መንበሪ ፍቓድ ነቶም ኣብ ካልእ ሰብ ዝምርኮስ ናይ ምጽናሕ ውሕስነት ዝረኸቡ

Uppehållstillstånd för dig som har fått status som alternativt skyddsbehövande – tigrinska

ኣብ ካልእ ሰብ ዝምርኮስ ናይ ምጽናሕ ውሕስነት እንተረኺብኩም፡ ን 13 ኣዋርሕ መንበሪ ፍቓድ ክውሃበኩም እዩ። መንበሪ ፍቓድኩም ግዜኡ ምስ ዝሓልፍ ወይ ምስ ዝወድቕ እሞ፡ ጌና ውሕስነት የድልየና’ዩ ዝብል ምኽንያታት ምስ ዝህልወኩም፡ መንበሪ ፍቓድኩም ክናዋሕ ይኽእል እዩ።

ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድኩም፡ ን 13 ኣዋርሕ ኣብ ሽወደን ክትሰርሑን ክትነብሩን መሰል ዘውህበኩም እዩ። ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝተጠቕሰ ግዜ ድማ፡ ልክዕ ከምቲ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎ ሰብ፡ መሰል ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣለኩም።

ከም መረጋገጺ መንበሪ ፍቓድኩም፡ ካርድ መንበሪ ፍቓድ ክውሃበኩም እዩ። እዚ ካርድ’ዚ ናይ መንነት/መለለዪ ሰነድ ወይ ናይ ጉዕዞ ሰነድ ኣይኰነን። ዘገልግል (ዘይወደቐ) መንበሪ ፍቓድ ክሳብ ዘሎካ፥ ካብዚ ሃገር ንምውጻእን ንምእታውን ትኽእል ኢኻ። ይኹንእምበር፡ ካብ ሃገር ሽወደን እንተ ወጺእካ ናብዚ ንኽትምለስ ክትክእል፥ ዘይወደቐ ፓስፖርትን ዘገልግል ናይ መንበሪ-ፍቓድ ካርድን ኪህልወካ ይግባእ።

ብዛዕባ ካርድታት መንበሪ ፍቓድ ብዙሕ ኣንብቡ

ምምዝጋብኣብህዝባዊመዝገብ

ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ምስ ተቐበልኩም፡ ተቐላጢፍኩም ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ትካል ግብርን ቀረጽን ሃገረ-ሽወደን (Skatteverket) ክትምዝገቡ ኣለኩም። ብዛዕባ ንደረጃ ስደተኛታት (sfi) ቅድሚ ምስታፍኩምን ተረባሕቲ ሽወደናዊ ማሕበራዊ ስነ-ስርዓት ጸጥታ ምርካብኩምን፡ ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ክትምዝገቡ ከድልየኩም’ዩ። ኣብ ናይ ሽወደን ህዝባዊ መዝገብ ምስ ተጸሓፍካ፥ ናይ ሽወደን መንነት ወረቐት ክተውጽእ ውን ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ፡ ንኣብነት ናይ ባንክ ሕሳብ ንምኽፋትን - ኤ-መንነት (e-legitimation) ንምውጻእ ስለ ዘድልየካ እዩ።

ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ክትምዝገቡ ናብ ትካል ግብርን ቀረጽን ሃገረ-ሽወደን ክትከዱ ኣለኩም። ኣብኡ ድማ ኣበይ ከም እትነብሩ፡ ኩነታት ሓዳርኩም (ተመርዒኹም ዲኹም ኣይተመርዓኹምን)፡ ዜግነትኩምን ዝተወለድኩምሉ ቦታን ክትምዝገቡ ኢኹም። ናብ ትካል ግብርን ቀረጽን ሃገረ-ሽወደን ምስ ከድኩም፡ ካርድ መንበሪ ፍቓድኩምን ብቑዕ ናይ መንነት ሰነድን ምሳኻትኩም ክትማልእዎ ኣለኩም። ናይ መንነት ሰነዳትኩም ብትካል ቁጽጽር ጉዳይ ስደት ናይ ሃገረ-ሽወደን ምስ ዝተሓዝ፡ ቅዳሕ ክውሃበኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ቅዳሕ ምስቲ ኦሪጂናል ሓደ ዓይነት ምዃኑ ንምርግጋጽ፡ በቶም ነቲ ቅዳሕ ዘረጋግጹ ሰባት ክፍረመሉ ኣለዎ። እቶም ሰባት፡ ኣስማቶም ብ’ካፒታል ለተር’ ክጽሓፍን ቊጽሪ ቴለፎኖም ክህቡን ኣለዎም።

ሓበሬታ ትካል ግብሪን ቀረጸን ሃገረ-ሽወደን ብዛዕባ ህዝባዊ መዝገባ (ብቛንቛ አንግሊዝ) External link, opens in new window.

ንእግሪ-መትከሊ ዚውሰድ ስጉምቲታት

ንስኻ ሕጂ ሓድሽ ናይ መቐመጢ ፍቓድ ኣብ ሽወደን ዝተዋህበካ፤ ኣብዚ ንኽትሰርሕ መሰል ኣሎካ፡ መታን ናብ ምስራሕ ደረጃ መታን ክትበጽሕ ድማ፤ ንእግሪ-መትከሊ ዚውሰድ ስጉምቲታት ክግበረልካ ውን መሰል ኣሎካ። እዚ ናብ እግሪ-ምትካል ዚወስድ ስጉምቲታት፤ መታን ናብ ምስራሕ ደረጃ ክትበጽሕ ዚድገፈካ ንጥፈታት፤ ንኣብነት ከም ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ምርካብ፡ ናብ ስራሕ ዓለም ወጺእካ ድማ ነፍስኻ ባዕልኻ ንኽትናቢ ከም ትኽእል ንምግባር እዩ። ነዚ ናብ እግሪ ምትካል ዚውሰድ ስጉምቲታትን ንስራሕ ምድላይን ዘመሓድሮ፤ እዚ ናይ ሽወደን ቤትስልጣን መራኸብቲ ስራሕ (Arbetsförmedlingen) እዩ። ኣብቲ ናይ ቤትስልጣን መራኸብቲ ስራሕ ኣድራሻ ኢንተርነት፤ ተወሳኺ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ። እቲ ሓበሬታ ብብዙሕ ቋንቋታት ይርከብ እዩ።

ኣብ ኣድራሻ ኢንተርነት ቤትስልጣን መራኸብቲ ስራሕ፤ ሓበሬታ ንእግሪ መትከሊ ዚውሰድ ስጉምቲታት External link, opens in new window.

“ቤትስልጣን መራኽብቲ-ስራሕ” (Arbetsförmedlingen)፡ ክሳብ’ቲ 65 ዓመት እትመልኣሉ ጊዜ፥ ስራሕ ንኽትረክብ ኪሕግዙኻ እዮም። እዚ ዕድመ’ዚ እቲ ልሙድ ኣብ ሽወደን ጥሮታ እትወጸሉ ዕድመ’ዩ። እቶም ዕድሚኦም ምስ ደፍአ ናብ ሽወደን ዝመጹ ሰባት፥ ብዙሕ ጊዜ ውሑድ ጥሮታ ዚቕበሉ ወይ ውን ጥሮታ ዘይብሎም’ዮም። ክትነብረሉ ዘይትኽእል ጥሮታ ምስ ዚህልወካ፥ ምስ “ቤትስልጣን ጥሮታ” (Pensionsmyndigheten) ርክብ ብምግባር፥ ነቲ ”ዓበይቲ መጠወሪ-ሓገዝ” ዚበሃል (äldreförsörjningsstöd) ደገፍ ንምርካብ ክተመልከት ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ ናይ ”ዓበይቲ መጠወሪ-ሓገዝ”፡ ኣብ ”ቤትስልጣን ጥሮታ” ብቛንቋን ሽወደን ሓበሬታ ኣንብብ። External link, opens in new window.

ኣብሃገረ-ሽወደንምስራሕ

ንስኻ፡ ን13 ኣዋርሕ ብጊዜ ዝተደረተ መቐመጢ ፍቓድ ዝተዋህበካ፡ ኣብ ሽወደን ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ። እቲ ብጊዜ ዝተደረተ መቐመጢ ፍቓድ ክውዳእ ከሎ፤ ነፍስኻ ባዕልኻ ክትናብየሉ እትኽእል ስራሕ እንተ ደኣ ኣልዩካ ግን፤ ቀዋሚ ናይ መቐመጢ ፍቓድ ንኽወሃበካ፡ ክተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ስራሕ ደሊኹም ምስ እተመልክቱ፡ ኣብ ሽወደን ክትነብሩን ክትሰርሑን መሰል ከም ዘለኩም ዘፍቅደልኩም ቅዳሓት ስነዳትኩም ክትማልኡ ኣለኩም። ከምኡ’ውን ካርድ ፍቓድ መንበሪኹም ምሳኻትኩም ተማልእዎ። ኣስራሒ ኣብ ሽወደን ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ክትሰርሑ ከምዝተፈቕደኩም፡ ከምኡ ድማ ኣብ ሽወደን ንኽትሰርሑ ዘለኩም ፍቓድ ምስ ዝዀነ ቀይድታት ዝተሓሓዝ ከይከውን ክፈልጥ ይደሊ እዩ። ኣስራሒኹም ቅዳሕ ሰነዳኩም ክደልን ስራሕ ተቖጺርኩም ከምዘለኹም ንትካል ግብርን ቀረጸን ሃገረ-ሽወደን ክሕብሮምን እዩ።

ስድራቤታዊ ዳግመ-ምትእኽኻብ

እንተ ደኣ ከም ኣማራጺ ዑቕባ ዘድልዮ ሰብ ተቖጺርካ መንበሪ-ፍቓድ ተቐቢልካ ዄንካ፥ ከምኡ ውን ንንውሕ ዝበለ ጊዜ መንበሪ-ፍቓድ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ ተባሂሉ ዝተገብረ ጭቡጥ ናይ መጻኢ ገምጋም ምስ ዚህሉ፥ ስድራ ቤትካ ናብ ሽወደን ናባኻ ንምምጻእ ናይ መቐመጢ-ፍቓድ ምልክታ ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም።

እቶም ናይ ቀረባ ስድራቤትካ ጥራይ’ዮም ምልክታ ኣቕሪቦም ናብ ሽወደን ናባኻ ኪመጹ ዚኽእሉ። ስድራቤትካ ልክዕ ክንድ’ቲ ንስኻ ዘሎካ ንውሓት ናይ መንበሪ ፍቓድ ጊዜ እዮም ኪቕበሉ ዚኽእሉ።

እንተ ደኣ ንስድራቤታዊ ምትእኽኻብ መሰል ዘሎካ ሰብ ኴንካ፥ ኣብቲ ነፍስኻ ናይ ምኽኣል ጠለብ ድማ ዝተኻተትካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። እዚ ማለት ድማ፡ ንገዛእ ርእስኻን ንስድራቤትካን ባዕልኻ ክትናብዮም ክትክእል ይግብኣካ። ኣብ ርእሲኡ ውን፡ ስድራኻ ናብ ሽወደን ሓቢሮም ምሳኻ ዝቕመጡሉ፥ እኹል ስፍሓትን ቅቡል-ደረጃን ዘሎዎ መንበሪ-ቤት ኪህልወካ ይግባእ።

ብዛዕባ ”ስድራቤታዊ ዳግመ-ምትእኽኻብን” ስድርኻ ናይ ምንባይ ጠለብን ብዝበልጸ ኣብዚ ኣንብብ

መንበሪፍቓድክስሓብወይክሕደግይኽእልእዩ

ንመንበሪ ፍቓድ ከተመልክቱ ከለኹም ጌጋ ሓበሬታ ወይ ናይ ሓሶት መንነት እንተደኣ ሂብኩም ነይርኩም፡ መንበሪ ፍቓድኩም ክትምንጠሉ ትኽእሉ ኢኹም። ከምኡ’ውን እናፈለጥኩም ምስ እትሕስዉ ወይ ንመንበሪ ፍቓድኩም ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ካብ ምግላጽ ምስ እትቑጠቡ፡ መንበሪ ፍቓድኩም ክትሕደጉ ትኽእሉ።

ገበን ከምዝፈጸምኩም እንተደኣ ተኣሚንኩም፡ ቤት ፍርዲ ክትጥረዙ ክውስን ይኽእል እዩ። ትካል ቁጽጽር ጉዳይ ስደት ሃገረ-ሽወደን፡ መንበሪ ፍቓድኩም ክስሕቦ ወይ ከሕድገኩም እዩ። ዋላ ንሓያለ ዓመታት መንበሪ ፍቓድ ይሃልኹም፡ መንበሪ ፍቓድኩም ክትሕደጉ ኢኹም።

ምንዋሕግዝያዊመንበሪፍቓድ

እቲ ብግዜ ዝተደረተ መንበሪ ፍቓድካ ምስ ዚወድቕ፥ ናይ መናውሒ ምልክታ ንምቕራብ ዕድል ኣሎካ። እቲ መንበሪ ፍቓድካ ድማ ኪናውሓልካ እዩ - እንተ ደኣ ንቐጻሊ ውን ዑቕባ ናይ ምህላው ኣድላይነት ዘሎካ ሰብ ኴንካ። ብድሕሪ 3 ዓመት ድማ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ውን ምልክታ ክተቕርብ ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ ናይ ፍቓድ ምንዋሕ ብዝበለጸ ኣብዚ ኣንብብ (ብቛንቛ አንግሊዝ)

ጥርዓንወይይግባይ

ንግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተዋህበ ውሳኔ ይግባይ ምባል ኣይክኣልን’ዩ። እንተዀነ፡ ንስደተኛ ዝወሃብ ክብሪ ክውሃበና ነይሩዎ ኢልኩም ትሓስቡ እንተኰንኩም ግን፡ ነቲ ተዋሂቡኩም ዝነበረ ናይ ውሕስነት ክብሪ ከተመልክቱ ትኽእሉ።

ብዛዕባ ኣብ ውሳኔ ብከመይ ጥርዓንካ ተቕርብ

ንዓኻ መንበሪ-ፍቓድ ሒዝካ ናብ ሽወደን ሓድሽ ዝመጻእካ ዚኸውን ሓበሬታ

ነቲ ውሳኔ መንበሪ-ፍቓድ ዝተቐበልካሉ ሰነድ፡ ብግቡእ ጌርካ ክትእርንቦ ኣይትረስዕ። እቲ ሰነድ’ቲ፡ ምስ ነንበይኖም ኣብያተስልጣንን ትካላትን ንምርኻብ ክትጥቀመሉ ከድልየካ’ዩ።

ኣብ ህዝባዊ መዝገብ ሽወደን ንኽትምዝገብ (folkbokföring)፥ ናይ ሽወደን መለለዪ-ቁጽሪ (personnummer) ንኽትረክብ፥ ምስ ቤትስልጣን ኣታዊ ግብሪ Skatteverket External link, opens in new window. ርክብ ግበር።

ኣብቲ ስርዓተ-ምሕደራ ህዛባዊ ውሕስነት መታን ክትምዝገብ፥ ምስ ”ቤትስልጣን ውሕስነት-ካሳ” Försäkringskassan External link, opens in new window. ርክብ ግበር።

ገለ ኮሙናት፡ መንበሪ-ቤት ንምርካብ ኬድካ ክትምዝገበሎም እትኽእል፥ ኮሙናዊ ኣብያተስልጣን መራኸበቲ-ኣባይቲ (bostadsförmedlingar) ኣሎዎም። እቲ ኮሙን ውን፡ ብዛዕባቶም ግላውያን ኣካረይቲ-ኣባይቲ ትካላት ምኽሪ (ሓበሬታ) ኪህበካ ይኽእል’ዩ።

እቲ እትነብረሉ ኮሙን፡ ንደቅኻ ዚኸውን መዋዕለ-ሕጻናትን (barnomsorg) ቤትትምህርቲን ከዳልወልካ’ዩ።

ብዛዕባ ክንክን-ሕማም ሕቶታት ምስ ዚህልወካ፥ ምስቲ ቤትጽሕፈት ናይቲ ዘሎኻዮ ዞባ ርክብ ግበር። ሓበሬታ ክንክን-ሕማም ናይ ምሉእ ሃገር ኣብዚ ርኸብ 1177 Vårdguiden. External link, opens in new window.

ብዛዕባ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንወጻእተኛታት (SFI) ሕቶታት ምስ ዚህልወካ፥ ምስቲ እትነብረሉ ኮሙን ርክብ ግበር። ኣብ ኣድራሻ ኢንተርነት ናይ ሽወደን ኮሙናትን ወረዳዊ ባይቶታትን ውን ኣቲኻ ርአ። Sveriges kommuner och regioner. External link, opens in new window.

ስራሕ ንምርካብ ምስ ትደሊ፡ ኣብ “ቤትስልጣን መራኸብቲ-ስራሕ” Arbetsförmedlingen External link, opens in new window. ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ።

”ቤትስልጣን ጥሮታ” (Pensionsmyndigheten) External link, opens in new window.፡ ንዓኻ ዕድሜኻ ምስ ደፍአ ናብ ሽወደን ዝመጻእካን፥ ውሑድ ጥሮታ እትቕበል ወይ ጥሮታ ዘይብልካን ሰብ ዚኸውን፥ ብቛንቋን ሽወደን ዝተጻሕፈ ናይ ”ዓበይቲ መጠወሪ-ሓገዝ” (äldreförsörjningsstöd) ሓበሬታ ኣሎዎም።

ሓበሬታ ብዛዕባ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ወይ ዩኒቨርሲቲ፥ ኣብ ኣድራሻ ኢንተርነት Antagning.se External link, opens in new window. ወይ ኣብ studera.nu External link, opens in new window.ኣቲኻ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ መምሃሪ ገንዘብ ሕቶታት ምስ ዚህልወካ፥ ምስ ”ምምሕዳር ኮሚቴ መምሃሪ-ገንዘብ CSN, Centrala studiestödsnämnden External link, opens in new window. ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ “መንነት ምዝዋር ማኪና” (ፓቴንቲ) ሕቶታት ምስ ዚህልወካ፥ ምስ ቤትስልጣን ምምሕዳር ትራንስፖርት Transportstyrelsen External link, opens in new window. ርክብ ግበር።

ኣብ ጉዳይ ፖለቲካ ብዛዕባ መሰል ናይ ምድማጽ ዚምልከት ሕቶታት ምስ ዚህልወካ፥ ምስ ቤትስልጣን ምምሕዳር ምርጫታት Valmyndigheten External link, opens in new window. ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ ስርዓተ-ትምህርቲ ናይ ሽወደን፡ ካብ ቤትስልጣን ኣብያተ-ትምህርቲ ሓበሬታ ንምርካብ፥ ምስ Om svenska skolan External link, opens in new window. ርክብ ግበር።

ብዛዕባ ”ናይ ሽወደን ማሕበራዊ ሓበሬታ” ብብዙሕ ቋንቋታት ኣብ ኣድራሻ ኢንተርነት Information om Sverige External link, opens in new window. ይርከብ’ዩ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ሽወደን ማሕበራዊ ሓበሬታ፥ ኣብ ናይ Svenska institutet ኣድራሻ ኢንተርነት External link, opens in new window. ይርከብ’ዩ።

ኣብዚ Hej hej Sverige! External link, opens in new window. ዚብል ኣድራሻ ኢንተርነት፥ ሽወደን ብኸመይ ከም ዚሰርሕ ብቕልል ዝበለን ብዚስሕብን ኣገባብ ዝተዳለወ ፊልምታት ይርከብ’ዩ።

ኣብቲ Lära svenska ዚብል www.informationsverige.se External link, opens in new window. ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ገጽ፥ ባዕልኻ ሽወደንኛ ክትመሃረሉ ትኽእል፥ ናይ ብዙሓት ፕሮግራማት መራኸቢ-ቀለቤታት ክትረክብ ኢኻ።

ብዛዕባ ሸመታን ውዕላትን ንዚምልክት ሕቶታት ምስ ዚህልወካ፥ እዚ ”ቤትስልጣን ምምሕዳር ሸመታ” Konsumentverkets upplysningstjänst External link, opens in new window.፥ ምኽሪ ኪህበካ ይኽእል’ዩ።

Last updated: