብ ወይ ክተርፍ ይኽእል። እንተዀነ፡ እቲ ፍሉይ ውሕስነት ንኽውሃበኩም ዝደረኸ ኩነተ-ውሕስነት፡ ዘየድሊ ምስ ዝኸውን ወይ ድማ ብዝለዓለን ብቐዋሚን ምስ ዝልወጥ እዩ።

ከም ስደተኛ ተቐባልነት ናይ ምርካብ ኩነተ-ደረጃኹም፡ ብመበቆላዊት ሃገርኩም ዝግበረልኩም ውሕስነት ክትጥቀምሉ ምስ እትርኣዩ፡ ክስሓብ ወይ ክተርፍ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሓድሽ ሃገራዊ ፓስፖርት ብምግባር ወይ ትካል ቁጽጽር ጉዳይ ስደት ናይ ሃገረ-ሽወደን ናይ ቀደም ፓስፖርትኹም ክመልሰልኩም ምስ እትጠልቡ።

ኩነተ-ደረጃኹም ተሳሒቡ ወይ ተሪፉ ማለት፡ መንበሪ ፍቓድኩም ተጸልዩ ማለት ኣይኰነን። እንተዀነ፡ ዝነበረኩም ኩነተ-ደረጃ ምስ ዝስሓብ ወይ ዝተርፍ’ሞ፡ ናይ መጓዓዝያ ሰነድ ምስ ዝነብረኩም፡ ክትመልስዎ ኣለኩም። 

ብዛዕባ ስምምዕ ስደተኛታት ብዙሕ ኣንብቡ (ብቛንቛ አንግሊዝ) External link, opens in new window.

ብዛዕባ ሕጊ ወጻእተኛታት ኣንብቡ (ብቛንቛ ሽወደን) External link, opens in new window.

ብዛዕባ’ቲ ንተቐባልነት ዝምልከት መምርሒ ኣንብቡ External link, opens in new window.

Last updated: