ናይ ርእስኻ መንበሪ-ቦታ

Eget boende – tigrinska

እዚ ሓበሬታ’ዚ፡ ንዓኻ ዑቕባ-ሓታቲ ዝዀንካ፥ ነቲ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ንምርካብ ሓቲትካሉ ዘሎኻ ጉዳይ መልሲ እናተጸበኻ፥ ኣብ ናይ ርእስኻ መንበሪ-ቦታ ንምቕማጥ ዝሓሰብካ ዝተዳለወ ሓበሬታ እዩ።

ኣብ ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” መንበሪ-ቦታ ንምቕማጥ ዘይትደሊ እንተ ዄንካ፥ ባዕልኻ ትቕመጠሉ ቦታ ክተናዲ ትኽእል ኢኻ። ብዙሓት ሰባት፡ ክሳብ’ቲ ናይ’ቲ ዑቕባ ሓቲቶምሉ ዘሎዉ ጉዳይ መልሲ ዚረኽቡ፥ ምስ ኣዕሩኽቶም ወይ ኣዝማዶም ኪቕመጡ ዝመርጹ ኣሎው። መንበሪ-ቦታኻ ባዕልኻ ክተዳሉ እንተ መሪጽካ፥ ነቲ ናይ መንበሪ-ቦታኻ ወጻኢታት ውን ባዕልኻ ኢኻ ትሽፍኖ። መንበሪ-ቦታኻ ባዕልኻ ክተዳሉ እንተ መሪጽካ፥ ነቲ ናይ መንበሪ-ቦታኻ ወጻኢታት ውን ባዕልኻ ኢኻ ትሽፍኖ።

ኣብ ናይ “ሚግራሾንስቨርከት” መንበሪ-ቦታ ዲኻ ትመርጽ ወይ ናይ ገዛእ ርእስኻ መንበሪ-ቦታ ክተዳሉ ብዘየገድስ፤ መታን “ሚግራሾንስቨርከት” ኣብቲ ዚደልየካ ጊዜ ኪረኽበካ ኪኽእል፥ ትርከበሉ ቦታ ንጹር ኪኸውን ይግባእ። ኣብቲ ናይ ትጽቢትካ ጊዜ ኣድራሻ ምስ ትቕይር፥ ነቲ ናይ ቤትጽሕፈት ምቕባል ስደተኛታት ኣሃዱ (mottagningsenhet) ናብ ሓድሽ ኣድራሻኻ ክትፈልጦ ከም ዚግብኣካ ዘክሮ።

ሓድሽ ኣድራሻኻ ኣበይ ምዃኑ መልእኽቲ እተሕልፈሉ ኦርኒክ፡- Adressanmälan eller adressändring (ኣድራሻ ምቕያር)፡ ናይቲ ኦርኒክ ቁጽሪ Mot93 እዩ። (ብቛንቛ ሽወደን) Pdf, 631.9 kB, opens in new window.

ነዚ ኦርኒክ’ዚ በዚ ዚስዕብ ኣገባብ ትመልኦ Adressanmälan eller adressändring (Mot 93)

ገለ ፍሉያት መንበሪ-ቦታታት፡ ነቲ ገንዘብ ናይ ምርካብካ መሰል ኪጸልዎ ይኽእል’ዩ

ገለ መንበሪ-ቦታታት ማሕበረ-ቁጠባዊ ብድሆታት ዘሎዎም ኣሎዉ’ዮም። እንተ ደኣ ናብ ከምዚ ዓይነት ናይ መንበሪ-ቦታ ከባቢ ግዒዝካ፥ ኴንካ፥ ነቲ ዚወሃበካ ”መዓልታዊ ሓገዝ ገንዘብ” (dagersättning) ከምኡ ውን ”ፍሉይ ናይ ገንዘብ ደገፍ” (särskilt bidrag) ንምርካብ ዝነበረካ መሰል ከቛርጽ’ዩ። እንተ ደኣ ዝተመዝገብካሉ ኣድራሻ ካልእ - እቲ ብሓቂ እትቕመጠሉ ኣድራሻ ድማ ካብኡ ዝተፈልየ ዀይኑ ውን፥ እቲ ዚወሃበካ ”መዓልታዊ ሓገዝ ገንዘብ” ከምኡ ውን ”ፍሉይ ናይ ገንዘብ ደገፍ” ንምርካብ ዝነበረካ መሰል ከቛርጽ’ዩ። ንኣብነት ከም ናይ ቡስጣ ኣድራሻኻ ጥራይ ትጥቀመሉ’ዩ።

ኣብዚ ታሕታ፡ እቲ ክትግዕዘሉ ሓሲብካ ዘሎኻ ናይ መንበሪ-ቦታ ኣድራሻ፥ ኣብ ከምቲ እቲ ካብ ”ሚግራሾንስቨርከት” ዚወሃበካ ”መዓልታዊ ሓገዝ ገንዘብ” ከምኡ ውን ”ፍሉይ ናይ ገንዘብ ደገፍ” ንምርካብ ዘሎካ መሰል ኪጸሉ ዚኽእል ምዃኑ ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ።

ነቲ ኣድራሻ ኣብዚ ጸሓፎ

ብቐይሕ ዝተመልከተ = ናብዚ ኣድራሻ’ዚ እንተ ግዒዝካ፡ እቲ ሓገዝ ገንዘብ ናይ ምርካብካ መሰል ከቛርጽ’ዩ።

ብቐጠልያ ዝተመልከት = ናብዚ ኣድራሻ’ዚ እንተ ግዒዝካ፡ እቲ ሓገዝ ገንዘብ ናይ ምርካብካ መሰል ኣይከቛርጽን’ዩ።

ክተስተውዕሎ ዚግባእ፡ መታን ሓቀኛ መልሲ ክትረክብ፥ ቅኑዕ ዝዀነ ኣድራሻ ክትጽሕፍ ከም ዘሎካ እዩ። ናይ ፖስታ ሳጹን ቁጽሪ ኣይሰርሕን’ዩ።

ኵሉ ጊዜ ናይ ”ሚግራሽንስቨርከት” መንበሪ-ቦታ ክትረክብ መሰል ኣሎካ

ብገለ ምኽንያት ኣብቲ ባዕልኻ ዘዳለኻዮ መንበሪ-ቦታ ምቕማጥካ ክትቅጽል ምስ ዘይትኽእል፥ ናብቲ ክፉት ቦታ ዘሎዎ ናይ ”ሚግራሾንስቨርከት” መንበሪ-ቦታ ክትግዕዝ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ’ዚ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ፥ ናብቲ ምዝጉብ ዝዀንካሉ ቤት ጽሕፈት ምቕባል ስደተኛታት ኣሃዱ ርክብ ግበር።

ክትጸንሕ እንተ ተፈቒዱልካ

ኣብ ባዕልኻ ዘዳለኻዮ መንበሪ-ቦታ እናተቐመጥካ፥ መንበሪ-ፍቓድ (uppehållstillstånd) እንተ ደኣ ተዋሂቡካ፥ ሽዑ ውን ንዓኻ ዚኸውን መንበሪ-ቦታ ባዕልኻ ኢኻ ክትረክብ ዚግብኣካ። መብዛሕትኡ ጊዜ ብድሕሪ’ቲ መንበሪ ፍቓድ ምርካብካ፥ እቲ ካብ “ሚግራሾንስቨርከት” ኪህልወካ ዚኽእል ሓገዝ ናይ ምርካብ መሰል እንተ ነውሐ ንሓደ ወርሒ’ዩ።

ኣብዚ፡ ብዛዕባ ብጊዜ ዝተደረተ መንበሪ-ፍቓድ ምስ ረኸብካ ዘጋጥሙ ነገራት፥ ብዝበለጸ ኣንብብ።

ኣብ ሽወደን ንኽትጸንሕ ዘይፍቀደልካ እንተኾይኑ

ንስኻ ኣብ ናይ ርእስኻ መንበሪ ቦታ ትቕመጥ ሰብ፥ ካብ ሃገር ናይ ምስጓጕ ወይ ንምውጻእ ውሳነ ምስ ዚወሃበካ፥ እቲ ውሳነ ተግባራዊ ኪኸውን ምስ ጀመረ፥ ኣብ ሓደ ካብቶም ”ሚግራሾንስቨርከት” ዘዳለዎም ”ናይ ተመለስቲ መንበሪ-ማእከል” (återvändandecenter) ቦታ ንኺወሃበካ ክትሕተት ኢኻ።

እቲ ዑቕባ ንምርካብ ዘእተኻዮ ምልክታ እንተ ተነጺጉ እንታይ ከጋጥም ከም ዚኽእል ንምፍላጥ ብዝበለጸ ኣንብብ። (ብቛንቛ አንግሊዝ)

Last updated: