ንመጋየሺ-ፓስፖርት ኣመልክት (rese­do­ku­ment)

Ansök om rese­do­ku­ment – tigrinska

ናይ ”መጋየሺ-ፓስፖርት” ንምርካብ፥ ብመሰረት ናይ 1951 ዓ. ም. ውዕል ጀነቫ፥ ከም ስደተኛ ክትፍለጥ ወይ ድማ ሃገር-ኣልቦ ዄንካ፥ ነቲ ናይ ኒውዮርክ ናይ 1954 ዓ. ም. ውዕል ዘማላእካ ክትከውን ይግባእ። ናይ ሽወደን ዚግነት እንተ ተቐቢልካ፡ ንናይ ሽወደን ፓስፖርት ምልክታ ንኽተእቱ፡ ናብ ቤትጽሕፈት ፖሊስ ክትከይድ ይግብኣካ።

መጋየሺ-ፓስፖርት (rese­do­ku­ment) ንኽትረክብ ክማልኡ ዘሎዎም ጠለባት

“መጋየሺ-ፓስፖርት” ምርካብ ንኽትክእል፡-

  • ብመሰረት ናይ 1951 ዓ. ም. ውዕል ጀነቫ ከም ስደተኛ ዝተፈለጥካ ክትከውን ወይ ውን ሃገር-ኣልቦ ዄንካ፥ ነቲ ናይ ኒውዮርክ ናይ 1954 ዕ. ም. ውዕል ዘማላእካ ክትከውን ይግባእ።

ናይ ”መጋየሺ ፓስፖርት” (resedokument) ኣይወሃበካን’ዩ፡ እንተ ደኣ፡-

  • ናይ ሽወደን ወይ ናይ ”ኤውሮጳ-ሕብረት/ኢኢኤስ” ዜግነት ኣልዩካ።

ፖለቲካዊ-ዑቕበኛ ምስ ዘይትኸውን፥ ብገለ ኵነታት ፓስፖርት-ወጻእተኛ (främlingspass) ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብዚ፡ ብኸመይ ንፓስፖርት-ወጻእተኛታት ”främlingspass” ከም ተመልክት ብዝበለጸ ኣንብብ።

ነቲ ”ኤ-ኣገልግሎት” (e-tjänsten) ንምጥቃም ክማልኡ ዘሎዎም ጠለባት

ነቲ ”ኤ-ኣገልግሎት” (e-tjänsten) ንኽትጥቀም ክትክእል፥ እዚ ዚስዕብ የድልየካ፡-

  • ኣብ ሃገር ሽወደን ምዝጉብን - ተቐማጢን ክትከውን
  • ናይ ”ባንክ-መንነት” (e-identification) ክህልወካ
  • ቅዳሕ ናይቲ ሽወደናዊ መንነት-ወረቐትካ (svenska id-kort)
  • ሓደ ቅዳሕ ናይቲ ቅድም ተዋሂቡካ ዝነበረካ መጋየሺ-ፓስፖርት ”resedokument” (ቅዳሕ ናይቲ ግላዊ ሓበሬታ ዘሎዎ ገጽን፥ ናይ ኵሎም’ቶም ማሕተም ዝተወቕዓሎም ገጻትን) ወይ ውን መጋየሺ-ፓስፖርትኻ ምጥፍኡ ናብ ፖሊስ ዘቕረብካዮ ምልክታን።

ኣብዚ፡ ቅዳሕ ፓስፖርትኻ ብኸመይ ምስቲ ምልክታኻ ኣተሓሒዝካ ከም ትልእኽ ብዝበለጸ ኣንብብ። (ብቛንቛ አንግሊዝ)

ኣብዚ፡ ብኸመይ ፓስፖርት-ወጻእተኛታት ንትሕቲ 18 ዝዕድሚኦም ቆልዑ ከም ተመለክት፥ ኣብ ትሕቲ’ቲ ”Barn under 18 år” ዚብል ኣርእስቲ ብዝበልጸ ኣንብብ።

ቅድሚ ሕጂ መረጋገጺ መንነትካ ዘየቕረብካ ምስ ትኸውን ውን፥ ቅዳሕ ናይ ሃገርካ ፓስፖርት ወይ (ፓስፖርት ዘይብልካ ምስ ትኸውን ድማ) ካልእ መንነትካ ክተረጋግጸሉ ትኽእል ሰነድ ኣተሓሒዝካ ትልእኽ። ንሱ ድማ፡ ንኣብነት ናይ መንነት-ወረቐት፥ ናይ ልደት ምስክር ወረቐት ወይ ናይ ወተሃደር ምስክር ወረቐት ኪኸውን ይኽእል’ዩ።

ክተስተውዕሎ ዚግባእ፡ እንተ ደኣ ኵሎም’ቶም ዚሕተቱ (ዘድልዩና) ሰነዳት፥ ምስቲ ተቕርቦ ምልክታኻ ተተሓሒዞም ዘይቀሪቦም፥ ውሳኔ ንምርካብ ዝነውሐ ጊዜ ኪወስድ ከም ዚኽእል እዩ።

Ett främlingspass

ብ”ኤሌክትሮኒክ-ኣገልግሎት” (e-tjänsten) ኣቲኻ ቆጸራ ጊዜ ሓዝ

ቅድሚ ብ”ኤሌክትሮኒክ-ኣገልግሎት” (e-tjänsten) ተጠቒምካ ምልክታ ምእታውካ፥ ንኽትስኣልን ናይ ኣጻብዕቲ ዓሸራ ንምግዳፍን ቆጸራ ጊዜ ኢኻ ትሕዝ። እቲ ናይ ጊዜ ቆጸራ ምሓዝ፡ ናይቲ ብ”ኤሌክትሮኒክ-ኣገልግሎት” (e-tjänsten) ሓደ ክፋል እዩ።

ነቲ ኣብ ብ”ኤሌክትሮኒክ-ኣገልግሎት” (e-tjänsten) ዝሓዝካዮ ቆጸራ ብኸመይ ከም ትስርዞ ወይ ብኸመይ ከም ትቕይሮ፥ ሓበሬታ ኣብቲ ዝተላኸልካ መረጋገጺ “ኤ-ፖስት” ክትረኽቦ ኢኻ።

ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ

ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ፥ ባዕላቶም ናይ ”መጋየሺ-ፓስፖርት” ኪሓቱ ኣይከኣልን። እቶም ወለዲ ወይ ሰብ-ሕድሪ (gode man) እዮም ብኣካል ከይዶም፥ ነቲ ቆልዓ ”መጋየሺ-ፓስፖርት” ንምርካብ ምልክታ ከቕርቡሉ ዚክኣል።

ውላድኩም ክልተ ወለዲ ምስ ዚህልውዎ፥ እሞ ድማ ብ”ኤ-ኣገልግሎት” ምልክታ ተቕርቡ ምስ ትኾኑ፥ ሚግራሾንስቨርከት ንትሕቲ 18 ዓመት ቆልዓ ፓስፖርት (ፓስፖርት-ወጻእተኛታት/መጋየሺ-ፓስፖርት) ንኺህብ ናይ ምስምማዕኩም መግለጺ፥ ”Medgivande att Migrationsverket får utfärda pass” ዚብል ኦርኒክ 24611 መሊእኩም፤ ናብቲ ”ኤ-ኣገልግሎት” ኣተሓሒዝኩም ክትልእኩ ይግባእ። ክልቴኹም ወለዲ ድማ ክትሰማምዑሉን፡ መሰኻኽር ኣብ ዘሎዉሉ ድማ ፊርማኹም ክተስፍሩሉን ይግባእ።

”ሚግራሾንስቨርከት” ንሓደ ትሕቲ 18 ዓመት ቆልዓ ፓስፖርት (ፓስፖርት-ወጻእተኛ ወይ መጋየሺ-ፓስፖርት) ንኽህብ ናይ ምስምማዕካ መግለጺ ኦርኒክ፥ ቁጽሪ 246011 (ብሽወደንኛ) Pdf, 657.8 kB, opens in new window.

“ሚግራሾንስቨርከት” ንሓደ ትሕቲ 18 ዓመት ቆልዓ ፓስፖርት (ፓስፖርት-ወጻእተኛ ወይ መጋየሺ-ፓስፖርት) ንኽብህ ናይ ምስምማዕካ መግለጺ ኦርኒክ፥ ቁጽሪ 247011 (ብእንግሊዝኛ) Pdf, 701.3 kB, opens in new window.

ከም ብዓል-ሕድሪ ኴንካ ተመልክት ምስ ትህሉ፥ ቅዳሕ ናይቲ ዝተመዘካሉ ሰነድን፥ ቅዳሕ ናይ መንነት-ወረቐትካን ኣተሓሒዝካ ክትልእኽ ይግባእ።

ኣብ ሽወደን ሓደ ካብቶም ወለዱ ዘይብሉ ቆልዓ፥ ናብቲ ስእሊ ዚስኣለሉን ምልክት-ኣጻብዕ ዚገድፈሉኒ ቦታ ኪመጽእ ከሎ፥ እቲ ናቱ ብዓል-ሕድሪ ምስኡ ሓቢርዎ ክመጽእ ይግባእ።

”ንመጋየሺ-ፓስፖርት” ምልክታ ንምቕራብ ትኸፍሎ ገንዘብ የልቦን። ነቲ ”መጋየሺ-ፓስፖርት” መጺእካ ክትወስዶ ከሎኻ ግን እትኸፍሎ ናይ ገንዘብ ክፍሊት ኣሎ። ነቲ ”መጋየሺ-ፓስፖርት” ንኽትወስድ ናብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ኣብ ትመጽኣሉ ጊዜ፥ ነቲ ናይ ገንዘብ ክፍሊት ብካርድ ጌርካ ክትከፍሎ ትኽእል ኢኻ።

ብካርድ ጌርካ ንምኽፋል ምስ ዘይትኽእል፥ ነቲ ክፍሊት ብባንክ-ጂሮ ጌርካ ክትከፍሎ ወይ ውን ክትስኣል ከሎኻን ነቲ ዓሻራ ኣጻብዕቲ ክትገድፍ ከሎኻን፥ መኽፈሊ ወረቐት ንኽወሃበካ ሕተት። ”ሚግራሾንስቨርከት” ክሳዕ ነቲ ክፍሊት ትኸፍሎ፥ ነቲ ጉዳይካ ምስላጥ ኣይጅምርን እዩ። ”መጋየሺ-ፓስፖርት” ተፈቒዱልካ ኣሎ ዚብል ውሳኔ ምስ በጽሓካ፥ ነቲ ክፍሊት ገንዘብ ትኸፍሎ።

”ሚግራሾንስቨርከት” ጥረ ገንዘብ ኣይቅበልን’ዩ፥ እቲ ክፍሊት ገንዘብ ከይተኸፍለ ውን ነቲ ”መጋየሺ-ፓስፖርት” ኣይህብን እዩ።

”ንመጋየሺ-ፓስፖርት” ዚግበር ክፍሊታት (ብቛንቛ አንግሊዝ)

”ብኢንተርነት” ጌርካ ንመጋየሺ-ፓስፖርት ምምልካት ምስ ዘይትኽእል፥ ነቲ ”Ansökan om resedokument" ዚብል ኦርኒክ፥ ቁጽሪ 108021” ብምምላእ፥ ብኣካል ናብ ሓደ ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” ናይ ፍቓድ-ኣሃዱ ቤትጽሕፈት ኬድካ፥ ክተመልክት ትኽእል ኢኻ። ቅድሚ ንዓና ምብጻሕካ ነቲ ኦርኒክ መሊእካዮ ምጻእ።

ምልክታ ”ንመጋየሺ-ፓስፖርት” (resedokument) ኦርኒክ ቁጽሪ 108021 (ብሽወደንኛ) Pdf, 688.4 kB, opens in new window.

ምልክታ “ንመጋየሺ-ፓስፖርት” (travel document) ኦርኒክ ቁጽሪ 109021 (ብእንግሊዝኛ) Pdf, 791.5 kB, opens in new window.

ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ

ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ፥ ባዕላቶም ናይ ”መጋየሺ-ፓስፖርት” ኪሓቱ ኣይከኣልን። እቶም ወለዲ ወይ ሰብ-ሕድሪ እዮም ብኣካል ከይዶም ናይ ”መጋየሺ-ፓስፖርት” ንምርካብ ምልክታ ዘቕርቡሎም።

ናይቲ ቆልዓ ክልተ ወለዲ ምስ ዚህልዉ፥ ክልቲኦም ወለዲ ነቲ ናይ ምልክታ ወረቐት ከም ዝተሰማምዑሉ ንምግላጽ፥ ክልቲኦም ዝፈረሙሉ ኪኸውን ይግባእ። ነቲ ቆልዓ፡ ሓደ ካብቶም ወለዲ ጥራይ ምልክታ ንምቕራብ፥ ናብ “ሚግራሾንስቨርከት” ሒዝዎ ምስ ዚመጽእ፥ እቲ ካልኣይ ወላዲ፡ ነቲ ናይ ምልክታ ወረቐት ኣቐዲሙ ዝፈረመሉ ኪኸውን ይግባእ። እቲ ፊርማ ድማ፡ ብሓደ ሳልሳይ ኣካል ዝተመስከረ ኪኸውን ይግባእ።

ሓደ ቆልዓ ወለዱ ኣብ ሽወደን ዘየሎዉ ምስ ዚኾኑ፥ ናብቲ ስእሊ ዚስኣለሉን ዓሸራ ኣጻብዕ ዚገድፈሉኒ ቦታ ኪመጽእ ከሎ፥ እቲ ናቱ ብዓል-ሕድሪ ምስኡ ሓቢርዎ ክመጽእ ይግባእ። እቲ ናይ ቆልዓ ብዓል-ሕድሪ ድማ፥ ነቲ መዝነት ዝተቐበለሉ ሰነድን፥ መንነት-ወረቐቱን ተማሊኡ ክመጽእ ይግባእ።

ቆጸራ ምሓዝ

ምልክታኻ ንምሕዳግ ቅድሚ ናብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ምምጻእካ፥ ቆጸራ ክትሕዝ ይግባእ። ናይ ነፍሲ-ወከፍ ፓስፖርት-ወጻእተኛ ምልክታ ዘቕርብ ሰብ ቆጸራ ክትሕዝ ይግባእ። ኵሎም እቶም “ንመጋየሺ-ፓስፖርት” ምልክታ ዘቕርቡ ሰባት ብኣካል ኪርከቡ ከም ዚግባእ ኣስተውዕል፤ ዋላ ንኣሽቱ ቆልዑ ውን። ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ድማ ነናቱ ናይ ምልክታ ቆጸራ ኪተሓዘሉ ይግባእ። ተር ኣቢልካ ብመስርዕ፡ ናይ ቆጸራ ጊዜታት ክትሕዝ ትኽእል ኢኻ።

ምልክታኻ ንምቕራብ ቆጸራ ንምሓዝ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

ምልክታኻ ምቕራብ

ምልክታኻ ንምቕራብ ኣብ ትመጽኣሉ ጊዜ፥ ነዞም ዚስዕቡ ተማሊእካ ምጻእ፡-

  • ናትካ ናይ ሽወደን መንነት-ወረቐት
  • ናይ ምልክታኻ ኦርኒክ - ዝተመልአን ዝተፈረመን (ነናትካ ዝተመልአ ኦርኒክ)። ነቲ ንናይ ቆልዓ ”መጋየሺ-ፓስፖርት” ተቕርበሉ ምልክታ፥ ክልቲኦም ወለዲ ኪፍርምሉ ከም ዚግባእ ኣስተውዕል።
  • ቅዳሕ ናይቲ ምናልባት ቅድሚ ሕጂ ተዋሂቡካ ዝነበረ ”መጋየሺ-ፓስፖርት” ወይ ”መጋየሺ-ፓስፖርትኻ” ብምጥፍኡ ምኽንያት፡ ናብ ፖሊስ ዝተገብረ ምልክታ እዩ።

ቅድሚ ሕጂ መንነትካ መረጋገጺ ዘየቕረብካ ምስ ትኸውን ውን፥ ቅዳሕ ናይ ሃገርካ ፓስፖርት ወይ (ፓስፖርት ዘይብልካ ምስ ትኸውን ድማ) ካልእ መንነትካ ተረጋግጸሉ ሰነድ ኣተሓሒዝካ ትልእኽ። ንኣብነት ናይ መንነት-ወረቐት፡ ናይ ልደት ምስክር-ወረቐት ወይ ናይ ወተሃደር ምስክር ወረቐት ኪኸውን ይኽእል’ዩ።

ናይ ሃገርካ ፓስፖርት ወይ ኣረጊት ”መጋየሺ-ፓስፖርት” (resedokument) ምስ ዚህልዉኻ፥ ንዓኣቶም ውን ናብ ሚግራሾንስቨርከት ክተረክቦም ይግባእ። ምናልባት እቲ ”ፈጻሚ-ጉዳይ” ምስቲ ተቕርቦ ምልክታ ኣተሓሒዝካ፥ ናይ ፖስፖርትኻ ቅዳሕ ንኽትሓድግ ከፍቅደልካ ይኽእል ይኸውን። ይኹን እምበር፡ እቲ ጉዳይካ ዚሳለጠሉ ጊዜ ምስ ኣኸለ ወይ ውን ነቲ ሓድሽ ፓስፖርትኻ ንምውሳድ ኣብ ትመጽኣሉ ጊዜ፥ ነቲ ናይ ቀደም (ኦሪጂናል) ፓስፖርትኻ በቐንዱ ንኽተረክቦ ክሓቱኻ እዮም።

ሚግራሾንስቨርከት፡ ነቲ ምልክታኻ ኣብ ተቕርበሉ ጊዜ፥ ስእሊ ክስእሉኻን ናይ ኣጻብዕትኻ ዓሸራ ክወስዱልካ እዮም። ስእልኻን ናይ ኣጻብዕትኻ ዓሸራን፡ ግላዊ ሓበሬታኻን፡ ኣብታ ”መጋየሺ-ፓስፖርት-ወጻእተኛ” ዚርከብ ”ዳታ-ቺፕ”፥ ኣብኡ ኪዕቆር እዩ። እዞም ሓበሬታት እዚኦም፡ ኣብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ኣይዕቆሩን እዮም። ኣብቲ ”ቺፕ” ጥራይ’ዮም ዚዕቆሩ። ቆልዓ ትሕቲ 6 ዓመት፡ ናይ ኢድ ዓሸራ ምግዳፍ ኣየድልዮምን እዩ።

ናይ ሃገርካ ፓስፖርት ክተውጽኣሉ ትኽእል ዕድል እንተ ደኣ ኣልዩካ፥ ወይ ውን ካልእ ንመጋየሺ ክትጥቀመሉ ትኽእል ሰነድ እንተ ደኣ ኣልዩካ ንምፍላጥ፥ ንገለ ሕቶታት ክትምልሽ ከድልየካ ይኽእል’ዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ኣብቲ ምልክታ ንምቕራብ ናብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ትመጽኣሉ ጊዜ፥ ሓደ ትመልኦ መሕትት ክቐርበልካ እዩ።

ኣብ ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” ኣድራሻ ኢንተርነት፥ ኣብዚ ናይ ሕጂ ጊዜ እቲ ጉዳያት ንምስላጥ ዝወስዶ ጊዜ ክንደይ ምዃኑ ክተንብብ ትኽእል ኢኻ። ተወሳኺ ሓበሬታ ንኽተቕርብ ዘገድድ ኩነታት እንተ ተረኺቡ፥ እቲ ውሳኔ ዝነውሐ ጊዜ ክወስድ ይኽእል’ዩ።

”ሚግራሾንስቨርከት” ንጉዳይካ ኣሳሊጡ ምስ ወድአ፥ ውጽኢት ናይቲ ውሳኔ ብቤት ቡስጣ ጌሩ ናብ ቤትካ መልእኽቲ ክሰደልካ እዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ጉዳያት ንምስላጥ ዚወስዶ ጊዜ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

እቲ ውሳኔ ብቤት ቡስጣ ኣቢሉ ናብ ቤትካ ክልኣኸልካ’ዩ። ”ሚግራሾንስቨርከት” “መጋየሺ-ፓስፖት” ንኽትረብ መሰል ኣሎካ ኢሉ ምስ ዚውስን፤ ነቲ ተዳልዩልካ ዘሎ “መጋየሺ-ፓስፖርትኻ” መዓስ መጺእካ ክትወስዶ ከም ትኽእል፥ ናባኻ ሓበሬታ ክንልእኽ ኢና። ካብቲ መልእኽቲ ውሳኔ ዝረኸብካሉ ጊዜ፥ ናብቲ ምልክታ “መጋየሺ-ፓስፖርት” ንምርካብ ዘእተኻሉ ናይ ፍቓድ ኣሃዱ መጺእካ ትወስዶ፥ ክሳብ 14 መዓልታት ኣቢሉ ኪወስድ ይኽእል እዩ።

እቲ “መጋየሺ-ፓስፖርት” ንምርካብ ናብ “ሚግራሾንስቨርከት” ዘእተኻዮ ምልክታ እንተ ተነጺጉ፥ ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ።

እቲ ዘእተኻዮ ምልክታ እንተ ተነጺጉ

እንተ ደኣ ”ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ “መጋየሺ-ፓስፖርት” ንምርካብ ዘእተኻዮ ምልክታ ነጺግዎ፥ ናይቲ ውሳኔ’ቲ ይግባይ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ።

ይግባይ ክትብል ምስ ትደሊ፥ ደብዳበ ጽሒፍካ ”ሚግራሾንስቨርከት” ነየናይ ውሳኔ ክቕይረልካ ከም ትደሊን፥ እቲ ውሳኔ ውን ስለምንታይ ጌጋ ከም ዝኾነን፡ ኣብኡ መግለጺ ተቕርብ። ኣብቲ ደብዳበ ብተወሳኺ፡ ናትካ ግላዊ ሓበሬታን፡ ቁጽሪ ጉዳይካን፡ ምስኡ ውን ኣብቲ ትጽሕፎ ደብዳበ ናይ ገዛእ ርእስኻ ፊርማ ክተስፍረሉ ይግባእ።

እቲ ተቕርቦ ናይ ይግባይ ጥርዓን፥ ካብቲ ውሳኔ ዝረኸብካሉ ጊዜ ጀሚሩ፥ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን፡ ኣብ ኢድ ”ሚግራሾንስቨርከት” ክበጽሕ ከም ዘሎዎ ግበር።

ካልእ ሰብ ኣብ ክንዳኻ ኮይኑ ይግባይ ክብለልካ ምስ ትደሊ፥ ነቲ ሰብ’ቲ ድማ፡ ብጽሑፍ ጌርካ ናይ ውክልና ስልጣን ክትህቦ ይግባእ እዩ።

ነቲ ናትካ ”መጋየሺ-ፓስፖርት” መጺእካ ካብታ ምልክታ ዘእተኻላ ናይ ”ፍቓድ-ኣሃዱ” (tillståndsenhet) ወይ ”ማእከል-ኣገልግሎት”(servicecenter) ክትወስዶ ኢኻ። (እንተ ደኣ ነቲ “መጋየሺ -ፓስፖርትኻ” ኣብ ካልእ ቦታ ኬድካ ክትወስዶ ፍሉይ ሓበሬታ ዘይተዋሂቡካ)።

እንተ ደኣ ነቲ ናትካ ”መጋየሺ-ፓስፖርትኻ”፥ ናብ ካልእ ቦታ መጺእካ ክትወስዶ ትደሊ ዄንካ፥ ኣብቲ ትስኣለሉን - ናይ ኣጻብዕቲ ዓሸራ ትገድፈሉን ጊዜ፥ ነቶም ሰራሕተኛታት ክትነግሮም የድሊ።

ንስኻ፡ “መጋየሺ-ፓስፖርትኻ” ክትቅበል እትመጽእ ሰብ፥ ቅድሚ ናብ ሚግራሾንስቨርከት ምምጻእካ፥ ቆጸራ ክትሕዝ ይግባእ። ንነፍሲ ወከፍ መጺኡ ፓስፖርት ዚቕበል ሰብ፥ ቆጸራ ክትሓዘሉ ከም ዘድሊ ኣስተውዕል። እንተ ደኣ ናይ ደቅኻ ፓስፖርት ንምውሳድ ክትመጽእ ኴንካ ውን፥ ንናይ ነፍሲ ወከፍ “መጋየሺ-ፓስፖርት” ዚኸውን ቆጸራ ክትሕዝ ይግብኣካ እዩ።

ነቲ ናትካ ፓስፖርት ባዕልኻ ብኣካል መጺእካ ኢኻ ትወስዶ። ናይ ትሕቲ 18 ዓመት ዕድመ ዘሎዎ ቆልዓ፥ ወላዲ ወይ እቲ ”ብዓል-ሕድሪ” (gode mannen)፥ ነቲ ቆልዓ ምስኡ ምምላእ ከየድለዮ፥ ባዕሉ መጺኡ ክወስዶ ይኽእል’ዩ።

ልዕሊ 15 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት፥ ነቲ መጋየሺ-ፓስፖርቶም ባዕላቶም መጺኦም ክወስዱ ይኽእሉ እዮም፤ እንተ ደኣ እቲ ወላዲ ኣብቲ ምልክታ ዘቕርበሉ ጊዜ፥ ኣብ “ሚግራሾንስቨርከት” ከምኡ ዝብል ሓበሬታ ኣመዝጊቡ ጸኒሑ።

”መጋየሺ-ፓስፖርትኻ” ክትወስድ ኣብ ትመጽኣሉ ጊዜ፥ እዋናዊ ዝኾነ (ዘገልግል) ወረቐት-መንነት ሒዝካ ክትመጽእ ይግባእ። ቅድሚ ሕጂ ተዋሂቡካ ዝነበረ ዘየረከብካዮ “ፓስፖርት-ወጻእተኛ” ምስ ዚህልወካ፥ ነቲ ሓድሽ “መጋየሺ-ፓስፖርት” ክትቅበል ከሎኻ፥ ነቲ ናይ ቅድም ድማ ክትመልሶ ይግባእ።

”መጋየሺ-ፓስፖርት” ንምውሳድ ቆጸራ ምሓዝ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

ክፍሊት-ገንዘብ ምኽፋል

ነቲ ናትካ ”መጋየሺ-ፓስፖርት” ንምውሳድ ክፍሊት-ገንዘብ ምኽፋል ይግብኣካ። እቲ ዚኽፈል ገንዘብ፥ ኣብቲ ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” ናይ ፍቓድ-ኣሃዱ ቤትጽሕፈት እትመጸሉ ጊዜ፥ ብካርድ ጌርካ ትኸፍሎ።

ብካርድ ጌርካ ንምኽፋል ምስ ዘይትኽእል፥ ነቲ ክፍሊት ቅድሚ ነቲ ናትካ ”መጋየሺ=ፓስፖርት” ምውሳድካ ብባንክ-ጂሮ ጌርካ ምእንቲ ክትከፍሎ፥ መኽፈሊ ወረቐት ንኽወሃበካ ሕተት። ”ሚግራሾንስቨርከት” ጥረ-ገንዘብ ኣብ ኢዱ ኣይቅበልን’ዩ፥ ነቲ ገንዘብ ከይከፈልካዮ ድማ ነቲ ”መጋየሺ-ፓስፖርት” ኣይህበካን እዩ።

ኣቐዲምካ እንተ ደኣ ነቲ ገንዘብ ከፊልካዮ፥ ኣብቲ ነቲ ”መጋየሺ-ፓስፖርት” መጺእካ ትወስደሉ ጊዜ፥ ናይቲ ገንዘብ ዝኸፈልካኡ ቅብሊት ክተርኢ ይግባእ።

”ንመጋየሺ-ፓስፖርት” ዚግበር ክፍሊታት (ብቛንቛ አንግሊዝ)

በቲ ”መጋየሺ-ፓስፖርት” ጌርካ ምግያሽ

እቲ ”መጋየሺ-ፓስፖርት”፡ ነቲ ናይ ”ኤውሮጳዊ-ሕብረት” ናይ ፓስፖርት ጠለባት ዘማልእ ብምዃኑ፥ ናብ ኵለን ሃገራት ክትገሸሉ ትኽእል ኢኻ። ግንከ፡ እንተ ደኣ ብመሰረት ናይ ጀነቫ ናይ 1951 ዓ. ም. ስምምዕ፥ ዑቕባ ዝረኸብካ ምስ ትኸውን፥ ኣብቲ ናይ ”መጋየሺ-ፓስፖርትኻ” ናብ ሃገርካ ወይ ናብታ ካብኣ ዝግዓዝካላ ሃገር ንኽትገይሽ ከም ዘይትኽእል፥ መግለጺ ሰፊርዎ ኣሎ።

እቲ ልክዕ መንነትካ ከተመሳኽር ዘይክኣልካ ሰብ ምስ ትኸውን፥ ኣብቲ ናይ ”መጋየሺ-ፓስፖርትኻ” ድማ መንነትካ ዘይተረጋገጸ ምዃኑ ኣብኡ ኪሰፍር እዩ። ስለዚ ድማ፡ ናብ ገለ-ገለ ሃገራት ንምጋሽ ከም ትጻገም ኪገብር ይኽእል እዩ።

ናብ ገለ-ገለ ሃገራት ንምጋሽ ቪዛ ክትረክብ ከድልየካ ይኽእል’ዩ። ስለዚ ድማ፡ ቅድሚ ምጋሽካ፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ፥ ናብቲ ኤምባሲ ናይታ ዚምልከታ ሃገር ተወከስ።

እቲ መጋየሺ-ፓስፖርት ዘገልግለሉ ጊዜ

እቲ ”መጋየሺ-ሰነድ” እንተ ነውሐ ንኽልተ ዓመት ዘገግልግልን፥ ክናዋሕ ድማ ዘይክእልን እዩ። እቲ ናትካ ”መጋየሺ-ሰነድ” ኣገልግሎቱ ምስ አብቅዐ፥ ካልእ ዘድልየካ ምስ ዚኸውን፡ ከም ብሓድሽ ክተመለክት ትኽእል ኢኻ።

ከም ብሓድሽ ንናይ ”መጋየሺ-ፓስፖርት” ክተመልክት ምስ ትደሊ፥ ከም ብሓድሽ ድማ ክትሰኣልን ናይ ኣጻብዕካ ዓሸራ ክትህብን ይግባእ። ምኽንያቱ ድማ፡ እቲ ስእልኻን እቲ ናይ ኣጻብዕትኻ ዓሸራን፥ ኣብቲ ናይ ”መጋየሺ-ፓስፖርት” ”ካርድ-ቺፕ” ጥራይ ደኣ እምበር፥ ኣብ ቤትስልጣን ”ሚግራሾንስቨርከት” ተዓቂቡ ስለ ዘየሎ እዩ።

እታ ’መጋየሺ-ፓስፖርትኻ” እንተ ጠፊኣ

እታ ”መጋየሺ-ፓስፖርትኻ” እንተ ኣጥፊእካያ ወይ እንተ ተሰሪቓትካ፥ ብቕዳምነት ናብ ፖሊስ ክተመልክት ይግብኣካ። ሓድሽ ”መጋየሺ-ፓስፖርት” ዘድልየካ ምስ ዚኸውን፥ ሓድሽ ምልክታ ክተቕርብ ይግብኣካ። ሓድሽ ምልክታ ኣብ ተቕርበሉ ጊዜ፥ ቅዳሕ ናይቲ ናብ ፖሊስ ምልክታ ዘቕረብካሉ ሰነድ፥ ብቤት ቡስጣ ዝተላእከልካ ወይ ኣብ ኢድካ ዝሃቡኻ ቅዳሕ ተማሊእካ ክትመጽእ የድሊ።

Last updated: