ነቶም ቈልዑ ኴንኩም ዑቕባ ዝሓተትኩም
För dig som är barn och har ansökt om asyl – tigrinska
ትምህርቲ ሌላ ምስ ሕብረተ-ሰብ ነቶም ቈልዑ ኴንኩም ኣብ ሽወደን ዑቕባ ዝሓተትኩም። እዚ ሓበሬታ ነቶም ምስ ወለዲኹም ከምኡ ውን ብዘይወለዲኹም ናብ ሽወደን ዝመጻእኩም ዝምልከት እዩ።
- ምስ ወለዲ
- ብዘይ-ወለዲ
- ፊልምታት ንንእሽቱ ቆልዑ
Med föräldrar – tigrinska
ንኸይትውቃዕ መሰል ኣሎካ
ኵሎም ቆልዑ፡ ኣብ ልዕሊኦም መውቃዕቲ ንኸይፍጸሞም መሰል ኣሎዎም። ዝኾነ ዓቢ ሰብ፡ ንቖልዓ ኪወቅዕ፥ ኪሽንድሕ፡ ኪንውንው፡ ብጸጕሩ ኪምንጭጭ ወይ ከፈራርሕ ኣይፍቀደሉን እዩ።
ኣብ ልዕሌኻ(ኺ) መውቃዕቲ ምስ ዚፍጸም፥ ብቑጽሪ ስልኪ 114 14 ምስ ፖሊስ ተራኸብ። ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ሓደጋ ምስ ትህሉ፥ ብቑጽሪ ስልኪ 112 ጌርካ ናብ ፖሊስ ደውል።
መርዓ-ቆልዓ ክልኩል’ዩ
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ሓደ ሰብ፡ መዓስ’ዩ ዓቕሚ-ኣዳም ከም ዝበጽሐ ዚቝጸር፥ መዓስ’ከ’ዩ፡ ከም ቆልዓ ዚቝጸር? ኢልካ ትፈልየሉ ደረታት ነንበይኑ ኪኸውን ይኽእል’ዩ። እቲ ብዛዕባ ምምርዓው ዘፍቅድ ሕጊታት ውን፥ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃገራት ነንበይኑ እዩ።
ቆልዑ ኪምርዓዉ ኣይክእሉን እዮም
ኣብ ሽወደን፡ ሓደ ሰብ ክሳብ 18 ዓመት ዚመልእ ንሱ ቆልዓ እዩ። ስለዚ ድማ፡ ቅድሚኡ መርዓ ኪገብር ኣይፍቀደሉን’ዩ።
ምኽንያት ናይዚ ድማ፡ ቆልዑ ነቲ ኣብ ቃል-ኪዳን ምእሳር ዘሎ ናይ ሓዳር ሓላፍነት ኪስከሙ ኣይግባእን፥ ካብ ዚብል ርድኢት ዝመጸ እዩ። ቅልጡፍ መርዓታት፡ ንቖልዑ ኣካልዊን ስነ-ልቦናዊን ጸገማት ከስዕበሎም ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ድማ፡ እቲ ቆልዓ፡ ንናይ ገዝእ ርእሱ ሰብኣወነት ንኸማዕብልን፥ ነቲ ዝመረጾ ህይወት ንምንባር ዘሎዎ መሰልን ስለ ዚዕንቅፎ እዩ።
ሓደ ሰብ 18 ዓመት ምስ መልአ፥ ኪምርዖ ዝደሊ እንተ ኾይኑን - ምስ መን ኪምርዖ ከም ዚደልን፡ ባዕሉ’ዩ ዚውስን። ዝኾነ ሰብ፡ ንኻልእ ሰብ ኣገዲዱ ወይ ውን ኣታሊሉ ከመርዕዎ ኣይግባእን እዩ። ንሓንቲ ጓል፡ ኣገዲድካ ወይ ውን ኣታሊልካ፡ ናብ ካልእ ሃገር ኣጊሽካ ንኽተምርዕዋ ምፍታን፥ ኣብ ሽወደን ዘይሕጋዊ ተግባር እዩ። እዚ ክሳብ ማእሰርቲ ዘብጽሕ ሳዕቤን ዘሎዎ ወንጀል እዩ። ንሓንቲ ሰብ፡ ኣብ ከም ናይ ሓዳር ዚመስል ዝምድና ብኣስገዳድ ክተእትዋ ምፍታን ውን፡ ዘይሕጋዊ ተግባር’ዩ። ሓደ ዓቢ ሰብ፡ ምስ ትሕቲ 15 ዓመት ንዘላ ቆልዓ ጾታዊ ርክብ ምግባር፥ ከም ጾታዊ-ዓመጽ ዝፈጸመ’ዩ (ገበን) ዚቝጸር።
ሓንቲ ትሕቲ 18 ዓመት ኮይና ተመርዕያ ዘላ ሰብ
ሓደ ካብቶም ምርዑዋት ሰባት፡ ኪምርዖ ከሎ ትሕቲ 18 ዓመት ዝነበረ ምስ ዚኸውን፥ እቲ ቃል-ኪዳን’ቲ ኣብ ሽወደን ሕጋዊ ተቐባልነት የብሉን።
ዕድሜኻ ትሕቲ 18 ዓመት ኮይኑ፡ ኣብ ክንዲ ምስ ወለድኻ፡ ምስታ ዝተመርዓኻያ ሰብ ኴንካ ዑቕባ ትሓትት ምስ ትህሉ፥ ንስኻ ከም ብዘይ ወለዲ ዝመጸ ቆልዓ ኢኻ ትቝጸር። ሽዑ ድማ፡ ንዓኻ ሓደ ምስ ኣብያተስልጣን ንምርኻብ ዚሕግዘካ “ብዓል-ሕድሪ” (god man) ከም ዚዳለወልካ ይግበር።
ኣብዚ፡ “ብዓል-ሕድሪ” (god man) እንታይ ከም ዚገብር ብዝበለጸ ኣንብብ፡ ፊልም ውን ርአ (ብቛንቛ ሽወደን) External link.
ምስዞም ዚስዕቡ ምርኻብ ትኽእል ኢኻ(ኺ)
ሕቶታት ምስ ዚህልወካ(ኪ) ወይ ሓገዝ ምስ ዘድልየካ(ኪ)፥ ምስ መምህርካ ፥ ምስ ኣማኻሪት-ተመሃሮ (ኩራቶር) ወይ ውን ምስ ቤትሕክምና ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ። ምስ ”ሚግራሾንስቨርከት” (Migrationsverket) ወይ ”ቤትስልጣን ማሕበራዊ-ጉዳያት” (Socialtjänsten) ውን ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። እንተ ደኣ ”ብዓል-ሕድሪ” (god man) ኣልዩካ፥ ምስኡ/ኣ ውን ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ።
እንተ ደኣ ንስኺ ንባዕልኺ ወይ ካልእ ትፈልጥያ ጓል፥ ብኣስገዳድ ክትምርዖ ምዃና ፈሊጥኪ፥ ብቑጽሪ ቴሌፎን 114 14 ናብ ፖሊስ ክትድውሊ ትኽእሊ ኢኺ።
ግርዘት (ምጕንዳብ ጾታዊ መሳርዕ) ክልኩል’ዩ
ምጕንዳብ ጾታዊ መሳርዕ ጓል ኣንስተይቲ (könsstympning) ዝበሃል፥ ወይ ውን ገሊኦም ሰባት “ግርዘት” ኢሎም ከም ዚጽውዕዎ፥ ኣብ ብዙሓት ክፍሊ-ዓለማት ዚፍጸም ተግባር’ዩ። እቲ ምጕንዳብ ጾታዊ መሳርዕ ጓል ኣንስተይቲ፥ እቲ ነቲ ጾታዊ መሳርዕ ጓል ኣንስተይቲ ክትቆርጾ ወይ ክትሰፍዮ ወይ ውን ብኻልእ መገዲ መጕዳእቲ ምስ ተስዕበሉ’ዩ። ዋላ’ኳ ኣብ ስድራቤትካ ከምኡ ዓይነት ልምዲ ይሃሉ፥ ዝኾነ ሰብ፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ጓል ከምኡ ኪፍጽም ኣይግባእን’ዩ።
ኣብ ሽወደን ጾታዊ መሳርዕ ጓል ኣንስተይቲ ምጕንዳብ (ምግራዝ) ምሉእ ብምሉእ ዝተኸልከለ ኮይኑ፥ ከምኡ እንተ ፈጺምካ ድማ፡ ከም ከቢድ ገበን ዚርአ እዩ። እታ ኣብ ልዕሌኣ ግርዘት ዘጋጠማ ጓል ግን፥ ካብ መቕጻዕቲ ነጻ እያ።
እንተደኣ ንስኺ ወይ ካልእ ትፈልጥያ ጓል፥ ብኣስገዳድ ጾታዊ መሳርዓ ንኺጕንደብ (ንኽትግረዝ) ኣብ ዘሰክፍ ሃለዋት ከም ዘሎኺ ምስ ፈሊጥኪ፥ ብቑጽሪ ቴሌፎን 114 14 ናብ ፖሊስ ክትድውሊ ትኽእሊ ኢኺ። ናብ ትካል ተሓለቕቲ ደቂ-ኣንስትዮ ”Kvinnofridslinjen” ውን፥ ብቑጽሪ ስልኪ 116 016 ደዊልኪ፥ ምኽሪን ደገፍን ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። እዚ ብዛዕባ መሰል ደቂ-ኣንስትዮ ዚሕለቕ ”Kvinnofridslinjen” እዚ፥ ብሃገር ደረጃ ዚሰርሕ፡ ኣብ ሓደጋ ንዘሎዋን ንዝተጠቕዓን ደቂ-ኣንስትዮ ደገፍ መውሃቢ መስመር-ቴሌፎን ዘሎዎ እዩ።
ምእንተ “ክብረ-ስድራቤት” ተባሂሉ ከይትውቅዕን ከይትጭቆንን መሰል ኣሎኪ
ኣብ ገለ ስድራቤታትን ቤተ-ዘመድን፥ እቲ ስድራቤት ሕማቕ ሽም ንኸይህልዎ ምጥንቃቕ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር’ዩ። እንታይ ዓይነት ክዳን ኪህልወካ ከም ዘሎዎ፥ ምስ መነ-መን ከም ትራኸብ፥ ሓቢርካ ምስ መን ከም ትቕመጥ፥ ወይ ውን ምስ ትደልዮ ሰብ ንኸይትላለን ምስ ትደልዮ ሰብ ከይትምርዖን፥ ወይ ውን ዝደሌኻዮ ትምህርቲ ከይትመሃርን ኣብ ዝደሌኻዮ ቦታ ከይትሰርሕን፥ ዚእዝዙ ሕጊታት ኪህልዉ ይኽእሉ እዮም።
ንኣዋልድ ይኹን ንኣወዳት መጥቃዕቲ ኪበጽሖም ይኽእል’ዩ
እዞም ሕጊታት እዚኦም፡ ብፍላይ ንኣዋልድ’ኳ ጽንዕ ዝበሉ እንተኾኑ፥ ንኣወዳት ተባሂሎም ዝወጹ ሕጊታት ውን ኣሎው’ዮም። እንተደኣ እቶም ሕጊታት’ቲኦም፡ ንስኺ(ኻ) ሕማቕ ኣተሓሕዛ ንኽግበረልካ ወይ ንኽትቅጻዕ ዚገብሩኻ ኮይኖም፥ “ምእንተ-ክብሪ” ተባሂሎም ዚፍጸሙ ዓመጽን ምፍርራሕን ተባሂሎም’ዮም ዚጽውዑ። ገለ ካብኣቶም፡ መውቃዕቲ ይፍጸሞም፡ ምፍርራሕ የጋጥሞም፡ ሕማቕ ጸርፊታት ውን ይብሃሎም’ዩ። ኣብ ልዕሊ ቆልዓ ከምዚ ምፍጻም፥ ንስምምዕ-ሕጻናትን ንሕጊ ሽወደንን ምጥሓስ እዩ።
ገለ እዋናት ውን፡ ቆልዑ ነሕዋቶም ንኺቆጻጸሩ የገድድዎም’ዮም። ምኽንያቱ ድማ እቲ ስድራቤት ሽሙ ንኸይጠፍእ ስለ ዝፈርሕ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኵሎም ሰባት ነናቶም ህይወት፡ ከከም ድላዮም ጌሮም ኪነብሩ መሰል ኣሎዎ’ዩ። እዚ ድማ፡ እንታይ ሃይማኖት ወይ እንታይ ባህሊ ከም ዘሎካ፥ ካበይ ሃገር ከም ዝመጻእካ ወይ ካበየኖት ስድራቤት ከም ዝተወለድካ ብዘየገድስ እዩ። ኵሎም ቆልዑ፡ ነናቶም ህይወት ኪነብሩ መሰል ኣሎዎም’ዩ፥ ስለዚ ድማ ንኻልእ ሰብ ኪቆጻጸሩ ውን ኣየድልዮምን እዩ።
ምስዞም ዚስዕቡ ክትራኸብ ይክኣል’ዩ
ንስኺ ንባዕልኺ ወይ ካልእ ትፈልጥያ ዝተጠቕዐት ሰብ ምስ ትህሉ፥ መታን ሓገዝ ክትረኽቢ፡ ምስ ሓንቲ ኣብቲ ቤትትምህርትኺ ትርከብ መምህር፥ ምስቲ ኣብ ኮሙንኪ ዘሎ “ቤትስልጣን ማሕበራዊ-ጉዳያት”፥ ወይ ውን ምስ “ሚግራሾንስቨርከት” ክትራኸቢ ትኽእሊ ኢኺ። ነቶም “ምእንተ-ክብሪ” ተባሂሉ ኣብ ልዕሊኦም መውቃዕቲን ጭቆናን ዘጋጥሞም ሰባት፥ ሓበሬታን ደገፍን ኪህቡ ዚኽእሉ ነንበይኖም ካልኦት ማሕበራት ውን ኣሎዉ እዮም።
መሰል ኣዋልድ ኣብ ሕብረትሰብ Tris – Tjejers rätt i samhället (ብቛንቛ ሽወደን) External link.: ኣብዚ፡ እንተ ደኣ ብስድራቤትኪ ወይ ኣዝማድኪ ዝተዓገት’ኪ ኮይኑ ተሰሚዑኪ፥ ወይ ውን ናይ ገዛእ ርእስኺ ውሳነ ንምውሳድ ኣብ ትፍትንሉ ጊዜ፥ ምፍርራሕ ወይ መውቃዕቲ ዘጋጥመኪ ኮይኑ፥ ደገፍ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። ናብዚ ደውሊ 010‑255 91 91።
ኵሎም ደቂ-ሰባት ማዕረ ክብሪ ኣሎዎም
ኣብ ሽወደን፡ ኵሎም ደቂ-ሰባት ማዕረ ክብሪ ከም ዘሎዎምን - ተመሳሳሊ መሰል ከም ዘሎዎምን ዚገልጹ ብዙሓት ሕጊታት ኣሎዉ እዮም። ንሕና መን ምዃንና፡ ካበይ ከም ዝመጻእና ወይ ምስ መን ፍቕሪ ከም ዚሕዘና ወይ ብኸመይ ከም ንሰርሕ ብዘየገድስ፥ ኣብ ህይወትና ማዕረ መሰላትን ዕድላትን ኪህልዉና ይግባእ።
ንሓደ ሰብ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኣድልዎ ወይ ኣዋራዲ ኣተሓሕዛ ንኸይፍጸም፥ መሰላቱ ውን ንኸይግሃሱ ዚኽልክሉ ሕጊታት ኣሎዉ እዮም። ከም ሰብ መጠን፡ ርእይቶ ኪህልወና፥ ክንሓስብ፡ ከም ዝድለናዮ ክንኣምን ይፍቀደልናይ’ዩ። ኵሉ ከከም ባህ ዝበለና ነገራት ክንገብር ግን ኣይክኣልን’ዩ። ከምቲ ኣብ “መሰረተ-ቅዋምና” ሰፊሩ ዘሎ፥ ኵሎም ሰባት ሓሳብቶም፡ ርእይትኦምን ስምዒቶምን ብነጻ ኪገልጹ መሰል ኣሎዎም። ንኻልእ ሰብ መሰሉ ክግህሱ ግን ኣይክእሉን እዮም። ንሕና ኵላትና፡ ንነናይ ግላዊ-ሰብ እንታውነትን - ናይ ህይወት-ምርጫን መሰል ክነኽብር ይግብኣና እዩ።
ጾታዊ-ማዕርነት
ጾታዊ-ማዕርነት ማለት፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ሓደ ዓይነት ክብሪን፡ ኣብ ህይወት ውን ተመሳሳሊ ዕድላትን ኪህልዎምን ይግባእ ዚብል’ዩ። ብተወሳኺ፡ ዓበይቲ ሰብኡትን ዓበይቲ ኣንስትን ውን፥ ሓደ ዓይነት መሰላትን ሓደ ዓይነት ግዴታን ኣሎዎም ማለት’ዩ። ንሳቶም፡ ንሕብረትሰብ ይኹን ንውልቃዊ ህይወቶም ዚጸልዉሉ ሓደ ዓይነት ስልጣን ይህልዎም።
ኣስታት 100 ዓመታት ይገብር ግን፥ ኣብ ሽወደን ከምኡ ኣይነበረን። ኣብቲ ጊዜ’ቲ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ልዕሊ ገዛእ ህይወተን ናይ ምውሳን ብዙሕ ስልጣን ኣይነበረንን። እቶም ሰብኡት’ዮም ብብዝሒ ዝመሃሩን ኣብ ስራሕ ዝዋፈሩን ኔሮም። ኣንስቲ ኣብ ገዛ ኮይነን፡ ቆልዑ ኣብ ምእላይ፥ ገዛ ኣብ ምጽራይን ክዳውንቲ ኣብ ምሕጻብን ተዋፊረን እየን ጊዚአን ዘሕልፍኦ ዝነበራ። ሕጂ ግን፡ ካብቲ ሽዑ ዝነበረ ኵነታት ኣዝዩ ብዙሕ ዝተቐየረሉ ዘበን ኢና ንነብር ዘሎና።
ኣብዚ ጊዜ’ዚ ኣብ ሽወደን፥ ኣብ መብዛሕትኦም ስድራቤታት ክልቲኦም ወለዲ ወይ ይሰርሑ ወይ ውን ይመሃሩ እዮም። እቶም ደቆም ድማ፡ ኣብ ጊዜ መዓልቲ ኣብ “ቅድመ-ትምህቲን” ኣብ ቤትትምህርቲን ኣብ “ፍሪቲድስ” ዚኸዱ እዮም። ኣብ ውሽጢ ገዛ ውን፡ ክልቲኦም ወለዲ ኣብ ምጽራይ ገዛ፥ ምሕጻብ ክዳውንቲን ምሽማት መግቢን ይተሓጋገዙ እዮም። ንደቆም ውን ሓቢሮም’ዮም ዚሕዝዎም።
እቲ ሕብረተ-ሰብ ብዝተኻእለ መጠን ፍትሓዊ መታን ኪኸውን፥ ኣንስቲን ሰብኡትን ድማ፡ ንሕብረሰብ ይኹን ነንግላዊ-ህይወቶም ኣብ ምጽላው ማዕረ ስልጣን ንኽህልዎም ብማለት፥ ባይቶ ሃገረ-ሽወደን፡ ንዕላማ ጾታዊ ማዕርነት ዘተግብሩ ነንበይኖም ውሳነታት ኣሕሊፉ ይርከብ።
እቲ ናቱ ዕላማ ድማ፡-
- ሰብኡትን ኣንስትን፡ ንቑጠባዊ ሓርነት ተመሳሳሊ ዕድል ኪወሃቦም፥ ብኡ ድማ፡ ናይ ካልእ ሰብ ቁጠባዊ ጽግዕተኛ ምዃን ከምዘየድልዮም ምግባር
- ኣወዳትን ኣዋልድን ተመሳሳሊ ናይ ትምህርቲ ዕድል ኪኽፈተሎምን፥ ናይ ዝደለይዎ ዓይነት ትምህርቲ ናይ ምምራጽን ምሰል ኪህልዎም
- ሰብኡትን ኣንስትን፡ ኣብ ገዛእ ኣካላቶም ማዕረ ናይ ምውሳን መሰል ኪህልዎምን፥ ከምኡ ውን ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ደው ክብል
- እቲ ኣብ ገዛ ዚስራሕ ስርሓት ድማ፥ ኣብ መንጎ ኣንስቲን ሰብኡትን ብማዕርነት ምክፍፋል። እዚ ማለት ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ስድራቤት ዘሎዉ ኣዋልድን ኣወዳትን ውን፥ ኣብቶም ኣብ ገዛ ኪግበሩ ዘድልዩ ነገራት ብማዕርነት ከም ዝተሓጋገዙ ምግባር እዮም።
ጾታዊ-መንነትን ጾታዊ-ዝምባለን
ኣብ ሽወደን ኵሎም ደቂ-ሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም ጾታዊ-መንነትን ጾታዊ-ዝምባለ ኪህልዎን መሰል ኣሎዎም። ጾታዊ-መንነት ማለት፡ ኣየናይ ጾታ ምዃንካ ዘሎካ ስምዒት ዚገልጽ’ዩ፥ ካልኦት ሰባት ኣባኻ ዘሎውም ትጽቢት ብዘየገድስ። ጾታዊ-ዝምባለ ማለት፡ በየናይ ጾታ ከም ትስሓብን ኣብ መን ፍቕሪ ከም ትወድቕን ዚገልጽን’ዩ። ንመን ከም ተፍቅርን፥ ምስ መን ክትነብር ከም ትደሊን ናይ ምምራጽ መሰል ኣሎካ። እዚ ማለት ድማ፡ እቲ ሰብ’ቲ ወይ እታ ሰብ’ቲኣ፥ ከም ናትካ ጾታ፡ ወይ ካባኻ ዝተፈልየ ጾታ ይሃልዎ/ዋ ብዘየገድስ እዩ።
እንተ ዘይትደሊኻ፡ ንስኻ ኣየናይ ጾታዊ-ዝምባለ ወይ ጾታዊ-መነንት ከም ዘሎካ ንኻልእ ሰብ ምንጋር ኣየድልየካን’ዩ። ዘይሕጋዊ ዝኾነ ጾታዊ-ዝምባለ ወይ ጾታዊ-መንነት የልቦን። ይኹን እምበር፡ ንኻልእ ሰብ ብምኽንያት ጾታዊ-ዝምባልኡ ወይ ጾታዊ-መንነቱ፥ ንኣብነት ኣብ ቤትትምህርቲ ወይ ኣብ ትካል፥ ዘይፍትሓዊ ወይ ዝሓመቐ ኣተሓሕዛ ክትገብረሉ ዘይሕጋዊ ተግባር እዩ።
ናብዚ ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ
ብዙሓት ናብኦም ኬድካ ተወሳኺ ፍልጠትን ደገፍን ክትረኽበሎም ትኽእልን፥ ”መቐበሊ ሕክምና መንእሰያት” ዘሎዎም ነንበይኖም ትካላት ኣሎዉ እዮም።
”ኣር. ኤፍ. ኤስ. ኤል.” RFSL (ብቛንቛ አንግሊዝ) External link.
በዚ ትካል’ዚ ኣቢልካ፡ ምስ ካልኦት ”ሆቤቴኲ ዝኾኑ ሰባት” ተራኺብካ፤ ኣብ ናታቶም ንጥፈታት ክትሳተፍን፡ ደገፍ ክትረክብን ትኽእል ኢኻ። ”ንሓደስቲ መጻእተኛታት” ዚኸውን፥ ሓደ RFSL Newcomers (ብቛንቛ አንግሊዝ) External link. ዝተባህለ፥ ናይ ርእሶም ማሕበራዊ መራኸቢ መርበብ ኣብ ሽወደን ውን ኣሎዎም እዩ።
UMO – ሓበሬታ ብዛዕባ ጾታዊ ርክባትን፡ ጥዕናን ሓድሕዳዊ ዝምድናታትን External link.
እዚ “UMO” ዝተባህለ ኣድራሻ ኢንተርነት፥ ንዅሎም ደቂ 13-25 ዓመት ዘሎዉ ሰባት፥ ኣብኡ ከይዶም ሓበሬታ ጾታዊ-ዝምባለን ጾታዊ-መንነትን ኪረኽቡሉ ዚኽእሉ “መርበብ ሓበሬታ” እዩ።
ዓሌታዊ-ኣድልዎ
ዓሌታዊ ኣድልዎ ማለት፡ ንደቂ-ሰባት ኣብ ዝተፈላለዩ ጕጅለታት ፈላሊኻ፥ ንገለ ካብቶም ጕጅለታት ድማ፡ ካብ ካልኦት ሰባት ዝተሓተ-ክብሪ ከም ዘሎዎም ጌርካ ምእማን’ዩ። እዚ ድማ ንኣብነት፡ ንደቂ-ሰባት ብሕብሪ-ቆርበት፡ ብባህሊ ወይ ብሃይማኖት ክትፈላልዮም ምድላይ እዩ።
ኣብ ሽወደን፡ ደቂ-ሰባት ብዓሌታዊ-ኣድልዎ ንኸይጥቅዑ ዚከላኸሉ ሕጊታት ኣሎዉ እዮም። እዚ ድማ ንኣብነት፥ ንሓደ ሰብ ብምኽንያት ስሙ ወይ እቲ ዝመጸሉ ቦታ፥ ስራሕ ወይ መንበሪ ቦታ ንኸይረክብ ምኽልካል ኣይፍቀድን እዩ። ብተወሳኺ፡ ንኻልእ ከዋርድ ዚኽእል ስልማት ወይ ኣርማ ናይ “ናዚ” ዘሎዎ ልብሲታት፥ ወይ ውን ኣንጻር ገለ ፍሉይ ጕጅለታት፡ ጽሑፋት ወይ ዓሌታዊ-መግለጺታት ምዝርጋሕ ክልኩል እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ ውን፡ ሓደ ጕጅለ-ህዝቢ ወይ ሰብ፡ ንኣብነት ብምኽንያት ሕብሪ-ቆርበቱ ወይ ሃይማኖቱ፥ ዝተሓተ ክብሪ’ዩ ዘሎዎ ኢልካ ሓበሬታ ምዝርጋሕ ኣይፍቀድን እዩ።
ገለ እዋናት፡ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ኪግበረልካ ከሎ፥ እቲ ኣብ ልዕሌኻ ዝተገብረ ኣተሓሕዛ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ወይ ዘይምዃኑ ንምፍላጡ ኣጻጋሚ ኪኸውን ይኽእል’ዩ። ብዛዕባ’ቲ ዘጋጠመ ነገር፡ ምስ ሓደ ትኣምኖ ሰብ ተዘራረብ፥ ንኣብነት ምስ መምህርካ ወይ ምስ ካልእ ክትኣምኖ ትኽእል ሰብ ተዘራረብ።
ንዓኻ ዓቢ ሰብ – ንሓደ ዑቕባ ዝሓተተ ቆልዓ ኣገዳሲ ሰብ ዝኾንካ
ካብ ቤትካ ሃዲምካ፡ ኣብ ካልእ ሃገር ተሰዲድካ ዑቕባ ክትሓትት፥ ንዝኾነ ሰብ ኣዝዩ ዘሰምብድ ተሞኩሮ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብፍላይ ድማ ቆልዓ ዄንካ ብዘይ ወለድኻ ንስደት ከም ትቅላዕ ምዃን፥ ንህይወትካ ኣዝዩ በዳሂ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
ሓደ-ሓደ ጊዜ፡ ኣልዕል ኣቢልና፡ እቶም ዑቕባ ሓተት’ቲ፡ ብፍላይ ድማ እቶም በይኖም ብዘይ ወለዲ ዝመጹ ቆልዑ፥ ሓያላት’ዮም ንብል ኢና። እንተደኣ ባዕላቶም ባሕሪታት ሰጊሮም፥ ናብዚ ስግር ዓለም ኪበጽሑ ክኢሎም፥ ዝኾነ ነገር ኪገብሩ ዚጽግሞም የልቦን ኪንብል ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር፡ ዋላ እቶም ኣዝዮም ሓያላትን - ተሪሮም ዝመጹ ቆልዑን፥ ቆልዑ ምዃን ውን ስለ ዘድልዮም፥ ቆልዑ ምዃኖም ውን ስለ ዘይተርፍ፥ ኣብ ከባቢኦም ርግኣት ዘሎዎም ረዘንቲ ሰባት ኪህልዉ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ስደት ዘሎዉ ቆልዑ ውን፥ ካብኡ ዝተፈልዩ ፍጥረት ኣይኮኑን። ኣብቲ ወለዲ ኣብ ዘይህልዉሉ ኵነታት፥ ወይ ውን ኣብቲ ወለዶም ውን ኣዝዮም ተዳኺሞምን ተደናጊሮምን - ኣብ ድህለትን-ስንባደን ዘሎዉሉ ጊዜ - ኣብዚ ንህይወቶም ዘየተኣማምን ኵነታት፥ ነዞም ቆልዑ’ዚኦም ቅሳነትን ምርግጋእን ኪህቡ ዚኽእሉ ኣገደስቲ ዓበይቲ ሰባት ኣብ ጥቕኦም ኪህልዉ፥ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።
ኵሎም ቆልዑ ዝተፈላለዩ ሰባት እዮም፥ ነፍሲ-ወከፍ ዑቕባ ሓታቲ ቆልዓ ድማ፥ ነናይ ርእሱ ናይ ህይወት ዛንታ ተሓንጊጡ ዝመጸ እዩ። ገለ ዑቕባ ሓተት’ቲ ቆልዑ፥ ኣብ ጕዕዞ ስደት ንነዊሕ እዋን ከርተት ዝበሉ ብምዃኖም፥ ምስ ስድርኦም ካብ ዘይራኸቡ ነዊሕ ዓመታት ዝገበሩ ኪኾኑ ይኽእሉ እዮም። ገለ ካልኦት ግን፡ ካብ ወለዶም ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተፈላለዩ ኪኾኑ ይኽእሉ እዮም። ገለ ቆልዑ ምስ ቤተሰቦም ርክብ ዘሎዎም እዮም። እቶም ካልኦት ግን፡ ንወለዶም ንምንዳይ ኣበይ ከም ዚጅምሩ ውን ዘይፈልጡ ቆልዑ እዮም። ኵሎም ቆልዑ፡ ህይወቶም ብብዙሓት ሕቶታትን ጭንቅን ዝተመልአ እዩ። ገለ ቆልዑ፡ ብዛዕባ ኵነታቶም ንኽርድኡ ሕቶታት ዚሓቱን ሓገዝ ዚልምኑን እዮም። ገለ ካልኦት ግን፥ ነቲ ዘሎዎም ምጭናቕ፡ ምስ ዝኾነ ሰብ ንምዝራብ ከይደፈሩ፥ ዓቢጦም ዚሕዝዎ ቆልዑ እዮም።
ከም ዓቢ ሰብ መጠን፡ ንስኻ/ንስኺ፡ ኣብዞም ቆልዑ’ዚኦም ኣዝዩ ኣገዳሲ ተራ ዘሎካ/ኪ ሰብ ኢኻ።ንስኻ ኢኻ ነዞም ዑቕባ ዝሓተቱ ቆልዑ፥ ኣብቲ ዘሎዉዎ ከቢድ ሃለዋት ክትመርሖምን ክትድግፎምን ትኽእል። ነዞም ገጻኣት’ዚኦም፥ ምስቶም ቆልዑ ሓቢርካ ክተንብቦ ትኽእል ኢኻ። ንስኻትኩም ሓቢርኩም ድማ፥ ነቶም ነንበይኖም ሓደ ዑቕባ ሓታቲ ቆልዓ ክሰግሮም ዘሎዎም ደንደላታት ክትሓልፍዎም ትኽእሉ ኢኹም።
ንቖልዑ ኣገዳሲ ተባሂሉ ኪቝጸር ዚኽእል፡ እዚ ዚስዕብ ሰብ ኪኸውን ይኽእል’ዩ፡-
- ወላዲ/ት
- ወይ ውን ካልእ መጕዚት/ኣዕባዪ
- ብዓል-ሕድሪ (god man)
- ዘመድ
- መምህር
- ኣማኻሪት-ተመሃሮ (kurator)
- ካብ ግብረ-ሰናይ ማሕበራት ዝመጹ ሰባት
- ሰራሕተኛታት ”ሚግራሾንስቨርከት” ወዘተ እዮም።
ተወሳኺ ሓበሬታን ደገፍን
ኣብዚ፡ ብዛዕባ ሃገር ሽወደን ብዝበለጸ ክትመሃረሉን ፍልጠት ክትረኽበሉን ትኽእል፥ ደገፍን ኪህቡኻን፡ ናብ ”መራኸቢ-ቀለቤታት” ከምርሑኻ ናይ ዚኽእሉ ትካላትን ማሕበራትን ኣስማት ክትረክብ ኢኻ።
”ብሪስ” (Bris)፡ መሰል ሕጻናት ኣብ ሕብረትሰብ (Barnens rätt i samhället) ዝተባህለ ትካል፥ ንመሰላት ሕጻናት ዚቃለስ ውድብ እዩ። ምስ ሓደ ዓቢ ሰብ ንምዝርራብ ዘድልየካ ምስ ዚኸውን፥ ምስ ውድብ ”ብሪስ” ርክብ ግበር።
ናብ ”ብሪስ ናይ ቆልዑ ደገፍ” ቴሌፎን ደውል፡- 116 111
www.bris.se (ብቛንቛ ሽወደን) External link.
”ህጻናት ኣድሕን” (Rädda barnen)፡ ንመሰላት ሕጻናት ዚሰርሕ ውድብ’ዩ።
www.raddabarnen.se/rad-och-kunskap/barn-och-unga (ብቛንቛ ሽወደን) External link.
”ቀይሕ መስቀል” (Röda korset)፡ እቲ ኣብ ጭንቂ ንዘሎዉ ደቂ-ሰባት ንምክልኻልን ንምሕጋዝን ዝነጥፍ ውድብ እዩ። ”ቀይሕ መስቀል” ቤተሰብካን ኣዝማድካን ንኽትረክብ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።
www.rodakorset.se/en/get-help (ብቛንቛ አንግሊዝ) External link.
”ወኪል-ሕጻናት” (Barnombudsmannen)፡ ሓደ ካልኦት ናይ ሽወደን ኣብያተ-ስልጣን ነቲ ኣብ ”ስምምዕ-ሕጻናት” (barnkonventionen) ሰፊሩ ዘሎ ሕጊታት ይስዕብኦ ምህላወን ዚቋመት ቤትስልጣን እዩ። ኣብዚ ብዝበለጸ ብዛዕባ ናትካ መሰላት ክትመሃር ኢኻ።
”ዩሞ” (Youmo)፡ እቲ ኣብ ኢንተርነት ዚርከብ፥ ናይ “መቐበል መንእሰያት መርበብ ሓበሬታ” እዩ። ኣብዚ ሓበሬታ ብዛዕባ ጾታዊ-ርክባት፡ ጥዕናን ሓድሕዳዊ-ዝምድናታትን ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ክትረክብ ኢኻ።
www.youmo.se/ti-er External link.
”ኣር ኤፍ ኤስ ኤል” (RFSL)፡ ንናይ ”ሆሞ-ጾታውያን”፡ ”ቢ-ጾታውያን”፡ ”ትራንስፐርሾን”፡ ”ኲርስ” ከምኡ ውን ”ኢንተርሴክስ-ፐርሾነር” መሰላት ዚሰርሕ ትካል’ዩ። እዚ ”RFSL Newcomers” ንናይ ስደተኛታትን ሓደስቲ-መጻእተኛን መሰል ዚሰርሕ እዩ።
www.rfsl.se/en/medlem/asyl/ (ብቛንቛ አንግሊዝ) External link.
”ክቪኖ-ፍሪድስሊንየን” (Kvinnofridslinjen)፡ ንዓኺ ምፍርራሕ፡ መውቃዕቲን ስነልቦናዊ-ዓመጽን፥ ጾታዊ-ዓመጽን ዘጋጠመኪ ሰበይቲ፥ ምኽሪን ደገፍን ዚህብ ትካል’ዩ። ሓበሬታ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ተዳልዩ ኣሎ። ናብ ዚስዕብ ቁጽሪ ቴሌፎን 116 016 ውን ክትድውሊ ትኽእሊ ኢኺ። ኣብ ውሽጢ ቁሩብ ደቓይቕ ተርጓማይ ከዳልዉልኪ ይኽእሉ እዮም።
www.kvinnofridslinjen.se (ብቛንቛ ሽወደን) External link.
”ኮልፖሶስ.ኤስኤ” (Kollpåsoc.se) ሓደ መርበብ ሓበሬታ ኮይኑ፥ ካብ ”ቤትስልጣን ማሕበራዊ ጉዳያት” (socialtjänsten)፥ ብዛዕባ’ቶም ክትረኽቦም ትኽእል መሰላትን ዕድላትን ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ።
www.kollpasoc.se/en (ብቛንቛ አንግሊዝ) External link.
”ሚን ረት-ዲን ሮል” (Min rätt – Din roll) እዚ፡ ናባኻ ብዘይወለዲ ዝመጻእካ ሓታቲ ዑቕባ ቆልዓን፥ ናብ ”ብዓል-ሕድሪ” (god man) ከምኡ ውን ናብቶም ካልኦት፡ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ንዓኻ ንምሕጋዝ ነናቶም ተራ ዘሎውም ተዋሳእቲ ትካላት ዘቕንዐ እዩ። ኣብዚ ብዛዕባ’ቶም ናይ ትካላት ነንበይኖም ዝጻወትዎም ተራን (ምቅሊት ስራሕን)፥ ናይቶም ንስኻ ዘሎዉኻ መሰላትን ዝበለጸ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ። ኣብዚ ንኣብነት፡ ሓደ ”ብዓል-ሕድሪ” (god man) ብዛዕባ እንታይ ኪሕግዘካ ከም ዚኽእል ሓጸርቲ ፊልምታት ክትርኢ ትኽእል ኢኻ።
Min rätt – din roll (rfs.se) External link.ብቛንቛ ሽወደን External link.)
እቶም ”Vad händer nu?” ዚብሉ ፊልምታት፥ ንዓኻ ብዘይወለዲ መጺእካ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ዝሓተትካ ቆልዓ፥ ኣብ ሓደ ናይ ሓባር-መንበሪ-ቦታ ወይ ኣብ ሓደ ”ፋሚሊ-ሄም” ተመዲብካ ትነብር ዘሎኻ ቆልዓ ዚምልከት እዩ። ኣብዞም ፊልምታት’ዚኦም፥ ኣብ ሽወደን ኣብቲ ናይ መጀመርታ ግዜኻ እንታይ ከጋጥም ከም ዚኽእል፥ ምስ ኣየኖት ሰባት ከም ትራኸብ፥ እቲ ዑቕባ ትሓተሉ መስርሕ ውን ብኸመይ ከም ዚካየድን ክትፈልጥ ኢኻ። ነቶም ፊልምታት’ቲኦም፡ ንበይንኻ ወይ ምስ ሓደ ዓቢ ሰብ ኴንካ ውን ክትርእዮም ትኽእል ኢኻ። እቶም ፊልምታት፡ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ተዳልዮም ኣሎዉ።
”Socialstyrelsen vad händer nu” Youtube (ብቛንቛ ሽወደን) External link.
እዚ ”Information Sverige” ዝበሃል፥ ሓደ ”መርሖ” (portal) ንናብ ሽወደን ንዝመጹ ሓደውስቲ ሰባት ዝተዳለአ ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ። ኣብኡ ድማ፡ ሕብረትሰብ ሽወደን ብኸመይ ከም ዚስርሕ፥ ንኣብነት ብዛዕባ መንበሪ ቤት፡ ትምህርቲን ክንክን-ሕማምን ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።
www.informationsverige.se/ti External link.
እዚ ”Lär dig svenska”፡ ሓደ ገጽ ካብቲ ”Information Sverige” ዝተቐድሐ ኮይኑ፥ ከመይ ጌርካ ቋንቋ ሽወደን ባዕልኻ ክትመሃር ከም ትኽእል ዚሕብር እዩ።
www.informationsverige.se/ti/jag-ar-asylsokande/lar-dig-svenska External link.
Utan föräldrar – tigrinska

እዘን ፊልምታት እዚኣተን፡ ንስኻን ስድራኻን ኣብ ሽወደን ዑቕባ (ሓለዋ) ክትሓትት ከለኻ እንታይ ከም ዘጋጥም፥ ብኸመይ ከም ዘጋጥምን ስለምንታይ ከበድቲ ሕቶታት ምምላስ ከድልየካ ከም ዚኽእልን ዚሕብራ እየን። ብዛዕባ ናብራ ሽወደንን እንታይ ዓይነት መሰላት ከም ዘለካን እውን ብዝያዳ ክትፈልጥ ኢኻ።
እተን ፊልምታት ነቶም ኣብ ከባቢ 7 ክሳብ 11 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ዝምችኣ እየን። ዘይተርድኣኩም ነገር እንተሃልዩ መታን ክትዛረቡሉ ክትኽእሉ፥ ነተን ፊልምታት ምስ ሓደ ዓቢ ሰብ ብሓባር ኴንኩም ክትርእይወን ጽቡቕ እዩ።
ዑቕባ ምሕታት
ዑቕባ ምሕታትን እቲ ብድሕሪኡ ዘጋጥም ነገራትን ብኸምዚ ዚስዕብ ኣገባብ ይፍጸም።
ንኽትስማዕ መሰል ኣሎካ
ንስኻ/ንስኺ ብኸመይ ኵነታት ከም ዝሓለፍካ ኣብ ተዘንትወሉ ጊዜ፥ ዓበይቲ ሰባት ጽን ኢሎም ክሰምዑኻ ኣሎዎም።
ስምዒታት
ካብ "ሚግራሾንስቨርከት" ዚወሃበካ ውሳኔ ምጽባይ ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
ናብራ ኣብ ሽወደን
ኵሎም ቆልዑ ብቕሳነት ኪነብሩን - ጽቡቕ ህይወት ውን ኪህልዎምን መሰል ኣሎዎም እዩ።
ንዓኻ ኣገዳሲ ዝዀንካ ዓቢ ሰብ
እዘን ንህጻናት ዝቐርባ ዘሎዋ ፊልምታት፥ ኣካል ናይቲ ንሓተትቲ ዑቕባ ዚወሃብ ሓበሬታ መላለዪ ማሕበረሰብ* እየን። እቲ ትሕዝቶ ድማ፡ ምስቲ ዓበይቲ ሓተትቲ ዑቕባ ካብ ሚግራሾንስቨርከት ዚወህብ ናይ ሓደ ምሉእ መዓልቲ ስልጠና ዝመጣጠን እዩ። እተን ፊልምታት ንህጻናት ዝምችኣ እየን፣ ትሕዝቶአን ግን ቆልዑ ምስ ሓደ ዓቢ ሰብ ክዛረቡሉ ዘድልዮም ሕቶታት ከልዕላ ዚኽእል እየን። ስለዚ ነተን ፊልምታት ምስቲ ቆልዓ ኴንኩም ክትርእይወንን፥ ብዛዕባ እቶም ኣብኡ ዚልዓሉ ሕቶታት ብሓባር ክትዝትዩን ጽቡቕ እዩ።
ካልኦት ዓበይቲ ቆልዑኸ ትረክብ ዲኻ? ዚያዳ ብጽሑፍ ዚቐርብ ዝርዝር ሓበሬታ ኣብዚ ዚስዕብ ገጽ ክትረክብ ኢኻ። ነቶም ቈልዑ ኴንኩም ዑቕባ ዝሓተትኩም
*ኣብ 2021 ዓመተ ምሕረት፡ ሚግራሾንስቨርከት ካብ መንግስቲ ሽወደን ”መላለዪ ሓበሬታ ማሕበረሰብ” (Samhällsintroduktion) ንሓተትቲ ዑቕባ ንኸዳሉ ሓደ ስራሕ ተቐቢሉ ኔሩ እዩ። እዚ ”መላለዪ ማሕበረሰብ” ምርካብ፥ ነቶም ኣብ 15 ዓመት ዕድመን ልዕሊኡን ዘሎዉ ዑቕባ ሓተትቲ ግዴታዊ ኮይኑ፤ ኣብኡ ድማ፡ ብዛዕባ መስርሕ ኣተሓትታ ዑቕባ፥ ሕጊታት ናይ ሽወደን፥ ዴሞክራሲ፡ ስርዓትን ክብሪታትን ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ። ኣብቲ ዝተዋህበ መዝነት’ቲ ብተወሳኺ፥ ንቖልዑ ዝሰማማዕ ናይ ሓበሬታ-ኣገባብ ምድላው ዘካተተ እዩ።