ንፓስፖርት-ወጻእተኛ/ፍረምሊንግፓስ ኣመልክት

Ansök om främlingspass – tigrinska

ንስኻ፡ ፓስፖርት ዘይብልካ ምስ ትኸውን፥ ንኽህልወካ ውን ዕድል ዘይብልካ ምስ ትኸውን፤ ኣብ ፍሉይ ኩነታት ካብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ፓስፖርት-ወጻእተኛ (främlingspass) ክውሃበካ ይኽእል’ዩ። ናይ ሽወደን ዚግነት እንተ ተቐቢልካ፡ ንናይ ሽወደን ፓስፖርት ምልክታ ንኽተእቱ፡ ናብ ቤትጽሕፈት ፖሊስ ክትከይድ ይግብኣካ።

ፓስፖርት-ወጻእተኛ ንኽትረክብ ክማልኡ ዘሎዎም ጠለባት

“ፓስፖርት-ወጻእተኛ” ምርካብ ንኽትክእል፡-

  • ኣብ ሃገር ሽወደን መንበሪ ፍቓድ ዝረኸብካሉ ምኽንያት፥ ካብቶም ኣብ ሃገርካ ዘሎዉ ኣብየተ-ስልጣን ዑቕባ ስለ ዘድለየካ፥ ከምኡ ብምዃኑ ውን፡ ናብ ሃገርካ ተመሊስካ ፓስፖርት ክተውጽእ ውን ስለ ዘይትኽእል፥ ወይ ውን ካብ ሓንቲ ፓስፖርትኣ ብመንግስቲ ሽወደን ቅቡል ዘይኮነት ሃገር ዝመጻእካ ምስ ትኸውን እዩ።

”ፓስፖርት-ወጻእተኛ” ኣይክወሃበካን፥ እንተ ደኣ፡-

  • ናይ ሽወደን ወይ ናይ ”ኤውሮጳ-ሕብረት/ኢኢኤስ” ዜግነት ኣልዩካ።
  • ንስኻ፡ እቲ መንበሪ-ፍቓድ ዝረኸብካሉ ምኽንያት፥ ምስቶም ናይ ሃገርካ ኣብያተ-ስልጣን ዘይተሓሓዝ፥ (ንኣብነት ብስድራቤታዊ-ክብሪ፡ ብባህርያዊ-ሓደጋ ወይ ውን ብኻልእ ሓፈሻዊ ናይ ሃገርካ ኩነታት) ኮይኑ እዩ። ኣብ ከምኡ ኩነታት ፓስፖርት ክተውጽእ ምስ ትደሊ፥ ምስቶም ናይ ሃገርካ ኣብያተስልጣን ኢኻ ርክብ ትገብር።
  • ንስኻ፡ ካልእ ከም ፓስፖርት ኮይኑ ዘገልግል፥ ንመገሻ ውን ክትጥቀመሉ ትኽእል ሰነድ ምስ ዚህልወካ
  • ንስኻ፡ እቲ ትርከበሉ ዘሎኻ ቦታ ሃገርካ ምስ ዚኸውን እዩ።

”ሚግራሾንስቨርከት” ግምገማ ናቱ ኪገብር ከሎ፥ ነቶም ኣብቲ ናትካ ውሳኔ ኪውሰድ ከሎ ዘቕረብካዮም ምኽንያታት መሰረት ብምግባር ኮይኑ፥ ንነፍሲ-ወከፍ ጉዳይ ድማ፡ ነናቱ ፍሉይ ምርመራ እዩ ዚገብረሉ። ናይ ሃገርካ ፓስፖርት ንምውጻእ ከቢድን ኣጻጋምን ብምዃኑ፥ ወይ ውን ክቡር ብምዃኑ ጥራይ፥ ”ፓስፖርት-ወጻእተኛ” ንኽወሃበካ ብቑዕ ምኽንያት ኣይኮነን።

Ett främlingspass

ነቲ ”ኤ-ኣገልግሎት” (e-tjänsten) ንምጥቃም ክማልኡ ዘሎዎም ጠለባት

ነቲ ”ኤ-ኣገልግሎት” (e-tjänsten) ንኽትጥቀም ክትክእል፥ እዚ ዚስዕብ የድልየካ፡-

  • ኣብ ሃገር ሽወደን ምዝጉብን - ተቐማጢን ክትከውን
  • ናይ ”ባንክ-መንነት” (e-identification) ክህልወካ
  • ነቲ ናይ ምልክታኻ ክፍሊት፡ ብናይ ”ሕሳብ-ካርድ” (kontokort) ወይ ”ብመኽፈሊ-ካርድ” (betalkort) ክትከፍል ትኽእል ምስ ትኸውን
  • ቅዳሕ ናይቲ ሽወደናዊ መንነት-ወረቐትካ (svenska id-kort)
  • ሓደ ቅዳሕ ናይቲ ቅድም ተዋሂቡካ ዝነበረካ ”ፓስፖርት-ወጻእተኛታት” (främlingspass) ቅዳሕ ናይቲ ግላዊ ሓበሬታ ዘሎዎ ገጽን፥ ናይ ኵሎም’ቶም ማሕተም ዝተወቕዓሎም ገጻትን ወይ ውን መጋየሺ-ፓስፖርትኻ ምጥፍኡ ናብ ፖሊስ ዘቕረብካዮ ምልክታን።

ኣብዚ፡ ቅዳሕ ፓስፖርትኻ ብኸመይ ምስቲ ምልክታኻ ኣተሓሒዝካ ከም ትልእኽ ብዝበለጸ ኣንብብ። (ብቛንቛ አንግሊዝ)

ኣብዚ፡ ብኸመይ ፓስፖርት-ወጻእተኛታት ንትሕቲ 18 ዝዕድሚኦም ቆልዑ ከም ተመለክት፥ ኣብ ትሕቲ’ቲ ”Barn under 18 år” ዚብል ኣርእስቲ ብዝበልጸ ኣንብብ።

ቅድሚ ሕጂ መረጋገጺ መንነትካ ዘየቕረብካ ምስ ትኸውን ውን፥ ቅዳሕ ናይ ሃገርካ ፓስፖርት ወይ (ፓስፖርት ዘይብልካ ምስ ትኸውን ድማ) ካልእ መንነትካ ክተረጋግጸሉ ትኽእል ሰነድ ኣተሓሒዝካ ትልእኽ። ንሱ ድማ፡ ንኣብነት ናይ መንነት-ወረቐት፥ ናይ ልደት ምስክር ወረቐት ወይ ናይ ወተሃደር ምስክር ወረቐት ኪኸውን ይኽእል’ዩ።

ክተስተውዕሎ ዚግባእ፡ እንተ ደኣ ኵሎም’ቶም ዚሕተቱ (ዘድልዩና) ሰነዳት፥ ምስቲ ተቕርቦ ምልክታኻ ተተሓሒዞም ዘይቀሪቦም፥ ውሳኔ ንምርካብ ዝነውሐ ጊዜ ኪወስድ ከም ዚኽእል እዩ።

ብ”ኤሌክትሮኒክ-ኣገልግሎት” (e-tjänsten) ኣቲኻ ቆጸራ ጊዜ ሓዝ

ቅድሚ ብ”ኤሌክትሮኒክ-ኣገልግሎት” (e-tjänsten) ተጠቒምካ ምልክታ ምእታውካ፥ ንኽትስኣልን ናይ ኣጻብዕቲ ዓሸራ ንምግዳፍን ቆጸራ ጊዜ ኢኻ ትሕዝ። እቲ ናይ ጊዜ ቆጸራ ምሓዝ፡ ናይቲ ብ”ኤሌክትሮኒክ-ኣገልግሎት” (e-tjänsten) ሓደ ክፋል እዩ።

ነቲ ኣብ ብ”ኤሌክትሮኒክ-ኣገልግሎት” (e-tjänsten) ዝሓዝካዮ ቆጸራ ብኸመይ ከም ትስርዞ ወይ ብኸመይ ከም ትቕይሮ፥ ሓበሬታ ኣብቲ ዝተላኸልካ መረጋገጺ “ኤ-ፖስት” (mejl) ክትረኽቦ ኢኻ።

ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ

ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ፥ ባዕላቶም ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ኪሓቱ ኣይከኣልን። እቶም ወለዲ ወይ ሰብ-ሕድሪ (gode man) እዮም ብኣካል ከይዶም፥ ነቲ ቆልዓ ናይ ”ወጻእተኛ ፓስፖርት” ንምርካብ ምልክታ ከቕርቡሉ ዚክኣል።

ውላድኩም ክልተ ወለዲ ምስ ዚህልውዎ፥ እሞ ድማ ብ”ኤ-ኣገልግሎት” (via e-tjänsten) ምልክታ ተቕርቡ ምስ ትኾኑ፥ ሚግራሾንስቨርከት ንትሕቲ 18 ዓመት ቆልዓ ፓስፖርት (ፓስፖርት-ወጻእተኛታት/መጋየሺ-ፓስፖርት) ንኺህብ ናይ ምስምማዕኩም መግለጺ፥ “Medgivande att Migrationsverket får utfärda pass” ዚብል ኦርኒክ 24611 መሊእኩም፤ ናብቲ ”ኤ-ኣገልግሎት” ኣተሓሒዝኩም ክትልእኩ ይግባእ። ክልቴኹም ወለዲ ድማ ክትሰማምዑሉን፡ መሰኻኽር ኣብ ዘሎዉሉ ድማ ፊርማኹም ክተስፍሩሉን ይግባእ።

”ሚግራሾንስቨርከት” ንሓደ ትሕቲ 18 ዓመት ቆልዓ ፓስፖርት (ፓስፖርት-ወጻእተኛ ወይ መግየሺ-ፓስፖርት) ንኽህብ ናይ ምስምማዕካ መግለጺ ኦርኒክ፥ ቁጽሪ 246011 (ብሽወደንኛ) Pdf, 657.8 kB, opens in new window.

“ሚግራሾንስቨርከት” ንሓደ ትሕቲ 18 ዓመት ቆልዓ ፓስፖርት (ፓስፖርት-ወጻእተኛ ወይ መግየሺ-ፓስፖርት) ንኽብህ ናይ ምስምማዕካ መግለጺ ኦርኒክ፥ ቁጽሪ 247011 (ብእንግሊዝኛ) Pdf, 701.3 kB, opens in new window.

ከም ብዓል-ሕድሪ ኴንካ ተመልክት ምስ ትህሉ፥ ቅዳሕ ናይቲ ዝተመዘካሉ ሰነድን፥ ቅዳሕ ናይ መንነት-ወረቐትካን ኣተሓሒዝካ ክትልእኽ ይግባእ።

ኣብ ሽወደን ሓደ ካብቶም ወለዱ ዘየሎዉ ቆልዓ፥ ናብቲ ስእሊ ዚስኣለሉን ምልክት-ኣጻብዕ ዚገድፈሉኒ ቦታ ኪመጽእ ከሎ፥ እቲ ናቱ ብዓል-ሕድሪ ምስኡ ሓቢርዎ ክመጽእ ይግባእ።

መብዛሕትኦም ነቲ ዘቕርቡዎ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ምልክታ ይኸፍሉሉ እዮም። ነቲ ምልክታ ከተቕርቦ ከሎኻ ድማ ነቲ ናይ ገንዘብ ክፍሊት ትኸፍሎ።

ብካርድ ጌርካ ንምኽፋል ምስ ዘይትኽእል፥ ነቲ ክፍሊት ብባንክ-ጂሮ ክትከፍሎ ወይ ውን ክትስኣል ከሎኻን ነቲ ምልክት-ኣጻብዕቲ ክትገድፍ ከሎኻን፥ መኽፈሊ ወረቐት ንኽወሃበካ ሕተት። ”ሚግራሾንስቨርከት” ክሳዕ ነቲ ክፍሊት ትኸፍሎ፥ ነቲ ጉዳይካ ምስላጥ ኣይጅምርን እዩ።

ንፓስፖርት-ወጻእተኛ ዚግበር ናይ ገንዘብ ክፍሊት (ብቛንቛ አንግሊዝ)

”ብኢንተርነት” (webben) ጌርካ ንፓስፖርት-ወጻእተኛ ምምልካት ምስ ዘይትኽእል፥ ነቲ ”Ansökan om främlingspass ዚብል ኦርኒክ፥ ቁጽሪ 190011” ብምምላእ፥ ብኣካል ናብ ሓደ ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” ናይ ፍቓድ-ኣሃዱ ቤትጽሕፈት ኬድካ ንምምልካት ትኽእል ኢኻ። ቅድሚ ንዓና ምብጻሕካ ነቲ ኦርኒክ መሊእካዮ ምጻእ።

ምልክታ ንፓስፖርት-ወጻእተኛ (främlingspass) ኦርኒክ ቁጽሪ 190011 (ብሽወደንኛ) Pdf, 732.6 kB, opens in new window.

ምልክታ ንፓስፖርት-ወጻእተኛ (alien's passport) ኦርኒክ ቁጽሪ 191011 (ብእንግሊዝኛ) Pdf, 1.2 MB, opens in new window.

ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ

ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ፥ ባዕላቶም ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ኪሓቱ ኣይከኣልን። እቶም ወለዲ ወይ ሰብ-ሕድሪ እዮም ብኣካል ከይዶም ናይ ወጻእተኛ-ፓስፖርት ንምርካብ ምልክታ ዘቕርቡሎም።

ንስኻ ወላዲ/ት፡ ነቲ ሚግራሾንስቨርከት ንትሕቲ 18 ዓመት ቆልዓ ፓስፖርት (ፓስፖርት-ወጻእተኛታት/መጋየሺ-ፓስፖርት) ንኺህብ ናይ ምስምማዕካ መግለጺ “Medgivande att Migrationsverket får utfärda pass” ዚብል ኦርኒክ 24611 መሊእካ ምስቲ ናይቲ ቆልዓ ምልክታ ኣተሓሒዝካ ብምቕራብ ፍቓድካ ክትህብ ይግባእ። ክልተ ወለዲ ምስ ዚህልዉ፡ ክልቲኦም ወለዲ ናይ ምስምምዖም መግለጺ ኪህቡ ይግባእ።

”ሚግራሾንስቨርከት” ንሓደ ትሕቲ 18 ዓመት ቆልዓ ፓስፖርት (ፓስፖርት-ወጻእተኛ ወይ መጋየሺ-ፓስፖርት) ንኽህብ ናይ ምስምማዕካ መግለጺ ኦርኒክ፥ ቁጽሪ 246011 (ብሽወደንኛ) Pdf, 657.8 kB, opens in new window.

“ሚግራሾንስቨርከት” ንሓደ ትሕቲ 18 ዓመት ቆልዓ ፓስፖርት (ፓስፖርት-ወጻእተኛ ወይ መጋየሺ-ፓስፖርት) ንኽብህ ናይ ምስምማዕካ መግለጺ ኦርኒክ፥ ቁጽሪ 247011 (በእንግሊዝኛ) Pdf, 701.3 kB, opens in new window.

ሓደ ቆልዓ ወለዱ ኣብ ሽወደን ዘየሎዉ ምስ ዚኾኑ፥ ናብቲ ስእሊ ዚስኣለሉን ዓሸራ ኣጻብዕ ዚገድፈሉኒ ቦታ ኪመጽእ ከሎ፥ እቲ ናቱ ብዓል-ሕድሪ ምስኡ ሓቢርዎ ክመጽእ ይግባእ። እቲ ናይ ቆልዓ ብዓል-ሕድሪ ድማ፥ ነቲ መዝነት ዝተቐበለሉ ሰነድን፥ መንነት-ወረቐቱን ተማሊኡ ክመጽእ ይግባእ።

ቆጸራ ምሓዝ

ምልክታኻ ንምሕዳግ ቅድሚ ናብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ምምጻእካ፥ ቆጸራ ክትሕዝ ይግባእ። ናይ ነፍሲ-ወከፍ ፓስፖርት-ወጻእተኛ ምልክታ ዘቕርብ ሰብ ቆጸራ ክትሕዝ ይግባእ። ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ድማ ነናቱ ናይ ምልክታ ኦርኒክ ከቕርብ ይግባኣ።

ምልክታኻ ንምቕራብ ቆጸራ ንምሓዝ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

ምልክታኻ ምቕራብ

ምልክታኻ ንምቕራብ ኣብ ትመጽኣሉ ጊዜ፥ ነዞም ዚስዕቡ ተማሊእካ ምጻእ፡-

  • ናትካ ናይ ሽወደን መንነት-ወረቐት
  • ናይ ምልክታኻ ኦርኒክ - ዝተመልአን ዝተፈረመን (ነናትካ ዝተመልአ ኦርኒክ)
  • ቅዳሕ ናይቲ ምናልባት ቅድሚ ሕጂ ተዋሂቡካ ዝነበረ ፓስፖርት-ወጻእተኛ ወይ ፓስፖርት-ወጻእተኛኻ ብምጥፍኡ ምኽንያት፡ ናብ ፖሊስ ዝተገብረ ምልክታ
  • እቲ ምልክታ ናይ ሓደ ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾነ ቆልዓ ምስ ዚኸውን፥ (ሚግራሾንስቨርከት ፓስፖርት (ፓስፖርት-ወጻእተኛ ወይ ”መጋየሺ-ፓስፖርት”) ንኽህብ ናይ ምስምማዕካ መግለጺ ኦርኒክ፥ ቁጽሪ 246011)

ቅድሚ ሕጂ መንነትካ መረጋገጺ ዘየቕረብካ ምስ ትኸውን ውን፥ ቅዳሕ ናይ ሃገርካ ፓስፖርት ወይ (ፓስፖርት ዘይብልካ ምስ ትኸውን ድማ) ካልእ መንነትካ ተረጋግጸሉ ሰነድ ኣተሓሒዝካ ትልእኽ። ንኣብነት ናይ መንነት-ወረቐት፡ ናይ ልደት ምስክር-ወረቐት ወይ ናይ ወተሃደር ምስክር ወረቐት ኪኸውን ይኽእል’ዩ።

ናይ ሃገርካ ፓስፖርት ወይ ኣረጊት ፓስፖርት-ወጻእተኛ (främlingspass) ምስ ዚህልዉኻ፥ ንዓኣቶም ውን ናብ ሚግራሾንስቨርከት ክተረክቦም ይግባእ። ምናልባት እቲ ”ፈጻሚ-ጉዳይ” (handläggaren) ምስቲ ተቕርቦ ምልክታ ኣተሓሒዝካ ናይ ፖስፖርትኻ ቅዳሕ ንኽትሓድግ ከፍቅደልካ ይኽእል ይኸውን። ይኹን እምበር፡ እቲ ጉዳይካ ዚሳለጠሉ ጊዜ ምስ ኣኸለ ወይ ውን ነቲ ሓድሽ ፓስፖርትኻ ንምውሳድ ኣብ ትመጽኣሉ ጊዜ፥ ነቲ ናይ ቀደም (ኦሪጂናል) ፓስፖርትኻ በቐንዱ ንኽተረክቦ ክሓቱኻ እዮም።

ሚግራሾንስቨርከት፡ ነቲ ምልክታኻ ኣብ ተቕርበሉ ጊዜ፥ ስእሊ ክስእሉኻን ናይ ኣጻብዕትኻ ዓሸራ ክወስዱልካ እዮም። ስእልኻን ናይ ኣጻብዕትኻ ዓሸራን፡ ግላዊ ሓበሬታኻን፡ ኣብታ ፓስፖርት-ወጻእተኛ ዚርከብ ”ዳታ-ቺፕ”፥ ኣብኡ ኪዕቆር እዩ። እዞም ሓበሬታት እዚኦም፡ ኣብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ኣይዕቆሩን እዮም። ኣብቲ ”ቺፕ” ጥራይ’ዮም ዚዕቆሩ። ቆልዓ ትሕቲ 6 ዓመት፡ ናይ ኢድ ዓሸራ ምግዳፍ ኣየድልዮምን እዩ።

መብዛሕትኦም ሰባት ምልክታ ፓስፖርት-ወጻእተኛ ንምቕራብ፥ ክፍሊ-ገንዘብ ንክኸፍሉ ይግደዱ እዮም። ነቲ ምልክታኻ ኣብ ናይ ፍቓድ-ኣሃዱ ክተረክቦ ከሎኻ፥ ነቲ ክፍሊት-ገንዘብ ብካርድ ጌርካ ክትከፍሎ ትኽእል ኢኻ። መኽፈሊ-ወረቐት ተቐቢልካ ኬድካ ውን ዳሕራይ ክትከፍሎ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ገንዘብ ምስ ከፈልካዮ፥ ”ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ምልክታኻ ከሳልጦ ክጅምር’ዩ።

ንፓስፖርት-ወጻእተኛ ዚግበር ናይ ገንዘብ ክፍሊት (ብቛንቛ አንግሊዝ)

ኣብ ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” ኣድራሻ ኢንተርነት፥ ኣብዚ ናይ ሕጂ ጊዜ እቲ ጉዳያት ንምስላጥ ዝወስዶ ጊዜ ክንደይ ምዃኑ ክተንብብ ትኽእል ኢኻ። ተወሳኺ ሓበሬታ ንኽተቕርብ ዘገድድ ኩነታት እንተ ተረኺቡ፥ እቲ ውሳኔ ዝነውሐ ጊዜ ክወስድ ይኽእል’ዩ።

”ሚግራሾንስቨርከት” ንጉዳይካ ኣሳሊጡ ምስ ወድአ፥ ውጽኢት ናይቲ ውሳኔ ብቤት ቡስጣ ጌሩ ናብ ቤትካ መልእኽቲ ክሰደልካ እዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ጉዳይ ንምስላጥ ዝወስዶ ጊዜ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

እቲ ውሳኔ ብቤት ቡስጣ ኣቢሉ ናብ ቤትካ ክልኣኸልካ’ዩ። ”ሚግራሾንስቨርከት” ፓስፖት-ወጻእተኛ ንኽትረብ መሰል ኣሎካ ኢሉ ምስ ዚውስን፤ ነቲ ተዳልዩልካ ዘሎ ፓስፖርት-ወጻእተኛ መዓስ መጺእካ ክትወስዶ ከም ትኽእል፥ ናባኻ ሓበሬታ ክንልእኽ ኢና። ካብቲ መልእኽቲ ውሳኔ ዝረኸብካሉ ጊዜ፥ ናብቲ ምልክታ ፓስፖርት-ወጻእተኛ ንምርካብ ዘእተኻሉ ናይ ፍቓድ ኣሃዱ መጺእካ ትወስዶ፥ ክሳብ 14 መዓልታት ኣቢሉ ኪወስድ ይኽእል እዩ።

እቲ ዘእተኻዮ ምልክታ እንተ ተነጺጉ

እንተ ደኣ ”ሚግራሾንስቨርከት” ነቲ ”ፓስፖርት-ወጻእተኛ” ንምርካብ ዘእተኻዮ ምልክታ ነጺግዎ፤ ይግባይ ክትብል ትኽእል፥ ነቲ ናይ ”

ይግባይ ክትብል ምስ ትደሊ፥ ደብዳበ ጽሒፍካ ”ሚግራሾንስቨርከት” ነየናይ ውሳኔ ክቕይረልካ ከም ትደሊን፥ እቲ ውሳኔ ውን ስለምንታይ ጌጋ ከም ዝኾነን፡ ኣብኡ መግለጺ ተቕርብ። ኣብቲ ደብዳበ ብተወሳኺ፡ ናትካ ግላዊ ሓበሬታን፡ ቁጽሪ ጉዳይካን፡ ምስኡ ውን ኣብቲ ትጽሕፎ ደብዳበ ናይ ገዛእ ርእስኻ ፊርማ ክተስፍረሉ ይግባእ።

እቲ ተቕርቦ ናይ ይግባይ ጥርዓን፥ ካብቲ ውሳኔ ዝረኸብካሉ ጊዜ ጀሚሩ፥ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን፡ ኣብ ኢድ ”ሚግራሾንስቨርከት” ክበጽሕ ከም ዘሎዎ ግበር።

ካልእ ሰብ ኣብ ክንዳኻ ኮይኑ ይግባይ ክብለልካ ምስ ትደሊ፥ ነቲ ሰብ’ቲ ድማ፡ ብጽሑፍ ጌርካ ናይ ውክልና ስልጣን ክትህቦ ይግባእ እዩ።

ንስኻ፡ ፓስፖርት-ወጻእተኛኻ ክትቅበል እትመጽእ ሰብ፥ ቅድሚ ናብ ሚግራሾንስቨርከት ምምጻእካ፥ ቆጸራ ክትሕዝ ይግባእ። ንነፍሲ ወከፍ መጺኡ ፓስፖርት ዚቕበል ሰብ፥ ቆጸራ ክትሓዘሉ ከም ዘድሊ ኣስተውዕል። እንተ ደኣ ናይ ደቅኻ ፓስፖርት ንምውሳድ ክትመጽእ ኴንካ ውን፥ ንናይ ነፍሲ ወከፍ ፓስፖርት ዚኸውን ቆጸራ ክትሕዝ ይግብኣካ እዩ።

እቲ መጺእካ ”ፓስፖርት-ወጻእተኛኻ” እትወስደሉ ቦታ፥ እንተ ደኣ ኣብ ካልእ ቦታ መጺእካ ንኽትወስዶ ሓበሬታ ዘይተዋሂቡካ፤ ኣብታ ምልክታ ዘእተኻላ ናይ ”ፍቓድ-ኣሃዱ” (tillståndsenhet) ወይ ”ማእከል-ኣገልግሎት”(servicecenter) ኪኸውን እዩ። እንተ ደኣ ነቲ ናትካ ”ፓስፖርት-ወጻእተኛ”፥ ናብ ካልእ ቦታ መጺእካ ክትወስዶ ትደሊ ዄንካ ድማ፥ ኣብቲ ትስኣለሉን - ናይ ኣጻብዕቲ ዓሸራ ትገድፈሉን ጊዜ፥ ነቶም ሰራሕተኛታት ክትነግሮም የድሊ።

ነቲ ናትካ ፓስፖርት ባዕልኻ ብኣካል መጺእካ ኢኻ ትወስዶ። ናይቶም ትሕቲ 18 ዓመት ዕድመ ዘሎዎም ቆልዑ፥ ወላዲ ወይ እቲ ”ብዓል-ሕድሪ” (gode mannen)፥ ቆልዑ ምስኡ ምምላእ ከየድለዮ፥ ባዕሉ መጺኡ ክወስዶ ይኽእል’ዩ።

ልዕሊ 15 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት፥ ፓስፖርቶም ባዕላቶም መጺኦም ክወስዱ ይኽእሉ እዮም፤ እንተ ደኣ እቲ ወላዲ ኣብቲ ምልክታ ዘቕርበሉ ጊዜ፥ ኣብ “ሚግራሾንስቨርከት” ከምኡ ዝብል ሓበሬታ ኣመዝጊቡ ጸኒሑ።

”ፓስፖርት-ወጻእተኛኻ” ክትወስድ ኣብ ትመጽኣሉ ጊዜ፥ እዋናዊ ዝኾነ (ዘገልግል) ወረቐት-መንነት ሒዝካ ክትመጽእ ይግባእ። ቅድሚ ሕጂ ተዋሂቡካ ዝነበረ ዘየረከብካዮ “ፓስፖርት-ወጻእተኛ” ምስ ዚህልወካ፥ ነቲ ሓድሽ “ፓስፖርት-ወጻእተኛ” ክትቅበል ከሎኻ፥ ነቲ ናይ ቅድም ድማ ክትመልሶ ይግባእ።

”ፓስፖርት-ወጻእተኛ” ንምውሳድ ቆጸራ ምሓዝ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

በቲ ናይ ”ወጻእተኛ-ፓስፖርት” ጌርካ ምግያሽ

ናይ ”ወጻእተኛ-ፓስፖርት”፡ ነቲ ናይ ”ኤውሮጳዊ-ሕብረት” ናይ ፓስፖርት ጠለባት ዘማልእ ብምዃኑ፥ ናብ ኵለን ሃገራት ክትገሸሉ ትኽእል ኢኻ። ናብ ገለ-ገለ ሃገራት ግን ቪዛ ከድልየካ እዩ። ስለዚ ድማ፡ ቅድሚ ምጋሽካ፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ፥ ናብቲ ኤምባሲ ናይታ ዚምልከታ ሃገር ተወከስ።

እቲ ዝተዋህበካ ”መንበሪ-ፍቓድ”፡ ብናይ ዑቝባ ምኽንያት ዝተፈቕደልካ እንተ ኾይኑ፥ ኣብቲ ናይ ”ወጻእተኛ-ፓስፖርትኻ” ናብ ሃገርካ ወይ ናብታ ካብኣ ዝግዓዝካላ ሃገር ንኽትገይሽ ከም ዘይትኽእል፥ መግለጺ ሰፊርዎ ኣሎ።

እቲ ልክዕ መንነትካ ከተመሳኽር ዘይክኣልካ ምስ ትኸውን፥ ኣብቲ ናይ ”ወጻእተኛ-ፓስፖርትኻ” ድማ መንነትካ ዘይተረጋገጸ ምዃኑ ኣብኡ ኪሰፍር እዩ። ስለዚ፡ ናብ ገለ-ገለ ሃገራት ንምጋሽ ከም ትጻገም ኪገብር ይኽእል እዩ።

እቲ ፓስፖርት ዘገልግለሉ ጊዜ

እቲ ”ፓስፖርት-ባዕዳውያን” (främlingspass) እንተ ነውሐ ንሰለሰተ ዓመት ዘገልግልን፥ ክናዋሕ ድማ ዘይክእልን እዩ። እቲ ናትካ ”ፓስፖርት-ባዕዳውያን” (främlingspass) ኣገልግሎቱ ምስ አብቅዐ፥ ካልእ ዘድልየካ ምስ ዚኸውን፡ ከም ብሓድሽ ክተመለክት ትኽእል ኢኻ።

ከም ብሓድሽ ንናይ ”ወጻእተኛ-ፓስፖርት” ክተመልክት ምስ ትደሊ፥ ከም ብሓድሽ ድማ ክትሰኣልን ናይ ኣጻብዕካ ዓሸራ ክትህብን ይግባእ። ምኽንያቱ ድማ፡ እቲ ስእልኻን እቲ ናይ ኣጻብዕትኻ ዓሸራን፥ ኣብቲ ናይ ”ወጻእተኛ-ፓስፖርት” ”ካርድ-ቺፕ” ደኣ እምበር፥ ኣብ ቤትስልጣን ”ሚግራሾንስቨርከት” ተዓቂቡ ስለ ዘየሎ እዩ።

እታ ፓስፖርት እንተ ጠፊኣ

ነታ ”ፓስፖርት-ወጻእተኛኻ” እንተ ኣጥፊእካያ ወይ እንተ ተሰሪቓትካ፥ ብቕዳምነት ናብ ፖሊስ ክተመልክት ይግብኣካ። ሓድሽ ”ፓስፖርት-ወጻእተኛ” ዘድልየካ ምስ ዚኸውን፥ ሓድሽ ምልክታ ክተቕርብ ይግብኣካ። ሓድሽ ምልክታ ኣብ ተቕርበሉ ጊዜ፥ ነቲ ናብ ፖሊስ ምልክታ ዘቕረብካሉ ሰነድ፥ ቅዳሕ ናቱ ተማሊእካ ምጻእ።

ኣብ ምጥፋእ ፓስፖርት ብዛዕባ ምድራት ዝግየሾም ሃገራት

ፓስፖርት-ወጻእተኛኻ እንተ ኣጥፊእካዮ ወይ ውን እቲ ፓስፖርትኻ ብጌጋ ናይ ምጥቃም ኣገባብ ኣሎ ተባሂሉ ተጠርጢሩ፥ ሚግራሾንስቨርከት ነቲ ሓድሽ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርትኻ ምድራት ናይ ዝግየሾም ሃገራት ኪውስነሉ ይኽእል’ዩ። እዚ ማለት ድማ፡ እቲ ሓድሽ ናይ ወጻእተኛታት ፓስፖርትኻ ዘገልግለሉ ኣብ ውሽጢ ሽወደን፡ ዳንማርክ፡ ፊንላንድ፡ ኣይስላንድን ኖርወይን ጥራይ ይኸውን። እንተ ደኣ ካብ ሓደ ንላዕሊ ናይ ወጻእተኛታት ፓስፖርትኻ ኣጥፊእካ ዄንካ፥ ኣብ ሽወደን ጥራይ ዘገልግል ሓድሽ ፓስፖርት ንኺወሃበካ ሳዕቤን ኪህሉዎ እዩ።

እንተ ደእ ከም ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮ ሰብ (alternativt skyddsbehövande) ኴንካ ናይ ወጻእተኛታት ፓስፖርት ተዋሂቡካ ኮይኑ ግን፥ እዚ ሕጊ ምድራት ናይ ዝግየሾም ሃገራት፡ ንዓኻ ኣይምልከተካን እዩ።

Last updated: